መድረኽ ሲኖዶስ፡ ዞባውያን ኣብያተ ክርስቲያም ‘ኣብ ብዙሕነት ብዝግበር ዘተ’ ሃብቲ የቕርባ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 16 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣጎስቲኒያኑም ከም ኣካል ሲኖዶስ ኣብ ሲኖዳውነት፥ ኣብ ዝተዳለወ ካልኣይ ቶዮሎጊያዊ - ሓዋርያዊ ጉስነት መድረኽ፥ "ኣብ መንጎ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ሓባራዊ ዝምድና" ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ መድርኽ ብፕሮፌሰር ኣና ሮውላንድስ ኣባል ውሁድ ኩለተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ናይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝተመርሐ ኮይኑ፥ እቲ ተጋባእያን ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ሃገረ ስብከት ናፖሊ ዝመጹ ካህን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣንቶንዮ ኣውቲየሮ፡ ናይ ሕገ ቀኖና ሊቅ ጠበቓ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣማኻሪት ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ሆላንዳዊት ሚርያም ዊጅለንስ፡ መምህር ፖርትጋላዊ ካህን ኣብ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ቅድስና ዝከታተል ናይ ቲዮሎጊያ ኣማኻሪ ከምኡ እውን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝኸታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሃብቲ ኣብ ብዙሕነት
ካርዲናል ፕረቮስት ኣብ ክልተ ምስ መንበረ ጵጵስናኦም ዝተኣሳሰሩ ውልቃዊ ተመኩሮታት ኣተኲሮም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ብናይ ሽዑዑ "ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር" እቲ ናይ ሎሚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ጳጳሳት ዝከታተል፥ ኣብ ዘዳለዎ ኣብ ሃዋርያዊ ጉስነት ዘማእከለ መደብ ሕንጸት፥ "ንህዝቢ ናይ ዞባ ካብ ደረት ውልቃዊ ሃገረ ስብከት ኪኖ ንኽጥምት ኣብ ምሕጋዝ ተራ ጳጳስ፥ ኵላውነት ብምስፋሕ . . . ኣካል ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ” ዝብል ዕላማ ዝነበሮ ዘኪሮም፡ ካብ እስያን ኣፍሪቃን ዝመጹ ሓደስቲ ጳጳሳት ድሕሪ ምምራጾም ኣብ ሮማ ፍልዩ መደብ ህንጸት ከም ዝሰናደወሎም ኣዘኻኺሮም። ይኹን እምበር፡ “ሎሚ ዓመት እቲ መደብ ሕንጸት ኣብ መንጎ እተን ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፋ ናይ ኵርያ ሮማና ላዕልዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ብቐረባ ዝተዳለወ ኮይኑ እዚ ድማ ሃገረ ስብከታትን ዝመርሕወን ጳጳሳትን ንኽራኸቡን ክላለዩን ዕድል እውን ምዃኑ የነጽሩ። ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኣገባብ መደብ ሕንጸት ንጳጳሳት ገምጋም እውን ኣካፊሎም፡ እዚ ድማ "ብኻልእ ቅርጺ ክርከብ ዘይክእል ተመክሮ ኵላውነት ባህሪ ቤተክርስትያን" ንምቕራብ ምስ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ጳጳሳት ዘራኽብ ናይ ዘተን ህንጸት መድረኽ ምኻኑ ኣብሪሆም፥ ዞባውያን ኣብያተ ክርስቲያን "ተራ ክፍልታት" ናይታ "ድምር ኩሉ" እትውክል ኵላዊት ቤተክርስትያን ኣይኮናን። እንታይ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣካል ናይቲ "ምስጢራዊ ህላወአን" ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ፍሉይነትን ሃብትን የቕርባ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ ኩሉ ክፋላት እትነብር ቤተ ክርስቲያን
ሓድነት ኣካል ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣስሚሮም፥ "ኣብ ምሉእ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፡ ምቛም ዞባዊ ማሕበረሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክውን ኮይኑ ግን ነታ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ብምውካስ . . . “ሕብረት ከም ጉዳይ ሒሳብ ወይ ከም መልክዓ - ምድራዊ ኩነት ክንርድኦ ዘይኮነስ፡ ብዝዓሞቐ ደረጃ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ክፋላት እያ እትነብር።”
ምሉእ ህዝቢ ኣምላኽ
ኣባ ሚግኤል ደ ሳሊስ ኣማራል፥ ኩሉ ዝምድናታት፡ እንኮላይ እቲ ኣብቲ መድረኽ ዝተፈተሸ፡ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ሲኖዶስ ዝሰፍሕ ዘሎ ውዕዉዕ ምንቅስቓስ ዝተሃንጸ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ኣገዳስነት ናይቲ ዝተፈላለያ ቤተ ክርስቲያናዊ ክውንነታት ዝኣስር ዝምድና የጉልሑ፥ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በዚ ኣንፈት እዚ ንመጀመርታ ግዜ ዝተኸፍተ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ንናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት "ኣካል ናይቲ ምሉእ" ኣንክብሉ ገሊጾም፥ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ብምጥቃስ፡ ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ እቲ ምሉእነት "ኣብ ሓደ ቦታን ግዜን ህልዋትን ንጡፋትን ምዃነን የረጋግጽ፥ ሃምነናዊ ድንጋጌ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ብርሃነ ኣህዛብ” ብምጥቃስ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊት ቤተክርስትያን" "ሓይሊ፡ ሃብቲ ኩሉ ምሥጢራውን መንፈሳውን ህያባት" ከም ዝነብር ኣጉሊሖም፥ ነዚ ዝምድና እዚ ድማ ብናይ ክፋል ናይ ሓደ ምሉእ ምቁር ህብስቲ ገይሮም ኣንከረድኡ” "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ናይ ሓደ ምቁር ህብስቲ፡ ኩሉ መኣዛ ከም ዘሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ህዝቢ ኣምላኽ ኣሎ" እንክብሉ የስተብህሉ።
ኣብ መደምደምታ፡ ነቲ "ውልትውናን፡ ውልቃውነት፡ ውግኣትን ብዛዕባ ገለ ክፋል ክውንነት ጥራይ ዝሕብረና፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ዘይጥርነፈና ዓውሎማውነትን" ዝልለ ህሉው ዓለማዊ ኩነታት ኣስተብሂሎም፥ ነዚ ተርእዮ'ዚ ኣብ ዝግጠመሉ እዋን፡ "ጓሶትን ኣብ ቤተክርስትያንን ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ ዝምድናታት፡ ንኻልኦት ክፉትነት ዝንበረሉ ዝተፈላለየ ዓውድታታን ኣብ ምርግጋጽ ንኽጽዕሩ ይጽውዑ” ኢሎም።
ቅድምና ናይ ዞባታት ማሕበረሰብ
ኣባ ኣውቲየሮ ቀጺሎም፥ "እታ ከባብያዊት ወይ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ምስቲ ኣብ ቦታን ግዜን ክውንነታ "ሲኖዳውን ልኡካውንት ህይወት መላእ ቤተክርስትያን" ከም እትውክል ኣነጺሮም፥ . . . ጉዳይ ርክብ ከባብያውን ኵላውን ማሕበረሰባት ምደባ፡ ምስ ኣምር ቦታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣብሪሆም፥ "እቲ ቦታ ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ፡ "ቦታ" ነቲ "ኣብ ውሽጡ ዝሓቝፎ ዝተፈላለየ ግዝኣት ዘቀራርብ፡ “ሓባራዊ ዕላማታት፡ ናይ ሓባር ባህግታት ናይ ቤተክርስትያን ኵላውነት ዝውክል እዩ . . . እቲ ባህርያት ቦታ ናብ ካልኣይ ደረጃ ባእታ ክወርድ ኣይክእልን እዩ ብኣንጻሩ ግን ክም ክፋል ናብ ቤተ ክርስቲያናዊ ምሉእነት ወይ . . . ዋላ’ኳ ሓደ ውልቀ - ሰብ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ዘሕለፎ ተመክሮ ብቐዳምነት ዞባዊ እኳ እንተዀነ ነፍሲ ወከፎም ግን በቲ ናይቲ ዓዲ ኣቡን ከምኡውን በቲ ምስታ ኩላዊት ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ምትሕብባር ገይሮም ኣብቲ "መትከል ሓድነት" ክምርኰሱ ይኽእሉ ኢዮም።
መብዛሕትኡ ግዜ ዓቕለሲያዊ ማዕቀፋት በዚ ምጉት "ኣብ ኣሰራርሓ ምትዕርራይ ወይ ሕድጋታዊ ምምሕያሽ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሕልናና እውን " ብተዛማዲ ዀነ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ምቕያር ኣድላዪ ምዃኑ" ዘስርጽ ኢዩ ኢሎም።
ኣውስትራልያ ኣብነት ናይ ሃገረ ስብከትን ምሉእ ኣኼባታትን ባይቶታት
ፕሮፌሰር ዊጅለንስ ኣብ ዝተፈላለየ መልክዕ ናይ ሃገረ ስብከትን ሰበኻን ኣባይቲ ምኽሪ ሓዋርያዊ ጉስነትን ከምኡ’ውን ኣብ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤታትን ኣተኩይረን፥ "ህዝቢ ኣምላኽ ኣዝዩ ዝያዳ ከም ዝጽበዮ፤ ቀኖናዊ ስርዓታት ናብ ሓቀይና ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ከሰንዮን ክቕይሮም ይምነዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ንኽርስቶስ ዝውክሉ ኣባይቲ ጽሕፈት ክሳተፉ የኽእሎም" ቢለን፥ ጎኒ ጎኒ ባይቶታት ሃገረ ስብከት ብቅርጻዊ ምትሕግጋዝ ዝልለዩን ዋላ ንኵላዊት ቤተክርስትያን እውን እንተኾነ ናይ ካቶሊክነት ኣምር ክገልጹ ዝኽእሉን" ምሉእ ባይቶታት ኣለዉ። . . . ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መንጎ ዞባውያን ኵላውን ማሕበረሰብን ኣቐሚጠን ኣብ ሓደ ፍሉይ ግዝኣት ዝርከቡ ንጡፋት ጳጳሳት ካልኦት ሓያሎ ምድባት ሰባት ክዕደሙ ይኽእሉን ክዕደሙ ይግባእን፡ ንሳቶም ድማ ዓቃቤ መንበረ ጳጳስን ኤጲስቆጶሳውያንን፡ ናይ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሓለፍትን ናይ ቲዮሎጊያ ተቕውዋማት ሓለፍትን ዝብል ምድባት ከም ኣብነት ይጠቕሳ፡ . . . ተመኩሮ ኣውስትራልያዊት ቤተክርስትያን መሰረት ዘሎ ኣማራጺ ቕዲ እንከቕርባ፥ "ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጸም ዕንቅፋታት ዓሚቕ ቅልውላው ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘካየደት ከም ኣብነት ብምቕራብ፥ እቶም ጳጳሳት "ኣብ እቲ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝንበር ተኣማንነት ባዕሎም ብውልቆም ክመልስዎ ከምዘይክእሉ ብምእማን በዚ ኸኣ ንኹሎም ምእመናን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ክሓብሩን ስጉምቲ ክወስዱን ጻውዒት ከም ዝቐርቡን ኣዘካኺረን፥ “ውሳኔታት ብዘይ ኤጲስቆጵሳውያን መንበር ኣባላት ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ክውሰድ ከም ዝኽእል” ኣስተብሂለን፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ትካላት ምስ ድሌታት ካልኦት ፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያናት ክመዓራረዩ ከም ዝኽእሉ ተስፋአን ከም ዝገለጻ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።