ካብ ገለርያታት ውግእ ናብ ገለርያ ሕውነት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ወተሃደራትን ተጋደልትን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባትን ንምሕባእ ተባሂሉ እተሃንጸ ገለርያታት ውግእን ራዕድን ኣሎ። እንተዀነ ግን ኣብ መንጎ እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ዕርክነት ንምምስራት ገለርያታት እውን ተሃኒጹ ኢዩ ።
ኣብ ጃካርታ ኣታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዝዓበየት መስጊድ ኢስቲካል ኣብ ስግር ናይቲ ሰለስተ መስመራት ዘለዎ ዓቢይ ጐዳና ዚርከብ ካቶሊካዊ ካቴድራል ደብረ ፍልሰታ ለማርያም እያ እትርከብ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን ነዚ ኽልተ ቦታታት ኣምልኾ ዜራኽብ ዝነበረ ኣረጊት መተሓላለፊ ገለርያ ናብ ቀደሙ ተመሊሱ ብስእልታት ተሰሊሙ ናብ "ገለርያ ሕውነት" ተቐይሩ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንቦታ ጸሎት ምስልምናን ናይቶም ክርስትያን መሥዋዕተ ቅዱስ ቍርባን ዘቅርቡልኑን ቦታ ሓድነት ከም ዚህዎ ገይሩ ኣሎ።
ኣብዛ ብመራኸቢ ብዙሓን ብሰፊሑ ዝጋዋሕ ዘሎ ገሊኡ ኸኣ ብዓመጻን ጽልእን እተረስዐላ ዓለም "ኩልነ ኣኃው " ("ኩላትና ኣሕዋት") ስለ ዝዀንና መገዲ ዕርክነትን ዘተን ኣጋጣሚታት ንምፍጣር ከምኡውን ንሰላም ቈራጽነት የድልየና እዩ።
እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑን፣ ድልድል ዝሓንጹ ዘለዉን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ መልእኽቲ እዚ እዩ ዝህቡና ዘለዉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ ናብ እስያን ኦሽያንያን ብምኻድ ነቲ ዝነውሐ ሓዋርያዊ ዑደቶም ከካይዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ጕዕዞኡም በታ ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዘለውዋ ሃገረ ኢንዶነዥያ እዩ ጀሚሩ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ናብ ሲንጋፖር ክቕጽሉ ኢዮም።
እዚ ጕዕዞ እዚ ነቶም ከም ኣብ ኢንዶነዥያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝርከቡ "ንእሽቶ መጓሰ" ጥራይ ዝዀኑ ክርስትያን ምእመናን ቅርበቶም ንምግላጽ ወይ ከኣ ከምቲ ኣብ ቲሞር-ለስተ ዳርጋ ብሙልኦም ሕዝቢ እታ ሃገር ካቶሊካውያን ዝኾኑላ ቦታታት ንምብጻሕ ዚግበር ጕዕዞ እዩ።
ብዘይካዚ እተፈላለዩ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ባህልታትን ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ብሓባር ዝነብሩለን ንሓድሕዶም ኪከባበሩን ኪተሓባበሩን ስለ ዚኽእሉ ምስ ኵሎም ሰባት ክንራኸብን ብመናድቕ ዕንቅፋታትን ጽልእን ከምኡውን ዓመጽን ጸላእቲ ከም ዘይተዀነንና ኸነረጋግጽን ኣጋጣሚ ይኸፍቱልና ኣለዉ ።
እዚ ምብጻሕ እዚ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመት እተመደበ እኳ እንተ ተገብረ፣ ብሰንኪ እቲ ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ ከም ዝተደናጐየ ዝፍለት ኮይኑ፣ ይኹን እምበር ሎሚ ግን ትንቢታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ኣሎ። ናይ ሮማ ጳጵስ ኸምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚ ዝውዕሉ ስሞም ኮይኖም ብፍሉይ ዝዓይነቱ ኣጸሓሕፋ ገይሮም ንጽባቐ ወንጌል ንምርኣይ ደኣ እምበር ስዕረትን ወይ ምስዳዕን ኪኾኑ ኣይኮኑን ዝኸዱ ዘለዉ።
ጕዕዝኦም ኽሳዕ ናብታ ትሽዓተ ሽሕ ነፍሳት ዝቕመጥዋ ኣብ ገማግም ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ቫኒሞ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ዝኸይድ ክኸውን እዩ። እዚ መንፈስ እዚ ነቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዕለት 29 ሕዳር 1970 ንሒደት ኣማኢት ተቐማጦ እታ ደሴት መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ባዕሎም ሓሲቦም ናብ ሳሞዋ ናብ ኣፕያ ምስ ዝገበርዎ ዑደት ዝመሳልሰል ኢዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዕለት 20 ሕዳር 1986 ኣብ ሲንጋፖር ብዛዕባ እቲ "ናይ ሓቂ ትርጕም" ትምህርትታት ኢየሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንኽምስክሩ ዝደረኾም እውን እዚ ኢዩ - "ፍቕሪ ንድኻታት ብልግሲ ኢያ እትምልሰሎም፣ ነቶም ብሓዘን ዝሳቐዩ ኸኣ ትድንግጸሎም ኢያ። ፍቕሪ ቐልጢፋ እያ እትቕበል ኣብ ግዜ ፈተና እውን ትጸንዕ እያ ። ይቕረ ንምባል ተስፋ ብምግባር ውን ንመርገም ናብ በረኸት ንምልዋጥ ወትሩ ድሉውቲ ኢዩ ። 'ፍቕሪ መወዳእታ የብላን።' (1 ቈረ 13፡ 8)። ትእዛዝ ፍቕሪ ድማ ልቢ ወንጌል እዩ።"