2024.09.16 Conferenza stampa di presentazione del Sinodo 2024.09.16 Conferenza stampa di presentazione del Sinodo  (Vatican Media)

ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ መራሕቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ወርሒ ጥቅምቲ 2024

ብፁዓን ካርዲናላት ኣቡነ ግሬችን ኣቡነ ሆለሪኽን ከምኡውን ክቡር ኣባ ኮስታን ክቡር የኔታ ባቶኪዮን ኣብቲ ህየንተ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝተመርሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ካልኣይ ክፍል ስሩዕ መበርል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝርዝር ሓበሬታ ሂቦም። ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቶም ግዳያት ውግእን ከምኡውን ዝተነጸሉ ስደተይናታትን ዝወሃብ ምስክርነት ተሰንዮም ሓደ ናይ ንስሓ መደብ ጸሎት ክመርሑ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሲኖዶስ እዋን ጸሎት ኣስተንትኖን ኢዩ "ባይቶኣዊ ጉባኤ ውን ኣይኰነን" የግዳስ "ሓደ ናይ ቤተክርስትያን ጉባኤ ጸሎት ኢዪ፣" ንቃል ኣምላኽን ንመንፈስ ቅዱስን ጽን እንብለሉ ከምኡውን ኣምላኽ ንሓጢኣት ቤተ - ክርስትያን ይቕረ ንኽብል እንልምነሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ። ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሪች ትማሊ ሰኑይ ዕለት 16 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጸኢ ካብ ዕለት 2 ክሳዕ 27 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝካየድ ካልኣይ ክፋል ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝርዝር ሓበሬታታት ኣቕሪቦም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕለት 9 ጥቅምቲ 2021 ሲኖዶሳዊ ጕዕዞ ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን "ቀንዲ ቀላሲ ጉባኤ ሲኖዶስ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣" ብምባል ከም ዘመልከቱ ውን ዘከሩ።

ናይቲ ብዛዕባ ጉዳየት መራኸቢ ብዙሓንን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሓበሬታ ሲኖዶስን ዝዀነ ፓውሎ ራፊኒ ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለሲ ብዛዕባ ጉባኤ ሲኖዶስ መተኣታተዊ ዝኸውን መግለጺ ብምቕራብ ነቲ መደብ ከፈቶ።

ሲኖዳዊ ሱባኤን ናይ ንስሓ መደብ ጸሎት ዘሠርክን

ብፁዕ ካርዲናል ግሪች ከም ዝገለጽዎ ልክዕ ከምቲ ቐዳማይ ክፍለ-ግዜ ናይዚ ጉባኤ ሲኖዶስ እዚ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ጉባኤ ሲኖዶስ ብዕለት 30 መስከረምን ከምኡውን ብ1 ጥቅምትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኽልተ መዓልቲ መንፈሳዊ ሱባኤ ክካየድ እዩ፣ እዚ ሱባኤ እዚ ኸኣ በቶም ዶመኒካዊ ካህን ዝኹን ክቡር ኣባ ቲሞቲ ራድክሊፍን ከምኡ ውን በነዲክታዊት መነኮስ ዝኾና ክብርቲ እናቴ ኢግኛጽያ ኣንጀሊኒ ዝመሓላለፍ ኣስተትኖታት ተመሪሑ ኢዪ ክካየድ ። ምስቶም ነቲ ሊጡርጊያዊ ሥርዓታት ብሓላፍነት ዚከታተሉ ካማልዶላዊ መነኮስ ክቡር ማትዮ ፌራሪ ብሓባር ኣብ ኪደት ሲኖዶስ ንስካየድ ጸሎታት ውን ክመርሑ እዮም።

ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝካየድ ሓድሽ ምደብ ድማ ድሕሪ ሱባኤ፣ ሰሉስ ዕለት 1 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዚምራሕ ሱባኤን ናይ ንስሓ መደብ ጸሎት ዘሰርክን ክካየድ ኢዩ። ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ብወገኖም ከም ዝገለጽዎ ምስ ሕብረት ጠጥለልቲ ኣሕሉቕ ማሕበራትን ምስ ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ጥቕለልቲ ማሕበራት ብምትሕብባር ብዋና ጸሓፊ ጉባኤ ሲኖዶስጳጳሳት ሰበኻ ሮማን እተወደበ ዀይኑ፣ ብመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኪፍኖን ንዅሎም ምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ክፉት ኪኸውን እዩ፣ “ከመይሲ መልእኽቲ ቤተ ክርስትያን ንዓታቶም ሕድሪ ዝዋሃብ ክንዲ ዝኾነ።” ኣስዒቦም ድማ ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ "መንእሰያት ብሰንኪ ሓጢኣትናን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ብዝገበርናዮ ሓጢኣትን ይሳቐዩ ኢዮም ዘለዉ" ብምባል ውን  ኣጕልሑ። ኣብዚ መደብ ጸሎት ንስሓ እዚ ኻብቶም ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ቕልውላው ስደተይናታትን ዓመጻ ውግእን ከምኡውን ዘይተገዳስነት ሕብረተሰብ ግዳያት ዝኾኑ ሰለስተ ውልቀ-ሰባት ምስክርነት ከቕርቡ ኢዮም። ብድሕርዚ "ንገዛእ ርእስና ከም ክፍሊ እቶም ብተክፋር ኮነ ወይ ብዘይምግባር እተፈጸመ ጉድኣትን ዓመስን ኣብቶም ንጹሃንን መሳኪንን ዝወረደ ስቓይን ጕድኣትን ተሓተትቲ ከም ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ" ናይ ገለ እተወሰኑ ሓጢኣታት ንስሓን ጣዕሳን ክካየድ ኢዩ።

ብፍላይ ኣንጻር ሰላምን ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ደቀባትን ስደተኛታትን ደቂ ኣንስትዮን ስድራ ቤትን መንእሰያትን እተፈጸመ ሓጢኣት፣ ከምኡ ውን ንዓንቀጽ እምነት ከም ንኻልኦት መውገሪ እምኒ ምጥቃምን፣ ሓጢኣት ኣንጻር ድኽነትን ሲኖዳውነትን (ከም ክትሰምዕ ዘይምኽኣል ወይ ንሕብረትን ንተሳትፎን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ዝኣመሰለ) ሓጢኣት ኣብ ኑዛዜ ክቐርብ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ክንዲ ዅሎም እሙናት ካብ ኣምላኽን ካብ ኵሎም ደቅሰብን ይቕረታ ብምሕታት ድማ እቲ ምደብ ጸሎት ንስሓ ክዛዘም ኢዩ ።

ጸሎት ሕብረት ክርስትና

ብዕለት 11 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ማለት ኣብቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰማዕትነት እተቐበለሉ ቅርዓት እውን መደብ ጸሎት ምእንቲ ሕብተት ክርስትና ክካየድ ኢዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ዝኽሪ መበል 62 ዓመት ካልኣይ ኢቁመናዊ ጉባኤ ቫቲካን እተኸፍተላ ዕለት እያ። ኣብ መወዳእታ ብዕለት 21 ጥቅምቲ ነቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ንምስትንታን ዝካየድ ካልኣይ መዓልቲ መንፈሳዊ መንፈሳዊ ሱባኤ ኽትህሉ ኢዩ። ብፁዕ ካርዲናል ግሪኽ ከም ዝገለጽዎ "ኣባኡ ድማ ብዛዕባ ብሕታዊ ጸሎትን ሕድሕዳዊ ተዋስኦን ከምኡውን ሕውነታዊ ተሳትፎ ኣብ ጽን ምብህሃልን ፍቕርን ዝብሉ ኣአርእስትታት ኣስተንትኖታት" ክህሉ ኢዩ።

ንዅሉ ክፉት ዝኾነ ኣርባዕተ ኣኼባታት

ካልእ ሓድሽ መደብ ከኣ ንዅሎም ሰባት እንተላይ ነቶም ናይ ምስታፍ መሰል እተዋህቦም ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ክፉት ዝዀነ ኣርባዕተ ስነ-መለኮታውን ጉስነታውን ኣኼባ ክካየድ ኢዩ። ካብዚኣቶም ክልተ ኣኼባታት ብ9 ጥቅምቲ ክካየድ ኢዩ፣ እቲ ሓደ ብዛዕባ "ህዝቢ ኣምላኽ ከም ልኡኻት ወንጌል" ዘርእስቱ ኣብ ናይ ኢየሱሳውያን ህንጻ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክካየድ ኢዩ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብዛዕባ "ተራን ስልጣንን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን" ዘርእስቱ ኣኼባ ኣብቲ ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣጐስቲንያኑም ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክካየድ ኢዪ። እቶም ዝተረፉ ኽልተ ኣኼባታት ድማ ብዕልት 16 ጥቅምቲ ካየዱ እዮም ። እዞም ኣኼባታት ድማ  ኣብ ናይ ኢየሱሳውያን ኣዳራሽ ብዛዕባ "ጥቡቕ ርክብ ዞባዊትን ኣድማሳዊትን ቤተክርስቲያን" ከምኡ ውን ኣብ ኣዳራሽ ኣጉስቲንያኑም ከዓ ብዛዕባ "ስልጣነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ሲኖዶስ ጳጳሳትን"  ዝብል ክኸውን ኢዩ። እዚ ድማ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ሕገ ቀኖናን ጳጳሳት ከምኡውን ካልኦት መደረ ንምቕራብ መደብ እተዋህቦም ሰባት ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ ። ብዘይካዚ ውን ብመስመር ኢንተርነት ኣቢልካ እውን ክትሳተፎ እትኽእል መደብ ክኸውን ኢዩ።

ቍጽሪ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ

ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ቍጽሪ ተሳተፍቲ እዚ ኻልኣይ ክፍለ-ግዜ ተራ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ምስቲ ቍጽሪ ተሳተፍቲ እቲ ቐዳመይ ክፍለ ግዜ ዝነበረ ከም ዚመሳሰል ገለጹ፣ 368 ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎም ኣባላት እንክኾኑ እዚኣቶም ድማ 272 ጳጳሳትን 96 ጳጳስት ዘይኮኑ ይርከብዎም። ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ እተሳትፉ 26 ለውጥታት ተገይሩ ኣሎ ፣ እዚ ኸኣ ብቐንዱ ምትካእ እዩ ዝነበረ ። ከምኡ ውን 8 ፍሉያት ዕዱማት ኣለዉ ኣብ ርእሲ እዚ ውን ቍጽሪ እቶም ኣሕውነታዊ ተሳትፎ ዘለዎም ወከልቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ካብ 12 ናብ 16 ወሲኹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓብተ ጸጋ ናይ ጕዕዞ ሲኖዶስ ዘለወን ተገደስነት ናይ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ዜንጸባርቕ እዩ ። ካብ ቻይና ውን ኽልተ ጳጳሳት ከም ዝሳተፉ ውን ተረጋጊጹ ኣሎ ።

17 September 2024, 11:40