ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት: ምግብን ስራሕን ስድራን ኣንጻር ምምካት ድኽነት ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት: ምግብን ስራሕን ስድራን ኣንጻር ምምካት ድኽነት 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት: ምግብን ስራሕን ስድራን ኣንጻር ምምካት ድኽነት

ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቺያ፥ ዕለት 18 ጥቅምቲ ኣብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ስራሕ ሰባት ካብ ድኽነት ዝናገፉሉ መሰረታዊ መገዲ ኣጽኒዖም ይገልጹ። ክቡር ስራሕ ንውልቀሰባትን ስድራቤታትን ንኽስስኑ ውሕስነት ዝህብን ዘላቕን ንኹሉ ዝሓቁፍን ቁጠባዊ ዕብየት ዘቕርብ እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድኽነት "ንሰብኣዊ ኽብረት ውርደት" ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ድማ ዘይማዕርነት የጋድድን ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ንኽስስኑ ዕድል ከይህልዎም ይገብር እንክብሉ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ዕለት 18 ጥቅምቲ ኣብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣጒሊሖም፥

ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣተኩር

ኣብዚ ትሽዓተ ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ኣብ ጽንኩር ድኽነት ዝነብርሉ ክውንነት፡ "ሕጽረት ቁጠባዊ ዓቕሚ" ጥራይ ዘይኮነስ፡ መሰላት ሰብኣዊ ምሉእ ብምሉእ ተጠቃሚ ካብ ምዃን ዝዕንቅጽ" መዓት ምዃኑ ኣነጺሮም፥ ከምኡ’ውን ንሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ምሉእ ብምሉእ ንኽሳተፉ ዘለዎም ዕድላትን ኣገባባትን የሰናኽል” ስለዚ ካብ ተበጻሕነት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ክሳብ ሰብኣውነት ዓቐን ዘለዎ ስራሕ ንኹሉ መዳያት ህይወት ሓደ ሰብ ዝጸሉ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን "ዘይመጣጠን ጽልዋ" ኣለዎ። ካብዚ እዩ ድማ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ድሌታት መግቢ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ነፍሰጾር ወይ ጡብ ዘጥብዋ ኣብ ግምት ዘእተወ ንምዕባለን ዕብየትን ንኣሽቱ ህጻናትን መሰረት ዝገበረ ሓባራዊ ጻዕሪ ህጹጽ ዝከውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ስጉምትን

ብኻልእ ወገን ድማ "ዓለማዊ ዘይርጉጽነት - ዘይርጉነእት" ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት "ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ" ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣጉሊሖም፡ ንኣሽቱ ደሴታት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፣ ውሑድ ምዕባለ ዘለወን ሃገራትን ኣቃልቦ ኪግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ዝለዉ ጸገማት እተን ኣብ ላዕል ዝተገልጻ ድኻታት ሃገራት ጽልዋታት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ቁጠባዊ ዘይርጉእነትን ክህሉ ኣብ ምግባር” ውሑድ እጃም ዘለወን እውን እንተኾና ብዝለዓለ ደረጃ ናይቲ ጸገም ኣደዳ ኮይነን ከም ዘለዋ ኣመላኺቶም፥ ነባሪ ጽንዓት ንምድንፋዕ፡ ነዞም ብድሆታት ብቐጥታ፡ ብሓባራዊ ስጉምትን ምትሕግጋዝን "ምምካት" ኣገዳሲ ብምዃኑ ኣብዚ ጎዳና እዚ "ኣድላዪ ጸጋታት፡ ዕደ ጥበባዊ ደገፍን" ክረኽቡ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሒዞም የስተብህሉ።

ካብ ስራሕ ዳግማይ ጀምር

ድሕንነትን ርግኣትን ዘምጽእ ማሕበራዊ ቅርጽታት ምድልዳል ወሳስንን ኣድላዪን ኢዩ። ካብ ስድራቤት ጀሚርካ "መሰረት ሕብረተሰብ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ "ካብ ዝዀነ ይኹን ቅልውላው ንምክልኻል እቲ ናይ መጀመርታ መስመር" ኢዩ። ስራሕ "ሰባት ካብ ድኽነት ናጻ ዝዀኑሉ መሰረታዊ መገዲ" ምዃኑ እውን ኣጒሊሖም፥ "ፍትሓዊ ደሞዝ ርጉእ ኵነታት ከምኡውን ብማሕበራዊ ዕቝባ ዝድገፍ" ሰብኣውነት ዓቐን ዘለዎ እሩም ስራሕ ንውልቀ - ሰባትን ኣባይት ስድራን ንኽስስኑ ዘድልዮም ድሕንነት ይህቦም ቀጻልን ሓፈሻውን ቍጠባዊ ዕቤት ንኽገብሩ ድማ የኽእሎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 October 2024, 15:45