ሓጺር ጸብጻብ ውዕሎ 10ይ መዓልቲ ሲኖስ፦ ኣብ ውሳኔ ምውሳድ ዘተኰረ ኢዩ ዝነብረ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብት ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ መስርሕ ውሳኔ ምውሳድ ዘተኰረ ኢዩ ዝነብረ። እዚ ድማ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ከምኡውን ገምጋምን ኣድላዪ ምዃኑ ዘጉልሕ ኢዩ ዝነብረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ እተገብረ ዕማማት ኣብቲ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ውሳነታት ኣብ ናይ ምሳድ መስርሕ ኣብ ክኽተልዎ ዘለዎም መገድታት ዘተኰረ እዩ ዝነበረ።

ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ እተኻየደ ዕለታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ጸሓፊት ሽማግሌ ሓበሬታ ሲኖዶስ ዶ/ር ሺላ ፔረስ ተመክሮታት ቤተ - ክርስትያን ኣብ እተፈላለየ መዳያት ምስማዕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐት፣ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ክርስትያናዊ ልምድታትን ናይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ልምድታትን ሕግታትን ስኒት ኣብ ምፍጣር ኣብ ዘጋጥሙ ጸገማት መግለጺ ኣቕረበት ።

ሓሳባትን ርእይቶን ካብቶም ድሮ እተፈላለየ ህሉው ኵነታት ዘሕለፉ ሰባት ከም ዝተሰምዓውን ገለጸት ።

ዶ/ር ፔረዝ ገለ ኻብቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት ጐሊሑ ዝርአ ኣርእስትታት ውን ኣመልከተት፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ኣብ ካቶሊካውያን ኣብያተ - ትምህርቲ ቈልዑን ሕጻናትን ዘለዎም ኣገዳስነት ከምኡውን ኣብያተ - ትምህርቲ ኣብ ምምስራትን ተልእኾ ስብከተ ወንጌልን ዘለዎ ግደ እወን ኢዩ ዝነበረ።

ካልእ ኣገዳሲ ጕዳይ ከኣ ብዛዕባ ዓመጽ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ዓመጻ ኢዩ ዝነበረ፣ እተፈላለዩ ኣቕረብቲ መደረታት ድማ ነዚ ጕዳይ ንምፍታሕ ፖሊሲታትን ሥርዓታትን ክድንፍዑ ከም ዘለዎም ኣጕልሑ ።

ዳግም እውን ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ብሓፈሻ ኣገዳሲ ዘተ ውን ተኻይዱ ኢዩ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሥነ መዕበያ ዘርኣ ክህነታት ዝያዳ ግደ ክህልወን ኣድላዪ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ ዝነበረ።

ኣቦ መንበር ሽማግሌ ሓበሬታ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዶ/ር ፓውሎ ራፊኒ እውን ብወገኖም ኣብ ውሽጣዊ ምሕደራ ቤተ-ክርስትያን ውሳነ ኣብ ናይ ምውሳድ መስርሓት ንደቂ ኣንስትዮን ንተራ ምእመናንን ብሓፈሻ ምክፋል ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ምስ ተሓታትነት እተተሓሓዘ ጕዳያት እንተላይ እዚ ኣብ ዘይንጹር ኵነታት እንታይ ማለት ምዃኑን ብኸመይ ኪብጻሕ ከም ዚከኣልን ውን ከም ዝተዛተዩ ገለጹ ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዝቐረቡ ሓያሎ መደረታትን ኣስተምህሮታትን እተጠቕሰ ኻልእ ኣርእስትታት ከኣ ካብተን ድሮ ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ሲኖዳውነት ዝኽተላ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ትምህርቲ ምርካብ ዘጠቓልል ኢዩ ዝነበረ። ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ሥርዓተ ቀሲሳውነት ንምቅዋምን ቀጻሊ ርክብ ከምኡውን ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ንዝርከቡ ሰባት ኣብ መስርሕ ውሳኔ ምስዋድ ምስታፍ ኣድላዪ ኣድላዩ ምዃኑ ዝብሉ ኣርእስትታት ኢዮም ዝነበሩ።

እናቴ ግሎርያ ሊልያና ፍራንኮ ኤቸቨሪ

ሓንቲ ኻብቶም ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ እተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዕዱማት ኣጋይሽ ዝነበሩ ኣደ መንበር ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ላቲን ኣመሪካ ዝዀነት ክብርቲ እናቴ ግሎርያና ፍራንኮ ኢቸቨሪ ከምኡውን ምስክር ናይ መስርሕ ኪደት ሲኖዳውንርት ኮይነን ዝቐረባ ኢየን ዝንበራ ።

ኣብ መኽፈቲ ሓሳባትን እቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ዘስተንተኖ ሓባት "ንተግባር ኢየሱስ ኣብ ቅድሜና ከነንብሮ ከም ዘሎና" ዝብል ከም ዝነበረ ገለጻ፣ እዚ ድማ ኣብ ሲኖዳውነት ሰፊኑ ዘሎ ወንጌላዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ኣገባባትን ቅድን ኢዩ ዝንበረ።

ኣብ ውፉይ ምስክርነት ተመርኲስና ትርጕም ዘለዎ ሥነ መዕበያ ኸም ዘድሊ ኣጕልሐት ምስ ካልኦት ድማ "ንቅድን ኣገባባትን ኢየሱስ ክንስዕብ ኣብ ዘፍቅድ መገዲ" እተመስረተ ክኸውን ከም ዝለዎ ውን ገለጻ።

ብዘይካዚ ብዛዕባ ሜመያ ውን ኣስፊሐን ገለጻ ፣ እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቤተ ክርስትያን እንታይ ይሓትት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኣሎ ዝብል ኢዩ ዝነበረ ። ሜመያ ብሕታውን ብሓሳባውን መዳይ ብዛዕባ ጕዕዞናን ተልእኾናን እተፈላለየ ኣረኣእያ ንኺህልወና ኸም ዚሕግዘና ውን ገለጻ ። ነዚ ንምግባር ከኣ ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ተሳትፎ ዝግበረሉ መዋቕራት ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሓ።

ኣብ መወዳእታ ክብርቲ እናቴ ሊልያና ብዛዕባ እቲ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ እተኻየደ ዘተ ኣስተንተና፣ እዚ ምይይጥ እዚ ብዓብዪኡ ኣብቲ ብዛዕባ ግሉጽነትን ባህልን ዝገልጽ ኣምር ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ድማ መሳርሒታት ጥራይ ዘይኰነስ "ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክህሉ ዘለዎ" ከምኡውን ኣብ ሜላታትን መንነትን ቤተ-ክርስትያን ሰፊኑ ዘሎ ባህሊ ከም ምዃኑ ዝዝቲ ኢዩ ዝነበረ።

ብፁዕ ኣቢነ ኤዶዋርድ ሲናዮቤ

ካብ ሩዋንዳ ዝመሱ ብፁዕ ኣቡነ ኤዶዋርድ ሲናዮቢ ስዒቦም ነቲ መድረኽ ቀጸልዎ፣ እቲ ቕድሚ ሰላሳ ዓመት ኣብ ሃገሮም እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ብምጥቃስ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ዅነታት ተዛረቡ ።

ዕዮ ሲኖዶስ ምስቲ ሓዋርያት ብዕለተ ጰራቅሊጦስ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዘሕለፍዎ ተመኩሮ ዚመሳሰል ምዃኑ ብምምስካር ኢዮም ድማ መደረኦም ዝጀመሩ።

ናብቲ ሎሚ ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ዘሎ ዅነታት ብምምላስ ድማ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ እቲ ጃምላዊ ቕትለት ኣስታት ሰላሳ ዓመት ዝቐጸለ ንሓድነትን ንዕርቅን ዝተገብረ መስርሕ ኣመልኪቶም ተዛረቡ ። ቤተ-ክርስትያን ነቶም ግዳያት ኰነ ነቶም ገበነኛታት ብምስናይ ንደቅሰባት ኣብ ምሕዋይ ኣብ ደረጃ ሓዋርያዊ ጉስነት ትዓዪ ከም ዘላ ገለጹ።

ሲኖዶስ "ሓድነትን ዕርቅን ንምድልዳል ከም ኣጋጣሚ ጌርና ኢና እንነብር ዘሎና" ውን በሉ ።

ናይ ምትሕብባር ተመክሮ ነቲ ሓድነት ንምምስራት ብሓድነት ንኽንነብር ዝሕግዘና እተፈላለየ ሜላታት ንምዕማቝ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገለጹ ።

ብፁዕ ኣቡነ ሲናዮቤ ተሳትፎ ምክያድን ምስማዕን ኣድላዪ ምዃኑ ከምኡውን ልኡካነ ወንጌል ወንጌላዊ ተልእኾ ከም ዘድልዮም ኣጕልሑ።

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዝቢግነቭስ ስታንከቪክስ

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪጋ ዝቢግነቭስ ስታንከቪክስ ኣብቲ እተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ብዛዕባ ሲኖዶስ እንክገልጹ "ንነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ምእመን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንከሳትፎም ኣብ ልበይ ዓሚቝ ባህጊ ስለ ዘሎ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ንምስፋሕ" ተልእኾ ወንጌላውነት ከስፋሕፍሑ ዘለዎም ባህጊ ንጋዜጠኛታት ኣመልከቱሎም።

ንመጀመርታ ግዜ ጵጵስና ምስ ተቐበሉ ንዅሎም ካቶሊካውያንን ኵሎም ክርስትያንን ከምኡ ውን ኵሎም ሰብ ሰናይ ፍቓድ ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ዘሳትፍ መንፈሳዊ ዳግም ናይ ምውላድ "ናብ ሸቶታት ዘብጽሑ ሞላትት" ከም ዝነበሮም ንጋዜጠኛታት መስከሩ። ሲኖዶስ 'ንውህበታ ናይ ኩሎም እተጠምኩ ምእመናን ሓራ ንምውጻእ' ዕላማ ኺገብር ከም ዘለዎ ዝስምዖም "ዓሚቝ እምንቶ" ውን ገለጹ።

ብመሰረት እዞም ላቲቭያዊ ሊቀ-ጳጳሳት እዚ ሸቶ እዚ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ሓላፍነት ከም ዚስምዓካን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኸም እትወጽእን ዚገልጽ ሓሳብ ዚተሓሓዝ እኳ እንተ ዘይተካዕለ ብዓለማዊ ወይ ብዲሞክራስያዊ መገዲ ዘይኰነስ ከም መግለጺ ኣቅላሲያውን መንፈሳውን ሕብረት ጌርካ እዩ ዚርአ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ሳንከቪክስ ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 58 ናይ ፍስሃን ተስፋን ሰንድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝመልክቶን ከምኡውን ብዛዕባ ህላወን ንድፍን ኣምላኽ ኣብ ሓቀይና ሜመያ ዘተኰረ ናይቲ መዛተዪ ሰነድ ኣስፊሖም ገለጹ ። ናይ መወዳእታ ሸቶ ናይቲ ሲኖዶስ ተልእኾ ንቤተ-ክርስትያን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንስብከተ ወንጌል እትወፍር ምግባር ምዃኑ ውን ገለጹ።

ሲኖዶስ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር እተፈላለየ ኣቅላሲያዊ ጻዕርታት ብምምርማር ጽቡቕ ፍረታት ኣብ እተፈላለየ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኣበይ ከም ዝርከብ ብምውሳንን ካብኡ ብምምሃርን ከስተውዕሉ ከም ዘለዎም ብምግላጽ ደምደሙ ።

ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ እቶም ጕጅለታት ዕማም ጸብጻቦም ከዳልዉ ኸለዉ ሰሉስ ንግሆ ግን ሓፈሻዊ ባይቶ ኣብታ ሳልሰይቲ ኣንቀጽ "ቦታ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተ ክጅምሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ 10ይ መዓልቲ
15 October 2024, 15:41