Pope's envoy, Cardinal Matteo Zuppi attends a Holy Mass in Moscow Pope's envoy, Cardinal Matteo Zuppi attends a Holy Mass in Moscow  (ANSA)

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምርካብ ከም ጳጳሳዊ ልኡኽ ኰይኖም ናብ ሞስኮ ክበጽሑ ኢዮም

ኢጣልያዊ ብፁዕ ካርዲናል ማትዮ ጹፒ ሓደ ኽፋል እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክረይን ናብ ሰላም ዚመርሕ መገዲ ንምድላይን ዮክረይናውያን ቈልዑ ምስ ስድራ ቤቶም እንደገና ንክራኸቡን ንምልውዋጥ እሱራት ውግእ ዝዓለመ ብሕድሪ ዝሃብዎም ተልእኾ ንምፍጻም ናብ ሞስኮ ምብጻሕ ከካይዱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምግባር እተላእከ ፍሉይ ልኡኽ ትማሊ ሰኑይ ናብታ ርእሲ ኸተማ ሩስያ ዝዀነት ሞስኮ ኻልኣይ ምብጻሕ ይገብር ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንብፁዕ ካርዲናል ማትዮ ማሪያ ጹፒ ሊቀ ጳጳሳት ቦሎኛን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያን ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ከም ፍሉይ ልኡኹ ገይሮም ከም ዝሾምዎም ዝፍለት ኢዩ ።

ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለሲ ብፁዕ ካርዲናል ጹፒ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ከም ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ኣብ ተልእኾኦም ዝተመርኮሰ ኢዩ ።

እዞም ትውልደ ኢጣልያ ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ምስ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ክራኸቡ ከምኡውን "ነቲ ብዙሕ ትጽቢት እተገብረሉ ሰላም ንምምጻእ ዮክረይናውያን ቆሉኡ ምስ ስድራቤቶም እንደገና ንምርኻብን ንምልውዋጥ እሱራት ውግእ ዝዓለመ ተወሳኺ ጻዕርታት ከካይዱ ኢዮም።"

ከም ልኡኽ ሰላም መጠን ኣቐዲሞም እተገብሩ ምብጽሓት

ብፁዕ ካርዲናል ጹፒ ብ5-6 ሰነ 2023 ናብ ዩክረይን ብምብጻሕ ብምክያድ ነቲ ከም ልኡኽ ሰላም እተሰየሙሉ ተልኾ ጀመሩ፣ ኣብኡ ድማ ምስ ፕረዚደንት ቮሎዲመር ዜለንስኪን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን እታ ሃገርን ተራኸቡ።

ድሕርዚ ብፁዕነቶም ብ28-30 ሰነ 2023 ምስ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክሳዊ ፓትርያርክ ኪሪል ከምኡውን  ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሩስያን እንተላይ ምስ ዩሪ ኡሻኮፍ ተሓጋጋዚት ፈደረሽን ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ሩስያ ከምኡውን ኮሚሽነር ፕረዚደንት ፈደረሽን መሰላት ቈልዑ ሩስያን ዝዀነት ማሪያ ልቮቫ-ቤሎቫ ተራኸቡ።

ካብ ዕለት 17-19 ሓምለ 2023 ናብ ዋሽንግተን ዲ. ሲ. ተጋዒዞም ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብምርኻብ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመሓላለፉሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ጹፒ ካብ ዕለት 13-15 መስከረም 2023 ምስ ሊ ሁዊ ናይ ሃገረ ቻይና ፍሉይ ተወካሊ ጕዳያት እስያ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንምርኻብ ናብ ቤጂንግ ከም ዝበጽሑ ውን ዝዝከር ኢዩ።

15 October 2024, 15:39