መግለጺ ሲኖዶስ ራብዓይ ውዕሎ፡ 'ሓድሕዳዊ ፍርሒ ክንስዕር ኣለና'

ቀዳም ዕለት 5 ጥቅምቲ ሓያሎ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣብተን ብንኣሽቱ ናይ ስራሕ ጉጅለታት ዝቐረቡ ጸብጻባት መሰረት ዝተኻየደ ራብዓይ ውዕሎ ሲኖዶስ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ መግለጺ ከም እተዋህበን እቲ ራብዓይ ውዕሎ፥ ሲኖዶስ ሰላምን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ውሑስ ንምግባር ዕድል ክፈጥር ከምዝኽእል ተስፋኡ ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ብህጹጽ ልመና ሰላም ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ንኹሉ ዓይነት ጸንፈይናነት ብምኹናን "ኩላትና ስነ-  ጥበባውያን ሰላም ክንከውን ኣለና" ዝብል ጻውዒት  ዘቕረቡን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ "ቀንዲ ጠንቂ ኩሉ ክፍኣት" ማለት ንግዲ ኣጽዋር ንምኹናን ሰፊሕ ጻውዒት ከም ዝቐረበን፡ ዕለት 5 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብፓውሎ ሩፊኒ ኣቦ መንበርን ጸሓፊትን ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ ሺላ ሊዮካድያ ፒረስን ተመሪሑ ዝተዋህበ ጋዜጣ መግለጺ ይሕበር።

ጻውዒት ካብ ሊባኖስ መሰል ውጹዓት ህዝቢ ክኽበር

“እቲ ዘሕዝን ግን ምስ ክርስትያናዊ ክብርታት ዘራኽብ ዘይብሎም፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታት ስለ ዝበዝሑ፡ ዓለም ብሱቕታ ትርእን ወይ ነዚ ኩሉ ዓመጽ ቀጠልያ መብራህቲ ትህበሉን” እንክብሉ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ሰበኻ ባትሩን ጳጳስ ሙኒር ኻይራላህ ገሊጾም፥ ኣብታ ብግጭት ዝተዓብለለት ሊባኖስ፡ ምድሪ ቄድሮስ መልእኽቲ ሰላም ኮይና ምእንቲ ክትቅጽል፡ ተስፋ ክሳብ ሕጂ ህያው ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ እቲ ብዛዕባ ኣፍልጦ ንኽልተ ሃገራትን ክልተ ህዝብታትን (እስራኤልን ፍልስጤምን) ዝብል ውሳነ፡ ወትሩ ብፖለቲከይናታት እስራኤል ከምዝንጸግ ኣዘካኺሮም፡ “ኩሎም እስራኤላውያን ንዓመጽ ይድግፉ ኣይብልን፣ ረብሓ ጥራይ ስለ ዝቕድም ድማ ምዕራባውያን እውን ከይተረፉ ንውጹዓት ህዝብታት ኣይድግፉናን እዮም። . . . እቲ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት፣ ብዓመጽን ድኽነትን ዝያዳ ዝሳቐዩ ሰባት ኣብ ኩሉ መዳይ ዳግማይ ማእከል ኪኾኑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ይሕብሩ።

“እቲ ዝዓበየ ውሳነ ቤተ ክርስቲያን፡ ብሲኖዶስ ኣቢላ ብሓንሳብ ናይ ምንባርን ነቲ ካልእ ናይ ምኽባርን ካብ ፍርሒ ናይቲ ካልእ ሓራ ምውጻእ ከምዘድልን ልእኽቲ ክትከውን እያ . . . እዚ ንደቂ ሰባት ከም ዓቢ ለበዋ ቀዳማይ ስጒምቲ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳስ ሃይቲ፡ 'ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ንርከብ'።

ኣብ ሃይቲ ናይ ሰበኻ ካፕ - ሃይቲየን ሊቀ ጳጳሳት ላውናይ ሳቱርነ፥ ሃገሮም ኣብ ሕዱር ዘይውሕስነት ከመይ ከም እትነብር እንከመላኽቱ፥ "እቶም ክሳብ ሕጂ ስርዓትን ሰላምን ከምጽኡ ዝብል ሓላፍነት ዘለዎም ካብ ሓላፍነቶም ዝረሓቑ ይመስሉ . . . ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባር ካብ ክውንነት እታ ሃገር ዝረሓቐ ኮይኑ ኣሎ . . . ኣብ ቀረባ እዋን ዕለት 3 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት 70 ሰባት ከም ዝሞቱን፣ ብዙሓት ገዛውቲ ከም ዝባደመን፣ ብዙሓት ከም እተመዛበሉን፣ እዚ ድማ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝተፈጸመ ናይ ዓመጽ ተግባር  ምዃኑ ገሊጾም፥ እቶም ጕጅለታት ነቲ ዓመጽ ክፍጽሙ ተኽእሎ ከም ዝነበረ ዝፈለጥ እውን እንተነበረ ንምክልኻል ዝተገብረ ነገር ከም ዘይነበረ ይሕብሩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሃይቲ 70 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ክሃድም ከምዝተገደደ ብምጥቃስ፡ “ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ኢና ዘሎና . . . ነቲ ዘሎ ዓመጽ ምኽንያት እውን ብዙሓት ሰበኻታት ስለዝተዓጽዋ ኣብ ህይወት መንእሰያትን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ዘስዓቦ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘጒልሑን ብዓይኒ ቁጠባ እውን እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ርክብ ክህሉ ዝኽእል ዕድል ስለ ዝይተረኽበ፡ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ተቖሪጻ ስለዘላ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኾነ ምዕባለ ከምዘይተራእየ የብርሁ።

ኣብዚ መንጽር "ሓድነት፡ ተሳትፎ፡ ተልእኾ" መሰረታዊ ክብርታት ዘበራትዕ እዩ፡ ብዙሓት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ነዞም ክብርታት እዚኣቶም ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ከሰጋግሩ ይጽዕሩ ከምዘለዉን፡ ሓደ መዓልቲ ኣብቶም ክብርታት ዝተመስረተ ሕብረተሰብ ክሃንጹ ከምዝኽእሉ ኣመላኺቶም፡ ጉባኤ ጳጳሳት ሃይቲ፡ እቲ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ ዝብሃል ግዜ ብዙሕ ከይነውሕ ከም ዝሓተቱን፡ ነዚ ሓላፍነት’ዚ ተሰኪሞም “ኣብ ብዙሓት ሓያላት ሃገራት” ከም ጽምጺ ሕዝቢ ኮይኑ ይዋሳእ ኣሎ ቢሎም፥ ኣቡናት ሀይቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ካሪብያን ዘጋጠም ዘሎ ፍጻመታት ስለ ዘስተብህሉሉ ብዙሕ እዮም ዘመስግንዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፊሊፒንስን ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያንን

ቀጺሎም ኣባል ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ሰበኻ ካሎካን ጳጳስ ፓብሎ ቨርጂልዮ ደቪድ፥ ኣብ መንጎ ክልተ፥ ቀዳማይን እዚ ካላኣይን ክፋል ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ፥ ምስ ካህናት ሰበኻታት ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ምምኽኻር መሰረት ገይሮም፡ ኣብ መንጎ ሲኖዳውነትን ተልእኾን ዘሎ ርክብ ብመንጽር እቲ ንፊሊፒንስ ዝጸሉ ተርእዮ ስደት ክም ኣብነት ኣቕሪቦም፥ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ስደት ኣህጉራዊ ምዃኑን፡ ፊሊፒናውያን ናብ ወጻኢ ሃገር ክሰርሑ ከምዝወጹን፡ ሰባት ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ከም ዝግዕዙን እዚ ድማ ውሽጣዊ ስደት እዩ፥ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገለ ነበርቲ ከተማታት፡ ካብ ገጠራት ዝመጹ ሰባት ከም ሓደጋ ገይሮም ይቖጽርዎም። "ኣብ 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፊሊፒንስ ምስ መጹ ናብ ወሰናስን ከነብል ዓዲሞምና እዮም . . .  ኣብ ሃገረ ስብከተይ 20 መደበራት ተልእኾ ፈጢርና፡ በዚ ድማ ሰበኻታት ብመንገዲ ተልእኾ እናተለዋወጣ ይመጻ ኣለዋ።

ዕቤትን ምንቁልቋልን ብዝሒ ህዝቢ

ቀጺላ ካትሪን ክሊፎርድ ካናዳዊት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዛዕባ  ስርዓታዊ ቲዮሎጊያ ኣብ ኦታዋ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ጳውሎስ መምህር ብወገነን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ እቶም ተጋባእያን ድሮ ንሓድሕዶም ስለ ዝፋለጡ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዘሎ ቅንዕናን ግሉጽን ሃዋህው ኣስተብሂለን ምዕራባዊ ዓለም እውን ምስቲ ንማሕበረሰባት ቤተክርስትያንና ዘጋጥሞም ዘሎ ለውጢ ክሰማማዕ ኣለዎ . . .

“ደቡባዊ ዓለም ኣብ እነካይዶ ዘተ ማእከላይ ተራ ኣብ ምዃን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ንርኢ ኣለና፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር ብዓይኒ ስነ - ህዝባዊ (ስነ ሚዛን ብዝሒ ህዝቢ) ኣረኣእያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዘጋጥመን ዘሎ ዋሕዲ ህዝቢ መስርሕን ብዙሕ ብድሆታት እኳ እንተሃለወ፡ “ቤተክርስትያን ኣይክትጠፍእን እያ . . . ድኻታት፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓለማውያን ምእመናን፡ ዘይንጡፋት ዘይኮኑስ ንጡፋት ተሳተፍቲ!

ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪን ቀዳም ንግሆን ዝተዘተየሎም ኣርእስታት ጽማቕ ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ ኣውያት ድኻታት ምስማዕን ምስታፍን (ምውሳእን) ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምንበሩ ገሊጾም ፥ ድኻታት ከም ተሳተፍቲ እምበር ከም ተራ ተቐበልቲ ወይ ዘይንጡፋት ከም ዘይኮኑ ተመልኪቱ እሎ፡ ". . . ኣውያት ምድርን ህዝብታትን ክንሰምዕ ኣለና" ዝብሉን ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተክርስቲያን ከምኡ እውን፡ ንሓደውያን ጾታዊ ስምዒት ሰባትን ንቤተክርስትያን ብዓብይ ተወፋይነት ምግላል ክህሉ ኣብ ምግባር ምድንጓይ ከይህሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ከም እተሰምረሉ ገሊጾም፥ ሓደ ካብቲ ኣብ ማእከል ዝተፈላለየ ኣስተንትኖታት ዝነበረ ሕቶታት ንመንእሰያት ዝምልከት እዩ ነይሩ፣ እቲ ጉባኤ "ሎሚ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝስሕቦም እንታይ እዩ?" . . . "ሱር በተኻዊ ወንጌላውነት" ዝብል መልሲ ድማ ናይ ሓያሎ ተሳተፍቲ ከም ዝነበረን። እቲ ኣዝዩ ዝተቓልሔ ሓሳብ ድማ፥ "መንእሰያት ከስተንፉ ኣለዎም" ዝብልን ዓበይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምስኦም ከስተንፍስ ኣለዎም ዝብልን በዚ ድማ ምሉእን ርዱእን ስምዒት ናይቲ ሓድሽ ስብከተ ወንጌል ዝበሃል ክወሃብ ተኽእሎ ከም ዘሎን ዛዕባ ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን፣ ሲኖዶስ ሃገረ ስብከት፣ ግደ ጳጳሳት ከምቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ካልኦት ዘተ ዝተኻየደሎም ኣርእስታት እዮም። ሲኖዳውነት ቄስሳውነት ንምምካት ዝሕግዝ መንገዲ እውን ምዃኑ ከም እተሰመረሉ ይሕብሩ።

08 October 2024, 14:01