ድለ

2024.10.15 Sinodo dei Vescovi - Presentazione del Relatore Generale - Circolo Minori 2024.10.15 Sinodo dei Vescovi - Presentazione del Relatore Generale - Circolo Minori  (Vatican Media)

ካርዲናል ሆለሪኽ ፦ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቦታታትን ባህልታትን እተመስረተት እያ

ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽ ጠቕላሊ ኣፈ-ጉባኤ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ነቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይ መዛተዪ ሰንድ ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዘቕረቡሉ ኣጋጣሚ “ቦታ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ክፍሊ ናይቲ መዛተዪ ሰነድ ኣስተንተኑ ።

ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብዚ ሳልሳይ ሰሙን ናይ ኪደቱ ኣብ ዝበጽሓሉ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽ ነቶም ተሳተፍቲ ድኻም ከይስምዖም ኣተባብዕዎም።

እዞም ጠቕላሊ ኣፈ-ጉባኤ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ነቲ ራብዓይ ዓንቀጽ ናይ መዛተዪ ሰነድ — ኣብ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፍል ዝርከብ — መተኣታተዊ ኣብ ዝገብረሉ መደረኦም "ብሓደ ውሳነን ሓይልን " ክጽመዱ ከም ዘለዎም ኣጕልሑ ።

ኣብ ቦታታትን ባህልታትን እተመስረተት ቤተ-ክርስትያን

ካርዲናል ሆለሪኽ እዚ ዓንቀጽ እዚ ኣብ "ቦታታት" ከም ዘተኵር ገለጹ እዚ ኸኣ "ቤተ-ክርስትያን ኣብ ቦታን ባህልን (IL, 80) ሱር እንተ ዘይሰዲዳ ክንርድኣ ኣይንኽእል ኢና” ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዝሓዘ ድማ ኢዩ።

ካርዲናል ሆለሪኽ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ንነፍሲ ወከፍ ክፋል እዚ ዓናቕጻት እዚ ንዝህቦ ሓበሬታታት ብጥንቃቐ እንክገልጹ፣ ኣብዚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እቲ ብዛዕባ ቦታ ዚገልጽ ሓሳብ "ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝወሓደ ቦታን ጂኦግራፍያውን ትርጕም ኣለዎ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ እንተ ወሓደ ብሰንኪ ዓለምለኻዊ ነትን ሓድሽ ኤለክትሮኒካዊ ክውንነትን እዩ በሉ። ነቶም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ እዚ ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን ነቲ ውድባዊ ኣገባባት ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ክንርድኦ ከም ዘሎናን ከስተንትኑ ሓተትዎም።

ካርዲናል ሆለሪኽ ከም ዝገለጽዎ እዚ ስዒቡ ዘሎ ክፍል መዛተዪ ሰነድ ነቲ ኣብ መንጎ ቦታታትን ባህልታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያንን እንተላይ ምስ ምሥራቓዊት ካቶሊካዊት ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ እተመስረተ ርክባት ዝምልከት እዩ። ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን እዚ ርክብ እዚ ህያባት ናይ ምልውዋጥ ባህርይ ኣለዎ። ኣብ መንጎ እተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ኣብያተ - ክርስትያንን ኣድማሳዊ ቤተ - ክርስትያንን ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ከባቢ ቤተ - ክርስትያንን ዘሎ ርክብ እውን ኣስፊሖም ኣስተንተኑ ።

ኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ኣብ መወዳእታ እዛ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ መዛተዪ ሰነድ እዚኣ "ናይ ሓድነት ኣገልግሎት ጳጳስ ሮማ" ኣብ ግምት ከተእቱ ምዃና ውን ኣመልከቱ። ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ኣብ መግለጺኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳት ፍራንቸስኮ ነቶም ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስን ነዚ ዘተ እዚ ብመንፈስ "ነጻነትን ትብዓትን" ወይ ውን ግሉጽነት ክቐርብዎ ይዕድምዎም ከም ዘለዉ ገለጹሎም፣ እዚ ኸኣ ንኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ሮማ ኩርያን ብኸመይ "ሎሚ ዝያዳ ውጽኢታዊ ከም ዝኸውን" ምኽሪ ንምሃብ ከም ምኹኑ ኢዪ። ኣስዒቦም ካርዲናል ሆለሪኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ካብ ህይወትን ድሌትን ህዝቢ ኣምላኽ ኣትሒዝና ኣብቲ ዝመጻእናሉ ቦታታት ብሓቂ ኣብቲ እንሓስቦ ነገር ንምብጻሕ ዕተሾሙ ኢዮም " በሉ ።

ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዘሕለፍዎ ተመክሮ

ኣርእስትታት እዛ ሞድዩል እዚኣ ነቶም ውሽጣዊ ኣካላት ጥራይ ዘገድን ወይ ተክኒካዊ ጉዳይ ጥራይ ኪመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዝካየድ መድረኽ ዘተ ሥነ መልኮትን ሓዋርያዊ ጉስነትን ንዅሉ ሰብ ክፉት እንተ ብምኹኑ ነዚ ሓሳት እዚ ኼወግዶ ተስፋ ይግበረሉ በሉ።

ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ እዛ በጺሕናያ ዘሎና ዓንቀጽ ናይ መዛተዪ ሰነድ እዚኣ ልክዕ ከምታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓንቀጽ ነቶም ተሳተፍቲ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ "ህያው ተመክሮታት" ከም እተምጽኣሎም ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ። ብፁዕነቶም ድማ "እዚ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕዮ ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ቕኑዕ ኣተሓሳስባ እዩ ዚመስለኒ" ክብሉ ድማ መደረኦም ዛዘሙ ።

16 October 2024, 13:02