ድለ

ጸብጻብ ውዕሎ መበል 16 መዓልቲ ሲኖዶስ፦ ሜመያ ብዛዕባ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ሲኖዶስ

ትማሊ ሰሉስ ዕለት 22 ጥቕምቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ እተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕብ ውዕሎ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳስት መበል 16 መዓልቲ፣ እቶም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ እቲ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎም ግደን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ክጸድቕ እተመደበ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሲኖዶስ ጸብጻብ ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህሩ - ሃገረ ቫቲካን

እዘን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት፣ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ናይ መወዳእታ ሰነድ ንምምማይን ዝኾና ግዜያት ኢየን፣ ተሳተፍቲ ድማ ነቲ ዝቐረበ ንድፊ ጽሑፍ መአረምታ ኽህቡሉ ክዛተይሉን ኢዮም፣ ነቲ ኣብ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ኣቓልቦ ብምግባር ንውግእ 'ብርቱዕን ንጹርን ኣይፋል' ዝብል ሕቶ የቕርቡ ።

ብዛዕባ ዕዮ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ከምቲ ልሙድ ኣብ መጀመርታ እቲ ኣቦ መንበር ሽማግሌ ሓበሬታ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝዀነ ዶ/ር ፓውሎ ራፊኒ ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሲኖዶስ መግለጺኡ ኣቕረበ፣ ከምኡውን ጸሓፊት ሽማግሌ ሃበሬታ ሲኖዶስ ዝዀነት ሺላ ፒረስ ውን ስዒባ መግለጺ ኣቅረበት።

መግለሲ ብዛዕባ ንድፊ ናይ መወዳእታ ሰነድ

ዶ/ር ፓውሎ ራፊኒ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ - "እተን ቀጺለን ዝነበራ ሒደት ሰዓታት ሎሚ ድሕሪ ቐትርን ጽባሕ ንግሆን በተን ነኣሽቱ ናይ ዕዮ ጕጅለታት ንድፊ ናይ መወዳእታ ሰነድ ንምምሕልላፍ ክውፍያ  ኢየን። "ድሕሪ ቀትሪ እቲ ፍሉይ ጸሓፊ ጉባኤ ሲኖዶስ ክቡር ኣባ ጃኮሞ ኮስታ ኣሰራርሓ እዚ ሓድሽ ደረጃ ስራሕ እዚ ብዝርዝር ገለጹ" በለ።

ብፍላይ ዶ/ር ሩፊኒ ከም ዘመልከቶ እቲ "ንድፊ" ነቲ ጽሑፍ ብምውጋድ ብምውሳኽ ወይ ብምትካእ "ንምትዕርራያት ዝኸውን ጭቡጥ ሓሳባት" ምዃኑ ገለጸ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ዝቐረበ መአረምታ ብውልቀ - ሰባት ወይ ብጕጅለ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ክቐርብ ከም ዝኽእል ገለጸ - ሓባራዊ ንድፊ  ኣብ ጕጅለታት ቋንቋ ተቐባልነት ዝረኸበ ኢዩ ። ነፍሲ ወከፍ እተመሓየሸሉ መአረምታ ብምሉኦም ኣባላት ሲኖዶስ ንበይኑ ድምጺ ክህቡሉ ኢዮም እዚ ኸኣ ነቲ መአረምታ ንምቕባል ምሉእ ብምሉእ ኣድላዪ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።  

ዕላማ ናይዚ ሜመያ እተን ጉጅለታ ዕማም ኣብ ዚገልጽ ሓባራዊ ምትዕርራያት ንምብጻሕ እዩ ። ብተወሳኺውን ዶ/ር ሩፊኒ ኣስዕብ ኣቢሉ "እቲ ሓባራዊ ንድፊ  ኣብ ናይ ጽባሕ ንግሆ ጉባኤ መደምደምታ ክግበረሉ ኢዩ።

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናብ ጥቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ናይ ቅልቃዊ ሓሳባቱ ክሰድድ ይኽእል ኢዩ ፣ ይኹን እምበር እቲ ንድፊ ብመሰረቱ "ዝያዳ ክብደት ዘለዎ ክኸውን ኢዩ ። "

ምትርጓም ሰነዳት ናብ ቋንቋታት ዩክረይንን ቻይናን

ኣብ መወዳእታ ዶ/ር ሩፊኒ "እቲ ንድፊ ናይ መወዳእታ ሰነድ ከም ወግዓዊ ቛንቋ ብጣልያንኛ ከም እተጻሕፈ እንተዀነ ግን ብእተኻእለ መጠን ብዘይወግዓዊ ትርጕማት ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ከም እተተርጐመ " ሓበረ ። እዚ ዅሉ እተገብረ ንሜመያ ናይእቶም እተፈላለዩ ኣባላት ንምቅልጣፍ ኢዩ።" ገለ ኻብቶም እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እተተርጐመሉ ቛንቋታት ዩክረይንን ቻይናን ምዃኑ እቶም ኣብ ሲኖዶስ እተረኽቡ ኽልተ ቻይናውያን ኣቡናት ከኣ "ኣዝዮም ከም ዘመስገኑ" ገለጹ።

መንእሰያት 'ምሳኻትኩም ክንጕዓዝ ንደሊ ኢና' ኢሎም ዘቕረብዎ ምሕጽንታ

ዶ/ር ፒረዝ ኣብ መግለጺኣ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ 343 ኣባላት ሲኖዶስ ከም ዝነበሩ እዚ ድማ ትማሊ ሰሉስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተረኽቡሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኢዩ ዝነበረ።

ደድሕሪ እቲ ሰኑይ ዝቐረበ ንድፊ ናይ መወዳእታ ሰነድ “ትማሊ ንግሆ [ሰሉስ] ኵሉ እቲ ክፉት ዘተታት ኣብቲ ንድፊ ሰነድ ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ ። እታ ሰነድ ሚዛናውን ዕምቈታን ዕላማን ስለ ዝነበራ ከምኡውን ብዙሕ ሓሳባት ስለ እተዋህበላ ፍሉይ ኢዩ ዝነበረ።"

ፒረስ ኣስዒባ ከምዚ ብምባል ገለጸት - "ኣብቲ ኽሳዕ ሕጂ ምስ ሲኖዶስ እተተሓሓዘ እተፈላለየ ጕዳያት 40 መደረታት ተዋሂቡ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ብዛዕባ መንእሰያት ኢዩ ዝነበረ - ሓደ ኻብቶም ዝነኣሱ ኣባላት ጉባኤ ሲኖዶስ ነቲ ድድሕሪ ሲኖዶስ እተገብረ ኣኼባ ኣብ ግምት ብምእታው ንኣቦታትን ኣዴታትን ሲኖዶስ ጻውዒት ዘቕረበሎም ሕቶ ከምዚ ይብል ነበረ - 'በጃኹም ንዓና ንመንእሰያት ገዲፍኩምና ንበይንኹም ኣይትኺዱ፣ ንሕና መንእሰያት ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና።''

ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ እተፈላለየ ግደ

ፒይረስ ኣስዒባ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበት - "ካልእ ዝቐረበ መደረ ድማ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ብምጕላሕን መሰረታዊ ኣገዳስነተን ዝገልጽን ኢዩ ዝነበረ፣ ስዒቡ ድማ ብዛዕባ ግደ ምእመናንን፣ ጉባኤታት ጳጳስትን፣ ካህናትን፣ ሰብ ውፉይ ሕይወትን፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ ነኣሽቱ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ዘለዎም ግደን ኢዩ ዝነበረ።"

ጸሓፊት ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ ብምቕጻል ከም ዝገለጸቶ "ነቲ ኣብ ዓለም ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት መወዳእታ ኽንገብረሉ ብቐጻሊ ኽንሓትትን ክንልምንን ኣሎና " ዚብል ጻውዒት ብምቕራብ፣ ቀጻሊ ዜና ዓለም ናብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ከም ዝበጽሕ ዝነበረ ብምሕብር ደምደመት ፣ ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ  ግን ነዚ ሰነድ እዚ ከንብብ ዝብህግ ሰብ ኣይክህሉን ኢዩ።"

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት
ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት

ቤተክርስትያን ናይ ምዃን ሓድሽ መገዲ ምቕራጽ

ሓደ ኻብቶም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘቕረበ ጋዜጣዊ መግለሲ ንመጀመርታ ግዜ እተዛረኽቡ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣሞፖንጎ በሱንጉ "እተወሰነ ጸገማት ንምፍታሕ ዘይኰነስ ቤተክርስቲያን ናይ ምዃን ሓድሽ መገዲ ንምቕራጽ ተኣኪብና ኣሎና" በሉ። ከምዚ ድማ በሉ - "ሲኖዶስ ካብቲ ዘውጽኦ ዕላማ ኣየላገሰን መሰረት ድማ ኣንቢሩ ኣሎ - ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንነፍሲ ወከፉ ናብ ቤቱን ናብ ኣድማሳዊት ቤተ - ክርስትያንን ብምምላስ ነዚ ናይ ምትሕብባር መንፈስ እዚ ኣብ ኵሉ እቲ ዝለዓል ጸገማት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና ።"

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳ እዚ ሲኖዶስ ኣብ ዝዛዘመሉ ዝሎ እዋን ዝተሰምዖም ዕግበት ውን ገለጹ።

"ሃገርና ኽሳዕ ሕጂ ሚስዮናዊት ሃገር ከም ዝዀነት ጌርካ ኢያ እትርአ፣ ቤተ-ክርስትያንና ክሳዕ ቀረባ ግዜ ሚስዮናዊት ኢያ ነይራ፣ ነቲ ኣብ ማሕበረሰብን ባህልን ዘሎ ክውንነት ድማ ክትለምዶ ኣለዋ" በሉ። ስለዚ "እዚ ብዛዕባ ሲኖዶስ እተገብረ ጉባኤ ከም ካይሮስ ገይርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ" ናይ ጸጋ ህሞት ከምኡውን "ቤተክርስቲያን ናይ ምዃን ሓድሽ መገዲ ብኸመይ ከም እትግምት ብሓባር ተዓዚብና" ንኽብሉ ኣጋጣሚ ረኸቡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምትሕብባር ይቕልቀል ስለ ዘሎ ብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ቤተ-ክርስትያን "ምስ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሓባር ኣብዚ ሓድሽ ምንቅስቓስ እዚ ብኸመይ ብእተፈልየ መገዲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክትከውን ከም እትፍትን" ውን ኣረጋገጹሎም።

ኣፍሪቃ ንሲኖዳውነት ዚኸውን ፍርያም መሬት

ካብ ባመንዳ ካሜሩን ዝመጹ ብፁዕ ሊቀ ጳጳት ኣንድሪው ንካያ ፉንያ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ካብ ታሕተዎት ክፍልታት ማሕበረሰብን ምሁራት ኣካላትን ኣትሒዙ ኣፍሪቃውያን ኣብ ሲኖዶስ ብዛዕባ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ሓሳባቶም ኣካፈሉ።

ሲኖዳውነት ነቶም ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጹ እተፈላለየ ሓሳባት ዘለዎም "ንዅላትና ስነ-ምግባራዊ ምልክት" ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ከምቶም ብዘይምቍራጽ ሲኖዳውነት እተቐበሉ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ከም ንጡፋት ኣምባሳደራት ኰይኖም ናብ ቤቶም ክምለሱ ተስፋ ከም ዘለዎም ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ብሓቂ መጻኢ ኣለና ኢለ ኢየ ዝኣምን" በሉ።

ኣብ ኣፍሪቃዊ ዓውዲ ኣብቲ "ኣብያተ-ክርስትያን ምልኡኣት ዝኾናሉ" እቲ ጸገም "ከመይ ጌርና ምሉእ ብምሉእ ከም እንዕቅቦ" ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ወሲኾም ድማ "ብሲኖዳዊ መገዲ ኽንገብሮ ኢና" በሉ።

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ነቲ እቶም ካቶሊካውያን ብፍላይ ከኣ እተን ፍርቂ ኻብ ጠቕላላ ቝጽሪ ምሁራት ዜጠቃልላ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን መሰረታዊ ግደ ኣጕልሑ።

"ኣፍሪቃ ንሲኖዳውነት ፍልይቲ ቦታ ኢያ" ብምባል ኣዝዩ ብዙሓት ካብ ምዃኖም እተላዕለ "ኣብ ንኣሽቱ ማሕበረሰባት ጸገማት ክንፈትሕን ሰላም ክንረክብን ንኽእል ኢና" ብምባል ድማ መግለጺኦም ዛዘሙ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ውዕሎ መበል 16 መዓልቲ ጉባኤ ሲኖዶስ
ጋዜጣዊ መግለጺ ውዕሎ መበል 16 መዓልቲ ጉባኤ ሲኖዶስ

ሓድሽ መንገዲ ምስራጽ ካቶሊካውነት ኣብ ባህልታት

ጳጳስ ሰበኻ ኤሰን ብፁዕ ኣቡነ ፍራንዝ-ጀፍ ኦቨርበክ ኣብ መግለጺኦም ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሥርዓተ ዓለማዊ ስርዓት ኣብ ጀርመን ዝነበረ ዅነታት እንክገልጹ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዳግም መሃዚት ክትከውን ከም ዘለዋ ኣጕልሑ።

"ድሕሪ እቲ መእመናን ካቶሊክ ወይ ፕሮተስታንት ዝነበረሉ ሓያሎ ዓመታት ሕጂ ኻብ 84 ሚልዮን ተቐማጦ ፍርቆም እምነት ዘይብሎም፣ ሃይማኖት ዘይብሎም ከምኡውን ኣምላኽ መን ምዃኑ ዘይፈልጡ ኪዀኑ ኸለዉ፣ እቲ ኻልኣይ ፍርቂ ግን ዳርጋ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ፕሮተስታንትን ብማዕረ ተኸፋፊሉ ኣሎ፣ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እውን ኣለዉ" በሉ። ሓደስቲ ንኣሽቱ ማሕበረሰባት ይዓዩ እኳ እንተ ኣለዉ "ከም ብሓድሽ ስብከተ ወንጌል" ከምኡውን "ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ሓድሽ መልሲ ምሃብ" ኣድላዪ ኢዩ በሉ።

ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን "በቲ ሓደ ሸነኽ ኣብ መንጎ መዋቕርን በቲ ኻልእ ሸነኽ ሓድሽ መንፈሳውነትን ኣብ ዘሎ ውጥረት" እትነብረሉ ዘላ ድሕሪ እዚ ሥርዓተ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዘሎ ዅነታት ሲኖዳውነት "ንሓያሎ ዓመታት እንነብረሉ ዘሎና መገዲ ኢዩ" ብምባል እቲ እዞም ጳጳስ ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ጀርመን እተፈጸመ ማህሰይቲ ድሮ ሲኖዶሳዊ ኣቀራርባ ከም እተማህዘ ገለጹ።

እስያ ኣብ ዘተ እተመስረት ህያው እምነት

ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ኳላ ላምፑር ማለዥያ ዝርከብ ካቶሊካዊ ማእከል ምርምር ዝዀነ ክቡር ኣባ ክላረንስ ሳንዳናራጅ ዳቪዳሳን ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ -ክርስትያን  ዝርከብ ህያው ናይ ሲኖዶስ ጐስጓሳትን ከምኡውን ምስ ካልኦት ካብ ቤተክርስርያን ወጻኢ ዝግበር ንጥፈታት ገለጹ ።

እስያ ብዘይካ ፊሊፒንስን ቲሞር ለስተን ሒደት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዚነብሩላ ኽፍለ ዓለም ከም ምዃና ገለጹ ።

ኣብ እስያ እምነት ህያው እኳ እንተ ዀነት "እዚ ማለት ግን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ካልእ ጸገማትን ኣይርከብን ማለት ኣይኰነን" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት "ሓደ ሰብ ኣብ ዘተ ብምስታፍ ስኒት ክደሊ ኣለዎ " ብምባል ኣብ ብዙሕ ቦታታት እንተ ወሓደ ብምኽንያት ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጥሩፍነት "እቲ መግለጺ እምነት ዝኸውን ህዝባዊ ቦታ እናነከየ ይኸይድ ዘሎ ኢዩ ዝመስል" በሉ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘተን ዝርርባትን "ኣማራጺ ኣይኰነን" የግዳስ "ብህይወት ናይ ምንባር ጕዳይ ኢዩ" ብምባል ኣትሪሮም ተዛረቡ ። ሓድሽ ነገር ዘይኰነስ ኣድላይነት ኢዩ፣ ክፍሊ ናይቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ናበይ ከም እንኸይድ ዝገልጽ ናይ ብዙሓት ሰባት ባህሊ ድማ ኢዩ።"

ሲኖዳውነት "መሰረት እዚ ዅሉ" ኢዩ፣ ካብ ስድራቤት ኣትሒዙ ኸኣ ኣብ ኵሉ ቦታ ኢዩ ዝንበር ዘሎ፣ ፍረ ድማ ካብ ምፍራይ ኣየቋረጸን ።

ስለዚ ኣብ እስያ ዘሎ ብድሆ "ምስ ካልኦት ምንባር ኣብ ግምት ብምእታው" ትምህርትታት ሥነ-መለኮት ንምምሃር ከምኡውን "እምነት ብጋህዲ ኽትገለጸሉ ኣብ ዘይትኽእል ቦታ" ወንጌላውነት ምምሃር ዘጠቓልል ምዃኑ ኣመልከቱ።

ኣብ መወዳእታ ዶ/ር ዳቪድሶን ብዛዕባ እቲ ንብዙሓት እስያውያን ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ከም ዝነብሩ ዝገበሮም ተርእዮ ስደተይናታት ከምዚ በሉ - "እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ኢዮም፣ ከመይሲ ክወጹ ኸለዉ ኣታዊ ይደልዩ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምሳታቶም እምነት ውን ኣለዎም ። "  ንእምነትና ህያው ንምግባር ኣበርክቶ ዝገብር ድማ ኢዩ።"

ጋዜጣዊ መግለጺ ጉባኤ ሲኖዶስ መበል 16 መዓልቲ
23 October 2024, 16:22