ድለ

ጸብጻብ ውዕሎ መበል 13 ጉባኤ ሲኖዶስ ፦ ንስደተኛታት ንምስማዕ እተኻየደ ጉባኤ ማእከላይ ባሕሪ

ኣብቲ ብዕለት 17 ጥቅምቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተኻየደ ጋዜጣዊ መግለሲ ብዛዕባ ውዕሎ መበል 13 መዓልቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት፣ ኣብያተ-ክርስትያን ንስደትን ምምዝባላትን ሕዝብታት ንምክንኻን ብዘካየደቶ ጕስነትን ምስጋናታት ተሰምዑ። ኣብ መንጎ ኩርያ ሮማናን ኣከባቢዊ ማሕበረሰንብ ድልዱል ርክብ ክህሉ ዝሓትትን፣ ኣብ መንእሰያትን ስንኩላንን እውን ኣተኵሮ ዝገብረ ጉባኤ ከም እተኻየደ ተገሊጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ናይ ንግሆ ክፍለ ግዜ እተኻየደ መርሓ ግባር ሲኖዶስ ጳጳሳት ድምጺ ስደተኛታት ንምስማዕ "ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ እተኻየደ ፍልይ ጉባኤ" ኣብ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ነበረ። እቲ ፍሉይ ጉባኤ ነቲ ኣብያተ-ክርስትያን ንስደተኛታት ኣብ ምቕባል ዘለወን ግደ ዝተሰምዖ ምስጋና ገለጸ፣ ነቲ ነዚ ተልእኾ እዚ ዝድግፍ መራኸቢታት ድማ ኣሞገሰ።

ሓደ ኻብቲ ኣበው ጉባኤ ሲኖዶስ እተዛተዩሉ ጕዳያት ኣብ መንጎ ኩርራ ሮማናን ኣከባቢያዊ ማሕበረሰባትን ድልዱል ርክብ ንኽህሉ ተስፋ ብምግባር ኣብ ጉዳያት መንእሰያትን ኣካለ ስንኩላንን ዘተኮረ ዘተ ተኻይዱ ኢዩ ። ንሎሚ ሓሙስ ዕለት 18 ጥቅምቲ ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽን፣ ብፁዕ ካርዲናል ግሬችን ምስ ክብሪት እናቴ ሳላዛርን ብፁዕ ኣቡነ ፍሎረስን ብዛዕባ እዚ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝዘተየሎም ጉዳያት ንምምይያጥ ምስ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ከም ዝራኸቡ ውን ተነግረ ።

ኣተኵሮ ኣብ ኣካለ ስንክልናን ኣብ መንጐ ሃይማኖት ዘሎ ዘተን

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ እተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሽድሻይ 346 ኣባላት ጉባኤ ተረኺቦም ነበሩ፣ ኣብቲ እተኻየደ ዘተ ድማ ብዛዕባ 2ን 3ን ክፍል ናይ መዛተዪ ሰነድ ክፉት ሓሳት ናይ ምቕራብ መደብ ቀጸለ ። ቍምስናታት ዘለዎም ግደ እንደገና ህያው ንምግባር ንመንእሰያት ብቐጥታ ንምስታፍ ከምኡውን ኣብ ኣካለ ስንኩላን ሓቀይና ቘላሕታ ንምግባር እንተላይ ንዕኦም ፍሉይ ብዛዕባኦም ዝምልከት ዋዕላ ንምክያድ ጻውዒት ቀረበ ። ገለ ኻብቲ እተላዕለ ጕዳያት ከኣ ከም ታሊታ ኩሚ ዝኣመሰለ "ናይ ኢንተርነት መራኸቢታት " ዘለዎ ግደን ኣብ ጉባኤ ጳጳስት ብኸመይ ከም ዝሳተፉን ከምኡውን ነቶም ኣብ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ዚመሃሩ ተመሃሮ እተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ መድረኽ ንኺረኽቡ ዝቐረበ ሓሳብ ዜጠቓልል ኢዩ ዝነበረ።

ኣብ መንጎ ሮማን ኣከባቢያዊ ኣብያተ-ክርስትንን ዘሎ ድልዱል ርክብ

ናይቲ ብዛዕባ ጉዳይት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ስቓይን ጭንቀትን ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ኣገዳሲ ግደ ኣጕልሑ ። ኣብቲ ሓሳባት ናይ ምልውዋጥ ክፉት መደረኽ እተመያየጥናሉ ጉድያት ብምጥቃስ ድማ ብዛዕብ ሲኖዳውነትን ቅድምና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስትን ዘሎ ርክብ ምድልዳል ኣድላዪ ምዃኑ ኣብ ዝብል ኣርእስትታት ከም ዝነበረ ኣጕልሑ ። ዶ/ር ሩፊኒ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ዓመታት ጸኒሑ ብዛዕባ ሥለ መለኮታዊ ርድኢት ብዛዕባ ጉባኤታት ጳጳሳት ንጹር ዘይምዃኑ ዘደንጹ ከም ምዃኑ ገለጹ። ሰነዳት ኣብ ምድላው ንንኣሽቱ ማሕበራትን ሰበኻታትን ብተደጋሚ ምብጻሕ ከም ዘድሊ ንላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ንኣከባቢያዊ ኣብያተ ክርስቲያንን ብዝያዳ ከተማኽር ከም ዝግባእ ሓሳባት ቀረበ።

ማእሰር ሕውነት ምህናጽ

ክብርቲ እናቴ ሳሙኤላ ማሪያ ሪጎን ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበር ሕዝንቲ እመቤትና ብወገነን ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ዘሕለፋኦ ተመክሮ መስከራ ምስ ኣሕዋት ርክብ ምምስራት ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣጕልሓ ። ኣስታት ርብዒ ካብቶም ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ተራ ምእመናንን መንእሰያትን ከምኡውን ካብ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ከም ምዃኖም ውን ገለጽ፣ ኵላቶም ድማ ሓሳባቶም ናይ ምግላጽ ዝኽእሉሉ መድረኽ ረኾቦም ኢዮም ክብላ ውን መስከራ። ብዛዕባ ገሊኡ ጕዳያት እተፈላለየ ኣረኣእያ ስለ ዘሎ ውጥረት ዚለዓል እኳ እንተ ዀነ እዚ ግን እተፈላለየ ዓይነት ውልትውና ዘይኰነስ ከም ሓይሊ ድራኸ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቂ ኣንስትዮ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣቋም ምዃኑ ገለጻ።

ሲኖዶስ ኣብ እስያዊት ቤተ-ክርስትያን

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ያንጎን ካብ ምያንማር ከምኡውን ኣቦ መንበር ፈደረሽን ካቶሊካውያን ጳጳሳት እስያ (FABC) ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶዊ መስርሕ ኣሕጽር ኣቢሎም ገለጹ። መንእሰያት ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ስብከተ ወንጌል ብዝያዳ ኸም ዚሳተፉን ብልሓት ጕስነት ከም ዚጅመሩን ከምኡውን ቀሲሳውነት ብዛዕባ ዜምጽእዎ ብድሆታት ገለጹ ። ፈደረሽን ካቶሊካውያን ጳጳሳት እስያ ወላኳ ካብ ገለ ገለ ጳጳሳት ተቓውሞ እንተ ኣጋጠሞ በቲ እተገብረ ዕቤት ብፍላይ ከኣ በቲ ቤተ-ክርስትያን ንዅሉ ንምስማዕ ዝገበረቶ ቘራጽነት ዕግበት ከም ዝለዎም ኣመልከቱ።

መዋቕራዊ ለውጢ ከም ዘድሊ

ካብ ኲበክ ካናዳ ዝመጹ ብፁዕ ካርዲናል ዠራልድ ሲፕሪየን ላክሮይስ ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ነቶም እተፈልዩ ሰባት "ክትሰምዖም" ከምኡውን ጸገማት ብዓመጻ ጥራይ ክትፍታሕ ከም ዘይብሉ ኣጕልሑ። ብፍላይ ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ መራኸቢ ብዙሓን ከምኡውን ኣብ ምዕማቝ መንፈሳዊ ህይወት መዋቕራዊ ለውጥታት ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ምስዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓለም ምልምማድ

ኣብቲ ዝቐረበ መደረታት ኣብ መንጎ ናይ ሮማ ቤተክርስቲያን ጉባኤታት ጳጳሳትን ዘይምእኩልነት ከምኡውን ኣብ መንጎ ምስማዕን ምትግባርን ዘሎ ርክብ እውን ዝትንክፍ ኢዩ ዝንበረ። ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራከቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ዶ/ር ሩፊኒ ብፍላይ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ስልጣን ምሃብ ዚብልዎ ሓሳብ ንነዊሕ እዋን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ከም ዜንጸባርቐ ገለጹ።

ናይ ምስማዕ ኣገልግሎት ክህሉ ይኽእል  ኢዩ

ብዛዕባ "ኣገልግሎት ምስማዕ" ዝቐረበ ሕቶታት እኳ እንተ ተላዕለ ገና ግን ኣብ ደረጃ ዘተ ኢዩ ዘሎ። ብፁዕ ካርዲናል ቦ እዚ ሲኖዶስ እዚ ብሓቂ መስርሕ ስለ ዝዀነ፣ ፍሉይ ኪደት ከም ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ነፍሲ ወከፍ ጳጵስ ነቲ ኣብዚ እተጀመረ ዕዮ ንምቕጻል ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘለዎም ተስፋ ውን ገለጹ ።

ጸብጻብ መበል 13 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት
18 October 2024, 15:39