መግለጺ ሲኖዶስ ውዕሎ - 6ይ መዓልቲ፡ ንሰበኻ ቓዛ ዝኸውን 62 ሽሕ ኤውሮ ተኣኪቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ብድምር 62 ሽሕ ኤውሮ ዕለት 7 ጥቅምቲ ንግዳያት ኲናት ቓዛ ከም እተኣከበ፡ ዕለት 8 ጥቅምቲ ኣብ ዛዕባ 6 ውዕሎ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ጉዳያት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ምኽትል ሓላፊት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ሙረይ ኣብ ዘላለየኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰለስተ ካብቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ ካርዲናላት፡ ሊቀ ጳጳሳት ኢግናስ በሲ ዶግቦ ካብ ኣቢጃን፡ ኣይቮሪኮስት፡ ጃፓናዊ ሊቀ ጳጳሳት ታርሲስዮ ኢሳኦ ኪኩቺ ካብ ቶክዮን ብራዚላዊ ሊቀ ጳጳሳት ኻይመ ስፐንግለር ካብ ፖርቶ ኣለግረን ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድሮ ናብ ቓዛ ዝተላእከ ገንዘብ
ሩፊኒ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ብካርዲናል ኮንራድ ክራጀቭስኪ፡ ህየንተ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይ ናብ ቓዛ ከም እተላእከን 32, 000 ኤውሮ ብተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዝተወፈየ ኮይኑ፡ ካልእ 30, 000 ኤውሮ ድማ ብሓዋርያዊ ቤተ መጽዋት ዝተዋህበ ከም ዝኾነን፡ ጠቕላላ 62 ሽሕ ኤውሮ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣቢሉ ከም ዝተዋህበን ድሮ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ናይ ሰበኻ ካህን ቆሞስ ቅድስቲ ስድራ ቤተ ክርስቲያን ቓዛ ኣባ ጋብሪኤል ሮማነሊ ከም ዘሎን ካርዲናል ክራየውስኪ ገሊጾም። ሩፊኒ ከም ዝበልዎ፡ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣርጀንቲናዊ ካህን ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣብ ሻድሻይ ዋዕላ ሲኖዶስ ከም ዝቐረበን ተጋባእያን ሲኖዶስ እውን ብጣቕዒት ሓጎሶምን ቅርበቶምን ከም ዝገለጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣገዳስነት ክርስቲያናዊ መባእታውያን ምስጢራት
ዶክተር ሩፊኒ ብተወሳኺ ዕለት 7 ጥቅምቲ ናይ ንዓለማውያንን ስድራቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕስራ ሓደስቲ ኣባላት ኣብቲ ድሕሪ ሲኖዶስ 2018 ዓ.ም. ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ኣማኻሪ ኣካል መንእሰያት (IYAB) ዘገልግሉ ከምዝሸመ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ግረች ንጉባኤ ከምዝገለጹን ብስም ኩሎም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ድማ "ንቤተክርስትያን ንምግልጋል ተወፋይነት ንዘለዎም መንእሰያት" ሰናይ ትምኒቶም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ናይ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዋዕላ - 350 ኣባላት ከም እተሳትፉን - ካብቶም 14 ኣባላት ክሓቁፍ ዘለዎ ናይ ሲኖዶስ ናይ መወዳእታ ንድፈ ሰነድ ዘቕርቡ እቶም 7 ከም እተመርጹ ሩፉኒ ሓቢሮም። ቅድሚ ብድምጺ ጉባኤ ምሕራዮም ዋና ጸሓፊ ናይታ ሽማግለ የኔታ ኣባ ሪካርዶ ባቶኪዮ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ብኣካል ከምዘይነድፍዎን፡ ነቲ ናይ ስራሕ ውጥን ከምዝከታተልዎ ኣውን ባዕሎም ከም ዝገለጹ ኣመላኺቶም፥ ድሕሪ እቲ ድምጺ፡ ካብ ቋንቋ መሰረት ገይሩ ዝቖመ ናይ ዘተ ጉጅለታት ናይ ዘካየዶ ዘተ ጸብጻባት እውን ከም ዝቐረበ ሓቢሮም ይብል።
ብፍላይ “እቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት ኣገዳስነት ክርስትያናዊ መባእታውያን ምስጢራት፡ ከምኡ’ውን ዝምድናታት ኣብ ምፍጣር ዝያዳ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣድላዪ ሲኖዳዊ ዝምድናውን ምልዋጥን” ዘጉልሑ ምንባሮም ዝሓበሩ ሩፊኒ፥ “ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ውህቦታትን ኣገልግሎትን ዘሎ ርክብ” እውን ዘጉልሕ ኮይኑ ተሳተፍቲ “ከመይ ጌርካ ካብ ክህነታዊ ኣንነት (ርእሰ ኣምልኾ) ትርሕቕ፣ ኣገዳሲ ተራ ውፉይ ሕይወት፣ ኣገልግሎት ምስማዕ፣ ምስ ተልእኾታት ዝተኣሳሰሩ ኣገልግሎታት ብዝምልከት ዝተፈላለየ መመያ፣ ከምኡ’ውን ባህላውን ከባብያውን ኵነታት” ዘስተንተ ምንባሩ ኣፍሊጦም።
ድቁናን ግብረ ሰናይን ተልእኾን
ቀጺላ ጸሓፊት ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ ሺላ ፒረስ፥ ኣብቲ ክፉት ዘተ 18 ሰባት መደረ ከም ዘስምዑን ኣብ ክርስትያናዊ መባእታውያን ምስጢራት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣበርክቶኦም ከምዘቕረቡን፡ ሓያሎ ካብኣቶም ከምቲ ድሮ ብናይ መኣዲ ጉጅለ ዝቐረበ ጸብጻባት ኣብ ዝምድናታትን ዝምድናዊ ምልዋጥን ኣብ ማእከል ምቕማጥ ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸቱ ይሕብራ።
ገሊአን ድማ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘጋጠመ ዕንቅፋት ዝቖሰሉ ዝምድናታት ካብ ግህሰት ጀሚርካ ምፍዋስ የድሊ ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉን፡ መንገዲ ሲኖዶስ ንምድልዳል ምትእምማን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስተብሂለን፡ ካልኦት ድማ ንቤተ ክርስቲያን ንምሕዳስ ብዛዕባ ድቁና ብዕምቆት ክጽናዕ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ወይ ድማ "ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዓቕለሲያውነትን ኣገዳስነት ግብረ ሰናይን ተልእኾን" ኣመልኪቶም ከምቲ ወንጌል ዝምህሮ ሓልዮት ብፍላይ ኣብቶም ዝተገለሉን ዝተነጽጉን ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ዝተገለሉ ኮይኑ ንዝስምዖምን” ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ ምንባሩ የመላኽታ።
ነቶም ሓደስቲ ዝተጠመቑ ምዕጃብ
ተዛረብቲ ብተወሳኺ "ኣብዚ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ዓለም፡ መስርሕ ክርስቲያናዊ መባእታዊ ምስጢራት ኣዝዩ ኣገዳሲ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። መሰኻኽር ወንጌል ክንከውን፡ ነብያት ክንከውን ኣሎና፡ ካብ ንእስነት ጀሚሩ ዘሰንይ ንመላእ ሕብረተሰብ ዘሳትፍ መስርሕ እምነት ምቛም ዘድሊ ምዃኑ የመላኽቱ ቢለን፥
ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ብዛዕባ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መርሕነት ቤተ ክርስቲያን ዝዓሞቐ ዘተ ክካየድ ከም ዘለዎ ዝሓትት እውን ምንባሩ ኣመላኺተን፥ ብተወሳኺ ምስ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝተኣሳሰር ይቕረታን ምሕረትን ዝብል ቅዉም ሓሳብ ከም እተገልጸን ብዘይ ማሕበረሰብ ክርስትያናዊ በማእታውያን ምስጢራት ክህሉ ከምዘይክእል ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን፥ በዚ ምኽንያት እዚ ገሊኦም ነቶም ሓደስቲ ዝተጠመቑ ምስናይ ንዝብል ኣገልግሎት ዝያዳ ተወፋይነት ክወሃቦ ሓቲቶም . . . ኣብ መወዳእታ፡ ፒረስ፥ ገለ ተዛረብቲ፡ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ናይ ስራሕ ሰነድ ዝኾነ፥ ንገለ ቤተ ክርስቲያናዊ ክውንነታትን ምንቅስቓሳትን፡ ኣገዳስነቶም ክፍለጥ ዘለዎ፡ እኹል ኣቓልቦ ከም ዘይህብ ኣመልኪተን፡ ደጊሞን ድማ ሰነዳት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሲኖዶስ ሰነዳት ሓዊስካ፡ ኩሉ ሰብ ክርድኦ ብዝኽእል ቋንቋ ክጽሓፍ እውን ከም ዝሓተቱ ኣፍሊጠን።
ንቤተ ክርስቲያን ዘስተማቕረሉ መንገዲ ምቕያር
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣርእስታት ስራሕ ሲኖዶስ ብምጥቃስ ሕሩይ ካርዲናል ኢግናስ በሲ ዶግቦ ሊቀ ጳጳሳት ኣቢጃን ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ኣተኲሮም፥ "ሳላ እዚ ምስጢር እዚ ምስ ክርስቶስ ንመሰል፡ ኩላትና ድማ ደቂ ኣምላኽን ኣሕዋት ብክርስቶስን ምዃንና ከነለሊ የኽእለና . . . ነፍሲ ወከፍና ብግዲኡ ኣብ ካልኦት ሰብን ወጅህን ኢየሱስ ክንርኢን ክንረኽቦን የኽእለና . . . ሊቀ ጳጳሳት ኣቢጃን ኣስዒቦም፥ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸምን ኣብዚ ሰሙናት ኣብ ሲኖዳዊ ጉባኤ ዝፍጸምን ዘሎን ምምስሳል ብምስኣል፡ ኣገዳስነት ሓድሕዳዊ ምስማዕን ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይን ዝተመኮርዎ ዝምድናታትን፡ "ኣብ ዘይተለምደ ሃዋህው ሓድነት ምክፋልን ዝብል ኣጉሊሖም፡ "ንቤተ ክርስቲያን ብንዋታዊ መዳይ ንቕይራ ከምዘይኮንና ንፈልጥ ኢና፡ እንተኾነ ግን ኣብ ቀረባ መጻኢ ኣገባብ ኣነባብራ ቤተ ክርስቲያን ንምምሕያሽ ኣብ ዝመርሕ መስርሕ ኢና ዘሎና . . . ናይ ምስማዕ ክእለት - ካብ ሓድሕዳዊ ኣፍልጦ ከምዝመጽእ ኣመልኪቶም እዚ ድማ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ቦታኡ ክህልዎ ዘኽእል እዩ" ኢሎም።
ኣብ መንገዲ ሲኖዶስ ናይ ሓባር መሰረት ምህናጽ
ሕሩይ ካርዲናል ናይ ቶክዮ ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ እውን ብዛዕባ ምስማዕ ይዛረቡ፡ ኣብ ተመኩሮ ቤተ ክርስቲያን ጃፓን ኣተኲሮም ድማ፥ "ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሲኖዳዊ ጉባኤታት፡ ኣብ ሃገረይ፡ ንሓቀይና ሲኖዳሳውነት መሰረት ኣንቢርና" ኢና . . . እተን 15 ሃገረ ስብከታት ሃገራዊ ኣኼባ ካህናት፡ ዓለማውያን፡ ወለንተይናታትን ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝነጥፉ ኣገልገልትን ኣካይደን፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብዚ ኣብ ቫቲካን ኣብዚ ናይ ሲኖዶስ ናይ ስራሕ መዓልታት’ውን እነካይዶ ዘለና ብመንፈስ ምስማዕ ዝደልደለ እዩ . . . እቲ ናይ ሓባር ዕላማ፡ ካብ ግንቦት 2023 ዓ.ም. ጀሚሮም ናይቲ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤትን ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ናይ ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር ዝኾኑ ምሩጽ ካርዲናል ኪኩቺ፡ "መንገዲ ሲኖዳውነት፥ ናይ ሓባር መሰረት ምድላይ፡ ምርኻብን ምህናጽን" ምዃኑ ኣቢርሆም።
ካርዲናል ንኽኾኑ ብምምራጾም ዝተገረሙ
ብራዚላዊ ሊቀ ጳጳሳት ኻይመ ስፐንግለር ካርዲናል ኮይኖም ብምምራጾም ዘስዓበሎም ኣግራሞት እንታይ ይመስል ዝብል ሙራይ ብራዚሊያዊት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ምኽትል ሓላፊ ብዝቕረባሎም ሕቶ መሰረተ፥ "ሰዓቢ ክርስቶስ ዘርእስታ ብነፍሰ ሄር ካርዲናል ካርሎ ማርያ ማርቲኒ ዝተጻሕፈት ጽብቕቲ መጽሓፍ ኣንቢበ እናወዳእኩ ከለኹ፡ . . . ብዙሕ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ይመጻኒ . . . እዚ ኩሉ ድማ ስለምንታይ ምዃኑ ኣይተረዳእክዎን። ድሕሪኡ፡ ብዙሓት ብቕረባ ዝፈልጡኒ ድማ ዕለት 6 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክዕዘብ ምስ ነገሩኒ ሽዑ እዩ ዝተረዳኣኒ . . . ካርዲናል ምዃን ማለት ይብሉ ንር.ሊ.ጳ.ን ንቤተ ክርስቲያንን ምግልጋል ማለት ምዃኑ ምፍላጥ ዓቢ ሓጎስ እዩ . . . ባህርያዊ እዩ። ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ከምዚ ዝበለ ረቂቕ ህሞት ኣብ ታሪኽ ዓለምን ሰብኣውነትን ንዓቕለሲያዊ ማሕበረሰብ ባዕሉ ናይ ምትሕብባር ዕድል ስለ ዝረኸብኩ የመስግኖም" ኢሎም።
ምሕደራ ሲኖዶስ
ብድሕሪ’ዚ እቶም ሰለስተ ካርዲናላት - ምሩጻት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ከም ዝሃቡን፥ ሊቀ ጳጳሳት ስፔንግለር ብዛዕባ እቲ ሲኖዶስ ክኽተሎ ዘለዎ ቅዲ ምሕደራ ምስ ተሓተቱ፡ ኣብዛ “ብቅልውላው ዲሞክራስያውያን ሃገራት" ዝተጸልወት ዓለም፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ "ሕቶ ስልጣን" ወሳኒ ዝኸውን ዝቐረበሎም ዝተሓላለኸ ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ንቃል ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዘኪሮም፡ ደቂ ሰባት "ካብ መምህራን ንላዕሊ ንመሰኻኽር ብዝያዳ ኣቓልቦ ከም ዝህቡን፡ ንመምህራን እንተሰሚዖም ድማ መሰኻኽር ስለዝኾኑ እዩ" ክብሉ ገሊጾም። ስለዚ ስልጣን ካብ “ስነ - ማሕበራዊ ረቛሒ” ዘይኮነስ ካብ “ስነ - ምግባራዊ፣ ግብረ ገባዊ ሃይማኖታውን” ምስክርነት ዝምንጩ እዩ ይብሉ።
እዚ ኣምር እዚ ሕሩይ ካርዲናል ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ እንከቃልሕዎ፡ ካብ "ስርዓታዊ" ቅዲ ርሒቕካ ናብ "ሲኖዳዉ" ቅዲ ምኻድ ከምዘድሊ ኣስሚሮም። እዚ ግን ኣብ "ስምምዕ" ጥራይ ዝተመርኮሰ ውሳነ ክኸውን የብሉን። . . . ሲኖዳውነት ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም እንርድኦ ርግጸይናታት ክንከውን ኣለና . . . ብሓባራዊ ምስትውዓል" እውን እንተኾነ፡ ናይ መወዳእታ ውሳነታት ክወስድ ዘለዎ ሰብ ኣሎ . . . እቶም ካብ ሰለስተ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ሰለስተ ካርዲናል - ሕሩያት፡ ፍሉይ ባህሪ ማሕበረሰቦም ከለልዩ ተሓቲቶም። ኩሎም ነቲ "ምልውዋጥ ህያባት" ዝብል ሲኖዳዊ ህልዩ ኣብ ምጽናዕ ይሰማምዑ፥ ሕሩይ ካርዲናል ኪኩቺ እዚ "ቅድሚ ሕጂ ካብ ምዕራብ ክሳዕ ምብራቕ ካብ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ናብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ኢዩ ዝነበረ . . . ግን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጠቐስዎ "ወሰናዊ" ዘይንጸል ክፍሊ ናይቲ ሓደ እዋን ኣህጉር ኣውሮጳ ዝነበረ ማእከል ኰይኑ ኣሎ።
ሕሩይ ካርዲናል ቤሲ ዶግቦ ብወገኖም፡ "እምነት ብሓጎስ እትነብረሉ" ሃገረ ስብከታት ኣፍሪቃ "መንፈሳዊ" ሃብታ ኣስሚሮም . . . ንሶም ካርዲናል ንኽኾኑ ከምዝተመርጹ ምስ ሰምዑ፡ ማሕበረሰብ ዓዶም ናብ ጎደናታት ከምዝወጹን፡ "ኣፍሪቃ ነዚ ገርሀይና ሓጎስ ድኻታትን ትሑታትን ሰባት ብንኣሽቱ ነገራት ተካፍሎ" ምስ በሉ፥ ሊቀ ጳጳሳት ሕሩይ ካርዲናል ስፐንግለር፡ ኣበርክቶ "ጀርመናውያን፡ ኢጣልያውያን፡ ፖላንዳውያን፡ ዩክሬናውያንን ጃፓናውያንን" ስደተይናታትን ካልኦትን ኣብ ስብከት ወንጌል ላቲን ኣመሪካ ዘለዎም ተራ ኣጉሊሖም፥
ጽንሰ ሓሳብ ፍሉይ ስርዓታት (ስርዓተ ኣምልኾ) ኣማዞን
ብዛዕባ ኣማዞንን "ኣዋርሕ ከይተረፈ ዓመታት ከይተረፈ ብዘይ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓልፈሉ ግዜ” ገሊጾም ኣስዒቦም፥ ንደቀባት ማሕበረሰባት ፍሉይ ስርዓት ምፍጣር ይከኣል ዝብል ገለ ሕቶታት እውን መሰረት ገይሮም ኣብ ውሽጢ እቲ ንሶም ኣቦ መንበር ዝኾነሉ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት (CELAM)፡ ጉጅለታት ኣብ ተኽእሎ ከምዚ ዓይነት ውህደት ይሰርሑ ኣለዉ። ጎኒ ጎኒ እዚ ግምት እዚ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ነቲ ሮማዊ ስርዓት ምብህልታው ዝብል ሓሳብ ኣሎ . . .፡ እቶም ደቀባት ነቲ ባህላዊ ዕዮታት ኣብ ምፍጻም ዘርኣይዎ "ኽብሪ" ዘኪሮም ሓድሓደ ግዜ ኣንሕና ኣብ ቅዳሴና ኣኽቢርና ዘይንርዮ እዩ።"
ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንዝምልከት ሕቶ እውን እንክምልሱ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል ብርቱዕ ውሕጅ ዘስዓቦ ርኡይ ዕንወትን ዝምልከት እዚ ድማ ኣብ ታሪኻ ዝኸፍአ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ምዃኑን፥ ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብታ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር ዘጋጠመ ባርዕ ብ76% ወሲኹ፡ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ሕርሻዊ ንግዲ ኣብ ምንጻት ይርከብ።
ብመሰረት ሊቀ ጳጳስ ስፔንግለር፡ ካብቶም ብሲኖዶስ ዝተተንተኑ ዝተፈላለዩ "ዝምድናታት"፡ ምስ “ናይ ሓባር ቤትና” ዘሎ ርክብ ዓቢ ኣቓልቦ፡ ክወሃቦ ኣለዎ። እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ኪኖ እቲ ንህላወ ደቂ ሰባት ዘስግእ ጥራይ ዝኸይድ ምዃኑን፡ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንድሕነት ደቅሰብ ዘስግእ ቀሊል ስግኣት ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ሰብ ንምድሪ ኸም ፍጥረት ኣምላኽ ገይሩ እንተ ርእይዋ ኸኣ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ስፍሓት ከም ዝሕዝ የብርሁ።
ጉዳይ ንጽሕና ክህነት
ኣብ መወዳእታ ነዞም ብራዚሊያዊ ሊቀ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ "ረቂቕ" ጉዳይ ካህነታዊ - ንጽህና ዝምልከት ንዝቐረብሎም ሕቶ፥ ንተመኩሮ "ቀዋሚ ዲያቆናት" መሰረት ገይሮም፥ "ምናልባት፡ ኣብ መጻኢ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ንሓደ ፍሉይ ማሕበረሰብ ካህናት ዝኾኑሉ ተእኽእሎ ክህሉ ይኽእል” እንክብሉ ከም ዝመለሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።