ድለ

2024.10.17 Sinodo dei Vescovi - XI Congregazione Generale 2024.10.17 Sinodo dei Vescovi - XI Congregazione Generale  (Vatican Media)

ካርዲናል ፈርናንደዝ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ክጽናዕ ኢዩ

ኣብቲ ብዕለት 18 ጥቅምቲ ምስ ተወከልቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብ፣ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ዘተኰረን ቤተ-ክርስትያን ናይ ደቂ ኣንስትዮ መሪሕነት ንምድንፋዕ ቈራጽነት ከም ዝገበረትን ዝገልጽ ወግዓዊ መብርሂ ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ኣብቲ ምስ ተወድከልቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ተራኺቦም ኣብ ዘቕረቡሎም መግለጺ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ዲቍና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እተኻየደ ኣኼባ ተወከልቲ ሲኖዶስ ዘይርካቦም እንክገልጹ ኣወሃሃዲ ናይታ ጕጅለ መሳርሕቶም ብዘጋጠሞ ሕክምናዊ ጸገማት ምንባሩ ኣመልከቱ።

ንሱ ብዘይምህላዉ ኣብ ገሊኡ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ተገዳስነት ከም ዘይተገብረ ዚሕብር ሕቶታት ውን ኣበጊሱ እዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ነዚ ጕዳይ ከም ክፍሊ ናይቲ ዝሰፍሐ ዘተታት ምንባሩ ገይሮም ገለጽዎ፣ ምስቲ ኣወሃሃዲ ናይታ ጕጅለ መጽናዕቲ ብዕለት 24 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ብዛዕባ ዕዮ ናይቲ ጕጅለ ንምምይያጥን ነቲ እቶም ተሳተፍቲ ዘበገስዎ ሻቕሎት ንምምላስን ኣብኡ ከም ዝርከቡ ብምግላጽ ድማ ይቕሬታ ሓተቱ።

ተኣፋፊ ጕዳይ

ብመሰረት እቲ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብዚ እዋን እዚ ሕቶ ዲቍና ደቂ ኣንስቶ ገና ኣይበሰለን" ብምባል ገሊጾሞ ይርከቡ ክብሉ ኣመልከቱ።

"እቲ ነዚ ጕዳይ እዚ ዘጽንዕ ጉጅለ ሽማግሌ ብኸፊል ኣብ መደምደምታ በጺሑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ንሶም ዘመልከትዎ ግዜ ንህዝቢ ክቐርብ ኢዩ፣ ወሲኾም ድማ እቲ ብብፁዕ ካርዲናል ጁሰፔ ፔትሮቺ ዝምራሕ ሽማግሌ ዕማሙ ክቕጽል ኢዩ፣ እቶም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓሳባት ወይ መሕትት ከቕርቡ ዝደልዩ ኸኣ ንኽቕጽሉ ምትብባዕ ይወሃቦም ኣሎ።

እቲ ብዛዕባ ዲቍና ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓል ሕቶታት ገና ዘይተፈትሐ እኳ እንተ ዀነ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ግና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘለወን ግደ ንምምሕያሽ ብዙሕ ከም ዜተሓሳስቦም ኣጕልሑ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅዱስ ኣብ ምስጢረ ክህነት ምሉእ ብምሉእ ከየተኰሩ ንመሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ክብ ንምባል መገድታት ከናዲ ነቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንብር ከም ዝሓተቱ ውን ገለጹ።

ዝሰብሐ ራኢ ብዛዕባ መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ከም ዝገለጽዎ ኣብ ዲቍና ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ምትኳር ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዚርከባ ብሚልዮናት ዚቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ዚጸሉ ዘሎ ዝሰፍሐ ጕዳያት ከም ዘይፈትሖ ውን ኣስፊሖም ዘተዩ።

ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ግደ ንምስፋሕ እተፈላለየ ስጕምትታት ክውሰድ ከም ዝኽእልን፣ ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተቐበለቶን ውን ሓበሩ።

ሓደ ኻብዚ ኣብነታት እዚ ኣገልግሎት መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ እዩ ። እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት እዚ ምስ ተመስረተ፣ እዚ ብዛዕባ ጉዳያት መለኮታዊ ኣምልኾ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መነብር እዚ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝፍጸም ዝገልጽ ክልተ መገድታት ዝሓዘ መልኽቲ ናብ ጉባኤታት ጳጳሳት ኣመሓላለፈ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ “ፍቕርት ኣማዞን” እተሰምየት ድሕረ ሲኖዶስ ኣማዞንያ ዘውጽእዋ ሓዋርያዊት ምእዳን ምስ ዘቕረብዎ ራእይ ዚሰማማዕ ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ምስቲ  ደቂ ኣንስትዮ ካህናት ኣብ ዘይርከቡሉ ማሕበራት ዚመርሓሉን መሪሕነትን ሓላፍነትን ዚስከማሉን እማሜ ዚሰማማዕ እዩ ዝነበረ ። ይኹን እምበር ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ነዚ ኻልኣይ ኣማራጺ እዚ ዝተቐበለ ሒደት ጉባኤታት ጳጳሳት ጥራይ ምዃኑ ገለጹ ።

ብተመሳሳሊ እቲ ሕጂ ንደቂ ኣንስትዮ ፍቝድ ዝኾነ ኣገልግሎት ኣናጉንስጢስ ኣብ ሒደት ሚእታዊት ናይ ሰበኻት ጥራይ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ዝለዉ ካህናት ንደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ንምምራጽ ሰጋእታ ዘለዎም ብምዃኖም ከም ምዃኑ ገለጹ።

ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ድያኮናት ደቂ ተባዕትዮ ውን ከይተረፈ ውሱን ተቐባልነት ስለ ዘይረኸቡ እውን ነቐፍዎ፣ ኣብ ገሊኡ ቦታታት መዓርገ ዲቍና ከም "እተመዘዙ ኣገልግልቲ መንበረ ታቦት" ጥራይ ኮይኖም ከም ዝረኣዩ ውን ገለጹ።

እዚ ኣብነታት እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ናብ መዓርገ ዲቍና ምድያብ ተሃዊኽካ ምሻም ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ተሳትፎ ንምድንፋዕ እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ከም ዘይኰነ ዘርኢ ኢዩ።

ኣብ ክንድኡስ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ በቲ ትውፊታዊ ርድኢት መዓርገ ክህነት ከይተቀየዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን መሪሕነት ክወሃባ ከም ዝኽእላ ዓሚቝን ሰፊሕን ኣስተንትኖ ከም ዘድልዮ ውን ኣጕልሑ።

ንድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ምስማዕ

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ክሳተፋ ዘቕረብዎ ጻውዒት ንኣባላት ሲኖዶስ ብፍላይ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ምስክርነትን ሓሳባትን ነቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀስ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከካፍልዎም ተማሕጸኑ ።

ብዛዕባ እተን ኣብ ማሕበረሰበን መሪሕ ግደ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዚገልጽ ዛንታታት ክቐርበሎም ውን ሓተቱ ፣ እዚ ኸኣ ብምኽንያት እቲ ኣስገዳድ መዋቕራት ዘይኰነስ ብምኽንያት እቲ ኣድላይነት ህዝቢ ዝኾነ ነገራትን ብመንፈስ ቅዱስን እዩ ። ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕይወት ቤተ-ክርስትያን ዝገብርኦ ዘለዋ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ምሃብን ምርግጋጽን ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ "እቲ ክዉንነት ኻብዚ ሓሳብ እዚ ዝበለጸ ኢዩ" በሉ።

ስለዚ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ እዚ ኣበርክቶታት እዚ ክእክብን ክሰማዕን ከም ዘለዎ ቃል ኣተዉ፣ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ዘተ ንምቅልጣፍ ድማ ተሰማምዑ፣ ነቶም ተሳተፍቲ ድማ ብዛዕባ ኪደት እቲ ሲኖዶስ ዘተሓሳስብ ጕዳያት ኣብቲ መርሓ ግብር ከም ዝምልከትን ከምኡውን ብዛዕባ ኣባላት ጕጅለ መጽናዕቲ ቅድስቲ መንበር ዝያዳ ሓበሬታ ከም ዝህሉን ኣረጋገጸሎም።

ደረጃ ብደረጃ ዝካየድ ኣቀራርባ

ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ መወዳእታ መግለጺኦም ቤተ-ክርስትያን ደረጃ ብደረጃ ብህድኣት ነዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሪሕነት ናይ ምስታፍ መደባት ንምድንፋዕ ቁም ነገር ዘለዎ ምምሕያሽ ክትገብር ከም እትኽእል ዘለዎም እምንቶ ገለጹ።

"ኣብ ባህርይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ንኸይሕዛ ዝዓግተን ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን" ብምባል ውን ኣረጋገጹ፣ እቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዚመጽእ ሓሳብ ድማ ደው ኬብሎ ዝኽእል ከም ዘየልቦ ድማ ገለጹ።

22 October 2024, 15:24