ኹዋን ካርሎስ ክሩዝ፡ “ድምጺ ግዳያት ክንሰምዕ ኣለና” ኹዋን ካርሎስ ክሩዝ፡ “ድምጺ ግዳያት ክንሰምዕ ኣለና” 

ኹዋን ካርሎስ ክሩዝ፡ “ድምጺ ግዳያት ክንሰምዕ ኣለና”

ኣባል ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንባዕሉ ካብ ግህሰት ዝደሓነን ኹዋን ካርሎስ ክሩዝ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕደመ ሕጻናት ቀዳማይ ዓመታዊ ጸብጻብን ኣድላይነት ግሉጽነትን ከምኡ’ውን ቤተክርስትያን እዚ ዓመጽ ከይድገም ኣብ እተካይዶ ቃልሲ ዘጋጥማ ብድሆታትን "እቲ ዝወርድ ማህሰይቲ ፈጺሙ ምእንቲ ኸይደጋገም" ኵሉ ሰብ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክዛረብን ከስተውዕልን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ኣብ መላእ ዓለም ውጽኢታዊ ሓለዋን ፍትሕን ምሃብ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ካብ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓነ ኽዋን ካርሎስ ክሩዝ፥ እቲ ሓድሽ ዓመታዊ ጸብጻብ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋይ ትሕቲ ዕድመ ነቶም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾኑ ክስነዩን ካሕሳ ንኽኽፈሎምን ከምኡውን ማህሰይቲ ዳግማይ ንኸይፍጸም መምርሒታት ከም ዝህብ ገሊጹ፥ . . . ነቶም ብገለ ገለ ካህናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ግዳያት ዝዀኑ ኣፍልጦ ዝህብ እሞ ተመሳሳሊ ዓመጽ ከይድገም ዝግበር ጻዕርን ንግዳያት ክህሉ ዝግብኦ ቅርበትን ሓገዝን ብኣጽንዖት ዝገልጽ ጸብጻብ "ተኣማንነት" ከም ዘምጽእ ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።

ድምጺ ግዳያት ስምዑ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣብ መላእ ዓለም ድምጺ ግዳያት ንምስማዕን ኣብ ስክፍታታቶም ንምትኳርን ዝገብሮ ጻዕሪ ክብ ከም ዘበለን፥ እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ዕዮታት ዝነበረ ጋግ እውን ከምዘጉልሕ ገሊጺ . . . ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኢና ንዛረብ። ኣብዚ ዓመታዊ ጸብጻብ ዝፈትዎ ነገር ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ እቶም ግዳያት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘይተሰምዑ ቃላት ክንሰምዕ ይገብር - ክንሰምዖም ከም ዘለና፣ ክንኣምኖም ከም ዘለና፣ ክንድግፎም ከም ዘለና፣ ዝብሉ . . .

“ኣብዚ ዓመታዊ ጸብጻብ ዝፈትዎ ነገር ግን ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ እቶም ግዳያት ዝዛረብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቤተክርስትያን ዘይተሰምዐ ቃላት ንሰምዕ ኣለና . . .”

ብፍላይ ኣብ ከም ገለ ክፋል ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ውሱን ቍጠባዊ መሳለጥን ብቕዓትን ዘለወን ሃገራት፡ እቲ ብድሆታት ኣዝዩ ዓቢ እዩ። . . . ኣብኡ ንመሰል ግዳያት ዝግበር ቃልሲ ከቢድ ምዃኑ ሓቢሩ፥ ምኽንያቱ ቤተክርስትያን መብዛሕትኡ ግዜ ዘድሊ ጸጋታት ስለዘይብላን ግዳያት ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ድምጾም ከስምዑ ትብዓት ወይ ዕድል ጥራይ ስለዘይብሎምን ምዃኑ የመላኽት። ነቲ ህጹጽ ኣድላይነት ናይ ስርዓታዊ ለውጢ ብምጥቃስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ወከልቲ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ክወስዱን ድሕሪ ደጊም “ዓይኖም ከይዕምቱን” ሓላፍነት ዘልብስን ተሓታትነት ዘማእክልን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ እዚ ኣበርቲዓ ክትዓዪ ዝጽውዕ እዩ።

ኣዕናዊ ውጽኢት

ክሩዝ ካብ ውልቃዊ ተመኩሮኡ ክዛረብ እንከሎ፡ ግህሰት ኣብ ህይወት እቶም ዝተጠቕዑ ሰባት ዘለዎ ኣዕናዊ ጽልዋ ኣጒሊሑ፡ ብዛዕባ እቶም ምስቲ ስነ - ኣእምሮኣዊ ሳዕቤናት ዝቃለሱ ዘለዉ ካብ ሞት ዝደሓኑን ካብቲ ግህሰት ዘይደሓኑ ኣዕሩኽትን ዝምልከት ጉዳይ ዘርዚሩ፥ “ግዳያት ሓቆም ክስማዕ ይደልዩ። እቶም ግዳያት ካሕሳ የድልዮም። ቤተ ክርስቲያን ድማ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ንንስሓን ለውጥን ቃል ክትኣቱ ኣለዋ፣ እዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ዳግማይ ከይፍጸም” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ምእመናን ኣንጻር ግህሰትን ንግዳያትን ድምጾም ከስምዑ ጻውዒት የቕሪቡ፥ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ሓባር ድልውነት ግህሰት ምውጋድን ብዛዕባኡ ብግልጺ ምዝራብን ጥራይ እያ ፈውሲ ከተቕርብን መጻኢ ወለዶታት ተመሳሳሊ ስቓይ ክጻወሩ ከምዘይብሎም ከተረጋግጽን እትኽእል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

31 October 2024, 16:51