ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ‘ኣብ ግጭታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ተቐባልነት የብሉን’ ቅድስቲ መንበር፡ ‘ኣብ ግጭታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ተቐባልነት የብሉን’ 

ቅድስቲ መንበር፡ ‘ኣብ ግጭታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ተቐባልነት የብሉን’

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቫቲካን ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራዊ ትካላት ኣብ ጀነቭን ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ ኣብ መበል 34 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኩሎም ኣብ ዕጥቃዊ ውግእ ዝሳተፉ ወገናት ንሰላማውያን ሰባት ዝሕሉ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩ ግብረ ገባዊ ግዴታ ከምዘለዎም የዘካኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣብ ዘሰክፍ ጠርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን ዝርአ ዘሎ ስርዓት ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዳግማይ ብጽኑዕ ብምኹናን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ንሰላማውያን ሰባት ምቕታልን ንሓደጋ ምቅላዕን ብግብረ ገብ “ቅቡልነት ዘይብሉ” ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ እንክብሉ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝተቐትሉ ንጹሓን ከም ‘ጎናዊ ዕንወት’ ክቑጸሩ ግብእ ኣይኮነን

ሊቀ ጳጳስ ኤቶረ ባሌስትረሮ፣ ንጹሕ ህዝቢ ግዳይ ዕጥቃዊ ግጭታት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ብምባል ብዘይ ኣፈላላይ ኵሉ ዝርአ ዘሎ መጥቃዕቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ እንክብሉ ነቒፎም። "ዝቕተሉ ንጹሓን ዜጋታት ‘ጐናዊ ዕንወት’ ተገይሮም ክቑጸሩ ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን፥ “ወተሃደራዊ ዕላማታት በርግሳዊ ጉዳያት ከየእትዎ ዝብል ግዴታ እኳ እንተሃለወ፡ “ብገለ መንገዲ ብዘይ ኣፈላላይ በርገሳዊ ህዝቢ ንሓደጋ ዘቃልዕን ዝወቅዕን ግጭት ምህላዉ” ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ሳዕቤን ነታጒ ምጥቃም

ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ፣ ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ነታጒይ ኣጽዋር፣ ኣብ ልዕሊ ንሰላማዊ ህዝቢ ኣገደስቲ ዝኾኑ ከተማታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣባይቲ ሕክምና፣ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን መሰረተ ልምዓትን ምዝንባልን ሰፊሕ ዕንወትን የስዕብ ምህላዉ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ዓሚቝ ስክፍታ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፥

ምኽባር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ “ዝከኣል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ግብረ ገባዊ ግዴታ” ምዃኑ ዘኪሮም፣ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም “ኣብ መንጎ ዕንወት ኲናት’ውን እንተኾነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅዱስ ምዃኑ” ደጊሞም የረጋግጹ።

“ግርጭታት ከም ዘይተርፍ ጌርና ክንወስዶ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣብ ግዜ ውግእ ድማ ንኹሉ ፍቑድ ኢልና ክንቅበሎን ኣይንኽእልን ኢና”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምስፋሕ

ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘጨንቕ ኩነታት ዓለም፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ስነ - ምግባራዊ መሰረቱን ንምስፋሕ ዝዓለመ መስርሕ ትምህርቲ ብህጹጽ ከምዘድሊ ኣጉሊሖም፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብዞም ጉዳያት እዚኣቶም “ሕልና ህዝቢ ዳግማይ ንምንቕቓሕ” ኣበርቲዓ ከም እትዓይን ነዚ መስርሕ እዚ ከም እተተባብዕን ድማ ኣረጋጊጾም፥

ኣብ ግጭታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምጥቃም ምዕጋት የድሊ!

እዚ፡ ሎሚ ብመንጽር ምዕባለታት እደ ጥበብን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ዝተራቀ ኣጽዋር ውግእ ዝያዳ ኣገዳሲ ኮይኑ እዚ ድማ ተጻብኦታት ማእከላይ ባእታ ኮይኑ ከምዘሎን ኣመልኪቶም፥ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ቅድስቲ መንበር ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ከም እትጣበቕ ብምርግጋጽ፡ እቲ ኹሉ ሓድሽ ርኽበት “ንሰላማዊ ዕላማን ምትሕብባርን ሓድሕዳዊ ምዕባለን” ዝውሕስ ክኸውን ተተሓሳስብ ቢሎም፥

“ምዕቃብ ማእከላይነትን ክብርን ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ምሕላው መሰረታዊ መትከላት ሰብኣውነት፡ ከምኡ’ውን ምክልኻል ልዑል ዋጋ ህይወት ኣብ ሓባራዊ ንቕሓት ጸኒዑ ክቕጽል ኣለዎ”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ቅድስቲ መንበር ተወፋይነት

ነዚ ናይ ንቕሓት ጻዕሪ ኣበርክቶ ንምግባር ሊቀ ጳጳስ ባሌስትረሮ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ንሰለስተ መደባት ተወፋይነት ክትግበር ምዃና ገሊጾም፡ ንሳቶም ድማ ንካቶሊካውያን ወተሃደራዊ ጓሶት - ካህናት (ኣበ ነፍስ ሓይሊ ምክልኻል) ኣብ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምህናጽ፡ ስነ - ምግባራዊ መሰረታቱ ምድንፋዕ ብፍላይ ድማ ንሓለዋ ንጹሓንን ሃይማኖታውያን ቦታታትን ከምኡ’ውን ሓድሕዳዊ ምክብባር ንምዕባይ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ምዅስኳስ፣ እዚ ድማ ኣብ ምክልኻል ክብሪ ደቂ ሰባት ዝሕብሩ ክብርታት ንምስጓምን ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ብምዝኽካር፥ “ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት ሰብኣውነት እዩ” ብምባል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ብምዝካር፡ “ኣጽዋር ዘይኮነስ፡ ግብረሽበራ ዘይኮነስ፡ ኲናት ዘይኮነ፡ ርህራሄ - ሓልትዮት፡ ፍትሕን ዘተን ንህንጸት ሰላም ዝምጥን መጋበርያ [ኩኑ]” ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዝተዘተየሎም ዝክረ ነገራት

መበል 34 ኣህጉራዊ ዋዕላ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ካብ ዕለት 28 - 31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኮይኑ፥ ወከልቲ 191 ሃገራዊ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ከምኡ’ውን 196 ኣባል ውዕል ጀነቭ ሃገራት ዘራኽብ ከም ዝኾነን ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ቅዉም ነገር፥ ስግኣት ንምስጋር ዚግበር ጕዕዞ ንደቂ ሰብ ምብርታዕ ዝብል ብፍላይ ኣብ ምኽባር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዘተኮረ ሓለዋ በርገሳዊ ህዝብን ሰብኣውያን ጉዳያት ምዕባይ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ብውሽጢ ዓዲ ዝምራሕ ዘላቒ ሰብኣዊ ስጉምቲ ምድንፋዕ፤ ኣብ ቅድሚ ብድሆ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ምድላውን ምትዕጽጻፍን፡ ኣገዳስነት ‘ሕጊ እዋን ሓደጋ’፤ ስነ ኣሃዛዊ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ውግእ ዘለዎም ጽልዋ ዘተኮረ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

31 October 2024, 16:53