ድለ

መድረኽ ሲኖዶስ፡ ቅድምናን ሲኖዳውነትን ኣብ ሓድነት ኣብያተ ክርስቲያ መድረኽ ሲኖዶስ፡ ቅድምናን ሲኖዳውነትን ኣብ ሓድነት ኣብያተ ክርስቲያ  

መድረኽ ሲኖዶስ፡ ቅድምናን ሲኖዳውነትን ኣብ ሓድነት ኣብያተ ክርስቲያ

ብዓውዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝተዳለወ ራብዓይ ቲዮሎጊያዊ - ሓዋርያዊ ጉስነት መድረኽ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድምና ንምፍጻም ሓድሽን መበቆላውን መገድታት ኣብ ግምት ዘእተወን ከም ሕብረት ኣብያተ - ክርስትያን መጠን ምስ ቅዲ ቤተ - ክርስትያን ዚመሳሰል ኰይኑ ኣብ ክሊ ጥራይ ክጎድል ዘይክእል ምዃኑ ብሰፊሕ ይግለጽ።

- ር.ሊ.ጳጳስና ክሳብ ኣምልኾ - ንር.ሊ.ጳጳስ

እቲ ኣብ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ዓንኬል ንጡፍ ሲኖዳውነትን - ጒባእያውነትን - ቅድምናን፡ ዝብል ኣርእስቲ መሰረት ገይሮም ኣብ ጳጳሳዊ ጎርጎርያና መንበረ ጥበብ መምህር ስነ ዓቕለሲያን ኣማኻሪ ሲኖዶስ ጳጳሳትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ፍራንክ ዳርዮ ቪታሊ ሰፊሕ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከም ዘቕረቡን፥ እቲ “ነፍሲ ወከፍ ቅዲ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቅዲ ኣገልግሎት ይሰማማዕ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅዲ ኣገልግሎት ድማ ተዛማዲ ቅዲ ቤተ ክርስቲያን ይገልጽ” ዝብል ትርጉማዊ ግምት መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ዝገብር ዘሎ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ብሰለስተ ምዕራፋት ብምፍላይ ታሪኻዊ ፍልቀት ናይዚ ዝምድና እዚ የብርሁ።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ብዘይ ቅድምና ክዛረብ ይኽእል፤ ኣብቲ ካልኣይ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ላቲን፡ ቅድምና ብዘይ ሲኖዳውነት ዝብልን፡ እቲ ሳልሳይ ምዕራፍ “ሲኖዳውነትን ቅድምናን ዝብል ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ ኣብ ሓንቲ communio Ecclesiarum - ሕብረት ኣቢያተ ክርስቲያን ተባሂላ ዝተሓሰበት ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሓድነት ብደረጃ ተቕዋማዊ፡ ንዓቕለሲያዊ ኣካል ናብ ፓትርያርካት ምቕራቡ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ቅድምና ናይ ሮማ ጳጳስ ዘይኮነስ፡ ንናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ዝህብ እዩ ዝነበረ።

ብምኽንያት እቲ ጥንቲ ዝነበረ ኽብራን (ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብዚ ሞይቶም እዮም) ንሰረተ እምነት ሃዋርያ ዝነበራ ተኣማንነትን መንበረ ሮማ ዝብል መጸውዕ ግጭታት ንምፍታሕ ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ እያ ዝነበረት። ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ ውክልና ኵላዊ ጉባኤ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ “ነቶም ጉባኤታት ዝጽውዑ ር.ሊ.ጳ. ዘይኰኑስ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሃጸይ እዮ ዝነበረ፣ ከም ርእሲ ሕዝቢ ክርስትያን መጠን ድማ ጭቡጥ መትከል ሓድነት ቤተ ክርስቲያን እዩ ነይሩ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳጳሳት ኣንጻር እቲ ኣብ ምዕራባውያን ዘጋጠመ ጽንኩር ውጽኢት ቄሳርነት ከመይ ዝበለ ግብረ መልሲ ከም ዝሃቡ ብምምልካት፡ ር.ሊ.ጳጳሳት ብምኽንያት እቲ ክርስቶስ ንጴጥሮስ ዝሃቦ ትእዛዝ ኵላዊ መራሒ ኸም ዝዀነን። እዚ ድማ ካብ መንበር ናብ ቅዱስ መንበር ዝብል ኣገላልጻ ይሰጋገር . . . ጳጳስ ሮማ ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ሕጋዊ ስልጣን ስለ ዝነበሮ ቤተ ክርስቲያን communio Ecclesiarum - ሕብረት ኣቢያተ ክርስትያን ምዃን ኣቋረጸት። እቲ “ዘይምዕሩይነት፡ ቃውመ ቲዮሎጊያ ናብቲ ነቲ ኮንጋር ዝበሎ papolatry - ኣምልኾ ንር.ሊ.ጳጳሳት ንኽምዕብል ገበረ . . . እዚ ብቕዲ ናይታ እትርእ ፒራሚዳዊ ሃይራርቃነት መሰረት ዘለዋ: ንግስነታዊት ቤተ-ክርስትያን ፍጹም መስትያት ናይቲ ልዑል ህየንተ ክርስቶስ ቅርጽን ተግባርን እዩ” ኣብንክብል ብኣጽንዖት ይገልጾ።

ጉባእያውነት፡ ‘ስምዒታዊ’ ጥራይ እንተኾይኑ፡ ድኹም እዩ

ምስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕቶ ጉባእያውነት ክለዓል እንከሎ፡ ናይ ጠመቓዊ ትምህርቲ ተቕዋም ቅዋምነትን፡ ዋጋን ባህርን ቅዱስ ቅድምና ሮማዊ ጳጳስን ኣተሓሒዙ ኣብ ትምህርቲ እምነት ዘይጋገ እንክብል ዳግማይ ክረጋገጽ እንከሎ፡ . . . እንተኾነ ግን እቲ ቅዲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝነበረ እዋን ጉባእያውንነት ንምትግባር ብዙሕ ከም ዘይተፈጸመን እዚ ድማ ሓደ ኵላዊ ቅዲ ቤተ ክርስቲያን ክልተ ኣርእስታት ‘ምሉእን ልዑልን ከም ዘይስከም ጽኑዕ መርትዖ እዩ። ኣብ ልዕሊ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎ’ ዝብል መርገጺ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ጉባእያውነት ክእለት ከም ዝዳኸሞን ምስ ሰባት ናይ ምትሕብባር ክእለት ከም ዝትንከፍ ዝገብር ብምዃኑ እዚ ድማ ናብ ምድልዳል ናይ ጸብለልትነት ተግባር ተተርጒሙን ተራእዩን እውን እዩ።”

ይኹን እምበር፡ ሃምነናዊ ድንጋገል ‘ብርሃነ ኣህዛብ’፥ "ኣብ ስልጣን ጸብለልትነት ተመርኲስካ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ካብ ሕጋዊ ቅድምና ዝብል ኣምር ንጹርን ዘየማትእን ምርሓቕ፥ ክህሉ ገይሩ እዩ . . . ኣብ ፍሉያት ኣብያተ - ክርስትያን ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣላ" ዝብል ሰረተ እምነት የቕርብ። ሓደ ሰብ ንሓደ ጳጳስ ከም ተራዳኢ ር.ሊ.ጳ.  ዘይኮነስ ከም ናይ ክርስቶስ ህየንተ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ዝርእዮ እንተኾይኑ “እዚ ናብ ግዝኣታዊ ገደብ ቤተ ክርስቲያን ዘየናእስ እዩ፣ ግናኸ ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን እያ፤ ማለት እታ ሓንቲ ቅድስቲ፡ ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ዘላትሉን እትዋሳኣሉን Portio Populi Dei - ክፋል ህዝቢ ኣምላኽ ማለት እዩ።

ኣብተን ፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያናት እታ ‘ሓንትን እንኮን’ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣላ

ብመሰረት ኣባ ቪታሊ "እቲ ብሲኖዳዊ መገዲ ዚግበር ዘሎ ጕዕዞ ንቤተ-ክርስትያን ሓድሽን ናይ መጀመርታን ቅድምና ከም ዚህልዋ እዩ ዚገብር ዘሎ . . . እዚ ኸኣ ቅዲ ቤተ - ክርስትያን ከም ሕብረት ኣብያተ -ክርስትያን ዘመሳሰል እዩ። ናይ ሮማ ጳጳስ እዩ ከም መትከል ሓድነት ቤተ ክርስቲያን፣ ንኹለን ኣብያተ ክርስቲያናት ናብ ሲኖዶዊ ተግባር ዝጽውዕ።

እዚ ድማ “ናይ ሰማዕተይና ወይ ናይ ወግዓዊ ምስክር ስራሕ ጥራይ ዝምልከት ማለት ኣይኮነን፡ ኣብ ክንድኡ ር.ሊ.ጳ. “ቅድምና ዘለዎን ናይ መወዳእታን እንኮን ኣብነት ኣይኮነን፤ ከምዚ እንተኾይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምዃኑ መስርሓት ምስ ኣበገሰ፤ እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ነቲ መስርሕ ምስ ዛዘሞም።” ቅድምና እዚ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን ኣብዚ ዓንኬላዊ ዝምድና ሓድነትን ብዙሕነትን፡ ር.ሊ.ጳ. ንርእሶም ኣብ ጎኒ ሓድነት የቐምጡ: ከም ጳጳስ ናይታ ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን ሮማ: ምስ ኩሉ ፍሉይነታታ: ኣብ ኣገልግሎት ሓድነት ቤተ ክርስቲያን: ከም ዋሕስ ሓድነት ኣብያተ ክርስቲያን እዮም።

“እዚ ንባብ እዚ፡ ካብ ሓድሽ ነገር ንላዕሊ፡ ነቲ ብጉባኤ ዝተቐረጸ መትከል ካቶሊክነት ብእሙን ኣገባብ ምቕባል እዩ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያን ግቡእ ቦታ ኣለወን፤ እዘን ኣብያተ ክርስቲያን እዚኣተን ነቲ ንዅሉ ጉባኤ ግብረ ሰናይ ዝመርሕን ሕጋዊ ፍልልያት ዝሕሉን ቅድምና መንበረ ጴጥሮስ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ከይተቓወማ፣ ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ንሓድነት ከም ዘይዕንቅፍ፡ እንታይ ደኣ ኣብ ክንድኡ ኣበርክቶ ከም ዝገብር የረጋግጻ” (LG - ብርሃነ ኣህዛብ ቍ. 13 ረኣ) ዝብል ጽሑፍ ጠቒሶም ኣባ ቪታሊ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ቅድሚ ምዝዛሞም፥

ህዝቢ ዘይብሎም ጳጳሳት ብዝሒ

ጳውሎስ ሻድሻይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘቖሙ ምዃኖን ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ሲኖዶስ ናብ ሓቀይና “ናይ ዘተ ኣካል” ክምዕብል ቢሎም ዝኣመኑሉ ከም ዝነበረን። ግደ ጳጳስ ሮማ፡ ንውሳኔታት ሲኖዶስ ምጽዳቕ ምዃኑ ወሲኾም የብርሁ።

ዶክተር ካትሪን ክሊፎርድ፡ ኣብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኦታዋ ካናዳ፡ ናይ ቲዮሎጊያ መምህር፡ ኣብ Instrumentum laboris - ናይ መዛተይ ሰነድ ወይ ናይ ዕዮ ሰነድ (ቝ. 41)፥ ሕብረት ምእመናን ማዕረ ማዕሪኡ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ምዃኑ ዘጉልሕ ነጥቢ መሰረት ገይረን፥

ኣብዚ ግዜና ዳርጋ ፍርቂ ናይ ካቶሊክ ኣቡናት ሰበኽ ዘይብሎም (ልሂቃን ተራዳእያን ሓዋርያውያን ልኡካን ኣቡናት ኩርያ ሮማና) እዮም እዚ ድማ ብቐጥታ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ጓሳ ምስ ዝብል መለለዪኡ ዝጋራጨው እዩ፡ ስለዚ እዚ ዓይነት ኣገልግሎት ምስቲ ኣብ ሲኖዶስ ዘለዎም ግደ ስለ ዘይሰማማዕ፥ "ኣብ መንጎ ኣቡን ምስታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ - ክርስትያንን ዘሎ ምትእስሳር እንደገና ምምልካት የድሊ" እንክብላ ኣስተብሂለን ብተወሳኺ ነቲ “ቀዳማይ ክኸውን ዝደለየ ካብ ኣገልገልቲ ናይ መወዳእታ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ትምህርቲ ክርስቶስ ብንጹር ቅድምና ዝህብ  ምዃኑ ኣብ ናይ ሓባር ኦርቶዶክሳውን ካቶሊካውን ናይ ቲዮሎጊያ ሽማግለ ሰነድ ዘሎ ኣምር ጠቒሰን፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ኣብ ትግባረ ሲኖዳውነት ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ንቅድምና ጳጳስ ሮማ ዘጉልሕ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ናብ ሸነኽ ጉባእያውነት ናይ ምስግጋር ዝንባለ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣብሪሀን ዘቕረበኦ ኣስተምህሮ ይዛዝማ።

ጥዑይ ዘይምኩልነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ኣብ ስፓይና ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሳላማካ ናይ ሕገ ቀኖና ክፍሊ መጽናዕቲ ሓላፊ ኣባ ኾሴ ሳን ኮሴ ፕሪስኮ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፥  ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ መትከል ምትሕብባር ተሓሒዞም  ጥዑይ ዘይምእኩልነት ብኸመይ ከም ዝምዕብል፡ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማኺሎም፥ “ድሮ ኣብ ’67 እዚ መሪሕ መትከል እዚ ንጽገና ቀኖናዊ ሕጊ ንምስጓም ተረጋጊጹ ነይሩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፥ ሰበኻታት “ናይ ምምሕዳራዊ ዞባ ዝብል ተራ ባህርይ” ዝውክላ ከም ዘይኮና ናብ ዝገልጽን ባህርይ ምምላስ ከምዘድሊ ኣጽኒዖም፥ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ጳጳሳት ናይ ምሕደራ ዕማሞም ብቐጥታ ካብ ክርስቶስ ከም ዝቕበሉ ከም ዝምህርን ጳጳሳት ከም ተራዳኢ ክርስቶስ እምበር ከም ናይ ሮማ ጳጳስ ተራዳእያን ተገይሮም ክረኣዩ ከም ዘይብሎም ይምህረና፡ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ሓደጋ ከም ዘይኮነ ድማ ኣብሪሆም፥ ብዙሕነት ንፍልልያት ከይሓነቐ ሓድነት ንምርግጋጽ ኣብ መንጎ ክልተ በዓል ቤት (ር.ሊ.ጳ.ን ጳጳሳትን) ስኒት ናይ ምርካብ ጉዳይ እዩ፣ ብዙሕነት ምንጪ ምፍልላይ ዘይኮነስ ምድልዳል ዓቕለሲያዊ ሓድነት ምእንቲ ክኸውን፣ ክልቲኦም በዓል ቤት ነቲ ካልእ ዘወግድ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ 1983 ዓ.ም. ዝወጸ ሕገ ቀኖና ነቲ ንጳጳስ እተሓዝአ ነገራት ብሓቂ እንታይ ደረት ከም ዘለዎ ዘየነጽሮ እኳ እንተዀነ . . . ንሓላፍነት እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣቡናትን ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራትን ገዳማትን ምኽባር ናብ ፋሉልነት ኪመርሕ ግን የብሉን” ብዝብል ሓሳብ ዘቕረብዎ ሰፊሕ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ይዛዝሙ።

ክፉት ማዕጾ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን

ናይ ኣውስትራሊያ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ፐርዝ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ኮስተሎ ኣብዚ ሲኖዶስ ንካህናትን ደቂ ኣንስትዮን ዓለማውያንን ከም ኣባላት ምሉእ ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎምን ብምዝካር ድሕሪ ደጊም ኣብ መወዳእታ መስርዕ ዘይተቐመጡን ኣብ ምዃኖም ማዕጾ ይኽፈት፡ እዚ እወታዊ ተመክሮ እዚ፥ “ናይ ኩሉ ማዕርነትን ሓድነትን ዘርእየና እዩ” ብምባል ሓድነት ናይ ኣእምሮን ልብን፣ ናይ መንፈስን ተግባርን፣ ናይ እምነት ኣብ ኣገልግሎት ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ተልእኾ እዩ . . . እዚ ድማ “ሲኖዶስ ከም ቀዋሚ ተቕዋ፣ ይኹን ብጉባኤ ክእከብ ከሎ ዕማሙ ክፍጽም ዝኽእል ጸጋታት ኣለዎ ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ነቲ “ካብ ቅድመ ፍርዲ ሓራ ንምውጻእ ዘገልግል” መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ኣገባብ ዘተ ንኢዶም። . . . ሲኖዶስ ካብ ናይ ምውድዳር ኣካይዳ ናብ ናይ ምስማዕ መንፈስ ክቕይረና ኣለዎ ምኽንያቱ እብዚ መንገዲ እዚ ንር.ሊ.ጳ. ጭቡጥን ውጽኢታውን ሓገዝ ንምቕራብ ስለ ዝከኣል፡ ኣስዒቦም ኣብ መደምደምታ መደረኦም፡ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ንኣቢያተ ክርስትያን እቲ ከባቢ ዝጠቅም ዳግመ ውደባ ክግበር ኣለዎ ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ ብኸመይ? እቶም ጸብጻባት ድማ ዝሕተሙ ሰነዳት ክኾኑ ይኽእሉ ድዮም? ዝብሉ ሓያሎ ግብራዊ ሕቶታት ኣልዒሎም፥

ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ክትከውን መታን እንታይ ንኽንገድፍ ፍቓደይናታት ንኸውን?

ኣብቲ ንሕቶታት ተዓዘብቲ ዝተሓዝአ ቦታ ናይ ኪየቲ ጳጳስ ብሩኖ ፎርተ እውን ከም ኣባል ናይቲ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝርከብ ኣህጉራዊ ናይ ሓባር ሽማግለ፥ ኣብ ኪየቲ ዝተኻየደ ሓባራዊ ዓውደ ጉባኤ፥ ጽዑቕን ልዑልን ናይ ምክፋልን ክፉትነትን ህሞት ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም፤ ኣብ እስክንድርያ ድማ እቲ ኦርቶዶክሳዊ ክፍሊ (ሩስያውያንን ሰርብያውያንን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ፍጻመታት ዘይተረኽቡ እውን እንተነበሩ  ) ነቲ ኣብ ናይ ሮማ ጳጳስ ዝትግበር ተራ “ቅድምና” ምቕባል ዝብል ሓሳብ ተቓውሞ ኣርእዩ እዩ፡ እዚ ኩለንተናዊ ጉዳይ እዚ ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል፣ ከምቲ ኣብ ጉባኤታት ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝነበረ፣ ጳጳስ ሮማ ከም ናይ ሕብረት ዓቃቢ ናይ ምዃን ተራ ክህልዎ ብዝኽእል መንገዲ ክፍታሕ ይኽእል ዝብል ሓሳብ እውን ዘቕረበ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፥ ኣባ ቪታሊ ድማ ብወገኖም “ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ክትከውን መታን ብፍቓድና ሕድገታት ኣንገብረሎም ጉዳያት እንታይ እዮም? ቢሎም፥ ምብዛሕ ተራዳእያን ጳጳሳት: የድላዪ ድዩ? ዝብል ሕቶ ድማ ኣቕሪቦም።

ካብ ኩቤክ ካናዳዊ ጳጳስ ኣላን ፋውበርት ዛዕባ ሃገረ ስብከት ዝበሃሉ ብዙሕ ህዝቢ  ዘይብለን ሰበኻታት ጠቒሶም፥ ከመይ ጌርና ናብቲ ናይ ቀደም ኩነታት ክንምለስ ንኽእል ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡን፥

ዶክተር ክሊፎርድ ኣብ ኩርያ ተወሳኺ ኣባላት ምሻም ከምዘየድሊ ኣመልኪተን “ዘይተለምደ ኩነታት ፈጢርና ኣለና” ቢለን እዚ ጉዳይ እዚ ክቕየር ኣለዎ እንክብላ፥ ኣባ ቪታሊ ኣስዒቦም ኣስታት 3 ሺሕ ዝግመታ ሰበኻታት ልዕሊ 6 ሺሕ ጳጳሳት ዘለዎም ከም ኣብነት ብምጥቃስ ስዩም ጳጳስ ምሻም ኣብቲ ኣዋን ሓገዞም የድሊ ነይሩ፤ ሕጂ ግና ቍጽሮም ኣዝዩ እናዓበየ ብምኻዱ “ሕበጥ” ኰይኑ ኣሎ። ኣስታት ፍርቂ ካብ ኩሎም ጳጳሳት መንበሪ ጳጳስና ዘለዎም እዮም። ካብቶም ዝተረፉ 50 ሚእታዊት ኣስታት ፍርቂ (25% ካብ ጠቕላላ) “ልሂቃን ጳጳሳት እዮም” ማለት ጡረተይናታት ጳጳሳት እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ድማ “ስዩም” ጳጳሳት ክኾኑ ከለዉ – ኣብ ሓንቲ ፍሉይቲ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ዘይብሎም።

እቶም ዝተላዕሉ ሕቶታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምብዛሕ ሓገዝቲ ጳጳሳት፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ርትዓውነት እቲ ልምዲ ወይ ባህሊ ተወሳኺ ሕቶ ብምቕራብ፣ እቲ ኣቡን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ስለ ዘሎን ቤተ-ክርስትያን ከኣ ኣብ ኣቡን (ከምቲ ዝምህሮ) እንተ ዀይኑን ኣብ መንጎ እቶም መጓሰ ዘለዎም ኣቡናትን ህዝብን ኣብ መንጎ እቶም ዘይህልዉን ፍልልይ ክንገብር ክንጅምር ኣሎና ይብሉ።

ሲኖዳውነት ምድላይ ምስ ኲናት ምድላይ ክዕረቕ ኣይክእልን እዩ

ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ሰባት ዘቕረብዎ ጠለባት ሓደ ካብ ሚዙሪ ዝመጸ ናይ ቲዮሎጊያ ተመራማሪ፡ ብዙሓት “ንሲኖዶስ ኣየስፋሑን ወይ ኣየተባብዑን”፡ ገሊኦም ድማ “ሲኖዶስ እንታይ ማለት ምዃኑ እኳ ዘይፈልጡን” ብምዃኖም፡ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣሜሪካ ንመንእሰያት ስንባደ ዘሕደረሎም ኩነታት ብዘይግቡእ ምጥቃም ስልጣንን ሓዊሱ እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ዝሓሸ ምርጫ ጳጳሳት ክግበር ዝጽውዕ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ካህን እቲ ኣብቲ ዋዕላ እተገብረ መደብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፥ ተጠቂሙ እቶም ዝተሰምዑ ምደረታት ኣብ ብዛዕባ ስነ ሰባእ ጽልዋ ይህልዎ ዶ ዝብል ንዘቕረቦ ሕቶ ኣባ ቪታሊ እንክምልሱ፥ "እቶም ህዝቢ ብሓባር ክኸዱ እንተድኣ ተጸዊዖም ከም ቤተ - ክርስትያን ደኣ እምበር ከም ቅርጺ ዘይብሉ ሓፋሽ ኮይኖም ክጓዓዙ ኣይኮኑ ዝጽውዑ፥ ስለዚ ኸኣ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ወንጌል ከከም ኵነታትን ባህልታትን ክርድኦ ብዝኽእል ፍልይ ዝበለ ሕብረት ገይሩ ንሓይሉ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ዝፈልጥ መራሒ የድልዮ ኢዩ።

ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 50 ዓመት ቅዋሜ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዘስሞዎ መደረ፥ ሲኖዳውነት ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰንደቕ  ከምኡውን ናይ ሰብኣውነት ምስክርነት ኢዩ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓድነትን ፍትሕን ሰላምን ኣገባብ ዝጽውዕን ድሕሪኡ ንመጻኢኡ ነቶም ውግእ ዘፍርዩ ኣሕሊፉ ኢዱ ከም ዘይህብ ዝሕብር እዩ ከም ዝበሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 October 2024, 16:04