ድለ

2024.10.09 መድርኽ ሲኖዶስ፡ ጳጳሳት 'ኣሕዋትን ኣዕሩኽን ክኾኑ' ዝተጸውዑ እዮም! 2024.10.09 መድርኽ ሲኖዶስ፡ ጳጳሳት 'ኣሕዋትን ኣዕሩኽን ክኾኑ' ዝተጸውዑ እዮም!  (Ctruongngoc)

መድርኽ ሲኖዶስ፡ ጳጳሳት 'ኣሕዋትን ኣዕሩኽን ክኾኑ' ዝተጸውዑ እዮም!

መበል 16 ስሩዕ ሕፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዕለት 9 ጥቅምቲ፥“ግደን ስልጣንን ጳጳስ ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ቲዮሎጊያዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ የአንግድ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ተራን ስልጣንን ጳጳስ ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሓደ ካብቶም ብዓውዲ ሲኖዶስ ዝተዳለዉ ክልተ ቲዮሎጊያዊ - ጉስነታዊ መድረኻት ረቡዕ ዕለት 9 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣጎስጢኒያኑም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣባል ናይ ኣገልግሎት ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ናይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ መንበረ ጥበብ ዱርሃም ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝምልከት ማሕበር ቅድስቲ ሂልዳ ኣደ መንበር ኣና ሮውላንድስ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ መራሒት መደብን ሕሩይ ካርዲናል ሮበርቶ ረፖል ሊቀ ጳጳሳት ቱሪንን ጳጳስ ሱዛን፤ እናቴ ግሎርያ ሊልያና ፍራንኮ ኤቸቨሪ፡ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣርጀንቲና ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ቲዮሎጊያ ፕሮፌሰር ካርሎስ ማርያ ጋሊ፡ ናይ ሃገረ ስብከት ፓርማ ካህን ፕሮፌሰር ማቴዮ ቪሲዮሊ፤ ከምኡውን ኣብ መንበረ ጥበብ ለቫል መምህር ጂል ሩቲየር፡ ኣብ ኪበክን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ተቕዋም ናይ ስነ ዓቕለሲያን ግብራዊ ቲዮሎጊያን መምህር መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

‘ኣብ’ን ‘ንቤተ ክርስቲያንን’ ምግልጋል

ፕሮፌሰር ጋሊ፥ ተክለ ሰብነት ጳጳሳት ብመንጽር “ኣሕዋትን ኣዕሩኽን” ኣብ ዝብል መቓን ገይሮም፥ እዚ “ሓድሽነት” ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዚ፥ “ኣብ ኤጲስቆጶሳውነት’ ንሕና ዝብል ማለት ሕዝበ እግዚኣብሔር’ ኣብ ዓለም ነጋዲት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ርድኢት ዘለዎ ክኸውንን ፕሮፈሰር ጋላኢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ፥ ተክለ ሰብነት ጳጳስ ከም ህዝቢ ውሉዳዊ ክብሪ ዘለዎ “ኣብ”ን “ን” ቤተ ክርስቲያንን ዘገልግል ንዝብል መግለጺ መሰረት ኮይኑ፥ መርሕነት ጳጳስ፥  ብስራትን ምስክርነትን ዝብሉ እተፈላለየ ኣገልግሎታት ዘመልክት እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ “ኣብ ኣገልግሎት ተልእኾ ወንጌል ዝግለጽ መንፈሳዊ ህያባት ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ምልላይ ዝብል ምዃኑ የብርሁ።

ቅዲ ናይቲ ጳጳስ ወትሩ “ከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ኢየሱስ እዩ፡ ስለዚ እቲ ቤተ ክርስቲያናዊ ስልጣን “ንምሉእ መንፈሳዊ ህያባት” ኣይውንንን እዩ። ጳጳስ “ክከታተል” ይኽእል እዩ ግን “ኩሉ ክገብር” ድማ ኣይክእልን እዩ። እምበኣር ናይ ገዛእ ርእስኻ፡ ውልቃዊ ድኽመታት ምህላዉ ከይተዘንገዐ፡ ናይ ምውካል ክእለት’ውን ከም ኣድላዪ ይረአ።

ፕሮፌሰር ጋሊ መደኦም ብኽልተ ሕቶታት ክዛዝሙ፡ “ጳጳሳት ንዝተሓላለኸ ግብራዊ ጉዳያት ኣማኸርቲ ናይ ቲዮሎጊያ ኣማኸርቲ ኣለዎ ዶ?” ከምኡ’ውን “ጳጳሳት ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን  ህዝቢ ኣምላኽ እውን ተሓታትነት ከም ዘለዎም ይፈልጦ ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኩሉ ግዜ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ጽግዕተይና ምዃን

ሊቀ ጳጳሳት ረፖል ነዚ ኣገልግሎት ዝብል ብዓውደ ንባብ ጉባኤ ቫቲካን ብምምልካት፡ እቲ ናይ ጳጳስ ኣገልግሎት ድማ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህቦ መንፈሳዊ ህያባት ናይ ምውህሃድ ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ፡

“ካብቲ እተመደበሉ ግደ ሕዝቢ ኣምላኽ ናጻ ምዃን ዘጠቓልል ኣይኰነን።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበሃህላታት ዳርጋ “ከም ንቡር ክውሰድ” ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ሳላ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ፡ "ካብቲ ኣብነታዊ ኽህነት ናብ ቅዱስ ቍርባናዊ ክህነት፥” እዚ ቲዮሎግያውን ስነ ቅዱስ መጽሓፋዊ ኣምር እዚ ድማ ስብከተ ወንጌል፡ ሰራዔ ምስጢራት/ምዕዳል ምስጢራት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዘጠቓልል ይኸውን . . .  እዚ ብቅዱስ ኢግናዚዮ ዘ ኣንጾክያ ዝተመልከተ እዩ፡ ይኹን እምበር “ኣብ ንእሽቶ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ቅዲ ጳጳስ” ዚውክል እዩ፣ እዚ ኸኣ ብኣምሳል እቲ “መዓልታዊ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ምስራዕ” ክትርጐም ይከኣል። “ዝተፈላለየ ቅድታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብሪ ክውዕል ከሎ ሲኖዳውነት ክፍርስ ዘኽእል ሓጺር ምስንኻል ዋሕዙ/ ምቁራጽ ዋግዚ ክፈጥር ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንመጓሰ ካብ ምፍቓር ዝዓግት ነገር ክህሉ የብሉን

እናቴ ግሎርያ ሊልያና ፍራንኮ ኤቸቨሪ ቀጺለን፣ ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበሩ ጳጳሳት ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ “ኣገልግሎትናን ኣሕዋትናን” ከም ዝገብሮም ኣብሪሀን፥ “ንርእስኹም ብቅዲ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትቅይሩ ናይ ጸሎት ሰብ ምዃን የድሊ . . . ኣብ ቤት ጽሕፈታዊ ጉዳያት ግዜኦም ከየባኸኑ ዝኽረ ነገራቶም ንዝያዳ ሓቛፍነት ዝኣመተ ክኸውን ኣለዎ፡ ዛዕባ ዘስካሕክሕ መዓት ግህሰት “ኣይትሽፍኑ፣ ኣይትቐብሩ . . . ዝኾነ ዓይነት ግህሰት . . . ጳጳስ ንኣባላት ማሕበረሰቡ “ንስኻትኩም ኣለኹምኒ፣ ኣገደስቲ ኢኹም” ክብልን ንርእሱ ትሕተ ከብልን ኣለዎ . . . ካልእ ዝተተንከፈ ነጥቢ ድማ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ’ቲ ዝሰርሓሉ ክውንነት ዝፈልጥ ክኸውን ይግባእ። “ትሑታት ኩኑ፡ ትሕትና ናይቲ ዝመሃር ይሃልኹም . . . ግዜኡ ዝሓለፎ ኮይኑ ክስምዖም ዝገብሮም ግዜ እውን ክመጽእ ይኽል እዩ . . .  እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን ጳጳሳት “መርበባት፡ ምትእስሳር፡ ዝምድናታት ከዕብዩ ክጽዕሩ ኣተባቢዐን፡ ነቲ ጳጳስ “ሓው” ዝብል ኣምር መሰረት ገይረን ንመጓሰ ካብ ምፍቃር ዝዓግቶ ነገር ክህሉ ኣይግባእን . . እንክብላ መደረአን ከም ዝዛዘማ ኣፍልጡ።

‘ኣብ ማእከል’ ጉባኤ

ራብዓይ መደረ ዘስምዑ ዕዱም ፕሮፈሰር ሩቲየር፥ ኣብ ባህሪ ጳጳስ “ሓው ኣብ መንጎ ኣሕዋት” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኲይሮም፥ ብዛዕባ ዕዮ ጳጳሳት ክንዛረብ እንኮለና፡ ሓያሎ መስተዋድዳት ምጥቃም እውን እንተሃለወ  “ምስ”፡ “ኣብ” ወይ “ኣብ ማእከል፥” ንህዝቢ ክርስትያን ብምምልካት . . . ንህዝቢ ክርስትያን ዝብል ኣምር ኣዚዩ ዝገልጾ እዩ፡ ስለዚ ካብቲ ዝመርሖ ማሕበረሰብ ፈጺሙ ክፍለ የብሉን . . .

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ድንጋጌ ዛዕባ ቤተ ክርስቲያን “መጀመርታ ንህዝቢ ኣምላኽ የቕርብ፣ ድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ ጳጳሳት ይዛረብ።” ከምዚ ዝኣመሰለ “ኣቃውማ ቤተ ክርስቲያን: ኣብ ውሽጡ ተክለ ሰብነት ጳጳስ ዝኣትወሉ ጉባኤ” ክኸውን ኣለዎ . . . ጳጳስ ክጽሊ ከሎ “ብስሙ” ዘይኮነስ ንኹሉ እቲ ጉባኤ ሓዊሱ እዩ ዝጽሊ።

ኣድላይነት ግሉጽነት

ኣብ መወዳእታ ፕሮፌሰር ማቴዮ ቪሲዮሊ ዘስምዕዎ መደረኡ ኣብ ኣምር “ስልጣን” ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣብ መለክዒታት “ስርዓትን ስልጣን”ን ዝተኸፋፈለን እቲ ቀዳማይ ንናይ ቅዱሳት ምስጢራት ተግባራት፣ እቲ ካልኣይ ድማ ንተግባራት ምሕደራ ዝምልከት ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ፍልልይ እዚ ሰለስተ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣጽኒዖም፥ “ኪኖ እቲ ክቕበል ዘለዎ ጠመቓዊ ትምህርቲ” “ንኣገልግሎት ከም ናይ ሓባር ምሕደራ ገይሩ ዝሓስብ ክኸውን ኣለዎ” እዚ ኣድላዪ እዩ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ “ምልኣት ምሥጢረ ክህነት” ከም ዘሎ ኮይኑ ናብ “ውልቀ መላኺ ስርዓት” ዝንባለታት ክዘንብል ግን የብሉን . . . ካልኣይ፡ ጳጳስ ነቶም ኣባላት ዓለማውያን ምእመናን “ኣብ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓላፍነት ዕማማት” ክውክሎም ክኽእልን ኣለዎ . . . ስልጣን ንጳጳሳት . . . ብመሰረት ስነ-መጐት ካብ ግሉጽነት ተሓታትነትን ዘውጽኦም ኣይኮነን . . . ይብሉ።

ካብ ተዓዘብቲ ዝቐርብ ሕቶታት

ብድሕሪኡ ካብ ተዓዘብቲ ንዝቐርብ ሕቶታት ቦታ ምስ ተዋህበ ድማ፥ ፕሮፌሰር ጋሊ፡ ኣብ 1940 ዓ.ም. ብሓደ “ዘይፍለጥ ተመራማሪ ቤተ ክርስቲያን” ኣብ ሕንጸት ስነ ዓቕለሲያዊ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ዘኪሩ፡ ብርሃነ ኣህዛብ ብኸመይ “ንመጻኢ ቤተ ክርስቲያን ዘይተጸበናዮን ዓብዪን ሳዕቤን” ከም ዘምጽእ ኣቐዲማ ዘርኣየት መጽሓፍ እያ። ልክዕ ሓደ ካብኣቶም ኣብ “ሓድሕድ ምስማዕ” ዝተመስረተ ተመክሮ ሲኖዶስ።

በዚ መንጽር እዚ፡ ጋሊ “ኣብ መንጎ ንኣምላኽ ምስማዕን ንኻልኦት ምስማዕን ወጥሪ” ከም ዘሎ ኣስተብሂሎም እቲ ክህሉ ዘይብሉ ምብታኽ እዩ። “ብጸሎት፡ ብሕልናና መመያ ክንገብር ኣሎና። በዚ መንጽር እዚ ብዙሕ ክግበር ኣለዎ።” ነዚ መሰረት ገይሮም ፕሮፈሰር ጋሊ ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዮሃንስ መበል 23ን ከምኡውን ንዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ዝኣወጅዎ ቅድስና ከም ኣብነት የቕርቡ።

ግሉጽ ምዃን፡ ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ክትምለስ ምኽኣል

ኣብ ጐድኒ እቲ መድረኽ፡ ብማዕከናት ዜና ቫቲካን ሓደ መደረ ዘስምዑ ፕሮፌሰር ቪስዮሊ ብዛዕባ “ግሉጽነት” ዝምልከት ጉዳይ ምስ ተሓተቱ፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ክልተ መዳያት ከም ዘለዉ ኣብሪሆም፡ “እቲ ሓደ ክንገር ከም ዘለዎን፡ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝገብር ጸብጻብ ምሃብ፡ ከምኡ’ውን ድርኺታት ምርጫታት ምሕደራን። እቲ ካልኣይ፣ ብናተይ ኣረኣእያ፣ ዳግማይ ክርከብ ዝግብኦ ዝያዳ ሕቡእ መዳይ፣ ዝኾነ ምእመን ንጳጳስ ይኹን ነቶም ዘመሓድሩ ምኽንያት ምርጫታቱ ጸብጻብ ክሓትት መሰሉን ግዴታኡን እዩ . . . እዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ መርመራ ንምእታው ወይ ምሾት ከም ዘይስምዖ ንምግባር ዘይኰነስ፡ ብኣንጻሩ፡ ካብቲ ሓደ ጳጳስ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዚስምዖ ውሳነታት ኣብ ምውሳድ ብሕትውና ንምእላይ እዩ” እንክብሉ የነጽሩ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ “ምስ ካልኦት ጳጳሳት ምትእስሳርን ምዝታይን” ከም ሓደ ጓሳ መዓስ ውክልና ከም ዝህብን እዚ ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ምምላስ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም። . . . መመያ ንበይንኻ ፈጺሙ ኣይግበርን እዩ፣ እዚ ሲኖዶስ እዚ ከምኡ እዩ ዝምህረና፣ ስለዚ ድማ ኩሉ ሕቶታት ናብ ሓደ ግቡእ መድረኽ መመያ ክቐርብ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ሓድነት መግለጺ እዩ: ጳጳሳት ኣብ መንጎ ጳጳሳት፣ . ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔርን . . . እቲ መልሲ ብርግጽ ክመጽእ እዩ” ኢሎም።

10 October 2024, 15:49