ድለ

መግለጺ ሲኖዶስ ውዕሎ – መበል 11፥ ኣብ ኣካለ ስንኩላን፡ ደቂ ኣንስትዮን ቅልውላው ከባቢ ኣየር

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እዋናዊ ምዕባለታት ሲኖዶስ መዓልታዊ መግለጺ ከም ዝወሃብ ዝፍለጥ ኮይኑ በዚ መሰረት ድማ ዕለት 15 ጥቅምቲ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውዕሎ መበል 11 መዓልቲ፥ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ከም ዘድሃበን፡ ማለት ኣብ ሓቛፍነት ንስንኩላን፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ’ውን ጽንኩር ህጹጽ ኩነታት ከባቢ ኣየር ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ዘተኮረ ምንባሩ ካብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተኻየደ መበል 11 ውዕሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፡ ኣብ ትሕቲ ዓምዲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነብር ዝነበረን ካ ብሞት ዝተፈልየ ግዳም ሓደር ብራዚላዊ ገጣሚ ጆሴ ካርሎስ ደ ሶሳ ብምዝካር ጀሚሩ፥ ስነ - ስርዓት ቀብሩ ሰሉስ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ሞኒካ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪን ብራዚላዊ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሽታይነርን ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሲኖዶስ ነዚ ዜና ኣካፊሎም፥ ብተወሳኺ ሰሉስ ሰዓት 16፡30 ብማቴዮ ጋሮነ ዝተዳለወት “ኣነ መራሒ” ዘርእስታ ፊልም ኣብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ንምርኢት ከም ዝቐረበትን ገለ ካብቶም ኣብታ ፊልም ዝዋስኡ እውን ከም እተረኽቡን ኣፍሊጦም፡ እቲ ምርኢት ብተበግሶ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ምዃኑ ዝሓበሩ ሩፊኒ ኣስዒቦም ኣብ ስራሕ ናይተን ንኣሽቱ ጉጅለታት 347 ተጋባእያን ሲኖዶስ ከም ኣተረኽቡን የመላኽቱ።

ናይ ዝምድና ቦታታት ከም ናይ ርክብ ቦታታት

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ጸሓፊት ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ ሺላ ፒረስ፡ ብበነዲክታዊት እናቴ ማርያ ኢግናዝያ ኣንጀሊኒን ካርዲናል ሆለሪክን ዝምራሕ ናይ ንግሆ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣማእኪለን፥ እናቴ ኣንጀሊኒ ኣብ ዘቕረበኦ ኣስተንትኖ፥ ኣብ “ዓቕለሲያዊ ሱር” ኣተኲይረን፡ “ቤተክርስትያን ኣብ ጭቡጥ ኵነታት ስጋ ክትለብስ ኣለዋ” ብምባል ብዛዕባ ውዕዉዕ ወንጌላውነት ከም ዘብርሁን ናይ ደቂ ሰባት ምትእስሳር ኣብ ቦታታት ወንጌል ንኽነብርን ንኽእወጅን ዕድላት ከም ዝህብ ዘረጋገጸ ምንባሩ ይሕባራ።

ዳይናሚክ ራእይ

ካርዲናል ሆለሪኽ ኣገዳስነት ሳልሳይ ክፋል ናይቲ “ንቦታታት” ዝተወፈየ ኣብ ናይ መዛተዪ ሰነድ - ናይ ዕዮ ሰነድ ተነቢሩ ዘሎ ኣርስቲ ኣማእኪሎም፡ እቲ ዘተ ኣብ ተልእኾታት ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታትን ዓበይቲ ከተማታትን ዘማእከለ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ውዕዉዕ ህያውነት እምበር ዘንጠጠወ ዘይኮነ ራእይ ምስ እዚ እውን ንስደት ደቂ ሰባት ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ ብሓባር ዝጓዓዙ ዞባታትን ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝቐርጽ ምትእስሳርን እናኣስተንተኑ፡ ንልኡኻት ኣብ ሓቀይና ህይወት ንዘሎ ​​ኩነታት ክሓስቡ ዓዲሞም፡ ካብ ረቒቕ ኣድማሳውነት ድማ ምጥንቃቕ የድሊ፡ ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደ ቦታን ባህልን ሱር ከይሰደደት ንህልውን ጭቡሕ ኩነታት ዞባታትን ህዝብታትን ክትርድኦ ከምዘይትኽእል እውን ኣመልኪቶም፣ ንሓድሕዳዊ ምትእስሳር ቦታታትን ባህልታትን ከም ዘጒልሑ ፒረስ ሓቢረን።

ንቕድሚት ምጥማት፦ ጉዕዞ ምቕጻል

ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበራ እናቴ ኒርማላ ኣሌክስ ማርያ ናዝሬት ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበር ደናግል ሓዋርያት ቀርሜሎስ ንሲኖዶስ “ፍሉይ ተመክሮ” እንክብላ ገሊጸን፣ እዚ ድማ ምስ ወከልቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ንምትእስሳር ዝሕግዝ ዕድል እዩ ቢለን፥ ንኣስተንትኖ ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍን ናይ እናቴ ማርያ ኢግናዝያ ኣንጀሊኒን "መነቓቕሒ” እንክብላ ድማ ገሊጸን፥ ንቕድሚት እናጠመትና ኣገዳስነት ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ምትእስሳር ክስትውዓል ከም ዘለዎ ድማ ተላብየን፡ ድሮ ናይ ተስፋ ስምዒት ከምዝስምዐን ሓሳብ ኣቕሪበን ጉዕዞ ሲኖዳውነት ስለ ዝጀመርና ንድሕሪት ክንምለስ ድማ ዝከኣለና ኣይኮነን፡ ንቕድሚት ጥራይ ኢና ክንከይድ እንኽእል ኢለን።

ኣብ ቦታን ባህልን ሱር ዝሰደደት ቤተ ክርስቲያን

ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ ኣብ ብራዚል ናይ ማናውስ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሽታይነር እውን ብወገኖም፥ ብፍላይ ካብ ሲኖዶስ ዝወጹ ሓደስቲ መንገድታት ድማ ግብራዊ ትርጉም ሲኖዳውነት ብኸመይ ከም ዝረኣይን ዝንበርን ዘነጽሩ ምዃኖም ኣጉሊሖም፡ ኣብ ብራዚል እዚ መስርሕ እዚ ድሮ ይካየድ ከምዘሎን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ቀወምቲ ዲያቆናትን ኣብ ኣማዞን ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ብንጥፈት ይመርሑ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም፡ “ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ኣብ ከባብያዊ ቤተ ክርስቲያን ንሲኖዳውነት ዝያዳ ንምርዳእ ይሕግዘና” . . . ኣብ ከባቢኣ ሱር ዝሰደደት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ባህልታትን ሓድሕድ ርክባት ሃይማኖታትን መፍትሕ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብራዚል

ኣብቲ ልዕሊ 90 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ርእሰ ሰበኻታት ማናውስ ይብሉ ካርዲናል ሽታይነር ካህናት ኣብ ዘይብሉን ካብ ዘይበጽሕዎን ልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ዘቑጽር ዘሎ ክፍሊ ርእሰ ሰበኻታቶም ተራ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ምዃኑ ካብ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ተመክሮኦም ተበጊሶም ከም ዘብርሁን፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ማሕበረሰባት ከም ዝመርሓን፡ ኣብ ዕዮ ግብረ ሰናይን ኣገልግሎት ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስን ብዕምቆት ከም ዝነጥፋ ገሊጾም፥ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣገዳሲ ባእታ ቤተ ክርስቲያን ዝውክላ ምዃነን ኣስሚሮም፡ ብዘይ ብኣአን ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ኮይናቶ ዘላ ኣይምኾነትን፥ ብዛዕባ እቲ ዘካታዕ ኣርእስቲ ማለት ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርገ ድቁና ዝብል ነጥቢ መሰረት ገይሮም፥ ብዙሓት ኣብ ርሑቕ ማሕበረሰባት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ከም ብግብሪ ዲያቆናት ኮይነን የገልግላ ከም ዘለዋ ርኡይ እዩ፡ ስለዚ ንደቂ ኣንስትዮ ማዕርገ ድቁና ዝብል ሓሳብ ዳግማይ ምሕሳብ ምስቲ ታሪኻዊ ቅድመ - ኩነታቱ ክሰማማዕ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣድናቖቶም ድማ ገሊጾም፡ “ስለምንታይ ንሓንቲ ጓለ ኣንስተይቲ ማዕርገ ድቁና ፍቑድ ዘይከውን?” እንክብሉ ሕቶ ብምቕራብ፥ እዚ ተራ እዚ ማለት ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ ንናይ ደቂ ተባዕትዮ ድቁና ክምልእ ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም፥ ስለዚ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ጾታ ዘይኮነስ ብዛዕባ ጸዋዕታ ዝምልከት እዩ እንክብሉ ድማ የብርሁ።

ቅልውላው ከባቢ ኣብ ብራዚል

ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣብ ብራዚል ብፍላይ ድማ ኣብ ኣማዞን ብዘጋጠመ ህጹጽ ኣከባብያዊ ኩነታት እውን ክም እተዛረቡን ኣብ ኣማዞን ንሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ድርቂ ሩባታት ክጎድሉ ብምግባርን ንናይቲ ዞባ ንኣሽቱ ናይ መጓዓዝያን ናይ ንግድን መራኽብ ካብ ምንቅስቓስ ዓጊቱ ንብዙሓት ማሕበረሰባት እቲ ዞባ ክንጸሉ ከም ዘገደደን ዝዘከሩ ካርዲናል ሽታይነር ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ እንክብሉ ገሊጾም፡ ሕጽረት ማይ ካብ ኣማዞን ወጻኢ ንዝርከባ ዞባታት ዝጸሉ ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፥ ሃደን ምግፋፍ ዓሳን ብከላ ማያትን ኣብ ረቂቕ ስርዓተ ምህዳር እቲ ዞባ ዘለዎ ጽልዋ ብርቱዕ ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን እውን እዩ፡ ሲኖዶስ ንጉዳያት ከባቢ ብግልጺ እኳ እንተዘይተመልከተ፡ ድሕሪ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ “ፍቕርቲ ኣማዞን” ዘርእስቱ ሃዋርያዊ ምዕዳን ንከባቢ ካብ ሲኖዳውነት ዘይንጸል ምዃኑ ንኽንርዳእ ማዕቀፍ ዝህብ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣረጋጊጾም፥ “እዚ ዘጋጥመና ዘሎ ሲኖዳውነት  ከም ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእኾና ኣካል ስለዝኾነ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ምስ ተዛዘመ እውን ነዚ ጉዕዞ ክንቅጽሎ ይግባእ” ኢሎም።

ሕቶ ብዛዕባ ንጽሕና ክህነት

ካርዲናል ሽታይነር ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ፓናማ ኣብ እተገብረ ፍሉይ ሲኖዶስ ብዛዕባ መውስቦ ኻህናት ዝቐረበ ሕቶ መልሲ ኺህበሉ እንከለዉ፥ ኣብቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ማሕበረሰባት ብ172 ካህናት ጥራይ ምግልጋል ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነን ነቲ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብን ኣገልግሎትን ዘሎ ርክብ ከዕሙቖ ኸም ዝኽልእ ተኣሚኖም፥ ኣብ ተመሳሳሊ ርእሰ ጉዳይ፥ ሕሩይ ካርዲናል ሮበርቶ ረፖል ሊቀ ጳጳሳት ቶሪኖ ወሲኾም፥ ድሮ ኣብቲ ሲኖዳውነት ከይዲ፡ ሳላ ህላወ ጳጳሳት ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት "ብዙሕ መልክዕ ኣገልግሎት ምህላዉ ነስተውዕል” እንክብሉ ሓሳብ ከም ዝሃቡን፥ እናቴ ኒርማላ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ እውን ርእይቶአን እንክህባ “ኣብ ገለ ሃገራት ነዚ ጉዳይ እዚ ንምዕሟቕ ተወሳኺ ግዜ ከድሊ ከም ዝኽል እየ ዝኣምን” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘንጸባርቕ

ካርዲናል ረፖል እውን ብዛዕባ ኣገዳስነት መስርሕ ሲኖዶስ ንናይ ገዛእ ርእሶም ሃገረ ስብከት ተመክሮ መሰረት ገይሮም፥ መንፈሳዊ ዕምቆት ተሳተፍትን ኣብ መንጎኦም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ምሕዝነት ስምዒትን ኣብ ልዕለኦም ሓያል ጦብላሕታ ገዲፉ ምህላዉ ኣመላኺቶም፥ ሊቀ ጳጳሳት ቶሪኖ ኣስዒቦም፥ ሲኖዶስ ንኣድማሳዊ ባህሪ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ከም ዘንጸባርቕ ኣስሚሮም፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ዝተፈላለየ ባህልታት ዝመጹ ድምጽታት ዘጠቓልል እዩ . . . ምስ በሉ፡ ዶክተር ሩፊኒ ንሕቶታት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብ ገለ ብጉጅለ ተመዳዲቡ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዘተ ሓቛፍነት ስንኩላን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝብል ነጥቢ ከም እተላዕለ ገሊጾም፥ "ብውሑዱ ኣብቲ ኣነ ኣባል ዝኾንኩሉ ናይ ስራሕ ጉጅለይ ይዝተየሉ ኣሎ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክዝረበሉ ድዩ ኣይክዝረበሉን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝርአ ይኸውን፡ ብርግጽ እቲ ኣርእስቲ ናብ ልቢ ኩሉ ሰብ ዝቐረበ ስለዝኾነ ካብዚ ንላዕሊ ክግበር ይከኣል እዩ . . . ብዛዕባ ዝተገለሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክንዛረብ ከለና፡ ብዛዕባ ስንኩላን እውን ኢና ንዛረብ" እንክብሉ ብዝሃብዎ መብርሂ ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ይዛዝሙ።

ጸብጻብ መበል 11 ውዕሎ ሲኖዶስ
16 October 2024, 15:49