ግህሰትን ሕፍረትን፦ ኣብ ቤልጅየም ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምዝካር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋን ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም በቲ ዘጋጥም ክውንነት ክብድሁን ክቖስሉን - ክትንከፉን ይፈቕዱ፤ ኩሉ ኣቐዲሙ ክዳሎ ኣይክእልን እዩ። እዚ እቲ ሰንበት ዕለት 29 መስከረም ዝተዛዘመ ዑደት ሉሰምበርግን ቤልጅየምን እውን ከምኡ እዩ ነይሩ።
ጳጳስ ሮሜ ምስ በልጅያዊ ንጉስን መራሔ መንግስትን ክዘራረቡ እንከለዉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ናይታ ሃገር ቤተ-ክርስትያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ጾር ኰይኑ ዝቐጸለ ህስያ ህጻናት ዝገልጽ ከቢድ መዓት ኣብ ልዕሊ ሓደ ቘልዓ እውን ዩኹን ከቢድ ገበን ምዃኑ ብንጹር ገሊጾምዎ እዮም።
ር.ሊ.ጳ. ካብቲ ዘዳለውዎ ጽሑፎም ንላዕሊ ክጥምቱ ከለዉ፡ እዚ ሎሚ እውን ከም ዝፍጸም ንምግላጽ፡ ነቶም ግዳያት ንጉስ ሄሮድስ ዝኾኑ “ቅዱሳን ንጹሃት” እንክብሉ ይገልጽዎም፥ እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ዘቕረብዎ ኣገላልጻ ኣይኮነን። ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተጸውዐ ዛዕባ ግህሰት ዝዘተየ ጉባኤ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንሄሮድስን ኣብ ልዕሊ ዕሸላት ዝፈጸሞ ጭፍጨፋን ብምጥቃስ፡ ኣብ ድሕሪ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝፍጸም ግህሰት “ሰይጣን ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣንድረያ ቶርኔይሊ የዘኻኽሩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ንጉስ ባውዱይን ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ዕለት 28 መስከረም ምስ ሓያሎ ግዳያት ግህሰት ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ዘካየድዎ ክልተ ሰዓት ብዝወሰደ ርክብ ኣዝዮም ከም እተተንከፉ ከም ዝሓበሩን፥ “ብሓሳቦምን ልቦምን” ናብ ዛንታታቶምን መከራኦምን ተመሊሶም፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዝፍጸም ግህሰት ይኹን ፈጻሚኡን ምሽፋን ብፍጹም ቦታ ከምዘየለ ደጊሞም የረጋገጹ። ክፍኣት “ክሕባእ ከም ዘይብሉ” እንታይ ደኣ ብትብዓት ናብ ብርሃን ክቃላዕ ከም ዘለዎ ገሊጾም፣ ነቲ በዳሊ መን ይኹኑ፣ ማለት “ዓለማዊ ሰብ፣ ካህን፣ ወይ ጳጳስ” ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ቤልጅየም ይኹን ኣብ ናይ ምምላስ በረራ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት መብዛሕትኡ ግህሰት ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ስፖርት ከምዘጋጥም ዘርኢ ብሰነ ኣሃዝ ዝቐርብ ጭብጥታት ክጠቕሱ . . . ንፈለማ ግዜ እውን ኣይኮነን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ንጹርነት፡ እቶም ሓላፍነት ካልኦት ብምጉላሕን ነቲ ጉዳይ ብምንእኣስ ንነብሶም ክከላኸሉ ዝደልዩ ከህልዉን፡ ቁጽርታት ብዘይግቡእ ዝጥቀሙሉ ዝኾነ ይኹን ምኽኒት ከይህሉ እውን ኣተሓሳሲቦም እዮም።
ሓቂ እዩ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ ዘመን ኣዝዩ ጽኑዕ ህጹጽ ሕግታት ኣንጻር ግህሰት ዝመርሕ መንገዲ ሒዛ ኣላ። ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዘይወሰዱ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ግህሰት ዘስካሕክሕ ምዃኑ ማዕረ ማዕሪኡ ሓቂ እዩ፣ እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ብዘይግቡእ ስልጣን ምጥቃምን ምዕፋንን ዝጅምር እዩ። ደቆም ብእምነት ክመሃሩ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣሕሊፎም ዝሃቡ ስድራቤታት፡ ብሰጋን ብነፍስን ብሞት ዝቖሰሉ ክመስሉ ርእዮም እዮም።
እዚ እቲ ዝፍጸም ግህሰት ከምቲቲ ሓደ እዋን ሊቀ ጳጳስ ቻርለስ ስክሉና ከም ዝበልዎ “ንነፍሲ ዝቐትል” ገበን እዩ።
በዚ ኸኣ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣሰር ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ክልተ ጳጳሳት ብምስዓብ፡ ግህሰት ደው ንምባል ኣዝዩ ጽኑዕ ሓድሽ ሕግታት ኣዊጆም እዮም፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝፍጸም እብ ልዕሊ ሓደ እውን ይኹን እቲ ገበን ብቑጽሪ ስለ ዘይምዘን ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ከቢድ ገበን እዩ።
እቲ ዝያዳ ዝምጥን ኣተሓሳስባ ሕፍረትን ውርደትን ምሕረት ይቕሬታን ምዃኑ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣመልኪቶም እዮም። ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ዝዓበየ ጸላኢ ቤተ ክርስቲያን ግዳማዊ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እንክብሉ ገሊጾም - ዋላ እኳ ብጌጋ ዝተረድእዎም እንተነበሩ - እዚ ንባዕ ናይ ንስሓ ኣተሓሳስባ እዩ።
ውርደትን ምሕረት ይቕሬታን ብዕምቆት ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሕድገት ሓጥኣን ዝቖመ ምዃኑን ኣብ ውሽጡ ዝፍጸም ግህሰት ንኹላትና ዝምልከት ቁስሊ ምዃኑን የዘኻኽሩና።
(Andrea Tornielli)