ድለ

ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ኣብ ምሻም ጳጳሳት ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ የናውሓ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ኣብ ምሻም ጳጳሳት ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ የናውሓ 

ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ኣብ ምሻም ጳጳሳት ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ የናውሓ

ድሕሪ “ግቡእ ምምኽኻርን ገምጋምን” ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ነቲ ብዛዕባ ሽመት ጳጳሳት ዝምልከት ግዝያዊ ስምምዕ ንተወሳኺ 4 ዓመት ከናውሕ ተሰማሚዐን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 22 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. “ሽመት ጳጳሳት ብዝምልከት ግዝያዊ ስምምዕ ብውጽኢታዊ ኣተገባብራ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሕሪ ግቡእ ምምኽኻርን ገምጋምን ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ካብዚ ዕለት ጀሚሮም ንኣርባዕተ ዓመት ዝጸንሐ ግዜኡ ዝያዳ ከናውሕ ተሰማሚዐን” ክሕብር እንከሎ፥

እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ “ቫቲካን፡ ንረብሓ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቻይናን ብሓፈሻ ህዝቢ ቻይናን ዝጠቅም ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝያዳ ንምምዕባል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ቻይና ዝግበር ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝዓሰሎን ሃናጽን ዘተ ንምስጓም ብተወፋይነት ትቕጽል ከምዘላ የመላኽት።

ሳልሳይ ምሕዳስ

እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን፡ ንፍለማ ግዜ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ኩሎም ጳጳሳት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሉእ ሓይራርቃዊ ሕብረት ክህልዎም ሓድሽ ምዕራፍ ዝክፈተ ታሪካዊ ፍጻመ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ንሳልሳይ ግዜ ከም እተሓደሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመላኺቱ፥ እቲ ብኽልቲኡ ወገናት ነቲ ስምምዕ ንሳልሳይ ግዜ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንኣርባዕተ ዓመት ክናዋሕ ከም ኣተኸተመን ቅድም ክብል እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝሕደስ ዝብል ውሳኔ ዝተነብሮ ግዚያዊ ስምምዕ ንመወዳእታ ግዜ ክሳብ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ተግባራዊ ክኸውን ይኹንታ ዝሃበ ናይ ምኽታም ስነ ስርዓት  ዕለት 22 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝተኸተመ ኮይኑ ሕጂ ግን ንኽልተ ዓመት ዘይኮነ ነርባዕተ ዓመት ክሕደስ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ረፓብሊክ ቻይናን ከም እተሰማምዓ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ተርእዮ

እቲ ግዝያዊ ስምምዕ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ፍቓድን ይኹንታን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸንሐ ኣብ ቻይና ጳጳሳት ናይ ምሻም ውሳኔ ከብቅዕ ዝገበረ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ሱር በተኻዊ ለውጢ ዘምጸአን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣስታት ዓሰርተ ጳጳሳት ብሕርየትን ፍቓድን ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሸሙ ብቕድስቲ መንበር ጥራሕ ኣፍሊጦ ንዝነበሮም ሓያሎ ጳጳሳት ቤጂንግ እውን ብወገና ነዞም ጳጳሳት ብወግዒ ኣፍልጦ ከም ዝሃበት ዝገበረ ስምምዕ ኮይኑ፡ እዚ ሓድሽ ምትሕብባር ናይቲ ካብ ቀንዲ መሬት ቻይና ዝመጹ ኣቡናት ኣብ ቫቲካን ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ዝግበር ካልእ ኣኼባታት ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሊዝበን ኣብ እተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያትን ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝገበርዎ ዓለም ለኸ ሓዋርያዊ ዑደት ንኽሓብሩ ዕድል ዝሃበ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

23 October 2024, 15:16