መግለጺ ሲኖዶስ - 9ይ ውዕሎ፡ ሓልዮት ዝምድናታት

ናይ ዓርቢ ዕለት 11 ጥቅምቲ ናይ ታሽዓይ ውዕሎ ናይ ሲኖዶስ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምቲ ልሙድ ብናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ፓውሎ ሩፊኒ፡ ብሺላ ፒረስ ጸሓፊት ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ ተደጊፉን ካርዲናል ጆሴፍ ቶቢን ካብ ኒው ዮርክ፤ ካብ ኤውሮጳ ዝመጸት ምስክር መስርሕ ሲኖዶስ ዶክተር ጁሰፒና ደ ሲሞን፤ ከምኡውን ካብ ኣውስትራሊያ ናይ ሰበኻ ሳንድሃርስት ጳጳስ ሼን ማኪንላይ ዕዱማት ኣሳቲፉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም እተዋህበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዶክተር ሺላ ፒረስ ዕለት 11 ጥቅሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ዝተዋህበ መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእከላይ ቅዉም ነገር ናይቲ ታሽዓይ ውዕሎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ንዝህሉ ዝምድናታት ዝብል ምንባሩ ሓቢረን፥

ግሉጽነት፡ ምቛም፡ ተሓታትነት

እዚ ሓልዮት እዚ፡ ኣብ ምትእምማን፡ ግሉጽነትን ምትእስሳርን ዝተመርኮሰ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣስሚረን፡ ካርዲናል ሆለሪኽ ቤተ ክርስቲያናዊ ምመያ ካብ ሕቶታት ናይ ምሕደራ ሜላታት ዝፍለ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንተልእኾ ከም መሰኻኽር ኮይኖም ዝተዳለዉ ክርስትያናት ንምቛም ውሁድ ሕንጸት ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ከም ዘስተብሃሉን፡ ኣስዒበን ፒረስ ካርዲናል ሆለሪኽ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣሳታፍን ግሉጽን መስርሕ ውሳነ ክምዕብል ንዕዮ እቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ሓላፍነት ዘለዎም ብቐጻሊ ብምግምጋም ተሓታትነት ከም ዘድሊ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሐን፡

መስርሕ ለውጢ ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ታሽዓይ ውዕሎ ኣባ ቲሞትይ ራድክሊፍ ንተጋባእያን ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ መስርሕ ለውጥን ኣብ ወንጌል ተመልኪቱ ዘሎ ኢየሱስ ምስታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ርክብን ዘነጻጸረ ምንባሩ ሓቢረን፥ ስቕታ ኢየሱስ ንኣውያት ናይቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ክትሰምዕን ነቲ ሎሚ ንቤተክርስትያን ዘጋጥማ ዘሎ ዝተሓላለኸ ሕቶታት ንምምላስን እትገብሮ ፈተነታት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ናይ ዓሚቕ ምስማዕ ህሞት ዘርኢ ምዃኑ ከም ዘብርሁን፥ . . . ኣብ መንጎ ማዕርነትን ፍልልይን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ሕቶ እውን ብስፊሕ ከም ዘብርሁን ብፍላይ ኣብ ዝተጠመቐ ማሕበረሰብ ትሕዝቶ ዝተፈላለየ ጸዋዕታታትን ተራታትን ከም ዘተኮሩን ኣብ መወዳእታ፡ ኣድላይነት ትኩርን ቀጻልን ጸሎት፡ ከምኡ’ውን ቅልጡፍን ቀሊልን መልሲ ንምርካብ ዝግበር ድፍኢት ምቅዋም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሖም። ኢየሱስ ነታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ዝሃቦ መልሲ፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ሰባት ክፉትነትን ተቐባሊ ጥማቶ ዘርኢ ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ኣፍሊጠን።

ስራሕ ሲኖዶስ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት

ድሕሪ ጸብጻብ ፒረስ፡ ዶክተር ሩፊኒ ብዛዕባ ስራሕ ሲኖዶስ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ዝርዝር ከም ዘቕረቡን፡ ዕለት 11 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ፡ ባይቶ ሲኖዶስ ካብ ዝተፈላለያ ብቛንቋ ካብ ዝቖማ ጉጅለታት ዝቐርበ ጸብጻባት ከም ዝሰመዐን፡ ብመሰረት እቲ ዘተ ክካየድ ዝኾነ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ዕለት 12 ጥቅምቲ ዝጅምር ምዃኑ ከም ዝገለጹን፥ ብተወሳኺ ዕለት 11 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅርዓት ቀዳሞት ሰማዕታት ሮማውያን ዝካየድ ኤቁመናዊ መደብ ጸሎት ናይ ሲኖዶስ ኵላዊ መልክዕ ዘሳትፉ ከም ዝኸውን ገሊጾም፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 80 ሰበኻታት ምስቲ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ መደብ  ኤቁመናዊ ጸሎት ከም ዝሓበራ እውን ኣፍሊጦም።

ካርዲናል ቶቢን፡ ንጸሎትን ስቕታን ዝያዳ ትኹረት ይወሃቦ

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኒው ዮርክ ካርዲናል ጆሴፍ ቶቢን፡ ንኤውሮጳ ዝውክል መስርሕ ሲኖዶስ ምስክር ዶክተር ጁሰፒና ደ ሲሞነ፤ ከምኡውን ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሳንድርሃርስት ሰበኻ ጳጳስ ሼን ማኪንላይ ዕዱማት ኮይኖም ከም ዝሓበሩን፡ ካርዲናል ቶቢን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጎ እዚ ሕጂ ዘሎ ሲኖዶስን ቅድሚ ሕጂ ዝተሳተፍዎ ሲኖዶሳትን ዘሎ ገለ ፍልልያት እንክሕብሩ፥ ብፍላይ ድማ ንዝተመርጹ ጉጅለታት ጥራይ ካብ ምስማዕ፡ ንኹሉ ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕሪ ዘጠቓልል ዝተገብረ ናይ ምድላዋት ምዕራፍ ሲኖዶስ ከም ዝስተብሃሉን፥ ብተወሳኺ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤታት ንጸሎትን ስቕታን ዝያዳ ትኹረት ዝወሃቦ ከም ዝኾነ ኣስተብሂሎም፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ኣኼባ ሓፈሻዊ ስሩዕ መበል 16 ሲኖዶስ፥ ናይ ቲዮሎጊያን ናይ ሕገ ቀኖናን ምሁራት ናይ ዝኣመሰሉ ተራ ከም ዝወሰኸ የረጋግጹ።

ደ ሲሞነ፡ ዓቢ ምልክት ተስፋ

ኣብ ርክብ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ከምኡ’ውን ኣብ ስነ ክስተት ኣብ ዘተኮረ ስነ ፍልጠታዊ ዓውዲ ዝዋስኣ ዶክተር ጁሰፒና ደ ሲሞነ እውን ንኣገባብ ናይዚ ኣኼባ ሲኖዶስ ኣጒሊሐን፡ ኣብ ምድላውን ስራሕን ሲኖዶስ ዝረአ ምህዞታት ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ፡ ሰውራዊ ክትብሎ ዝከኣል ምዃኑ ገሊጸን፥ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሲኖዳውነት ምትእኽኻብ ድሮ ንቤተ ክርስቲያን ዘመንናን ብሓፈሻ ንደቂ ሰባትን ገለ ነገር ዘቕርብ “ዓቢ ምልክት ተስፋ” እዩ እንክብላ ብኣጽንዖት የረጋግጻ።

ውጽኢት ሲኖዶስ ብልክዕ ካብ ሓድሕዳዊ ምስማዕ ተበጊሱ ብሓባር ዝግበር ዓሚቝን ጽኑዕን ኣስተንትኖ ዝብል ሓሳብ ምዃኑን ንሰን እውን ብውገነን ኣገዳስነት ስቕታ ኣጉሊሐን፡ እዚ ድማ ነቲ ሲኖዶስ ዘጋጥም ሕቶታት “ኣብ ውሽጢ” ናይ ምንባር ክእለትን ቅጽበታውን ቀሊልን መልሲ ዘይምድላይን ምዃኑ ገሊጸን፡

ከምቲ ዝሓለፉ ተሳተፍቲ ዝገበርዎ፡ ዶክተር ሲሞን ነቲ ብጉጅለ ተወዳዲቡ ዝካየድ ዘተ ዝውከሎ “ጽቡቕ” ምስሊ ኣስሚረን፡ ኣብኡ ድማ ኩሎም ብማዕረ ይውከሉ ኢለን።

ኣብ መኣዲ ዘተ ናይ ቲዮሎጊያውያን ርኡይ ህላወ ብተመሳሳሊ ዓቢ ምልክት እዩ፡ ልክዕ ብሰንኪ ኣድላይነት “ተግባራውን ፍሉይን ፍልጠት፥” እዚ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ምሩጻት ናይ ምዃን ወይ ምስ ክውንነት መዓልታዊ ህይወት ምትእስሳር ካብ ምጥፋእ ሓደጋታት ክቑጠብ ኣለዎ።

ጳጳስ ማኪንላይ፡ ሲኖዶስን ምሉእ ቤት ምኽሪ ኣውስትራልያን

ጳጳስ ሰበኻ ሳንድሃርስት ማኪንለይ እውን ኣብ መንጎ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነትን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ኣውስትራልያ ብዛዕባ እተገብረ ምሉእ ሓፈሽዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳትን ዘሎ ምምስሳል ገሊጾም፥ ብፍላይ ድማ ውክልና መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ ጳጳሳት ኣብቶም ዝካየዱ ጉባኤታት ኣስተብሂሎም፤ ኣገባብ ዘተ ብመንፈስ ቅዱስ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ናይ ምምኽካር ደረጃታት፡ ከምኡ’ውን ብጉጅለ ተወዳዲቡ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ቤተ ክርስቲያናዊ ፍጻመታት ናይ ሓባር ረቛሒ ምህላዉ ኣመላኺቶም፥ ኣብ ክልቲኡ ተመሳሳሊ ኣርእስትታትን ቅዉም ነገራትን ከምዝተላዕለ እውን ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ብህዝቢ እግዚኣብሔር ዝገለጽዎ ተመሳሳሊ ስክፍታን ተስፋን ዘንጸባርቕ እዩ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበረ ምሉእ ኣኼባ ኣገደስትን ዋጋ ዘለዎን ውሳኔታት ዋላ እኳ እንተ ገበረ ግና ኣብ ባህሊ ቤተ ክርስትያን ዝርአ ለውጢ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍረ እቲ መስርሕ ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ ። "ነቲ ኣብ ኣውስትራልያ ንቤተ-ክርስትያን እንርድኣሉ መገዲ ማለት ንነገራት እንሕዘሉ መዐቀኒ መገዲ ቐዪርናዮ ኢና፡” ኣብ ሲኖዶስ እውን ተመሳሳሊ ነገር ይፍጸም ከም ዘሎ ዘለዎም እምነት ገሊጾም፥ ኣብ መደምደምታ ዘረባኦም ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ ንተሳተፍቲ ሲኖዶስ ካብ ዘጋጥሞም ብድሆታት ሓደ እንክሕብሩ፥ ሕጂ’ውን መስርሕ መመያን ኣገባብ ዘተን ብመንፈስ ቅዱስ “ብዝያዳ ኣድማዒ” ኣብ ውሳነታት ብኸመይ ከም ዝጥቀሙሉ ኣብ ምውሳን ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም። ካብ ምስማዕን መመያን ናብ ምፍታሕ ጸገማት ዝግበር ምስግጋር ዝብል ብድሆ ኣመላኺቶም፥ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ውሳነ ንምግባር ኣርኣያ ኪኸውን ዚኽእል እተፈላለየ ኣብነታትን ራባሕታታትን ምእካብ ጠቓሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሳብ የቕርቡ።

12 October 2024, 17:19