ድለ

መግለጺ ዋዕላ ሲኖዶስ 5ይ መዓልቲ፦ ስቓይ እቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምስማዕ

ኣብቲ ትማሊ ብዛዕባ መበል 5ይ መዓልቲ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ ተሳተፍቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ዕለተ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ንምዝግባር ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ጉጅለ ሓማስ ኣብ እስራኤል ዘውረዶ ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕትን፣ ካብኡ ስዒቡ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እተጋደደ ኩነታት ከም ፍሉይ ህሞት ብምዝካርን፣ ቀጺሎም ድማ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ኣጕሊሖም ከምኡውን ድልድል ኣብ ምህናጽ ዘተኰረ ዘተ ከም ዘካየዱ ተገሊጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰኑይ ንግሆ 351 ተሳተፍቲ ኣባላት ኣብ ዝተረኽብዎ መደባት ጉባኤ ሲኖዶስ ቅሚ ምጅማሩ "ቅድሚ ጸሎት ዕለት 7 ጥቅምቲ ብዘስደምም መገዲ ዘይትርሳዕ መዓልቲ ከም ምዃና ብሰንኪ ውግእ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ሰባት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይን መከራን ብምዝካር ልባዊ ቅርበት ዝገልጽ መደብ ተካይዱ ኢዩ ። "

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘቕረቦ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ መደባት ኣስፊሑ ገሊጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብዛ እተሕዝን መዓልቲ እዚኣ" ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ደብዳበ ኸም ዝወረዶም ውን ገለጹ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ዶ/ር ፓውሎ ራፊኒ ከም ዝገለጾ ብፁዕ ካርዲናል ግሪች ነቶም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ትማሊ ሰኑይ "መዓልቲ ጸሎትን ጾምን" ምዃና ኸም ዘዘኻኸርዎም ኣመልኪቱ ።

ዶ/ር ሩፊኒ ኣስዒቡ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራጀቭስኪ ዓቃቤ ግምጃ ቤት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ክፍለ ግዜ ገንዘባዊ ሓገዘ ናይ ምእካብ ጻዕርታት ኸም ዝጀመሩ ውን ጸብጻብ ኣቕሪቡ ። ብፍላይ ነቲ ኣብ ቃዛ እተፈጸመን ኣብ ልዕሊ እታ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ዝሳቐዩ ሰባት ዘለዎም ጥብቅ ርክብ ንምግላጽን መዓልታዊ ዘዘራርብዎም ክቡር ኣባ ጋብሪኤል ሮማነሊን ዘወፍዩሎም ደገፍ ክኸውን ኢዩ።

ካብቶም 21 ዝሓለፈ ሰንበት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካርዲናላት ንክኾኑ እተምርጹ 9 ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብዚ ተበግሶ እዚ ኽካፈሉ ኢዮም። እዚኣቶም ከኣ ሉዊስ ጀራርዶ ካብሬራ ሄሬራ፣ ታርቺስዮ ኢሳኦ ኪኩቺ፣ ፓብሎ ቨርጂልዮ ሲዮኔግኮ ዳቪድ፣ ላዲስላፍ ኔመት፣ ጃይመ ስፐንግለር፣ ኢኛቸ በሲ ዶግቦ፣ ዶሚኒክ ማቲዩ፣ ሮበርቶ ረፖለ ከምኡውን ቲሞቲ ፔተር ጆሴፍ ራድክሊፍ ክኾኑ ኢዮም።

ዕዮ ኣሰምብሊ ሲኖዶስ

ራብዓይ ምልኣተ ጉባኤ ሓፈሻዊት ጉባኤ ሲኖዶስ  ንሰሉስ ክካየድ ምዃኑ ጸሓፊት ሽማግሌ ሓበሬታ ሲኖዶስ ሺላ ፒረዝ ውን ኣፍሊጣ ።

"እዚ ጉባኤ ሲኖዶስ ድማ ብመሰረት ዓንቀጽ 13 ናይ ውሽጣዊ መምርሒታት ንኣባላት ናይቲ  መዛዘሚ ሰነድ ዝቕርቡ ጉጅለ ክመርጹ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ብድሕርዚ ኻብቶም እተፈላለዩ ናይ ዕዮ ጉጅለታት ጸብጻብ ክቐርብ ኢዩ" ክትብል ውን ኣመልከተት ።

ደድሕሪ እቲ ድሮ ካብ ዝሓልፈ ቀዳማይ ሰሙን ክካየድ ዝጸንሐ ቅዲ ጉባኤ ኣባላት ናይዚ ሲኖዶስ ኣብቲ ናይ ምይይጥ ዛዕባ ምርጫታት ከካይዱ ኢዮም፣ ምሉእ መዓልቲ ድማ ኣብ ክፉት ዘተ ተጸሚዶም ክውዕሉ ኢዮም ።

ሺላ ፔረስ ከም ዝገለጸቶ እተን ብዛዕባ ሥነ-ጉስነታዊ ትምህርትታት ዚገል|ጻ ናይ መጀመርታ ኽልተ ዋዕላታት ጽባሕ ረቡዕ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ክፍለ ግዜ ብዛዕባ እቲ "ህዝቢ ኣምላኽ ኣካላት ተልእኾ ወንጌል" ከምኡውን "ግደን ስልጣንን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዶዊት ቤተክርስቲይን" ዚብል ኣርእስቲ መግለጺታት ከም ዝወሃብ ውን ገለጸት።

ሲኖዳዊ ጉዕዞ ኣብ እስያ

ቤተ-ክርስትያን ድልድል ክትሃንጽን ድልድል ክትከውንን ኣለዋ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ እተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ቈላሕታ ክትገር ኣለዋ ማለት ኢዩ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ቦምበይ ብፁዕ ካርዲናል ኦስቫልድ ግራስያስ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣመልኪቶም ስፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣባል ቤትጽሕፈት መደበይና ዋዕላ ሲኖዶስ ጳጳስትን፣ ቤት ምኽሪ ካርዲናላትን ከምኡውን ኣባል ናይቲ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ኣብ መጀመርታ ዘመነ ጵጵስናኦም ኣብ ምሕደራ ቤተ-ክርስትያን ንኽሕግዝዎም ዝመስረትዎም ጉጅለ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዮም።

ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝቐረበ ጋዜጣዊ መግለጺ እዞም ካርዲናል ኣብ ሲኖዳውነት እተገብረ እተፈላለየ ምዕባለታት ውህደት ባህልታት ከም ዘድሊ ኣጕልሑ። ወሲኾም ድማ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣትሒዙ ኣብ ቤተክርስቲያን ንኻልኦት ምቕባልን ምኽባርን ሰፊሕ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ገለጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ግራስያስ ኣብነት ናይቲ ኣብ እስያ እተገብረ ሲኖዳዊ ጕዕዞ ብምጥቃስ ድማ ብ2022 እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሲኖዳውነት ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ጕዳያት መደረ ኣቕረቡ ልምድታት ጕስነት ምሕዳስ ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣስተንተኑ ።

Cardinal Gracias on Day of Prayer for Peace

ክልተ ቐንዲ ነጥብታት ብዛዕባ ብሓባር ምዕያይን ብሕብረት ምጕዓዝን ኣብ ዝብል ኣርእስታት ዘተኮረ ኢዩ ዝነብረ ። እዞም ካርዲናል ከም ዝገለጽዎ ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ዘለወን ሃገራት መንግስቲ ኣምላኽ ምህናጽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣመልከቱ ። በዚ ኸምዚ ድማ ሃይማኖታዊ ምስዳዕ ዘይኰነስ ፍልልያት ኣኽቢርካ ኺርአ ከም ዝለዎ ውን ኣተሓሳሰቡ።

ሕውነት ምድልዳል

ኣብ እስያ ኽሳዕ 2023 ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ ጳጳሳት ብዛዕባ ክብሪ ሃይማኖታትን ናይ ምእመናን ምንቅስቓሳትን ከምኡ ውን ብዛዕባ ጥምቀታዊ ተወፋይነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብን ዘለዎም ኣኽብሮት ንምምይያጥ ኣኼባታት የካይዱ ከም ዝነበሩ ኣመልከቱ።

ካርዲናል ግራስያስ ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ ቤተ-ክርስትያን "ድሕሪ ሕጂ ኻልኦት ሃይማኖታት ዘይኮነስ ከም ጐረባብቲ ሃይማኖታት ኢላ ኽትጽውዐን ከም ዘለዋ" ብምባል ምትሕብባር ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ዘሎ ርክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ኣብ እስያ ዘለዉ ጳጳሳት እውን ንኣገዳስነት ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ኣፍልጦ ከም ዝህቡሉ ውን ኣመልከቱ፣ ሲኖዳዊ ዕዮኦም ዝቕጽሉሉ ባይታ ከም ምኹኑ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ዘለዉ ። ብፁዕነቶም ቀጺሎም "ኵነታት ከም ዝመሓየሽ ርግጸኛ ኢየ፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ድማ ዝያዳ ሕውነትን ፍቕርን ክህሉ የድሊ" ውን በሉ።

ሓንቲ ስድራ ቤት

ኣብቲ ዝተኻይደ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ኣውሮጳ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበርን ከምኡውን ሊቀ-ጳጳሳት ቪልኒየስ ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጂንታራስ ግሩሻስ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ኣብ እተገብረ ምኣተ ጉባኤ ሲኖዶስ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ብኸመይ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ ዘተኮረ መግለጺ ኣመሓላሊፎም።

ምስቶም በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ዝኣመሰለ ሃገራት ዘሎ ውግእ ዘስዓቦ ንዝሳቐዩ ዝለዉ ሰባት ዘለዎም ሓድነት ብምግላጽ "ኵላትና ሰላምን ሓድነትን ንምርካብ እንጽሊ ሓንቲ ስድራቤት ኢና!" ዝብል ተመክሮ ኣስፊሖም ገለጹ።

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ዘሎ ርክብ ከደልድሉ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ከምዚ ድማ በሉ - "ምይይጥ ምግባር ተልእኾና ኢዩ።"

Archbishop Grušas calls for prayer for peace

ጽን ኢልካ ምስማዕ

ኣደ መንበር ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ዝዀና ክብሪቲ እናቴ ሜሪ ተሬሳ ባሮን ኣብ ዝሃባኦ ምግለጺ ኣብ ሲኖዶስ ሕድሕዳዊ ጽን ናይ ምብህሃል ክእለት እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣመልከታ ።

ንሓድሕድካ ናይ ምስምማዕ ክእለት እውን ከም እተመሓየሸ ኢየን ዝኣምና፣ እዚ ድማ ንእምነት ካልኦት ዝያዳ ምስትውዓል ንኽህልዎም ኣኽኢሉ ኢዩ ዘሎ። ምስማዕ ንሰባት ናብቶም እተገለሉን እተነጸሉን ከም እትቐርቦም እትሕግዞም ኢዩ ዝገብረካ ውን በላ ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት እውን እንተ ዀነ ንሲኖዳውንት እተወፈየ ቤት ጽሕፈት ኣቚሙ ይርከብ ኣሎ፣ ኣብ መንጎ ባህልታት ዝርከቡ ጕጅለታት ከኣ ዝሓሸ ኩነታት ንምህናጽን ንምስማዕን ርክባትን ቀዳምነታትን ኣብ ምሃብ ዘተኮረ ከም ዝኾነ ውን ኣመልከታ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ዕላማኡ ድማ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ንምሕጋዝ ምዃኑ ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ሶርያ ሊባኖስ ሩስያ ዩክረይን ቬትናም ምያንማር ኢንዶነዥያ ዚግበር ናይ ሲኖዳውነት ጕዕዞ ብኸመይ ከም ዚቕጽልዎ መርኣያ ምዃኑ ገለጻ ።

ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እንታይ ቦታ ኺህልወን ከም ዚኽእል ምስ ተሓተታ ድማ "ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ባይታን ናይ መሪሕነት ኣብ ቤተክርስቲያን ኣለወን፣ እንተዀነ ግን ሰፊሕ መግለጺ ክግበረሉን ገምጋማት ክሰናደወሉን ኣለዎ" ክብላውን መለሳ።

ኣብ ገሊኡ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን ስለ ዘየለዋ፣ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ስለ ዘለዋ ኢዩ፣ ይኹን እምበር  ኣትኵሮ ብዛዕባ ክህነታዊ መዓርግ ደቂ ኣንስትዮ ኣይኮነን። ናብ ክህነት እተጸውዓ ዀይኑ ዚስምዐን ደቂ ኣንስትዮ ኸም ዘለዋ ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ፣ እዚ ጉባኤ እዚ ግን ከም ጻውዒት መንፈስ ቅዱስ ናብ ውህበታዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰለ ዝሰፍሐ ኣርእስትታት እዩ ዚትንክፍ፣ እዚ ድማ ኣርእስቲ ናይዚ ሲኖዶስ ኣይኰነን።

ይኹን እምበር ካርዲናል ግራስያስ ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዋዕላታት ካርዲናላት ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ብስነ-መለኮታዊ ዀነ ብጕስነታዊ መደያት ከም እተመያየጡ ገለጹ።

ሊቀ-ጳጳሳት ግሩሻስ ብዛዕባ ኣገልግሎታትን ውህበታትን ሞያን ግደን ምእመናንን ስድራ ቤታትን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ብእተፈልየ መገዲ ኺግለጽ ከም ዚኽእል ኣመልከቱ፣ ስለዚ ድማ ግደ ሰብኡትን ኣንስትን ግቡእ ግምት ኪወሃቦ ኣለዎ ክብሉ ገልጹ።

ድሕርዚ ብዛዕባ እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ ብዛዕባ ምርጫ ጳጳሳት እተላዕለ ሕቶታት ኣመልኪቶም ብፁዕ ካርዲናል ግራስያስ ገለጹ፣ ብዛዕባ ተራን ግደን ጳጳሳት ኣተኵረን መጽናዕቲ ዘካይዳ ኽልተ ጕጅለታት ከም ዘለዋ መጠን እቲ ሓደ ብዛዕባ ተልእኾን ተራን ጳጳሳት እቲ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብዛዕባ መስርሕ ምርጫ ጳጳስት ከም ዘተኰራ ኣነጸሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ኣብ መወዳእታ እዞም ክልተ ጕጅለታት እዚኣቶም ኣብዚ ንቤተ-ክርስትያን ኣድላዪን ኣገዳስን ዝኾነ መዳይ ክተሓባበራ ከም ዝጀመራ ብምንጻር "ቁጽሪ ጳጳሳት ንቤተ-ክርስትያን ኣዝዩ መሰረታዊ ኢዩ፣ ምርጫ ሕጹያት ናብ መዓርገ ጵጵስና ኸኣ ብዝበለጸ መገዲ ክግበር ኣለዎ" ብምባል ኣስፊሖም ገልጹ።

Synod Briefing - 7 October 2024
08 October 2024, 16:04