ጸብጻብ ውዕሎ መበል 12 መዓልቲ ሲኖዶስ፦ ኣገዳስነት ሜመያ ሓባራዊ ስምምዓት

ኣብቲ ብዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ እተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ መበል 12 መዓልቲ ውዕሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት ኣወሃሃዲ ስነ-መለኮታውያን ክኢላታት ዝኾነ ክቡር ኣባ ዳርዮ ቪታሊ ዕማም ናይቶም ጉጅለታት ክኢላታት ሥነ-መለኮትን ሕገ ቆነናን እንክገልጹ ክገብርዎ ዘለዎም "ወትሩ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ምባል" ክኸውን ከሎ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብወገኑ ንከም ሓድነት ቤተ-ክርስትያንን ሥልጣን ጉባኤታት ጳጳሳትን ዝኣመሰለ ጕዳያት ከም ዝዘተየ ኣጕልሑ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ሓድነት ቤተ-ክርስትያንን ሥልጣን ጉባኤ ጳጳሳትን ዝብሉ ኣርእስትታት ኣብቲ ኣብ ዕለት 15ን 16ን ጥቅምቲ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ኻልኣይ ክፍለ-ግዜ ካብ ዝተዘተየሉ ኣርእስትታት ሓደ ኢዩ ዝነበረ።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም መግለጺ ዘቕረቡ ዓርባዕተ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብዚ ኻልኣይ ክፍለ - ግዜ ኣብ እተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ናይ ስነ - ሥነመለኮትን ሕገ ቀኖናን ክኢላታት ዘለዎም ግደ ከምኡውን ነቲ ቤተ - ክርስትያን ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ብምባል ንቕድሚት እትግስግሰሉ ዝለላ ሓባራዊ ስምምዓት ሜመያ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ።

ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽህፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተን ኣቦ መንበር ሽማግሌ ሓበሬታ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳትን ዝኾኑ ዶ / ር ፓውሎ ራፊኒን ጸሓፊት ሽማግሌ ሓበሬታ ጉባኤ ሲኖዶስ ዶ / ር ሺላ ፒረስን ብዛዕባ ኪደት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት እዋናዊ ሓበሬታ ኣቕረቡ ።

ኣብዘን ዳሕሮት ክልተ መዓልትታት "ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ናይ መዛተዪ ሰነድ ዘተ ከነካየድ ጸኒሕና ኣሎና” ድማ በሉ ።

ኤለክትሮኒካዊ ዓለምን ቍምስናታትን

ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ እዞም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መነብር "ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ኣብ ከተማታት ማለት ናብቲ ብጳጳሳት ተመሪሓ ናብቲ እትርከበሉ ዘላ ምሕደራዊ ቦታታት እያ እተመልክት" ብምባል ኣጕልሑ።

"ቤተ-ክርስትያን ነቲ ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ክትርከብ ኣለዋ" ውን በሉ። ዶ/ር ሩፊኒ ኣስዕብ ኣቢሎም ኻብቶም ጕጅለታት "ናብ ቍምስናታት ኣቓልቦ ተጌሩ ኣሎ " በሉ ። "እንተዀነ ግን ምሕደራዊ ግዝኣት ቤተ-ክርስትያንና ናብ ካልእ ዓለም ንምስፋሕ መሃዝትን ኣእምሮን ክህልወና ኣድላዪ ኢዩ" በሉ።

ኣብ ርእሲ እዚ ውን ተሳተፍቲ ጉብኤ ሲኖዶስ "ኣብ መንጎ ኣከባቢያውያንን ኣህጉራውን ኣብያተ-ክርስትያን ህያባት ብምልውዋጥ ህሉው መዋቕራት ሲኖዶስ ምልላይን ምድልዳልን ኣድላዪ ምዃኑ" ውን ኣጕሊሖም። ዶ/ር ሩፊኒ እቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ ጉባኤ ጳጳት "ሕብረት ዘደንፍዑ ከም ምዃኖም፣ እንተዀነ ግን ሥልጣኖም ብዝሓሸ መገዲ ምግላጽ ኣድላዪ ኢዩ " ክብሉ ጠቐሱ  ።

ሲኖዳዊ ግደ ጉባኤ ጳጳሳት

ዶ/ር ሩፊኒ ብተወሳኺ ውን "ሰረተ-እምነታዊ ሥልጣን ጉባኤ ጳጳሳት ንኻልኦት ምውካል ወይ ዘይምሃብ ከምኡውን ጽባቐ ናይ እተፈላለየ ባህልታን ብገዛእ ርእሶም እኹላት ከምዘይኮኑን ምርዳእ ብ ኣድላዪ ምዃኑ ሕቶታት ተላዒሉ ኢዩ " ብምባል ጸብጻብ ኣቕረቡ ።

ዶ/ር ጳውሎ ሩፊኒ ወሲኾም ድማ "እቲ ኣብ ኣህጉራት ዚግበር ጉባኤታት ጳጳሳት ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ስኒት ንምፍጣር ግቡእ ቦታ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ " ኸምኡውን" ጉባኤታት ጳጳስት ብኸመይ ከም ዝመሓይሽ " ውን ኣስፊሖም ገለጹ ። እዞም ህይንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኻቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እቶም ጉባኤ ሲኖዶስ መደረታት ዘቕረቡ "ንሓድነት ቤተ-ክርስትያን ምዕቃብ ዘለዎ ኣገዳስነት" ኣፍልጦ ብምሃብ ስሙር ድምጺ ኸም እተዛረቡ ውን ገለጹ።

ተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ አገልግሎት ሓድነት

ዶ / ር ሩፊኒ ኣስዕብ ኣቢሎም "ኣብዚ ዘመን ዓለምለኻዊ ምዕባለ ብዛዕባ ተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምኡውን ብዛዕባ ሓድነት ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ ሓድነት ምስ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት እውን ዝለዓለ ስነ - ምግባራውን መንፈሳውን ስልጣን ከም ምኹኑ ኢዩ ዝተገልጸ " በሉ ።

እቶም ጕጅለታት ነቲ ናይ ምይይጥ ኣርእስትታትን ቀዳምነት ዝህብዎ ነገራትን ንምልላይ  "ንጉባኤታት ጳጳስት ብዓይኒ ሲኖዶውነትን ተልእኾ ወንጌልን — ስነ-ሃይማኖታዊ ባህርይን ተልእኾን ከምኡውን ስልጣን ኣብ ሰረተ-እምነትን ሊቱርጊያውን ሓውርያዊ ጉስነትን ሥነ-ምግባራውን ከምኡውን ምምሕዳራዊ መዳያት" ብምርኣይ ኢዮም ዝጀመርዎ። ብመሰረቱ እቲ ሕቶ "ንምቅስቓስ ሕዝብታትን ባህልን ከምኡውን ንኤለክትሮኒካዊ ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ተለዋዋጢ ዓለም ብኸመይ ተሳትፎ ወንጌላዊ ተልኾ ከም ብሓድሽ ክስተኻኸል ከም ዝኽእል?" ዝብል ኢዩ ዝነበረ።

ኣብ ርእሲ እዚውን "ሲኖዳውነትን ሓድነትን ደረጃ ስልጣናትን ብኸመይ ከም ዝዕቀብን፣  ብመሰረት እቲ  ስብኩ ወንጌል እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ናይ ኩርያ ሮማና ግደ፣ ኣድማሳዊ ሲኖዶስን ኣህጉራዊ ጉባኤታት ጳጳሳትን ከምኡውን ፍሉይ ጉባኤታትን ዘተኮረ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ስዒቡ ዝመጸ ኣርእስትታት ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ኢዩ - "ንጥዑይ ዘይምእኩልነትን፣ ናይ ኣብያተ ክርስቲያናት ቤተክርስቲያንን፣ ምልውዋጥ ህያባትን፣ ኣድማሳውን ኣከባብያውን ረቋሒታንትን፣ ብዛዕባ ሓገዛት ከምኡ ውን ብዛዕባ ርእሰ ምሕዱራት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ዝብሉ መለክዒታት ክኸውን ኢዩ።"

ስብከተ ወንጌል ኣብ ባህላዊ ዓለም

ዶ/ር ፔረስ ኣብቲ ዝሃበቶ ርእይቶ ኵሉ ሰብ ኣካል ተልእኾ ወንጌል ከም ምኹኑን ከምኡ ውን ንተረ ናይቶም ንቍምስናትት ህያው ዝገብሩ ንኣሽቱ ማሕበራትን ብምጥቃስ ኣብ ተልእኾ ወንጌላዊ ባህሊ ኣቓልቦ ኸም እተገብረ ውን ኣጕልሐት ።

ዶ/ር ፒረስ ከም ዝገለጸቶ - "ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝያዳ ሲኖዳውን ተልእኾ ወንጌላውን ቤተ - ክርስትያን ከም ዝህሉ ብምግባር ምስ ባህላውን ኤለክትሮኒካዊ ለውጥታት ንጥፈታት ምክያድ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሑ ኢዩ - ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ሓድነት እምነትን ቤተ - ክርስትያን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ ዘለዎ ተኽእሎ ውን ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ" በለት።

እቶም ኣርባዕተ ዕዶማት ኣግይሽ

ኣብቲ ዝቐጸለ መድረኽ ድማ እቶም ኣወሃሃዲ ኽኢላታት ሥነ መለኮት ሲኖዶስን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎርያና ፕሮፌሰር ሥነ ኣቅላስያ ዝኾኑ ኢጣልያዊ ካህን ክቡር ኣባ ዳርዮ ቪታሊ፣ ፕሮፌሰር ሕጊ ቀኖናን ዋና ኣመሓዳሪ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሳላማንካ ዝዀነ ስጳኛዊ ካህን ኣባል ሰበኻዊ ማሕበር ካህናት ኣገልገልቲ ክቡር ኣባ ሳን ሆሴ ፕሪስኮን  ክኢላ ሥነ መዕበያን ጸዋዕታን፣ ክላራ ኣንቶንያ ሲዛር ትውልደ ሩመንያ ዋና ኣማሓዳሪት ናይቲ ኣብ ኦስትርያ ዝርከብ ካቶሊካዊ መበረ ጥበብ  ሊንዝን ምክትል ኣካያዲ ስራሕን፣ ከምኡ ውን ኣውስትራልያዊ ካህን ክብር ኣባ ኦርሞንድ ሩሽ ናይ ስነ-መለኮት ኣማኻርን ጸሓፊ ሲኖዶስን ኣብቲ ኣብ ብሪዝበን ዚርከብ ካቲሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣውስትራልያ መምህርን ኢዮም ዝነበሩ።

ኣባ ቪታሊ ፦ ዕዮ ናይቶም ኣርባዕተ ጕጅለታት ስነ መለኮት

ክቡር ኣባ ቪታሊ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ዕማም ናቶም ንሶም ዜተሓባብርዎም ኣርባዕተ ጕጅለታት ስነ-መለኮት "ነቲ ሓድሽ ክፋል ሓባራዊ ስምምዕ ብምምማይ፣ ነቲ ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ እማመ እንደገና ንምቕራብን" ከምኡውን "ነቶም ነቲ ናይ መወዳእታ ዘነድ ዝቕርቡ ነጥብታት ምትሕብባርን ንኣጸገምቲ ጉዳያት ኣብ ምምርማርን" ከም ምኹኑ ዚሕብር ሓባራዊ ጸብጻባት ምድላው ምዃኑ ኣጕልሑ።

ኣብ ጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ምባልን ሜመያ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ኣገዳሲ ምኹኑን ገለጹ። ኣባ ቪታሊ ኸም ዝገለጽዎ "እቲ ጽሑፍ ምስቲ እቶም ተሳተፍቲ ዝሃብዎ ሓሳባት ምእንቲ ኺሰማማዕን ምስቲ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ዚሕብራ ዘሎ ምእንቲ ኺሰማማዕን ኣብቲ ኣኼባ ዚበስል ሓባራዊ ስምምዕ ምምማይ ሓላፍነት ናይቶም ሊቃውንቲ ስነ መለኮት እዩ ። "

ኣባ ፕሪስኮ ፦ ሕገ ቀኖናውያንን ውጥናት ሲኖዶስ

ክቡር ኣባ ፕሪስኮ ኣባል ቀኖናዊ ኮሚሽን ሲኖዶስ ከም ምዃኖም መጠን ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘለዉ ክኢላታት ቀኖና ምስ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ብምትሕብባር ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣጕልሑ "ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ግን ስነ-መለኮትን ሕገ ቀኖናን መብዛሕትኡ ግዜ ብኽልተ ጐድኒ ኢዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ።" ኣብ ክንድኡስ ምምልላእን ምትሕብባርን ኣድላዪ ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱ ።

ኣስዒቦም ድማ እቲ ናይ ሲኖዶስ ዕዮ "ብፍላይ ነታ ንህዝቢ ኣምላኽ እተወፈየት ካልአይቲ መጽሓፍ ሕጊ ቀኖና" ኣብ ዝምልከት ዘተ ከም ዝተኻየደ ኣመልከቱ። እዚ ሽማግሌ ናይ ክኢላላት ሕገ ቀኖና ካብቲ ተሳተፍቲ ዝገለጽዎ ኣድላይነታት ከም እተመስረተ ውን ኣጕልሑ - ነቲ ናይ ሲኖዶስ ውጥናት ዘሰንይዎን ዝግምግሙን ጕጅለ ክኢላታት ሕጊ ቀኖና "ንሕጊ ቀኖና ላቲናዊትን ምስራቓዊትን ቤተክርስቲያን ብኸመይ ከመሓይሽዎ ከም ዝኽእሉን ምትዕርራያት ወይ ሓድሽ መዐቀኒታት ንምርካብ" ዝዓለመ ከም ዝኾነ ውን ኣመልከቱ።

ዓንቀ-እምነታዊ ሥልጣን ጳጳሳትን ጉባኤታትን

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ጋዜጠኛታት ድማ ብወገኖም ንሕቶታቶም ኣብ እተፈላለየ ነጥብታት ኣተኪሮም ክሓቱ ጀመሩ ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ሰረተ - እምነት ኣብ ጉባኤታት ጳጳስት ከካይድ ዝኽእል ምዃኑ ኣብ ቀኖናዊ ሕጊ እተገብረ ምትዕርራያት መጽናዕትን ስምረትን ምርካብ ከምኡውን ናይ ሥነ መለኮት ግደ ከመይ ምኹኑ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ኢዩ ዝንበረ ።

ክቡር ኣባ ቪታሊ ኸም ዝገለጽዎ "እዚ ሰነድ ከምኡ ውን ብዛዕባ ሰረተ እምነት ካብ ማእከላውነት ናብ ሓባራዊ ናይ ምትሕልላፍ ኣዝዩ ቐያዲ ኸም ዝዀነ ጉዳይ ከም ዝነበረ” ኣመልከቱ፣ እዚ ሰነድ እዚ  እቲ ብ1998 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተዳለወ እንቲኣከ ሓውርያት ሓውርያዊ ድንጋጌ ቍጽሪ 21 'ጳጳሳት ብሕቂ መምህራንን ሊቃውንትን እምነት እቶም ምእመናኖም እዮም፣' ኣብ ቤተ-ክርስትያኖም ዝወሃብ ጽሑዳት ትምህርተ ክርስቶስ 'ካብ ቅድስቲ መንበር ተቐባልነት ድሕሪ ምርካብ' ከም ምሕታም ዝኣመሰለ ፍሉይ ክእለት ከም ዘለዎም ውን ይገልጽ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን  ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራምቸስኮ  ኣብታ ስብኩ ወንጌለ ዝተሰምየት ሓውርያዊት ቅዋሞም ኣገዳሲ ምድላዋት ገይሮም ኢዮም።"

 

ቀኖናዊ ሕግራት ምእራም

ክቡር ኣባ ሳን ሆሴ ፕሪስኮ ብቐኖናዊ ኣረኣእያ ክርአ ኸሎ "ሓድሽ ነገር ክህሉ ይኽእል ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ። ከም ቤት ምኽሪ ሓውርያዊ ጉስነት ወይ ቍጠባዊ ጕዳያት ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ጐሶት ነፍሳት ሰብ-ውፉይ ሕይወትን ምእመናን ንጡፍ ምትሕብባር ከም ዚህሉ ዝዕዘብ ኣካል ዝኣመሰለ እተፈላለየ ነጥብታት "እቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ስምምዕ ዝረኸበሉ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኪቐርብ ምናልባት እውን ኣብ ዚቕጽል ሓጋይ እዋናዊ ሓበሬታ ኺርከብ ይከኣል እዩ።" እንተዀነ ግን ንኻልእ ጕዳያት "ተወሳኺ ምኽሪ ስለ ዘድልዮ ዝያዳ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ብዛዕባ ገሊኡ ጕዳያት ሓባራዊ ስምምዕ የልቦን፣ እቲ ዘተ ኣይተዓጽወን

ብፍላይ ብሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ክርአ ኸሎ ኣብ መወዳእታ እዚ ሲኖዶስ እዚ ከም ምስ ጾታ ወይ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ እተተሓሓዘ ጕዳያት ዝኣመሰለ ንጹር መልሲ ዘይህልዎም ሕቶታት ውን ክህልዉ ኢዮም።

"እንተዀነ ግን ወትሩ ኽንርእዮ ዘሎና ነገር ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ምርካብ ክእለት ኢዩ ። ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ዋላ ሓንቲ ዘየረዳድእ ጉዳይ እንተ ዘየልዩ እቲ ምይይጥ ኪቕጽል ኣለዎ ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ ንዘለኣለም እዩ ዚዕጾ ማለት ውን ኣይኰነን።"

ኣባ ቪታሊ ኣብ መግለጺኦም ነዚ ሓሳባት እዚ እንክገልጹ - "እቲ ኣብ ናይ ሲኖዶስ ጉባኤታት ብሓባራዊ ስምምዕ እተገልጸ ጋድማዊ ሓበሬታ ወይ ምኽሪ ኢዩ ዝህብ" ከምኡውን "ስልጣንን ተኣማንነትን ናይቲ ሲኖዶስ ካብቲ ኣብ መጻኢ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ክመርሕ ዝኽእል ናይ ስነ-መለኮት ናጽነት ናይ ምርምር ግዴታ ክፍለ ኣለዎ።"

ንዅሎም ርዱእ ዝኸውን ናይ መወዳእታ ሰነድ

ዶ/ር ሩፊኒ ኸም ዝገለጾ "ኣብ መንጎ ኣቦታትን ኣዴታትን ሲኖዶስ ብንጹር ዚርአን ዘሎ ጉዳይ ኣቓልቦ ውን ዝረኸበ ጉዳይ ቛንቋ እዩ ፣ ኵላትና ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኪቐርብ ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ እውን ኪርድኣና ዘለዎ ናይ መወዳእታ ሰነድ ከነዳሉ ኸም እተጸዋዕና ንፈልጥ ኢና ። "

ሲዛር ካብ ተመክሮኣ ብምብጋስ ውን ስነ-መለኮት ኣብ ሲኖዶስ ከምኡውን ኣብ መንጎ ልምድታትን ተመክሮታትን ምዕራባውን ምብራቓውን ኣውሮጳ ኣብ ዝግበር "ውልውዋጥ ውህበታት" ዘለዎ ኣገዳስነት ሓበረት።

"ንሰረተ-እምነት ናብ ተግባረ ንምቕያር ከምኡውን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ክትህልዋ ዝኽእል ሰብኣዊ ኽብርን ተጣበቕነትን ዘለዎ ግደን ኣገዳስነትን ግሉጽ ምግባር ወትሩ ነቲ ናይ ምእመናን ርድኢትን እምነት ኣብ ግምት ምእታው መሰረታዊ ኢዩ" በለት።

ኣብዚ ጕዳይ እዚ ክበር ኣባ ራሽ ከም ዝገለጽዎ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምጥቃስ "ግልጸት ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቅሰብን ቀጻሊ ዝርርብ ኢዩ" በሉ፣ ሊቃውንቲ ሥነ መልኮት ከኣ "ቤተ-ክርስትያን ነቲ ህያው ትውፊታ ንኽትቅጽል ክሕግዝዋ ይኽእሉ ኢዮም" በሉ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ መበል 12 መዓልቲ
17 October 2024, 16:20