ኢዮቤል፡ ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ረቢብያ ቅዱስ ማዕጾ ክኸፍቱ እዮም ኢዮቤል፡ ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ረቢብያ ቅዱስ ማዕጾ ክኸፍቱ እዮም  (ANSA)

ኢዮቤል፡ ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ረቢብያ ቅዱስ ማዕጾ ክኸፍቱ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባዕሎም ነቲ ምልክት ኣብታ ሰነድ ኣዋጅ “Spes non confundit - ተስፋ እያስተሃፍር" ኣቢሎም ኣብ ዝኣወጅዎ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ሓደ ቤት ማሕቡስ ኣብ ዘሎ ቤት ጸሎት በሪ ብምክፋት ከበግሱ ድላይ ከም ዘለዎም ገሊጾም ከም ዝነበሩን በዚ መሰረት ድማ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ረቢቢያ ዘሎ ቤተ ጸሎት ቅዱስ በሪ ብምኽፋት ከመግሱ ምኽኖም ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ነዚ ዝገለጹ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ኣብቲ ብዛዕባ ዓምተ ኢዮቤል ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ብማሕበራዊ ንጥፈታት ኣቢሉ እሱራት ምስ ሕብረተሰብ ንኽወሃሃዱ ዝግበር ጻዕሪ ውጽኢታዊ ንምግባር ዝኣመተ ኮይኑ፡ ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ኢጣልያ ኖርድዮ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ዝገበረ እውን ምዃኑ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቀዳሜ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስ ዕለት 26 ታሕሳስ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ረቢቢያ ዘሎ ቤተ ጸሎት ቅዱስ በሪ ብምኽፋት ብወግዑ ከበግሱ ከም ዝኾኑን እዚ እውን ብመንፈስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ኣባይቲ ማሕቡስ ክነግዱን ምስ ኩሎም እሱራት ብጸሎት ክሓብሩን ዘለዎም ድላይ ዘረጋግጽ ምዃኑ የመላኽቱ።

ጳጳሳዊ ናይ ኣዋጅ ሰነድ "Spes non confundit - ተስፋ እያስተሃፍር"

እቲ ኢዮቤል ሒዝዎ ዝመጽእ መልእኽቲ ኣዋጅ ተስፋ ብጭቡጥ ኣገባብ ክንበር ባዕሎም ኣብቲ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ከም ዘመላኸትዎ፥ ኣብ ፍቕዲ 10 ድማ ንኹሎም እቶም "ናጽነት ዝተሓረሙን፡ ብጀካ እቲ ጽንኩር ማእሰርቲ፡ ስምዒታዊ ባዶነት ዝፈጥረሎም ገደባትን መዓልታዊ ንዘጋጥሞም ኩነታትን ግምት ክወሃቦ ሓቲቶም . . . ንእሱራት ጭቡጥ ምልክት ቅርበት ንምርግጋጽ፣ ኣነ ባዕለይ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ቅዱስ ማዕጾ ክኸፍት እደሊ፣ እዚ ኸኣ ንመጻኢ ብተስፋን ብሓድሽ ተወፋይነትን ንኺጽበይዎ ዜኽእሎም ምልክት ምእንቲ ኪኸውን እዩ” ከም ዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በዚ መሰረት ዕለት 28 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊሲከላ ቅዱስ ዓመት ዕለት 26 ሕዳር ሮማ ኣብ ዝርከብ ረቢቢያ ቤት ማሕቡስ ዘሎ ቤተ ጸሎት ቅዱስ በሪ ብምኽፋት ቅዱነቶም ብወግዒ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ከበግሱ ምዃኖም ገሊጾም፥ ዕለት 24 ታሕሳስ ቅድሚ ቅዱስ በሪ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ኣብ ሮማ ስነ ጥበባዊ ምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ፊሲከላ ወሲኾም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ኩላትና ተሸከምቲ ሓደ መልእኽቲ ኢና”

ካልእ ኣብ ቅድሚ ኢዮቤል ዝካየድ ዓቢ ፍጻመ፡ ካብ ቤተ መዘክር ቫቲካን ዝተረኽቡ ዝተፈላለዩ ተፈላጥነት ዘለዎም ኣብ ዓለም ዝድነቑ ኣሳእልን ቅብእን ዘጠቓልል ምርኢት ኮይኑ፡ ካብ መላእ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ እንኮላይ ካብ ግሪኽ፡ ቡልጋርያ፡ ዩክሬንን መቄዶንያን 18 ዝተፈላለዩ ኣሳእ፡ ዘጠቓልል ከም ዝኸውን ሊቀ ጳጳስ ፊሲከላ ሓቢሮም፡ እዚ ምርኢት “ፍረ ናይ ክልተ ዓመት ምስ ክኢላታት ናይ ዝተገብረ ዕዮ” ምዃኑ ሓቢሮም፥  እዞም ኩሎም ካብ ዝተፈለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣሳእል መግለጺ ሰላምን ሕውነትን ምዃኑ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበራ ዋና ኣመሓዳሪት ቤተ መዘክር ቫቲካን ባርባራ ጃታ ገሊጸን፥ “ኩላትና ተሰከምቲ ሓደ መልእኽቲ” ምዃና ዘርኢ እዩ። እቶም ስእልታት ካብ 14 ታሕሳስ ክሳብ 16 ለካቲት ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ኣኘዘ ንምርኢት ክቐርቡ ምዃኑ ይሕብራ።

ክርስትና ኣብ ስነ ጥበብ

ንመጀመርታ ግዜ፡ “ጸዓዱ መስቀል” እትብል ስእሊ፡ ካብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ተቛም ስነ ጥበብ ቺካጎ ኣብ ሮማ ንምርኢት ክቐርብ እዩ። ንኢየሱስ ከም ኣይሁዳዊ ሰማዕት ዝገልጽን ኣብ 1930ታት ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝነበረ ስደት ዘጉልሕን ተኸታታሊ ስርሓት ማርክ ሻጋል ናይ መጀመርታ እዩ። እቲ ምርኢት ካብ ዕለት 27 ሕዳር ክሳብ 27 ጥሪ 2025 ኣብ ሓድሽ ቤተ. መዘክር ንህዝቢ መእተዊ ብናጻ ካብ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 20፡00 ምሸት ክፉት ክኸውን እዩ። ሳልሳይ ምርኢት ድማ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሸነኽ ዓምዲ በርኒኒ 100 ትርኢታት ልደት ዝውክል ኮይኑ 8ይ ሕታም እዚ ምርኢት እዚ ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ ክሳብ 6 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ዝቐርብ ምርኢት ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ይሕብሩ።

30 October 2024, 16:59