ድለ

2024.10.02 ሲኖዶስ፡ መኽፈቲ መደረ ካርዲናል ግሬች 2024.10.02 ሲኖዶስ፡ መኽፈቲ መደረ ካርዲናል ግሬች   (Vatican Media)

ሲኖዶስ፡ መኽፈቲ መደረ ካርዲናል ግሬች

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማርዮ ግሬች ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ መኽፈቲ ኣብ ዘስሞዎ መደረ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

1ይ ሓፈሻዊ - ውዕሎ

ዕለት 2 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካርዲናል ማርዮ ግሬች

እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ንዅልኹም እቶም ብክርስቶስ ኣሓትን ኣሕዋትን ሰላም
ንኻልኣይ ክፋል ሓፈሻዊ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ - ዓቢ ኣኼባ፡ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን ንኽህበናን ኣእዛን ንድምጹ ጽን ቢለን ንኽሰምዖኦ ንምሕጸን። እቲ ካብ መዓሙቕ ናይቲ ዝተጋህሰ ፍጥረትን ኣብ ልዕሊ ብበደል ዝሳቐዩ ፍጡራትን፡ ዝነብዕን ዝሳቐን መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ወቕቲ ከበግስ እዩ።
ነዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ ኸነብዕሎ ኸለና ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ውግእ ይካየድ ኣሎ! እቲ ግጭት እናሰፍሐ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እቶም ኣብ ውግእ ዘለዉ ህዝብታት መጻኢ ሰላም ንምህናጽ እንደገና "ሓቢሮም ኮፍ ኢሎም" ንሓድሕዶም ቅድሚ ዘተ ምብጋሶም ክንደይ ወለዶታት ክሓልፉ እዩ?

ኣብዚ ካብ ዝርከቡ ኣሓትን ኣሕዋትን ካብ ዞባታት ኲናት ወይ መሰረታዊ ናጽነታት ህዝብታት ዝግሃሰሉ ዝመጹ ሓንጎፋይ ንብል። ብድምጾም ኣቢልና ናይቶም ኣብ ትሕቲ ቦምባታት ዝሳቐዩ ብፍላይ ድማ ህጻናት ነዚ ናይ ጽልኢ ሃዋህው ዘስተንፍሱ ኣውያትን ንብዓትን ክንሰምዕ ንኽእል። ከም ኣመንቲ ንኹሎም ህዝብታት ክቡር ህያብ ሰላም ክንምህለልን ክንጽሊን ዝተጸዋዕና ኢና።

ኩሉ ግዜ ቀጻሊ ጸሎት ምስ ኣእማኒ ምስክርነት ከነወሃህድ ይግባእ። እዚ ጉባኤ እዚ ንባዕሉ ተኣማንነት ዘለዎ ምስክር እዩ! ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ኩሉ ክፋላት ምድሪ ንሓድሕዶም ጽን ብምብህሃል ንመንፈስ ቅዱስ ክሰምዑ ምምጽኦም ንዓለም ምጽራር እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ መወዳእታ ክፍሊ ዝበልዎ ይዝከረኒ፡ ‘ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከም ዝተላዕለ መዐቀኒ እዩ (ኢሳ 11፡12) ኣብ ዓለም - ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ተሳትፎን ምትሕግጋዝን ግሉጽነትን ክህሉ እናጸውዑ -  ኣብ ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ ዕጫ ምሉኣት ህዝብታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንኣሽቱ ግን ከኣ ሓያላት ጉጅለታት ይወድቕ’።

ሲኖዶስ ብመሰረቱ ቤት ትምህርቲ መመያ እዩ: ቤተ ክርስቲያን ምስ ጴጥሮስ ተኣኪባ ብሓባር መመያ ትገብር። ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ዝቐርብ ሓሳብ እዩ: መመያ ፍረ ናይ ብሱል ልምምድ ሲኖዳውነት ከም ቅድን ኣገባብን እዩ። ቤተ ክርስቲያናዊ መመያ ንዝኾነ ዓይነት ጉባኤ ብድሆን ኣብነትን ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ንኣባላት ነንሕድሕድና ኣብ ምስማዕ ንሓቅን ናይ ሓባር ረብሓን ንምድላይ ወርቃዊ ሕጊ ከረክብ ኣለዎ። መመያ ኣመንትን ዘይኣመንትን ሓባራዊ ሰዋስው ተጠቒሞም ክሰምዑን ክርድኡን ዝኽእሉሉ ‘ድልድል’ ምዃኑ ከይረሰዐ። እዚ ብኣይ ዘይኮነስ ብሓደ ዓለማዊ ደራሲ ኡምበርቶ ኤኮ ዝተባህለ እዩ። ኣድማስ ናይዚ ጉባኤና ቤተ ክርስቲያን እያ፡ እቲ ድሌት ግን ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝምድናታት፡ ኣብ መስርሕ፡ ኣብ ቦታታት እንሰርሖ ስራሕ ንኹሉ ሰብ ሓጋዚ ክኸውንን ኣብ ህንጸት ዝያዳ ፍትሓዊት ዓለም ኣበርክቶ ክገብርን እዩ።

ብዙሓት ዕላማ ሲኖዶስ መዋቕራዊ ለውጢ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣ ተሃድሶ እዩ ዝመስሎም። እዚ ሃንቀውታ/ሻቕሎት እዩ፣ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝጎዪ ድሌት እዩ። ኩላትና ንብህጎ ኢና፡ ምስዚ ግን ኩላትና ብዛዕባ ጽገናን ቀዳምነታቱን ሓደ ዓይነት ሓሳብ የብልናን። ገና ኣብ 1950 ዓ.ም. ይቨስ ኮንጋር ብዛዕባ ‘ሓቀይና ወይ ሓሰተይና ጽገና ኣብ ቤተ ክርስቲያን’ ይዘረብ ነይሩ። ሓቂ ንኽኸውን ቀዳምነታትና እውን ሓቂ ክኸውን ኣለዎ ማለት ‘ንቤተ ክርስቲያን ናብ ኩሉ ሓቂ ንዝመርሕ መንፈስ ሓቂ’ (ዮሃ 16፡13) ክግዝኡ ኣለዎም። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ስራሕና ቀዳምነት እንተዘይህልዎ ዕላማ ሲኖዶስ ምምሕዳራዊ ፍርዳዊ ወይ ፖለቲካዊ እምበር ዓቕለሲያዊ ኣይምኾነን!

ንቤተ ክርስቲያን ሓቂ ክትፈልጥ ዝመርሓ መንፈስ ቅድስ እዩ። እቲ ጉባኤ "እቲ ብዛዕባ ጥንቲ ዝተዛረበ እግዚኣብሄር ብዘይ ምቁራጽ ምስ መርዓት ፍቑር ወዱ ይዘራረብ፤ ከምኡ'ውን እቲ ህያው ድምጺ ወንጌል ኣብ ቤተ - ክርስትያን ብኣኣ ኣቢሉ ኣብ ዓለም መንፈስ ቅዱስ ነቶም ዝኣምኑን ንቓል ክርስቶስ ምእዙዛትን ኣብ ውሽጦም ዘሕድሩን ናብ ኵሉ ሓቂ ይመርሖም።" (ውሳኔ ጉባኤ ቫቲካን ‘ቃለ እግዚኣብሔር 8ሐ)። ድንጋጌ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቃለ እግዚኣብሔር እዚ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግላጽ "ኣብ ምርዳእ ክውንነታትን እቶም ዝተመሓላለፉ ቃላትን ዕብየት ኣሎ። እዚ ዝኸውን ኣመንቲ ብዝገብርዎ ኣስተንትኖን መጽናዕትን እዩ፡ ነዚ እዮም ኣኽቢሮም ዝርእይዎም" ኣብ ልቦም ዘስተንትንዎን (ሉቃ 2፡19, 51) በቲ ዝረኽብዎ መንፈሳዊ ክውንነት ስሉጥ ምርዳእን ብስብከት ናይቶም ብኤጲስቆጶሳዊ ምትኽኻእ ርግጸይና ውህበት ሓቂ ዝተቐበሉን" (ቃል ኣምላኽ 8ለ)።

ነቲ ‘ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝስጉም እናማእበለ ክኸይድ ዝገብር ምንቅስቓስ መንፈስ ቅዱስ (DV 8b) እዩ ትውፊት ከም ዝከኣል ዝገብር። እዞም ኣገልገልቲ እዚኣቶም፡ ብጀካ ቤተ ክርስቲያን ባዕላ፡ ብጓሶታ ዝተኣከበ ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ኣብ ትምህርቲ ሓዋርያት፡ ኣብ ሱታፌ ሓድሕድን ኣብ ምፍታት ህብስትን ኣብ ጸሎትን ወትሩ ጸኒዖም ይርከቡ (ግብ. 42)፣ ምእንቲ ውርሻ እምነት ንምሓዝን ምትግባርን ምእማንን ብወገን ጳጳሳትን ምእመናንን ሓደ ናይ ሓባር ጻዕሪ ክኸውን” (ቃለ እግዚኣብሔር 10)። ምርድዳእ ኣብያተ ክርስቲያናት ነታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ብመናፍቓን ዝቐርብ ናይ ሓቂ ኣበሃህላታት ንሓቂ ክርስቶስ ርግጸይና መዐቀኒ እያ ነይራ: እዚ ቤተ ክርስቲያን እትኣምነሉ ሓቂ እዩ: ምኽንያቱ ምሉእነት ናይቶም ዝተጠመቑ ኣብ ምእማን ክጋገ ስለዘይክእል: ብመሰረት... ውህበት መንፈስን ቅዱስ ስለ ዝኾነ እዩ።

እዚ ሲኖዳዊ መስርሕ ካብ መጀመርታ እትሒዙ  ኣብዚ ሓቂ እዚ ነቲ ቤተ ክርስቲያናዊ መመያ ከም ዝምስርቶ ደጊምና ኣረጋጊጽናዮ ኣለና፣ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ዝብሎ ንምስማዕ ንሓድሕድካ ምስማዕ ይሓትት። ንኹሉ መድረኻት ናይቲ መስርሕ መሰረት ዝገበረ ምስማዕ እዩ: ምምኽኻር ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናት: መመያ ጓሶት ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት: ተወሳኺ መመያ ኣብ ጉባኤታት ኣህጉር: ድርብ ኣኼባ . . .  ኣብ ዙርያ ቅዱስ ኣቦና ዘሎ ጉባኤ፡ መትከልን መሰረትን ሓድነት መላእ ቤተ ክርስቲያን እዩ። በዚ ኸምዚ ተዘርዚሮም ዘለዉ መድረኻት መስመራዊ መስርሕ ዘዳልዉ ይመስሉ፣ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ ውሳነ ዚገብር መስርሕ ከም ዚሳተፉ ገይሮም ምእንቲ ኺሓስቡ ኣብ መጀመርታ ጥራይ ዚሳተፉ ነይሮም እንተዝኸውን እቶም እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ናብ መመያ ኣቡናት ምስ ሓለፈ ንዅሉ ትንቢታዊ ኣብነት ህዝቢ ኣምላኽ ኣጥፊኦምዎ እዮም ዚብሉ ሰባት ሓሳባቶም ቅኑዕ ምገበሮ ነይሩ!

እንተዀነ ግን ካብ ምስትውዓል እተወልደ "ሓፈሻዊ ሓባራዊ ስምምዕ" ንዅሉ ሰብ ብምስማዕ ኢዩ ዝውለድ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ቅዋኤ ሲኖዶስ እተዛረብዎ ምድግጋም ጠቓሚ ኢዩ - "ሲኖዳዊት ቤተ - ክርስትያን ናይ ምስማዕ ቤተ - ክርስትያን ኢያ ።" እዚ ምስማዕ እዚ ንዅሉ ሰብ ከም ዝኸውንን ኵሉ ሳዕ ንዅሉ ሰብ ከም ዘጠቓልልን ንምርግጋጽ ማለት ቤተ - ክርስትያን ነቲ ናይ ምምላስ ስርዓት ኣብ ግብሪ ኣውዒልናዮ ኢና።

እዚ ሕያዋይ ብምዃን ዝግበር ተግባር ኣይኰነን ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ንህይወት ቤተ-ክርስትያን ክቈጻጸራ ዘለዎ ናይ ዑደት መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ምውዓል ግዴታ ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰነድ ናብ ጳጳስ ምልኣኽ ማለት "መሰረታዊ ስርዓትን መሰረት ሓድነት ኣብ ቤተ-ክርስትያኑ" ምልኣኽ ክበሃል ከሎ ፍረ ምስትውዓል ናብቲ ብምሉኡ እቲ ናይ ሲኖዶስ ጕዕዞ ዝጀመረሉ ጕዳይ ማለት ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ምምላስ ማለት ኢዩ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብያተ - ክርስትያን ዝህባኦ ምላሽ ነቲ ዘደንቕ መመያ ሓድሽ ድራኸ የሕድረሉ። እቲ ቀንዲ ትርጕም ናይዚ ምምላስ እዚ ዘይልሙድ ኢዩ - ቤተ-ክርስትያን "ናይ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እቲ ንሓድነት ቤተ-ክርስትያንን ቤተ - ክርስትያንን ከም ኣገልግሎት ኰይኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብዚ ስርዓታዊ መስርሕ እዚ ብዙሕ ኢዩ ዝጥቀም - ካብቲ ኣቢያት ክርስቲያን ምመናንን ጳጳሳትን ዝበሃል ማሕበረሰብ "ንምልእቲ ቤተ - ክርስትያን ሲኖዳዊ ስጕምቲ ኽትወስድ ከምኡውን ንቤተ - ክርስትያን ምፍቃር ፍረ ምስትውዓል ክትዓጽድን ክትመልስን ዝጽውዓ ነባርን ዝርአን መሰረታዊ ስርዓትን ሓድነትን" ኢዩ። ምኽንያቱ ንዅለን ኣብያተ-ክርስትያን ብምሕታት ኢዩ። እዚ ጻውዒት እዚ ንመበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ባይቶ ሲኖዶስ ኣቡናት እዚ ቅዉም ነገር እዩ። ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዲን ኣገባብን ምኻድ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንሳ እውን መንፈስ ምስ ቤተ ክርስቲያን ክዛረብ ከሎ፣ ሓይሊ ቤተ ክርስቲያናዊ መመያ ከም ፍረ ብመንፈስ ምስማዕ ብናይ ኩሎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ሓድሕዳዊ ምስማዕ እዩ።ኣገልግሎት ጴጥሮስ ናይ ካቶሊካዊ ሲኖዳዉ ዓቕለሲያ ኮይኑ መስርሕ ሲኖዶስ ድማ ንጴጥሮስ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘለዎ ምልላይ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ።

ብርቱዕ ዕዮ ይጽበየና ኣሎ።

ደድሕሪ እዚ ደረጃ እዚ ነቲ ኣብ 2021 - 2024 ኣብ እተገብረ ሲኖዳዊ ጕዕዞ ዝበሰለ ኣቀባብላን ምትግባርን ክግበር ኢዩ። ኣብያተ - ክርስትያን ዝያዳ ውጽኢት ብዝረኽባ መጠን ፍረ ጻዕርና ዘይኰነስ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ብህዱእ ናይ ምስማዕ ፍረ ኢዩ ዝኸውን። ከምቲ ቅዱስ ቶማስ ዘዅይኖ ዝጸሓፎ " እቲ ናይ ምእማን ተግባር ኣብቲ ክበሃል ዝኽእል ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ክውንነት ዝተሓጽረ እዩ።" (S. Th. II/II q. 1, art. 2, ad 2) ናብ ፍልይ ዝበለ ስፍሓት ክንትርጕሞ እንኽእል ነገር - ተግባር ናይ ሓንቲ ቤተ - ክርስትያን - እዚ ጉባኤ - ብክልሰ-ሓሳባዊ መግለጺ፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ ዘይኮነስ፡ ብጭቡጥ ህይወት ቤተ ክርስቲያን፡ ወንጌል እትነብር፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተጠርኒፋ ናብ ፍጻሜ መንግስቲ ኣምላኽ እትኸይድ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝውዳእ።

ሰናይ ስራሕ!

03 October 2024, 16:07