ድለ

መግለጺ ሲኖዶስ – መበል 14 መዓልቲ፡ ናብ ዝያዳ ዘይተማእከለት ቤተ ክርስቲያን

መግለጺ ብዛዕባ ውዕሎ መበል 14 መዓልቲ ጉባኤ ሲኖዶስ፣ ኣብ መንጎ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኵላዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ዘተኮረ ከም ዝነበረን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ካርዲናላት ኣቨሊን፡ ሩኤዳ ኣፓሪስዮን ሙላን ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕዮ ሲኖዶስ ኣብ ትሕቲ “መከራ ዝተመልአት” ዓለም ኣብ ዝብል ሓሳብ መገልጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማእከላውነት ኣሰራርሓ ብጽኑዕ መትከላት ክምራሕ ከሎ “ጥዑይ” እዩ፥ እዚ ሓሳብ ኣብ ማእከል ናይቲ ዕለት 18 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልትን ድሕሪ ቐትርን ዝተካየደ መበል 14 ውዕሎ ሓፈሻዊ ስሩዕ መበል 16 ሲኖዶስ ዝተዘተየሉ ከም ዝነበረን ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየተን ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓሬታ ኣቦ መንበር ነቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ምብጋስ ከም ዝገለጹን፥

ንኣምር ግዝኣት ዳግማይ ምግላጽ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዘተ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ሰነድ  - ናይ ዕዮ ሰነድ ዝተነብረ ንዛዕባ ዞባታት ዝተወፈየ ክፍሊ ዘማእከለ ከም ዝነበረ ሓቢሮም ኣብቲ ዝተኻይደ መበል 14 ውዕሎ ዝተኻየዱ ብዙሓት ምትእትታዋት ኣገዳስነት ናይ ዞባ ኣብያተ ክርስቲያን ከምዘጉልሑን፡ "ፍሉይነት ነፍሲ ወከፍ" ስግኣት ዘይኮነስ "ፍሉይ ህያብ" ስለዝኾነ "ንሓድነት የገልግል እምበር ኣይጎድኦን” ቢሎም፥ ናይዚ ኣብነት ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያን እየን፣ ልምድታተን ከም "ሃብቲ ንመላእ ኵላዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘይነጻጸልን መተካእታ ዘይብሉን ክፋላ" ኮይኑ ክሕሎ ኣለዎ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት "ህላወ" ምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነስ "ኣብ መበቆል ዞባአንን ኣብ ስደትን ዝርከባ ምብራቓውያን ካቶሊካዊት ኣብያተ ክርስቲያን ዳግም ምንቕቓሕ የድሊ፡ ገሊኦም "ኣብ ታሪኽ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ዘይነበረ ርድኢት ሓድነት ከም ዝነበሮምን ከምኡ’ውን ኣብ ገለ እዋናት ቤተክርስትያን ላቲን "ኣብ ልዕሊ ምብራቓውያን ‘ርእሱ ዝኸአለ ሕገ ቀኖና ዘለውን ኣብያተ ክርስቲያን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ክትቐርበንን፡ ቲዮሎጊያዊ ሃብተን ከም ካልኣዊ ደረጃ ጌራ ትርዮ ነይራ" እንክብሉ ሞጊቶም፥ ሎሚ ግን ሓደ ካብቲ ብድሆታት "ኣምር ግዝኣት ዳግማይ ምግላጽ" እዩ፡ እዚ ድማ "ኣካላዊ ቦታ ጥራይ ኣይኮነን"። ብሰንኪ ስደት "ኣብቲ ስርዓት ላቲን ዝዕብልለሉ ግዝኣታት ዝነብሩ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣለዉ።"

ኢማእከላውነት ምሕደራ

ብዛዕባ እቲ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ጉዳይ እዚ ድማ በዓለ ፋሲካ ዘእግዚኣነ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ምስ "ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን" ምብዓል ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም፡ እዚ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንኽፍጸም ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣመላኺቶም፥ ይኹን እምበር ካብቲ ጉባኤ "ካብ መላእ ሲኖዶስ ቀዋሚ ናይ ሓባር ዕለት ክውሰን" ዝብል ሕቶ ከም ዝቐረበ ገሊጾም፥ ካብ ሮማ ናብ ወሰናስን ዝግበር ኣመሓድራ ዘይምኩል ምግባር ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዋዕላ ሲኖዶስ ብዙሕ ኣስተንትኖታት ከም እተገበረሉን ኣፍሊጦም፡ ሺላ ፒረስ ዋና ጸሓፊ ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ "ጥዑይ ዘይምእኩልነት" ንምግላጽ ዝሕግዙ መዐቀኒታት "ቅርበትን ምሥጢራውነትን" ማለት ቅዱሳት ምሥጢራት ሓዊሱ ከምዝተተንተኑ ኣመላኺተን፥ ንኣሽቱ መሰረታዊ ማሕበረሰባት እውን "ንሲኖዳዊት ቤተክርስትያን ፍሉይ ዕድል ዘለዎም ቦታታት" ተባሂሎም ከም እተገልጹን

ነዞም ማሕበረሰባት፡ ስነ ኣሃዛዊ ሃዋህው ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ተገሊጹ፡ ምኽንያቱ "ብምናባውነት ጥራይ ዘይኮነስ ብግዝኣታዊ መንገዲ'ውን" ምትእስሳር ንኽህልዎም ክሕግዝ ከም ዝኽእል እውን ከም እተሰመረሉ የመላኽታ።

ምስ ዓለማውያን ብሓባር ምጉዓዝ

ብዙሓት ምትእትታዋት፡ "ሲኖዳውነት ከይትፍርሑ፡ ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ህያባት ንኣገልግሎትን ይኹን ንፍሉይነት ቦታታት ስለዘየዳኽም" ብዝያዳ ክተባባዕ ከም ዘለዎ እውን ከም እተሰመረሉን፥ ምምሕዳራዊ ዕማማት ንወንጌላዊ ተልእኾ ኣገልግሎት ኒሕ ይሓንቕ፡ ስለዚ ብመሃዚ መንገዲ ክሕሰብ ኣለዎ” ዝብል ነጥቢ ብዝያዳ ቁምስንታት ንምምዕባል ዝድግፍ ምዃኑ እውን ከም እተገልጸን እዚ ክተባባዕ ድማ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ይሕብራ።

ብፍላይ "ኣውያት ናይቶም ዝሳቐዩ ምስማዕ፡ ከምቲ ሲኖዳውነት ናይታ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን" ኣብ "ብስቓይ ዝተለለየ ክውንነታት" እውን ይግለጽ። ኣብ ዓለማውያን ሕብረተሰባት ንዝካየድ ሰናይ ቃልሲ እምነት ንምምካት ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመኸሮ "ምስ ዓለማውያን ብሓባር ምጉዓዝ" ኣገዳሲ ምዃኑ ተዘኪሩ፥ "ጥዑይ ዘይ - ምእኩል ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ህዝቢ ናይ ሓባር ሓላፍነት መለክዒ ክውስኽ ይኽእል እዩ . . . እግዚኣብሄር፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ቅርጺ ሓድነት፡ "ንስልጣናዊ ትምህርቲ ተኣማንነት፡ ምስ ተካኢ ጴጥሮስ ዓቕለሲያዊ ሕብረት፡ ንዞባዊት ኣብያተ ክርስቲያን ምኽባር፡ ምትሕግጋዝን ሲኖዳውነት ዘዕብይ ምዃኑ ከም እተገልጸን፥  ወንጌል "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባህልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታን ስጋ ዝለበሰ፡ ኣብ ማሕበረሰባዊ ሸነኽ ምንቅስቓሳትን ሓደስቲ ቤተ ክርስቲያናዊ ክውንነታትን ክነብርን ከሐይልን" ኣለዎ።

ኣዝዩ ጣቕዒት ዝረኸበ ምትእትታው፡ ቤተክርስትያን "ብብዙሕነት ሓድነት" ዝብል ጻውዒት ኮይኑ፥ "ክርስቶስ ሕመረት ዝኾነሉ ህያው ኣካል፡ ብህላወ ኣባላት ህዝባ ድማ ከም ኣካሉ ትነብር" ዝብል መግለጺ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝቐረበ ይሕብራ።

ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ምቕባል

ጉዳይ ድቁና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ገለ ምትእትታዋት ከም እተላዕለን፥ "ቤተክርስትያን 'ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ' ጉዳይ ክትከውን የብላን" ከምኡ'ውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ውሳነ ክሳተፋ እኳ እንተሓተታ፡ እዚ ጥራይ እኹል ከምዘይኮነ ከም እተሰመረሉን፥ መንእሰያት "መንፈሳውያን እምበር ሃይማኖታውያን ኣይኮናን" ኢሎም፡ እዚ ንቤተክርስትያን "ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ዓውድታት ከይተረፈ ጓሳ ክትኸውን" ክድርኻ ይግባእ፡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ግዜኦም ዘሕልፉሉን ዝራኸብሉን ቦታ ኩሉ!

ኣብ መደምደምታ ሩፊኒ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ብጀካ ኣኼባታት ጉጅለታት ስራሕ፡ ኣኼባ ኣብ ሕገ ቀኖና ጉዳይ ዝምልከት ሽማግለ ዘካይዶ ርክብን ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ዛዕባ ቲዮሎጊያዊ - ሓዋርያዊ ጉስነት መመያ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ምክያዱ ይሕብሩ።

ዝመጽእ ሰሙን ንረቂቕ ናይቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ኣብ ዝምልከት ወሳኒ ዘተ ዝካየደሉ ከም ዝኸውንን፡ እዚ ድማ ከምቲ "ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ዕለት 18 ጥቅምቲ ንግሆ ከም ዝገለጽዎ፥ “ኣብ ጽዑቕ ጸሎት ዝመልኦ ሃዋህው ምቕራብ ዘድልዮ” ሰሙን ምዃኑ ሩፊኒ ኣዘኻኺሮም፥ "በዚ ምኽንያት እዚ ይብሉ ወሲኾም፥ ናይ ሶኑይ መደብ ሰዓት 8፡30 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመንፈስ ቅዱስ ብናይ መብጽዓ መስዋዕተ ቅዳሴ ክጅምር እዩ ምዃኑ ይሕብሩ።

ብድሆታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ክሳብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ላቲን ኣመሪካ፡ ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ርሒቐን ዝርከባ ዞባታት ብተመሳሳሊ ብድሆታትን ንምፍታሕ ብዘለወን ናይ ሓባር ድሌትን ዝተጠርነፋ እየን።

እዚ ድማ ነቲ ምትእትታዋትን ስዒቡ ዝመጹ ሕቶታትን ንተሳተፍቲ ዘራኽብ ናይ ሓባር ባይታ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ ካርዲናል ዣን ማርክ ኣቨሊን ካብ ማርሴ ፈረንሳ፥  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተዋህቦም ተልእኾ ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ንጻዕርታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምውህሃድ ተራ ዘተኮረ ምዃኑ ኣጉሊሖም። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዝምልከት ተወፋይነት መሰረት ገይሮም፥ እዚ ድማ ኣብ 2020 ዓ.ም.  ብኣስታት ኣርብዓ ጳጳሳት ዝጀመረን ብኻልእ ኣኼባታት ዝቐጸለን፡ ኣብ መስከረም 2023 ዓ.ም. ዝተካየደ ሓደ ኣኼባ ሓዊሱ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ነዚ ስራሕ ክቕጽሎ፡ ከወሃህዶን ክድግፎን ድሌቶም ገሊጾምለይ እዮም፥ እቲ ትኹረት ብቐንዱ ንጸገማት ዝተፈላለዩ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባት ምስማዕ ኮይኑ፥ "ማእከላይ ባሕሪ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ኣርእስቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መዓታዊ ተርእዮታት ዘለዎ ዞባ እውን እዩ፥ ውግኣት፡ ምግሃስ ናጽነት፡ ብልሽውና ስደት ዝብሉ ጠቒሶም፡ ውፉያት ናይ ደገፍ መርበባት ዝተፈጥረሉ ዞባ እውን እዩ” ኢሎም፥ "ቤተክርስትያን ኣብዚ ዞባ ንፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ብኸመይ ኣበርክቶ ክትገብር ከምእትኽእል ክንርዳእ ኣለና" ኣንክብሉ ኣስሚሮም፥ ንማእከላይ ባሕሪ ዝተወፈየ ክኸውን ዝኽእል ሲኖዶስ ክህሉን ክካየድን ዝብል ሓሳብ እውን ይዝክሩ።

ስቓይን ተስፋን ኣብ ላቲን ኣመሪካ

ቀጺሎም፡ ካብ ኮሎሚያ ሊቀ ጳጳሳት ቦጎታ ሕሩይ ካርዲናል ሉዊስ ጆሴ ሩኤዳ ኣፓሪስዮ፥ ብዛዕባ ኣብ ሃገሮምን ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካን፡ "መከራን ተስፋን" ዘለዋ "መንእሰይ ኣህጉር" ዝብል ናይ እምነት ተመኩሮታት ከም ዘካፈሉን፥ እታ ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን "ንድኻታት እናቐረበ ዝኸይድ ዘሎ መንፈሳውነት" ከተማዕብል ትጽዕር፣ ድኽነት ብስደት ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰር ጸገማት እውን ዝጋደደ ዘሎ ኣብ ምብዳህ መዳይ ትዋፈር ምዃና ገሊጾም፥ ኣብዚ በዳሂ ኵነታት "ቤተክርስትያን ክትጥርነፍን ንክውንነት ክትቀርበሉ እትኽእለሉ መንገዲ ክትረክብን ክኢላ እያ፣ ብዓይኒ እምነትን ተስፋን ድማ ትርእዮ . . . ውጽኢቱ ድማ ኣብ መላእ ኣህጉር "ውሁድ ምሉእ ኩለንተናዊ ስብከተ ወንጌል" ንምዕዋት ንምስፋሕ ጭቡጥ "ህላወ መንግስቲ ንምምስካር ዝዓለመ" እዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት

ቀጺሎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ስቲቨን ኣመዩ ማርቲን ሙላ ሃገሮምን ጎረቤት ሃገር ሱዳንን ዘጋጠሞም ብድሆታት ኣልዒሎም፥ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ናጽነት ንምድላይ ኲናት ከም ዘካየደ፡ ብዙሓት ዘይተፈትሑ ጉዳያት ተሃስዩ ገና ካብ ሰላም ርሒቑ ከም ዝርከብ ሓቢሮም፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኸተሙ ስምምዓት ሰላም ብኸፊል ጥራይ ተግባራዊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ - እዚ ኣርእስቲ እዚ ብላዕለዋይ ልኡኽ ኣብ 2018 ዓ.ም. ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝተላየደ ታሪኻዊ ርክብ ዘልዓልዎ ምዃኑ እውን ዘኪሮም፥ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድሕሪ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከይተረፈ ብዙሕ ለውጢ ኣይተራእየን። በዚ ምኽንያት ድማ ሲኖዶሳዊ ዘተ ነቲ ዘጋጥመና ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ክምልስ ከምዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊጾም፥ ካልእ ነታ ሃገር ዘሳቕያ ዘሎ መዓት ድማ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም እዩ። ካርዲናል ሙላ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ኣብዚ እዋን እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ዕልቕልቕ ዝበለት ከተማ ቤንቲዩ ከም ኣብነት ድማ ጠቒሶም ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምትእስሳር ዘለዎ ዓውሎማዊ ዓለም፡ ብመሰረት ሊቀ ጳጳሳት ከተማ ጁባ፡ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ምሳይ ዘራኽብ የብሉን ክብል ዝኽእል ሰብ የለን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሲኖዶስ ዝኸበበ ኒሕ

ኣብ መወዳእታ ኣባል ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ናይ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፍን ኣባል ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ ጳጳስ ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን፥ ኣብ ዝሓለፈ ምትእትታዋት ዝተመልከተ ንዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ኣስተንቲኖም። ሲኖዶስ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ብኸመይ "መልሲ" ከም ዝህቦም፡ ንናይ ሎሚ ጉዳያት ክትምልስ እትኽእል ንጹር ቋንቋ ዘለዋ ርህውቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝጠልብ ገሊጾም፥ ኣስዒቦም ቤተ ክርስቲያን ደው ክብላ ዘለዎ ኣርባዕተ መሰረታውያን ኣዕኑድ ኣለልዮም፡ ክርስቶስ ማእከል ዝገበረት፡ ሕውነታዊት፡ ንኹሉ - ሓቒፊት (“እቶም ኣብ ውሽጢ ሲኖዳዊ ጉባኤ ናይ ስልጣን ቃልሲ ከም ዘሎ ገይሮም ከም ዝሓብዎ ኣይኮነን እዚ ምፍሕፋሕ እዚ የለን)፡ ከምኡ’ውን ንጥፍትን ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፥ “ኣብዛ ቅልውላው ዝመልኣ ዓለም ኒሕና እንተተኻፈልና።” ዘተ ሲኖዶስ ብወገኑ ኣብ ሓያሎ ክልተኣዊ ምትእስሳራት ዝዘውር ኮይኑ፡ ሲኖዳውነትን ምልክታት ዘመን ምስማዕን፡ ሓድነትን ብዙሕነትን፡ ማእከልን ወሰንን ዝብሉ ከም ዝኾኑን፡ ኣብ መወዳእታ፥ "ሓድሓደ ግዜ ብዘጋጥመና ዘይትስፍውነት ምኽንያት ተስፋ ከይንቆርጽ ሓደራ እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅጽበታዊ መልስታት

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሕቶታት ጋዜጠኛታት እቲ ልሙድ ቦታ ተዋሂቡ፥ ካርዲናል ሩዳ ኣፓሪስዮ ንኣተገባብራ "ሓድነት ኣብ ብዙሕነት" ዝብል ኣምር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እዚ ኣምር እዚ ድሮ ኣብ "ሓድሽን ፈጠራውን ቅዲ ሲኖዶስ" ይንጸባረቕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፡ ህላወ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሲኖዶስ እቲ ዝያዳ ዝረአ ምልክት "ሓድሽነትን . . . ምዕባለን እዩ" እንክብሉ፥” ጳጳስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ነቶም ካብ ሲኖዶስ ዝቐረቡ ቅልጡፍ መልሲ ዝጠልቡ ሖቶታት ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ክርስትያናዊ እምነት ኣነጻጺሮም "ተመኩሮ ክርስቶስ እዩ። እንተዘይነቢርናዮ ምሉእ ብምሉእ ፈጺምና ኣይንሕዞን ኢና። . . . እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ክንድኡ "ኣብ ክውንነት ሱር ዝሰደደ" እምበር ረቒቕ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይብሉ ኣስሚሮም፡ ኣብዚ መንጽር እዚ ሰበኻታት ከም "ቀዳሞት ማሕበረሰባት" ወሳኒ ኮይነን ይቕጽላ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ መወዳእታ ሰነድ

ተሳተፍቲ ብዛዕባ ተራን ስልጣንን ጳጳሳት ዝተመልከተ ዘተ እውን ተሓቲቶም። "ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ እዩ" እንክብሉ  ኮሎምብያዊ ካርዲናል ገሊጾም፥ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23፡ እቲ ዕቃበ እምነት "ኩሉ ግዜ ከም ሓደ እዩ" ዝበልዎ ጠቒሶም፥ ምስዚ ኩሉ ግን "ንነፍሲ ወከፍ ኩነታት ክመዓራረ ኣለዎ" ክብሉ ተኣሚኖም። ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎም ማሕበረሰባት ንሓድሕዶም ጸላእቲ ክኾኑ ዝገብሮም "መርዛም ውልትውና" ሓዊሱ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠሞም ጸገማት ከም ዝተንከፉን ብድሕሪኡ ካርዲናል ኣቨሊን ብዛዕባ ምሕንጻን ናይ መወዳእታ ሰነድ ሲኖዶስ ገለ ርድኢት እንከቕርቡ፥ “ሽማግለ ጸማሪ ሰነድ” ዘቕርቦ ሓርፋፍ ናይ ሲኖዶስ ናይ መወዳእታ ሰነድ "እቲ ንድምጺ ክወሃብ ዝቐረበ ጽሑፍ ካብቲ ኣብዘን ሰሙናት ስራሕ ዝተገልጸ ርእይቶታት ኣዝዩ ከምዘይርሕቕ ድማ ከም ዘረጋገጹ” ኣፍሊጡ።

21 October 2024, 09:06