ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ምስ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ዓንቀጸ እምነት ሓባራዊ ዕዮ የደልድል
ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ዕለት 7 - 11 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ከም ዘካየደ እቲ ሽማግለ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዓውደ ኣኼባ ካብ መላእ ሓሙሽተ ክፍሊ ዓለም ዝመጹ 30 ክኢላታት ኣባላት ዘሳተፈን ብመሪሕነት ሓድሽ ዝተመዙ ናይቲ ሽማግለ ዋና ጸሓፊ ጳጳስ ልዊስ ማኑኤል ዓሊ ሄረራን ምኽትል ዋና ጸሓፊት ተረዛ ኬተልካምፕን ዝተኻየደ ኮይኑ ብዛዕባ ሜላዊ ኣንፈት እቲ ሽማግለ ከም እተመያየጠ ዜና ቫቲካን መግለጺ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ጠቒሱ፥
ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦ’ማሊ፡ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ነቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ብዘዕረግዎ ቅዳሴ ከበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥
"እቶም ዝሳቐዩ ናይ ፍቕርና ፍሉይ መሰል ኣለዎም . . . እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ሳምራዊት ናይ ምግባር ኣጋጣምን ግዴታን ኣለዎ"
ከም ዝበሉ የመላኽት።
ምስ ናይ ዓንቀውጸ እምነት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር
እቲ መግለጺ ኣብ ዙርያ ሰለስተ መሰረታውያን መዳያት መላዊ ኣገዳስነት ኣብ ዝብል ጉዳይ ዘተኮረ ከም ዝነበረ ኣብሪሆም፡ ኣብ ዞባታት ምዕባይ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ምግምጋም ማዕቀፍ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መምርሒታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝካየድ ምድላው ዓመታዊ ጸብጻብ መምርሕታትን ኣገባባትን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንምዝርጋሕ ምድላው ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ከም ዝተመያየጠን ኣብቲ ሓባራዊ ኣኼባ ሊቀ ጳጳሳት ጆን ኬነዲ ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ስርዓትን ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ዓንቀጸ እምነት ኣባላት ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሮበርት ጌይንገርን ኣባ ብራያን ተይለርን ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ኣኼባ እዚ ንጾታዊ ዓመጽ ንምፍታሕ ዝሕግዙ ቀጻሊ ኣገባባት ምምዕባል መምርሒታት ንምክልኻል ዳህሲሱ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሽማግለን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተገብረ ምትሕብባር፡ ኣብ ተልእኾኦም ንምክልኻል ግህሰት ከም መግለጺ ሓድነት ዝረአ እውን ምዃኑን እቲ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝሓተትዎ ጸብጻብ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣቃልቦ ገይሩ ነቲ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝብል ኣብ ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ዝተነብረ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምድንፋዕ ዝድግፍ ኣሰራርሓ እውን ከም ዝመርመረ ኣፍሊጡ።
ማዕቅፍ ኵላዊ መምርሒታትን ዓለምለኻዊ ተበጻሕነትን
እቲ ሽማግለ ካብ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመጽእ ግብረ መልሲ ዘጠቓለለ ኵላዊ መምርሒታት ማዕቀፉ ኣብ ምምዕባል ይሰርሕ ከም ዘሎን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኮስታሪካ፡ ዚምባብወ፡ ፖላንድን ቶንጋን ዝፍተን ዘሎ ጸብጻብ ናይ ምቕራብ ምዕራፍ፡ ነቲ ዝተጠርነፈ ናይ ምክልኻል ማዕቀፍ ሓበሬታ ዝህብ ኮይኑ እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማታት ናይቲ ሽማግለ ምዃኑን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ሽማግለ ኣብ ሮማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምካይድ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ዝተራኸቡ ምስ ናይ 13 ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ከም እተራኸበን እዞም ኣኼባታት እዚኣቶም ንጻዕርታት ምክልኻል ከባቢ ንምግምጋምን ኣብ ተቓላዕቲ ሃገረ ስብከታት ንዘሎ ክፍተት ጸጋታት ንምፍታሕን ዕድላት ከምዝፈጠሩን እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ዞባ ካብ ግህሰት ንምክልኻልን ንግዳያት ክንክን ንምሃብን ዘድሊ መጋበሪያታትን ጸጋታትን ክህልወን ንምግባር ዝዓለመ እውን ምዃኑ መግለጺ እቲ ሽማግለ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
“ተበግሶታት ምዝካርን ህንጸት ዓቕምን
ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ንገስጋስ ተበግሶ ብምዝካር ገሚግሙ እዚ መደብ እዚ ኣብያተ ክርስቲያን ውሽጢ ዓዲ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት፥ “ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም” ብዝብል መጸውዕ ዝደንገግዎ ሕጊ ዝሰማማዕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኽሃንጻ ንምሕጋዝ ዝኣመተ እውን ከም ዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ እዚ ተበግሶ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤስያን ንጡፍ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 12 ተወሳኺ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን መስርሕ ይትግበር ከም ዘሎን፥ እቲ መደብ፡ ጥርዓናት ብግልጺ ንምምሕዳር ዝሕግዙ መሓውራት ኣብ ምምስራትን ብግህሰት ንዝተጎድኡ ሰባት ሞያዊ ደገፍ ኣብ ምሃብን ዘተኮረ እውን ምዃኑ የዘኻኽር።
ትካላዊ ምትሕብባር
ኣብ ኣዋርሕ ሓጋይ እቲ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምስ ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ሮማውያን ኩርያ ኣገዳሲ ኣኼባታት ከም ዘካየደን፡ እዚ ድማ ምስ ናይ ካህናትን ናይ ጳጳሳትን ከምኡ እውን ምስ ናይ ዓለማውያን ምመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ምስ ዝሓልዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ዘካየዶ ርክብ ዘጠቓልል ኮይኑ፥ እዚ ርክባት እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ሰባት ብኣድማዒ መንገዲ ንምሕላው ዘድሊ ትካላዊ ምትሕብባር ኣብ ምዕባይ ዘተኮረ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋን ምትሕግጋዝን
ካርዲናል ኦ’ማሊ ብዛዕባ ዓወታት ናይቲ ጉባኤ ከስተንትኑ ከለዉ፡ “እቲ ሽማግለ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን ወትሩ ህልው ከም ዝኸውን እኣረጋጊጾም፡ ኩሉ ዕላማታትና ገና ኣብ ዘይተዓወተሉ እዋን፡ ስርዓታዊ ውድቀት ኣብ ዘለለናሉ ህሕዳሴ ጸቕጢ ክንገብር ኢና። ጻዕርታትና ርኡይ ለውጢ ኣምጺኡ፡ ምናልባት’ውን ብዓቢኡ ድማ ነቶም ግህሰት ዘጋጠሞምን ንዝፈትውዎም ሰባትን ናይ ተስፋን ምትሕግጋዝን ምልክት ክኸውን ይኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይቲ ሽማግለ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።