2024.10.20 ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዓውዲ መርበባዊ መራኸቢታት፥ ኣብ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል 2024.10.20 ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዓውዲ መርበባዊ መራኸቢታት፥ ኣብ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል 

ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዓውዲ መርበባዊ መራኸቢታት፥ ኣብ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል

ሰለስተ ሰበስልጣን ቫቲካን ኣብ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ብስነ ኣሃዝ ኣብ እተራቐ ማሕበራዊ መረብት ናይ ጸሎት ንቕሎ ብምክያድ፡ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ሲኖዶስ መዛዘሚ፥ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካቶሊካውያን ኣብ ዓውደ ማሕበራዊ መረብት ልኡካነ ወንጌል ንቤተ ክርስትያን ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ኣብ ዝገብርዎ ኣገልግሎት የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዓውዲ ማሕበራዊ መረብት ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ብክሱት ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሎም ብምናብን ብኣካልን ኣብ ዙርያ መቓብር ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም እተራኸቡን፥ እቲ መደብ ሰንበት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት 20 ጥቅምቲ ኣብ ትሕቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቀለመጦስ "እዝኒ ዘለዎ መንፈስ ንቤተ ክርስቲያናት ዝብሎ ይስማዕ" (ራእ 2፡29) ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ከም እተኻየደን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓዎሎ ሩፊኒን ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣባ ሉቺ ሩይዝን ናይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጳጳስ ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሓባር ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ንተልእኾ ወንጌል

የኔታ ሩይዝ፡ ኣብ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም.  ካብ ዕለት 28 - 29 ሓምለ ኢዮቤልዩ ንካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዓውዲ ማሕበራዊ መረብት ጸለውቲ ክውፈ ምዃኑ ሓቢሮም፥ ኣብ ዓውዲ መርበባዊ ርክባት ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ርኡይ ምዕባለ ከም ዘመዝገበን እዚ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ መረብታዊ ርካባት ኣቢሉ ዝካየድ ተልእኾ ወንጌል "ቤተክርስትያን ትሰምዓካ" ብዝብል ውጥን መሰረት ኩሉ ግዜ ብሓድነት ዝምራሕ ኮይኑ ወትሩ ኣብዚ ሓድሽ ምዕባለ ወንጌላዊ ኣገልግሎት የሳልጥ፥ "ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ናብ ትብል ቤተ ክርስቲያን" ካልኦት ንኽራኸቡን ንኽፍውሱን ንኽእውጁን ብዝደልዩ ደቀ መዛሙርቲ ዝቖመት ምዃና ኣስተብሂሎም፥ ከምኡ'ውን ኣብታ ተስፋ ዘድልያ ዓለም ዘርኢ ሓጎስ ኣምላኽ ይዘርኡ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልኡካነ ወንጌል ‘ፈለምቲ’ ሓዳስ ዓለም

ቀጺሎም መደረ ዘስምዑ ጳጳስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን፥ ኢየሱስ፡ መልእተ ባህርያዊ ሓይሊ ዘለዎ ዘይ - ሰብነት ወይ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ እደ ጥበባዊ መንነት ዘይኮነስ "ህያው ሰብ" ምዃኑ ገሊጾም፥ ኣብ ዓውዲ መርበባዊ ርክባት ልኡካነ ወንጌል ነቲ "ኪድ ንኹሉ ሰብ ናብቲ ጽምብል ክሳተፉ ዓድምም” ዝብል ኣብታ ዕለት ተዘኪሩ ናይ ዝወዓለም ሰንበት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል መርሕ ቃል ናቶም ገይሮም ክሓቑፍን ንክርስቲያናዊ ሓጎስ ንምምስካር ካብ ገዛእ ርእሶም ክወጹ ተላብዮም፥ ተልእኾኦም፡ ኣብ ህልው ኩነታት ታሪኽ ክትዋፈሩ ዝገብር እምበር ፈተውትን ሰዓብትን ንምብዛሕ ከም ዘይኮነ ሓደራ ኣይትረዑ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስክርነት ተጽዕኖ ፈጠርቲ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዓውዲ መረባብዊ ርክባት

ኣብቲ መደብ ሓያሎ መንእሰያት ተጽዕኖ ፈጠርቲ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናይ ጸሎት ዕላማኦም ከም ዘካፈሉን

ክልተ ማንታ ዝኾኑ ሊባኖሳውያን መንእሰያት፡ ህይወቶም ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ ኣብ እተራቀ ዓውዲ ማሕበራዊ መረብት ብዙሓት ብዝፍጸምዎ ተልእኾ ወንጌል ከመይ ከምዝተተንከፈ ንተሳተፍቲ ገሊጾም፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ "ጽባቐ ክርስትና" በዓውዲ መርበብ ኣቢሎም ንምክፋል ቃል ከምዝኣተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ተሳተፍቲ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ኣገልግሎቶም መለለዪ ዝኾኖም ውሑዳት ቃላት ክጽሕፉ ተዓዲሞም፣ ካብ ዝገለጽዎም ቃላት ሕውነት፣ ምስማዕ፣ ሓጎስ፣ ቃንዛ፣ ፍስሓ፡ ጽምእን ኣድላይነት ኣምላኽን ዝብሉ ቃላት ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እውን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ብትሕትና ክፍጸም ዘለዎ ተልእኾ

ድሒሩ ኣብቲ መደብ ዶክተር ሩፊኒ ነቶም ኣብ ዓውዲ ብስነ ኣሃዝ ኣብ እተራቀ ዓለም ዘገልግሉ ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ካብ ህይወት ቅዱስ ጳውሎስ ምትብባዕ ክረኽቡ ዓዲሞም፥ ነቲ ዘመናዊ ሕብረተሰብና ዘሳቕዮ ዘሎ ቁስሊ ሓላፍነት ክወስዱን ንምፍዋስ እጃሞም ከበርክቱ ኣተሓሳሲቦም፥ "ብትሕትና ናይ ዘመንና ጨውን ማይ ብሑቝን ክንከውን እግዚኣብሄር ይሓግዘና” ቢሎም ሃዋርያ ኣህዛብ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ህዝቢ ብምዃን "ልክዕ ኣንጻር ናይ ሓደ ተግባራዊ ቤት ጽሕፈታዊ ዕዮ ወይ በሊሕ ውጥን" ኩሉ ንዅሉ ህዝቢ" ከም ዝኾነ ከስተውዕሉ ዓዲሞም፥ . . . ቅዱስ ጳውሎስ ብትሕትናን ብንብዓትን ንጐይታ ከም ዘገልገለ ኣስተብሂሎም፡ ንመንእሰያት ልኡካነ ወንጌል ውልቃዊ ረብሓታት ንጎኒ ገዲፎም፡ ድሌት ስልጣን ብምንጻግን ኩሉ ግዜ "ካብ ፍልልይ ንላዕሊ ሓድነት" ብምምራጽ ተመሳሳሊ መንገዲ ክስዕቡ ምስ ዓደሙ የኔታ ሩይዝ ነቲ ብዓውዲ መርበባዊ ርክባት ዝፍጸም ሲኖዶስ ብዘዕረገዎ ናይ መወዳእታ ጸሎትን "ኪድ ክሳብ ወሰናስን ምድሪ! ዝብል ወንጌል ንምስፋሕ ኢየሱስ ንድቀ መዛሙርቱ ዝሃቦ ተልእኾ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

21 October 2024, 15:50