ጻብጻብ ውዕሎ 17 መዓልቲ ጉባኤ ሲኖዶስ፦ ኣባላት ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ መኣረምታታት

ኣብዚ ቅድሚ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ሲኖዶስ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ውዕሎ መበል 17 መዓልቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣባላት ነኣሽቱ ጕጅለታት ዕማም ብዛዕባ ግደን ስልጣንን ጳጳሳት፣ ብዛዕባ ኣድላይነት ሕገ ቀኖናዊ እንድምታ ብዛዕባ ሲኖዶስ፣ ዓንቀጽ እምነታዊ ሥልጣን ጉባኤታት ጳጳሳት ከምኡ ውን ብዛዕባ ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝምልከት ዘተታት ከም ዘካየዱ ተገሊጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ነቲ ዕዮ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዘሰናደዎ "ናይ መወዳእታ ሰነድ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኸውን "ንድፊ" ኣቕሪቦም።

ልዕሊ 900 ኻብቲ እተመሓየሸ መአረምታታት በቶም ንኣሽቱ ጕጅለታት ዕማም ሲኖዶስ ዝቐረቡ ኮይኖም፣ ነፍሲ ወከፍ ርእይቶ ድማ ብብዙሓት ተቐባልነት ኪረክብ ነበሮ ። እታ ነቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይ ምድላው ሓላፍነት እተዋህበት ጕጅለ ዕማም ካብቶም ኣብቲ ሲኖዶስ እተሳተፉ ውልቀ-ሰባት 100 ዝኸውን መአረምታታት ረኸበት።

ኣብዚ እዋን እዚ እታ ጕጅለ ዕማም ንምስንዳው ናይቲ ቀዳም ንግሆ ኣብ ሲኖዶስ ዚንበብን ድሕሪ ቐትሪ ድምጺ ዝወሃበሉን ንድፊ ናይ መወዳእታ ሰነድ ተዳሉ ኣላ።

ኣቦ መንበር ሽማግሌ ሓበሬታ ሲኖዶስ ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘቕረቦ ግዜጣዊ መግለጺ ኣባላት ሲኖዶስ ነቲ ንዝቕጽል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ከዳለዉ ሓላፍነት እተዋሂብዎም ኣሎ፣ ኣብ ሓፈጻዊ ጉበኢ ሲኖዶስ ከም በሓድሽ ድምጺ ክህቡሉ ምዃኖም ውን ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ ። ሓደስቲ እተመርጹ ኣባላት ቀዋሚ ቤትምኽሪ ሓፈሻዊ ቤትጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝግበር ጉባኤ ውን ስልጣን ኪቕበሉ እዮም።

መደረ ሕጹይ ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ

ዶ/ር ሩፊኒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣስዒቡ ብዛዕባ እቲ ሕጹይ ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍን ብዛእባ እቲ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎን ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ እተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃብዎ መልሲ ሓሳባቶም ውን ኣመልከቱ።

ሓደ ጋዜጠኛ ንብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ ብዛዕባ እቲ ሕጹይ ካርዲናል ራድክሊፍ ኣብቲ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ንዘሕተምዎ ጽሑፍ ብምጥቃስ ጠንቂ እቲ ኣፍሪቃውያን ንሰነድ ስኢል ተአምኖ  ዝሃብዎ ምላሽ ቍጠባዊ ጕዳያት ምዃኑ ንዚገልጽ ርእይቶ ምላሽ ኪህቡሉ ሓተቶም። ካርዲናል ኣምቦንጎ ነቶም ሕጹይ ካርዲናል ራድክሊፍ ከም እተዛረብዎም ብምግላጽ ኣትሪሮም መለሱ፣ ሕጹይ ካርዲናል ራድክሊፍ ድማ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ከም ዘይሃቡ ኣረጋገጹሎም።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ እዞም ሕጹይ ካርዲናል ራድክሊፍ ምስ ካርዲናል ኣምቦንጎ ዝገበርዎ ዝርርብ ነቲ ኣብ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ ዘሕተምዎ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ዘይኰነስ ነቲ ፊል ሎለር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ባህሊ ካቶሊክ ዘውጽኦ ዓንቀጽ ከም ዘመልክት ገለጹ።

ሕጹይ ካርዲናል ራድክሊፍ "ሎለር ነታ ኣብ ኦሰርቫቶር ሮማኖ ዝጸሓፍክዋ ዓንቀጽ ብምንባብ ነቲ ጽሑፍይ ብጌጋ ተርጒምዎ ኣሎ" በሉ። "ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣቕዋም ብቝጠባዊ መዳይ ከም እተጸልወ ጽሒፈ ወይ ሓሳብ ሂበ ኣይፈልጥን እየ። ኣብ ኣፍሪቃ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ካብ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣብያተ-ክርስትያንን ብርቱዕ ጸቕጢ ይወርዳ ኸም ዘሎ ጥራይ እየ ኣፍልጦ ዝሃብኩ ክብሉ ውን መለሱ።

ሕጹይ ካርዲናል ራድክሊፍ ኣስዒቦም "ንካርዲናል ኣምቦንጎ ስለቲ ንኣቕዋመይ ንጹር መግለጺ ብምሃቦም  ልዕሊ ዅሉ ከመስግኖም እደሊ" ብምባል መግለጺኦም ዛዘሙ።

ስልጣንን ግደን ጳጳሳት ኣብ ቤተ-ክርስትያን

ደድሕሪ እቲ ዶ/ር ሩፊኒ ዘቕረቦ መግለጺ እቶም ናይ ዕለቱ ዕዱማት ኣጋይሽ ዝኾኑ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት ብምዃን ነቲ መድረኽ ቀጸልዎ።

ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፕረቮስት ብዛዕባ ግደን ስልጣንን ጳጳሳትን፣ ጉባኤታት ጳጳሳት ኣመልኪቶም ተዛረቡ፣ እዚ ድማ ኣብ መስርሕ ምርጫ ጳጳሳት ኣብ ዝተገብረ ዘተታት ዘኰረ ኢዩ ዝነበረ። ጳጳሳት "ኣመሓደርቲ ንግዲ" ዘይኰኑስ ብቐዳምነት ምስቶም ብሕድሪ እተዋህቦም ህዝቢ ኣምላኽ ብምጉዓዝ ጐሶት ክዀኑ ከም ዘለዎም ኣጕልሑ።

ካርዲናል ፕረቮስት ጳጳሳት ሓድሓደ ግዜ ደያኑን ወሃብቲ ተግጻጽን ኪዀኑ ኸለዉ ነቲ ከም ኣቦታትን ጓሶትን ዘለዎም ግደ ብዚምልከት ዚስምዖም ውጥረት ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ ።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም ስልጣን ጳጳሳት ኣብ "ኣገልግሎት" እተመስረተ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ ንዅሎም ኣባላት ሰበኻኦም ምግልጋል ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ናይ ስልጣን መዋቕራት ምሕዳስ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ኣመልከቱ። ኣብዚ ሓሳባት እዚ ጳጳሳት ምስ ካህናትን ሰብ-ውፉይ ሕይወትን ምእመናትን ከምኡውን ምስቲ ድሮ ኣብ ሕጊ ቐኖና ተፈላጥነት ዝረኸበ እተፈላለየ ቅርጻ ሲኖዳውነት ክማኽሩን ክዓዩን ከም ዘለዎም ኣጕልሑ።

ጳጳሳት ንህዝቦም ኪፈልጥዎምን ኪሰምዕዎምን ውን ኣተባብዑ ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ፕረቮስት ከም ዝገለጽዎ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ሕዳጋት ሕብረተሰብ ዘለዉን ከም እተገለሉ ዀይኑ ዝስምዖምን ክበጽሕዎምን ክፍሊ ቤተ-ክርስትያን ክዀኑ ክዕድምዎምን "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኵሉ ኵሉ ኵሉ " ብማለት ንኵላቶም ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ከም ዘለዎም ውን ከም ዘመልከቱ፣ ጳጳሳት ብፍላይ መግለጺ ናይዚ ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐባሊ ዝኾነ ባህሪ መግለጽን ኣርኣያን ክዀኑ ከም እተጽውዑ ድማ ኣመልከቱ።

ተራ ሕቀ ቀኖና ኣብ መስርሕ ሲኖዳውነት

ኣስዒባ ድማ ከም ክኢላ ሕገ ቀኖና ኣብ ሲኖዶስ እተሳተፈት ፕሮፌሰር ሚርያም ዊለንስ፣ ሕጊ ቀኖና ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዘለዎ ተራ ገለጸት ።

ነቲ ኣቐዲማ ንዝሃበቶ ኣስተምህሮ ብምጥቃስ "ነታ ናይ ዳግም ምሕዳስ መልጎም ምጥዋቕ" ዝብል ምሳሌ ተጠቕመትሉ፣ እዚ ኸኣ ንሓደ ዕዮ ዝኸውን ኵነታት ስራሕ ንምምሕያሽ እንጥቀመሉ ኣገባብ ተሓድሶ ዘጠቓልል ምዃኑ ገለጸት።

እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተልእኾኣዊ ዕማም ንምምሕያሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቤተ-ክርስትያን ምስቶም ተዋሳእቲ ብእተተሓሓዘ "ምትዕርራይ" ክትገብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡላ ገለጸት።

እዚ ድማ ኣብቲ ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተመስረተ ዀይኑ ኣባላት ቤተ-ክርስትያን እተፈላለየ ጸዋዕታታት ሰረተ-እምነት ወዘተ ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡውን ኣብ እተፈላለየ መዳያት ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ትውክልቲ ዝገብርን ውጽኢታውን ንምግባር ብኸመይ ክሕግዝዎም ከም ዝኽእሉ ብሓባር ዝካየድ ሜመያ ዘጠቓልል ኢዩ ዝነበረ።

ፕሮፌሰር ቪለንስ ብዛዕባ እቶም እዚ ሲኖዶስ ዘበገሶም ናይ ምሕዳስ መስርሓት ቀኖናዊ መቃቕራት ክውሰኽ ከም ዘለዎ ኣትሪሮም ዝገለጹ ህዝቢ ኣምላኽ እውን "ዓብዪ ስኒት" ከም ዘለዎም ኣመልከቱ። ኣብ ኵሉ ደረጃታት ቤተ-ክርስትያን እንተላይ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ምስ ዝርከቡ ብምሉኦም ህዝቢ ኣምላኽ ዝግበር ናይ ኤጲስቆጶሳውን ኣቅላሲያውን ፍልይ ዝበለ ጉባኤታት ክግበር ከምኡውን ክደልድል ከም ዘለዎ ዝገለጸቶምን ብግዲ ክህሉ ዝለዎ ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጉስነት ከም ዘድሊ ውን ገለጸት።

ኣብ መወዳእታ ፕሮፌሰር ቪለንስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዚፍጸም ዓመጽ ኣብ ተኣማንነት ቤተ-ክርስትያን ጽልዋ ኸም ዝገበረ ብምግላጽ ኣገዳስነት ተሓታትነትን ግሉጽነትን ገምጋም ምሃብን ውን ኣጕልሐት።

ኵሎም ምእመናን ንሓድሕዶም ከም እተኣሳሰሩን፣ እዚ ኸኣ ንሓድሕዶም ናይ ምዕቋብ ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዜመልክትን፣ ብዝያዳ ኸም እተገንዘበት ውን ገለጸት ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን እዚ ኻብ ማሕበረሰብ ዘይኰነስ ካብ ዓሚቝ ስነ - መለኮታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚውሕዝ ውን ኣመልከተት ።

ሰረተ-እምነታዊ ሥልጣን ጉባኤታት ጳጳሳት

ስነ መለኮታዊ ሊቅን ክኢላ ሥነ ኣቅላስያን ታሪኽ ቤተክርስቲያንን ዝኾኑ ክቡር ኣባ ጊለስ ሩተር ቀጺሎም ብዛዕባ ሰረተ-እምነታዊ ሥልጣን ጉባኤታት ጳጳሳት ከም ዝተመያየጡ መግለጺ ኣቕረቡ።

እዛ ሕቶ እዚኣ ኻብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣትሒዛ ኣብ እተፈላለየ ናይ ሜመያ ሰነዳት ስለ እተመለሰት ሓዳስ ከም ዘይኰነት ኣመልከቱ።

ጉባኤታት ጳጳሳት ሓድሽ ትርጓሜ ሰረተ-እምነት ናይ ምውጻእ ስልጣን ከም ዘይብሎም፣ የግዳስ ምስ መላእ ቤተ-ክርስትያንን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብምትሕብባር ስጕምቲ ኽወስዱ ከም ዘለዎ ብምጕላሕ ብዛዕባ ሰረተ እምነታዊ ተራ ጉባኤታት ጳጳሳት መግለጺ ኣብ ዝሃቡሉ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ጉባኤታት ጳጳሳት ነቲ ሓባራዊ እምነት ቤተ-ክርስትያን ንገለ ሕዝብታት ከም ዘድልዮም ኣስተምህሮት ብዘማእዘነ መገዲ ንምምሃር ዘለዎም ተራ ማለት ነቲ ዓንቀጽ እምነታዊ ኣስተምህሮት ከም ረቂቕ ሓሳብ ገይርካ ምሕዳግ ዘይኰነስ ነቲ ቤተ-ክርስትያን እትምህሮ ትምህርቲ ንሕዝቦም ብዘድልዮም ኣጋጣሚታትን ብድሆታትን ኣብ ግብሪ ምውዓል ምዃኑ ብጭቡጥ መገዲ ገለጹ።

ካቶሊካውያን ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ሲኖዶስን

ኣብ መወዳእታ እቶም ኣብ ማሮናዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ናይ እተኻየደ መስርሕ ሲኖዳውነት  ምስክር ዝኾኑ ክቡር ኣባ ካሊል ኣልዋን ብዛዕባ እተፈላለያ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያን መግለጺ ኣቕረቡ።

ብተበግሶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ጳጳሳት ዘይኰኑ ኣካላት ማለት ካህናት ዲያቆናት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናን ከምኡውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰሎም ምሉእ ብምሉእ ንኽሳተፉ ጻውዒት ከም ዘቕረበሎም፣ ንምምስራት ሓድሽ  ጉዕዞ ሲኖዳውነት ብምስትንታን ኢዩም ዝጀሚርዎ። ነዚ ምእመናን ኣጸቢቖም ከም ዘማስዉሉ ከምኡውን እዚ ጉባኤ እዚ "እቲ ዝበለጸ መግለጺ ናይታ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ስምዒት ክኸውን" ከም ዘፍቅድ ውን ገለጹ።

ክቡር ኣባ ኣልዋን ብዛዕባ እተን ኣከባብያውያን ዝኾና ኣብያተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰናስ ብዛዕባ እተን ናይ ገዛእ ርእሰን ስልጣነ ምሕደራ ዘለወን ትውፊትን ውርሻን ዘለወን ናይ ሓርያውያን ኣብያተ ክርስቲያን  ፓትርያርክት፣ ማለት ምብራቓውያን ካቶሊካዊት ኣብያተ-ክርስትያን ክገልጹ ተረኽቡ።

ምብራቓውያን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ መላእ ዓለም ስደተኛታት ኰይኖም ካብ ዓዶም ሓሊፎም ከም እተጓዕዙ ውን ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ነተን መብዛሕትኡ ግዜ ብእተፈላለየ ጸበባ እንተላይ ብውግእ ዝሳቐያ ዘለዋ ኣብያተ - ክርስትያኖም ሓባራዊ ስምምዕ ከም ዘምጽኣለን ውን ኣመልከቱ ።

ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ምብራቓውያን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ፣ ምስ መበቈሎም ጠቢቖም ክነሶም "ስቓይ ህዝቢ" ሒዞም ዝጕዓዙ ዘለዉ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ "ብሰማእትነት" ስለ ዚልለዩ ተስፋ ትንሳኤ ሒዞም እዮም ዚነብሩ።

ክቡር ኣባ ኣልዋን ኣብዚ ሲኖዶስ እዚ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ክሳዕ ሕጂ እተፈላለየ ሓድነት ናይታ ቤተ - ክርስትያን ከም ዝረኸቡ ኣመልከቱ። "ብመንፈሳዊ ሜመያ ካብ ካልኦት ርሕራሐ ምስትውዓል ተስፋ ረኺብና ኢና" በሉ።

ሓባራዊ ምርዳእን ሓባራዊ ጥቕሚ ንምርካብ ብሓባር ምዕያይን ዝዓለመ "ሓድነት ንምሕዳስ ዘተ ንምግባርን ድልድላት ምህናጽን" ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

ከም እኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ናይ ቀረባ ምብራቕ ዝተጻህፈ ደብዳበ፣ ነቲ ኣብታ ቅድስቲ መሬት እተገብረ "ግፍዒ" መወዳእታ ንምግባር መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ከምኡውን ሰንበት ዕለት 20 ጥቅምቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ደማስቆ ዝመጹ ናይ ዓሰርተው ሓደ ሰማእታት ቅድስና ምእዋጅ ዘጠቓልል ጭቡጥ ምልክታት ሓድነት እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ባይቶ ጸጥታ ው. ሕ. ሃ. ነቲ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ኬብልዎ ንዝቐረበሎም ጻውዒት ድምጹ ምስ ወሰኸሉ ክርስትያናዊ ተስፋ ዕምቈት ዘይብሉ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ጥራይ ከም ዘይኰነ ገለጹ ።

መስቀል ናይ መወዳእታ ቓል ከም ዘይኰነ ውን ኣመልከቱ ። ኣምላኽ ኣብ መከራ እውን ከይተረፈ መገዲ ህይወት ኣዳሊዩ ኢዩ ዘሎ፣ እዚ ድማ "ንኽንቕጽሎ ተስፋ ይህበና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላማዊ መጻኢ ንኽህልወና ተስፋ ይህበና ዋላ እውን ርሑቕ ዝመስል እንተዀነ ተስፋ ኣሎና።"

ጋዜጣዊ መግለጺ ጉባኤ ሲኖዶስ መበል 17 መዓልቲ
24 October 2024, 15:31