መብርሂ ሲኖዶስ፡ ጉባኤ ጾምን ጸሎትን ንሰላም ዕለት 7 ጥቅምቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካብ 2 – 3 ጥቅምቲ ማለት ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓትን ቀዳማይ ውዕሎን ዘማእከለ ዕለት 3 ጥቅምቲ ምሸት ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተወሃበን እዚ ድማ ብቐጥታዊ ዛዕባ ሰላም ዘጒለሐን ምሕረትን ይቕርታን ተራ ደቂ ኣንስትዮ፣ ከምኡ እውን ኣገባብ ስራሕ ጉጅለታት መጽናዕቲ ዝተመያየጠ ምንባሩን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣባ ጃኮሞ ኮስታ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፤ የኔታ (ኣባ) ሪካርዶ ባቶኪዮ ፍሉይ ጸሓፊ ሲኖዶስ፥ ልኡኻት ኣቦ መንበር ጉባኤ ሲኖዶስ እናቴ ማርያ ደ ሎስ ዶሎረስ ፓለንሲያ ጎሜዝ ካብ ማሕበር ኣሓት ቅዱስ ዮሴፍን ኣቡነ ዳኒኤል ኤርነስት ፍሎረስ ካብ ብራውንስቪል ቴክሳስን ከም ዝተረኽቡን
ነቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘወሃሃዱ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ህየንተ ጉዳያት መራኸቡ ብዙሓን ቅድስቲ መንበርን ኣቦ መንበር ሓበሬታ ሽማግለ ሲኖዶስን ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፓውሎ ሩፊኒ፡ መንፈሳውነትን ጸሎትን ኣብ ሕመረት
ዶክተር ሩፊኒ ካብ 365 ኣባላት ሲኖዶስ እቶም 356 ንግሆ (ዕለት 3 ጥቅምቲ) ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም እተረኽቡን ነፍሲ ወከፍ ናይ ዘተ ጉጅለ ጸብጻባቱ ዘቕርቡ ኣካላት ከም ዝመረጸን ካብ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ ጉጅለ እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ምዕራፍ “መሰረታት” ናይ መዛተይ ሰነድ ኣተኲይሩ ክም ዝጀመረ ገሊጾም፥ ኣብቲ ኣኼባታት “መንፈሳውነትን ጸሎትን” ዝብል ኣገዳስነት ከም እተሰመረሉን ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ልብን ኣእምሮን ኩሎም ተሳተፍቲ ብፍላይ ድማ ካብቶም ብኲናት ዝተሃስየ ወይ ዝሳቐይ ካብ ዘሎ ከባቢታት ዝመጹ እቲ ዘሎ ስቓይን መከራን ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ የመልክቱ።
በዚ መንጽር’ዚ፡ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እቲ ዓመጽ ደው ንምባል ዝከኣል ኩሉ ክግበር” ከምኡ’ውን “ንሰላም መንገድታት ምኽፋት የድሊ” ዝብል ተደጋጋሚ ጻውዒቶም ድማ ብምዝካር እተን ኣብ ውሽጢ መስርሕ ሲኖዶስ ዝንቀሳቐሳ ዓሰርተ ጉጅለታት መጽናዕቲ፡ ኣብ ምዕባለኡ ውሁድ ተራ ከም ዘለወን የነጽሩ።
ኣባ ኮስታ፡ ጉጅለታት ስራሕ ከም "ቤተ ሙከራ" ናይ ሲኖዳዊ ህይወት
ብተመሳሳሊ ኣባ ኮስታ ኣብ ኣዳራሽ ሓጎስ ዝመልኦ ዓሚቝ ሃዋህው ምንባሩ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ብስነ- ቓላዊ መግለጺ ጥራይ ዘይኮነስ ብህይወት ዝተነብረ ተመክሮ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ነቶም ጉጅለታት መጽናዕቲ ከም “ቤተ ሙከራ ህይወት ሲኖዶስ” ካብ ኩሎም ምእመናን ንዝቐርብ ኣበርክቶ ክፉታት ኮይኖም ክረኣዩ ከም ዘለዎም ድማ እተባቢዖም፣ ክሳብ ሰነ 2025 ዓ.ም. ዝወሃብ ሓሳብ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ድማ ይገልጹ።
እዞም ጉጅለታት እዚኦም ዕጹዋት ሽማግለታት ዘይኮኑስ ቤተክርስትያን ብሓባር ክትሰርሕ እትመሃረሎም ናይ ምትሕብባር ቦታታት ምዃኖም ኣመልኪቶም፡ ተልእኾኦም ምስቶም ኣብ ሰነድ ስራሕ ሲኖዶስ ዘለዉ ዝተኣሳሰሩ፡ ግን ከኣ ተመሳሳሊ ዘይኮኑ ንኡሳን ኣርእስታት መሰረት ሲኖዳዊ መስርሕ ንምክያድ ዝኣመተ ምዃኑ የብርሁ
ኣገባብ ካብ 2023 ዓ.ም. ናብ 2024 ዓ.ም. ይቕየር
ኣባ ኮስታ ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ሲኖዶዊ ጉባኤ ዘሎ ፍልልይ ኣብሪሆም። ኣብ 2023 ዓ.ም. እቲ ዕላማ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት - ክቕልቀል ዘለዎ “ዛንታታት ቤተ ክርስቲያን” ምስማዕ ዝብል ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ 2024 ዓ.ም. ግና ተራ ጉባኤ ሓደኣውነት ከይፈጠረ ስኒት ንምምዕባል ዝዓለመ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጉዕዞ ከም ፍረ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣንፈታት ምቕራብ ምዃኑ የስተብህሉ።
"እቲ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ፡ ‘ብመንፈሳዊ ዘተ' ኣቢሉ ንዝዓሞቐ ትንተና ዝኸውን ፈታሒ ነጥብታት ንምልላይ ይሕግዝ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ "ንዝያዳ ዳህሳስ፡ ካብ ዝኾነ ተሪር መደምደምታታት ንምርሓቕ" ክፉት ቦታታት ይሓድግ” ኢሎም።
ኣባ ባቶኪዮ፡ ኣገዳስነት ይቕሬታን ናይ ስነ-መለኮት ምሁራትን
የኔታ ኣባ ባቶክዮ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ፥ ዕለት 1 ጥቅምቲ ኣብ ዋዜማ ሲኖዶስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርሕዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ ይቕረታን ምሕረትን ኣማእኪሎም፥ ሓጢኣተይና “ናይ ደገ ሰብ ዘይኰነስ ጾሩ ዝኸበዶ ክሕግዝ ዝግብኦ ሰብ” እዩ፡ “እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ንቕሓት” ዝሃበ ምዃኑ የብርሁ።
“ንሕና ከም ተቐበልቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን ኢና” እንክብሉ ድማ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፥
ነቲ ኣብቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ “ስነ መለኮታዊ ርድኢት” ንምቕራብ ዝተዋህቦም መዳርግቲ ዘይብሉ ተራ ሊቃውንቲ ስነ መለኮት ኣብ ሲኖዶስ መሰረት ገይሮም እዚ ድማ ኣብዚ ዓመት ምስ 2023 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ዝያዳ ቦታ ይወሃቦም . . . ኢሎም።
እናቴ ፓለንሲያ ጎሜዝ፡ ምዕባለ ንደቂ ኣንስትዮ
እናቴ ማርያ ደ ሎስ ዶሎረስ ፓለንሲያ ጎሜዝ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዘሎ “ዓቢ ናጽነትን ዓቢ ኒሕን” መሰረት ገይረን፣ ተሳተፍቲ ብኸመይ ብሓባር ከም ዝመላለሱ፣ “ነቲ ጸንፈይናዊ ክውንነት ናይዛ ዓለም ኣለልዮም፣ ግን ከኣ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ኣቦ ርእይዎ።”
በዚ መነጽር እዚ ጥራይ ኢና ኣብ ጭቡጥ ተመክሮ ሲኖዳውነት ተልእኾን ክንዓቢ እንኽእል . . . ብዛዕባ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበለን ሕቶ ድማ፡ ድሮ ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታትን ኣህጉራትን ርኡይ ምዕባለ ከም ዝተራእየ ኣብ ዝሃበኦ መልሲ ኣስተብሂለን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ካብ ዘሕለፈኦ ተመክሮታት ብምብጋስ፡ “ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ግደ ደቂ ኣንስትዮን ውህበታተንን ኣበርክቶአንን ተፈላጥነት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ” ብቐረባ ክዕዘባ ከም ዝኸኣላን ብተወሳኺ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ንምድህሳስን ንምዕማቕን ሓደስቲ ዕድላት እውን ከም ዘለዉ የመላኽታ።
ዛዕባ ድቁና ንደቂ ኣንትትዮ
ማዕርገ ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት እቲ ኣብ ናይ ዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዘረባ ዘስምዑ ደጊሞም ከም ዝጠቐስዎ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓይል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ደጊሞም ኣረጋጊጾም: እዚ ኣርእስቲ ምሉእ ብምሉእ ንምቕራብን ውሳኔ ንምሃብን ገና ግዜ ኣይበሰለን: እንተኾነ ግን ኣብ ውሽጢ ሓባራዊ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ክድህሰስ ዝግብኦ ዓቢ ኣርእስቲ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣቡነ ፍሎረስ፡ ስቕታ ከም ሲኖዳዊ ቅዲ
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ኣቡነ ፍሎረስ ዕለት 1 ጥቅምቲ ብእናቴ ማርያ ኢግናዝያ ኣንጀሊኒ ንተጋባእያን ሲኖዶስ ዝተዋህበ ኣስተንትኖ ምጥቃስ፡ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ስቕታ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመራሉን። ስቕታ፡ ባዶ ቦታ ዘይኮነስ፡ እቲ ቃል ዝውለደሉ ትርጉም ዝመልአ ቦታ እዩ ቢሎም . . . መሰረታዊ ኣካል ናይቲ ሲኖዳዊ ቅዲ እዩ ቢሎም፡ እዚ ቃል ዝውለደሉ ስቓታ ንዓለም ዓሚቝ መንፈሳዊ ርድኢት ክህልወካ ዝገብር እውን ምዃኑ የብርሁ።
ናብ ናይ ከባብያዊ ኣረኣእያታት ምጥማት
ኣቡነ ፍሎረስ ኣስዒቦም ብዛዕባ ዋጋ ናይ ከባብያዊ ኣረኣእያታት እንከስተንትኑ፥ “እቶም ኣረኣእያታት ተጻባእቲ ሓቂ ኣይኮኑን” ግን ቤተ ክርስቲያን ብስነ ስርዓትን ብትዕግስትን ኣብ ምስማዕ ክትዋፈር ዝድርኻ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ብግዲኡ ብዛዕባ ህላወ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ሰፊሕ ኣረኣእያ ከም ዝህብ ድማ ኣስተብሂሎም፡
ዕማም ሲኖዶስ ድማ ሎሚ ንህይወትን ተመክሮን ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ ውሁድ ድምጺ ምርካብ ማለት ምዃኑ ወሲኾም ምስ ኣብርሁ፡ እቲ ሓባራዊ “ንሕና” ኣብ ስራሕ ሲኖዶስ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ ካብ ውልቃዊ ኣረኣእያታት ዝዓበየ ዋጋ ከም ዘለዎ ድማ የዘኻኽሩ።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላም ጻውዒትን ተበግሶታትን ዕለት 6ን 7ን ጥቅምቲ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዕለት 6ን 7ን ጥቅምቲ ክካየድ ዝወሰንዎ ናይ ሰላም ተበግሶታት ማለት ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያ ዓቢይ ዝካየድ መደብ ጸሎትን ከምኡ እውን መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ብምዝኽኻር
ኩሎም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ድማ ኣብዚ መንፈሳዊ መደብ ክሳተፉ ከም ዝኾኑ ናይ ሰኑይ ዋዕላ ሲኖዶስ ድማ ብፍሉይ ሃዋህው ጸሎትን ቅልል ብዝበለ ኣገባብ ክካየድ ምዃኑ ብምዝኽካር እቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ ዜጣዊ መግለጺ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።