ድለ

2023.10.04 መግለጺ ሲኖዶስ - 3ይ መዓልቲ ውዕሎ፡ ንኹሉ ናይ ምስማዕ ዕድመ 2023.10.04 መግለጺ ሲኖዶስ - 3ይ መዓልቲ ውዕሎ፡ ንኹሉ ናይ ምስማዕ ዕድመ 

መግለጺ ሲኖዶስ - 3ይ መዓልቲ ውዕሎ፡ ንኹሉ ናይ ምስማዕ ዕድመ

ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 4 ጥቅምቲ ካልኣይ ክፋል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ ካብ ሓሙሽተ ናይ ዘተ ጉጅለታት ጸብጻባት ከም ዝቐረበን፣ ልዕሊ ሰላሳ ብዛዕባ መንፈሳዊ መስህብን (መንፍሳዊ ህያባትን) ኣገልግሎትን ማዕርገ ድቁናን ክህነትን ምስ ባህልታትን ካልኦት ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ዝብሉ ነጥብታት ዝተንከፈ መደረ ዘስምዑሉን ነዚ መሰረት ዝገበረ እውን ዘተ ዝተኻየደሉ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ካልኣይ ክፋል ዕለት 4 ጥቅምቲ ሳልሳይ ውዕሎ ከም ዘካየደን ንግሆ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ድማ ናይ ቅዱስ ኣቦና መዓልቲ ናይ ቅዱስ ስሞም ብምዃኑ ኣብቲ ውዕሎ ዝተረኽቡ 351 ኣባላት ሰናይ ምንዮቶም ብምግላጽ እንቋዕ ሓገሰኩም ዝብል ድምጾም ከም ዘስምዑን፥ ጸብጻባት ናይተን ቋንቋ መሰረት ብምባር ናይ ዝቖመ ናይ ሓምሽተ ናይ ዘተ ጉጅለ ክም እተሰምዐን እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ እውን ሲኖዳዊ ከም ሜላ ዘይኮነስ ከም ቅዲ ዝብል ሓሳብን ተራ ደቂ ኣንስትዮን ዓለማውያን ምመናንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፤ ከምኡ’ውን ነቶም ክም ትእዛዛት ቤተ ክርስቲያን ስለዘይነብሩ ዝተገለሉ ኮይኑ ዝስምዖም “ንጡፍ” ምስማዕ ዝብሉ ሓባራዊ ነጥብታት ዘቃልሑ ምንባሮም ዕለት 4 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝካየድ መዓልታዊ ዋዕላ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቕረብቲ፥ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ “ኣብታ ዘኽታም ዝኾነት ዓለም” ቤተ ክርስቲያን “ስድራ ቤት ዘይብሎም” ክትውክል ትኽእል እያ ዝብል ሓሳብ ከምዘስተንትኑ ኣመልኪቶም። ነቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ፓውሎ ሩፊኒን ናይዚ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደ ኣካል ብዙሕ ኣገልግሎትን መንፈሳዊ ህያባት ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣካል ክርስቶስ ዝብል ምስሊ ብዙሕ ግዜ ከምዝተዘከረ የመላኽቱ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ዋዕላ ድማ ተራ ዓለማውያን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝተተንተነን፡ እቶም መደረ ዘስምዑ ኩሎም መንፈሳዊ ህያባት ኣገደስቲ ምዃኖም ኣስሚሮም፣ ኩሉ መንፈሳዊ ህያባት ግን ኣብ ዓቕለሲያዊ ኣገልግሎት ክግለጽ ኣድላዪ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘመልከቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተራን ኣበርክቶን ደቂ ኣንስትዮ

ገሊኦም ጕጅለታት፡ ገለ ገለ ሓሳብት “ብሓቀይና ዓቕለሲያዊ መመያ” ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ እዋን ኣምጸኦ ኣገባብ ብዝዀነ ዝንባለታትን ስነ - ሓሳባትን ዝለዓሉ እንተ ዀይኖም፡ ወይውን ብዘይ “ስነ - ሓሳባውን ጽልእን መሰረት ብዝገብር ኣቀራርባታት ዝለዓሉ እንተኾይኖም” ምልላይ የድሊ፡ ስለዚ እዚ ግምት ክወሃበሉ ከም ዝሓተቱን፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ተመሳሳሊ ማዕቀፍ እዚ፡ እቶም መደረ ዘስምዑ፡ “ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ንዅሉ ዝኣምን ብጥምቀት ከም ዚወሃብ” ኣስተብሂሎም። ብዛዕባ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮን ምስጢረ ቅዱሳን ስርዓታትን ብዝምልከት ገለ ኣባላት ሲኖዶስ ብዛዕባ ተኽእሎታት ከም “ኣገልግሎት ምጽንናዕ” ዝኣመሰሉ ዓይነት ኣገልግሎታት ብዕምቆት ክጽናዕ ከም ዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ደቂ ኣንስትዮ ዝገበርኦን ዝቕጽልኦን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጽምኦን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ክሕበር እንከሎ፥ ኣባላት ሲኖዶስ “ማዕረ ክብርን ሓባራዊ ሓላፍነትን” ኩሎም ዝተጠመቑ ኣትሪሮም የጉልሑ፡ እዚ ድማ ዓለማውያን ምእመናን - ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን -- ኣብ መስርሕ ወሳነ ዓቕለሲያዊ ሕይወት ክዋስኡ ንምስትንታን መሰረት ምዃኑ የመላኽቱ።

በዚ መሰረት ርክብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ገለ ጉጅለታት፡ “እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ፍርሒ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ድንቁርናን ንዕቀትን ኣተሓሳስባታት ስለ ዘስዓበ፡ እቲ ፍርሕን ብድሕሪ ዝተወሰኑ መርገጺታት ዘሎ ፍርሕን ምልላይ ከም ዘድሊ ሓሳብ ኣቕሪቦም።” ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሒ ምልላይ ንስራሕ ዓቕለሲያዊ መመያ ከስፍሕ ይኽእል እዩ።

ዓለማውያን ምመናን፡ ቋንቋ፡ ወጅሂ ድኻታት

ገለ ካብቲ ብቋንቋ ካብ ዝተወዳድበ ናይ ክቢ ጠረጰዛ ናይ ዘተ ጉጅለ፥ ኣብ ገለ ቦታታት ኣብ መዛተዪ ናይ ዕዮ ሰነድ ዓለማውያን ምእመናን፡ ከምኡ’ውን ንስድራቤት ከም “ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን” ዳርጋ ከምዘይጥቀሱ ከም ዘስተብሃሉን፡ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ንባዕላ እናጸንሐት ኣብ ሓደ ባህሊ “ዝተፈጠረት” ስለ ዝኾነት፡ ኣብ መንጎ ከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ባህልታትን ዘሎ ርክብ እውን ዝያዳ ምድህሳስ የድሊ እንክብሉ ይሓትቱ።

በዚ መንጽር’ዚ፡ ጉዳይ ቋንቋ’ውን ተጠቒሱ ከም ዘሎን፡ “ኩሉ ዝርድኦ” ክኸውንን፡ “ገለ ቋንቋታት ኤውሮጳዊ ማእከል ዝገበረን ምዕራባውያንን ኣረኣእያ ዝኾኑ ቅጥዕታት” ዝመስሉ ክቕየሩ ከም እተሓተተን፡

ኣብ መወዳእታ ከም ናይ መወዳእታ ነጥቢ “ ካብ ክልሰ - ሓሳብ ንላዕሊ ህይወት ኣገዳሲ ስለ ዝኾነት” ካብ ጓሳዊ ተመኩሮታትን ክውንነታትን ክንጅምር ዝብል ክልተ ዕድመ ከም ዝቐረበን ከምኡ እውን “ንገጽ እቶም ብውግኣትን ብዓመጽን ብግፍዒን ዝሳቐዩ ድኻታት ምጥማት” መሰረታዊ ምዃኑ ከም እተመልከተ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካብ ምትእትታው ንላዕሊ

ኣብቲ ሳልሳይ ውዕሎ ድሕሪ ናይተን ብቛንቋ ዝቖማ ናይ ዘተ ጉጅለታት ጸብጻብ ምስ ቀረበ ነቶም ክዛረቡ ዝደልዩ መድረኽ ተኸፊቱ። ሰላሳን ሽዱሽተን ተዛረብቲ ንሓፈሻዊ ጉባኤ መደረ ኣስሚዖም፡ ከም ኣገዳስነት ዓለማውያን ምመናን፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን - ሓደ ተዛራባይ ነዚ ብዙሕ ግዜ ከም “መጸናናዕቲ” ጥራይ ምርኣይ ጉድለት ምዃኑ ብምሕባር ከም ሓደ ክሰብኽ ወይ ንሓደ ትካል ክትመርሕ ከም እትኽእል ሰብ ጌርካ ምርኣይ ዘለዎ ኣገዳሰንት የመላኽት።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓደ ተዛራባይ ኣብነት ናይተን ኣብ መላእ ዓለም ንመላእ ማሕበረሰባት ዝመርሑ ዓለማውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ንልኡካነ ወንጌል ብምዝካር ገለ ደቂ ኣንስትዮ ማዕርገ ድቑና ድዩ ማዕርገ ክህነት ክቕበላ ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዓ ኮይኑ ዝስምዐን ንቤተ ክርስቲያን ክሓታን ከም ዘስተብሃለ ይሕብር።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዛዕባ ኣገልግሎትን መንፈሳዊ ህያባትን ዝምልከት ጉጅለ መጽናዕቲ ክሳተፋን ውጽኢት ስራሕ ናይዚ ጉጅለ ኣብ ሲኖዳዊ ቦታ ብምዝታይ ምኽርን መመያን ክወሃበን እውን ሕቶ ቀሪቡ።

ዘተን ምስማዕን

ካልእ እውን፡ ሲኖዳዊ መንፈሳውነት ምምዕባል፡ ንጡፍ ምስማዕ፡ ምቅርራብ፡ ብዘይ ጽልኢ ምድጋፍ፡ ዋላ ናይቶም ዝተፈላለዩ፡ እቶም ምሾት ዘይህቡናን እውን እንተኾነ፡ ኣገዳስነቱ ደጊሞም የረጋግጹ።

ገለ ተዛረብቲ ምስ ካልኦት ባህልታትን ፍልስፍናታትን ሃይማኖታትን ዝያዳ ዘተ ክግበር ከም ዝጸውዑን”፥ “እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዝጥርንፍ . . . ነቲ ካልእ” ምኽባርን ምልላይን ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ምስማዕ ብዝምልከት፣ ዘረባ ዘስምዑ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ነቶም ኣብ ኩነታት ድኽነትን መከራን ዘለዉን ካብ ሕብረተሰብን ቤተ ክርስቲያንን ዝተገለሉ ኮይኑ ዝስምዖምን ብዕምቆት ክስምዑ ሓቲቶም፣ ከም ዝተፋትሑ፡ ዝተገለሉ፡ ከምኡ’ውን “ሰብ ሓድኣዊ ጾታዊ ስምዒት” ዝበሃሉ ማሕበረሰብ ዝኣመሰሉ።

“ቦታ ምግፋሕ” ኣብ ሊጡርጊያ

ካብቶም ዘረባ ዘስምዑ ገሊኦም፥ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጎይቶት ይኹን ግዙኣት ዝበሃሉ የለዉን” ብምባል ኣስሚሮም ቄስሳውነት ዝብል ጉዳይ ይጠቅሱ። ሓደ ጎይታ ጥራይ እዩ፡ ኩላትና ድማ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና” እንክብሉ ቄስሳውነት ክውገድ ከም ዘለዎ የተሓሳስቡ።

ስለዚ ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ቦታ ክገፍሕ እዩ ዘለዉ . . . ንዅሉ ንምሕቋፍ! ዝብል ሓሳብ እውን ከም እተለዓለ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብሩ።

ዕዱማት ተዛረብቲ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ

ኣብቲ ናይ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣርባዕተ ኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ተረኺቦም ነይሮም፡ ካርዲናል ክሪስቶባል ሎፔዝ ሮሜሮ ሊቀ ጳጳስ ራባት (ሞሮኮ)ን ኣቦ መንበር ዞባዊ ጉባኤ ጳጳሳት ሰሜን ኣፍሪቃ፤ ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤታት ኦቻይና (FCBCO) ጳጳስ ኣንቶኒ ራንዳዞ፤ ጳጳስ ማቲዮ ሩዠ ናይ ሰበኻ ናንተር (ፈረንሳ)፤ ከምኡ’ውን ካብ ኒካራጓ፡ ክኢላ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ብስነ ኣሃዝ ኣብ ዝተራቀ ስብከተ ወንጌልን እናቴ ዚስክያ ሉቺያ ቫላዳረስ ፓጉዋጋ እየን።

ኣብ ሃገረ ስብከታትን ሃገራትን ኣህጉራትን ዘሎ ተመኩሮ

ኣርባዕቲኦም እዞም መደረ ዘስምዑ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ከባቢታት ማለት ሰበኻታት፡ ሃገረ ስብከታት፡ ኣህዛብን ኣህጉራትን ተመኩሮ ተበጊሶም ሲኖዳውነት ይብርሁ።

ካርዲናል ሎፔዝ ሮሜሮ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጠሞም ተመክሮ “ሓንቲ ድንግል ናይ ምልውዋጥ ምንቅስቓስ፣ ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝፈጠራ” ከምኡ’ውን “ንበይና ካብ ብዙሓት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ንላዕሊ ዝገበረት” እተሳልጦ ኣገልግሎት ብቐረባ ዝረኣይዎ ተምክሮኦም የካፍሉ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞሮኮ ዚግበር እተፈላለየ ኣኼባታት ሲኖዶስ እውን ገሊጾም፣ እዚ ኸኣ ክርስትያናት ባዕሎም “ብቑጽሪ ሒደት ግናኸ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝተዋጽኡ ብምዃንና እዚ ኸኣ ዘይተለምደ ዓቢ ሃብቲ እዩ ግናኸ ኣብ ምንባር ሕብረት ገለ ጸገማት እውን ይኸውን።”

ጳጳስ ሩዥ ኣብ ናንተር ብዛዕባ “ናይ ሲኖዳዊ ልምድታት” ተዛሪቦም፥ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ሲኖዶስ ዝያዳ ከድህቡ ከም ዝመርጹ ድማ ሓቢሮም፡ “ደጊምና ብምርኻብና ኣዚና ሕጉሳት ኢና፡ እዚ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ዝነበርናሉ ጽዑቕ ኩነታት ዝተኣሳሰር እዩ። ኩሉ ሰብ ብጥርጣረን ፍርሒን እዩ መጺኡ፣ ሽዑ በቲ ዝነበረ ኣገባብ ናይ ዘተ መንፈስ ኣብ ሃገረ ስብከታትና ከነካፍሎ ዝፈተንና ዓሚቝ መንፈሳዊ ተመክሮ ኮይኑና እዩ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሲኖዶስ ባይቶ ኣይኮነን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣዝዩ ሓያል ምንባሩ፡ ኣስተብሂሎም። “ዓሚ ክልተ ግዜ ዝደገመዎ ሓሳብ እዩ ነይሩ፡ ሎሚ ዓመት ግን ስለ ዝተረደኣና መሲልዎም ይኸውን ሓደ ግዜ ጥራይ እዮም ዝገለጽዎ” . . .

ተኣፋፍነት ሃገራት ኦቻይና

ብርእይቶታት ጳጳስ ራንዳዞ እቲ ኣተኩሮ ካብ ማእከል ኣውሮጳ ናብ ዓብዪ ግዝኣት ኦቻይና የቕንዕ። ኦቻይና ዓቢ ሚእታዊት መላእ መሬት ዝሓቖፈት ኮይና፡ ከም በዓል ፓፑዋ ኒው ጊኒ – ኣብ ቀረባ እዋን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበጽሐት – ደሴታት ሰሎሞን፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ደሴታት ፓስፊክ ዝኣመሰሉ ከባቢታት ኣብ ግምት ብምእታው ግን ዝተረስዐ ዞባ ኮይኑ ዘሎ ይመስል።

ጳጳስ ራንዳዞ ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርት ሞርስቢ ምስ በጽሑ ናይ ህዝቢ ሓጎስ ብምርኣዮም ዝረኸብዎ ዓቢ ሓጎስ ተዛሪቦም እዮም። ር.ሊ.ጳ. ካብ ሮማ መጺኦም ንመላእ ዓለም ሰጊሮም ናብ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊን ከባቢታት ዝበጽሑሉ ግዜ ምርካቦም ከም ዘሐጎሶም ባዕሎም ገሊጾምዎ እዮም”፡ ኦቻይና ብተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝተኦደለ ከባቢ እዩ።

ምስዚ ብዝምልከት እቶም ጳጳስ ብወገን ምዕቡላት ሃገራት ናብ ሃገራት ኦቻይና ብምኻድ ምስ ድኻታት፣ ስለዚ ድማ ምስ ተቓላዕቲ ኣህዛብ ክቡር ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይቲ ከባቢ ንምውናን ብዝብል ስስዐ ዝተኸበ ስምምዕን ዘተን ዝጠልቡ ምዃኖም ኣውጊዞም፡ ብወገን መላእ ሕብረተሰብ ናብ ስቓይ ዘስዕብ ዕንወት ሃብቲ ተፈጥሮ ኮኒኖም። ከምኡ’ውን ኣብ ባሕርታት ኦቻይና ዝርከቡ ስደተይናታት ኣመልኪቶም፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ ካብ ገዝኦም ክወጹ ዝተገደዱ ናብ ዝያዳ ርጉኣት ሃገራት ዘምርሑ እንክብሉ ብምዝካር ንህዝቢ ኦቻይና፡ ኣምር ሲኖዳውነት ዘገርም ነገር ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ንኣሽሓት ዓመታት ዝፈልጥዎን ኣብ ግብሪ ዝውዕልዎን ጉዳይ እዩ፡ ማለት ብሓባር ምምጻእን ብኣኽብሮት ንሓድሕድካ ምስምዕን ኣብቲ ከባቢ ንቡር ስለ ዝኾነ።

ብዛዕባ ከባቦ ኦቻይና ዘሎ፡ ኣግራብ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ግን ከኣ ብዛዕባ እምነት እውን ኣማእኪሎም ዝተዛረቡ ጳጳስ ራንዳዞ ይብሉ፥ ብፍላይ ናይ ሃብታማት ምዕራባውያን ባህልታት ካብቲ ንመላእ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ጉዳያት ዝያዳ ኣቓልቦ ከምዝረክብ ብምግላጽ ከም ዘማረሩ ዜና ቫቲክን ይሕብር።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝርከቡ ናይ ትካላት ኣብነታት ኣይፋል ምባል

ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ኽህቡ እንከለዉ፥ እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ናይ ትካል ዓለም ዝስዕቦ ውዳቤኣዊ ኣብነት ናይ ምቕባል ዝንባለ ዘሎ ይመልስ እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ በቲ ናይ ነጋዶ ቛንቋ ዝዀነ "መርበባዊ" ዝኣመሰለ ቓላት ሕጉስ ከም ዘይኮኑ ድማ ይገልጹ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ቋንቋ ቤተ-ክርስትያን ናይ "ሕብረት" ቋንቋ ክኸውን ኣለዎ። ገሊኣቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለዉ ሰባት "እተራቐቐ" ንምዃን ትሑዛት ይመስሉ እዚ ድማ ካልኦት ናይ ምንጻል ሓደጋ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ የብርሁ።

እቲ “ሓቀይና ዕንቅፋት” ንደቂ ኣንስትዮ ምግላል እዩ

ካብቶም ካብ ኣቡነ ራንዳዞ ዝጥቐስዎም ገለ ገለ ስክፍታት እውን፡ ብዛዕባ ማዕርገ ድቁና ማዕርገ ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ዝብል ኮይኑ። ራንዳዞ ብውዕዉዕ ስምዒት ድማ እዚ ጉዳይ እዚ ውሑዳት ምዕራባውያን ድምጽታት በዚ ጉዳይ እዚ ዝተዋሕጡ እዮም ዝመስሉ ቢሎም፥ እቲ ሓቀይና “መሰናኽል” ደቂ ኣንስትዮ ብቤተ ክርስቲያን ሸልል ምባል እዩ፤ ወይ ድማ ዝገደደ ምግላል ዝብል ጉዳይ እዩ፡ ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ምዃንን ካብ ናይ ስራሕ ሃዋህው ምግላልን ዝብሉ ጉዳያት ከም ኣብነት ይጠቕሱ።

“እዚ ጸረ ወንጌል ዝኾነ ዕንቅፋት እዩ!” እንክብሉ ድማ ይገልጹ።

ኣገዳስነት ተልእኾ ወንጌል ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዓለም

ኣናተ ዚስክያ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ሓደስቲ እደ ጥበባውን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ዝርከብዎም ዝተፈላዩ ብስነ ኣሃዝ ተራቀ ምዕባለ ኣብ ዝረኣየሉ ዘመን፥ ስብከት ወንጌል ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ባህሊ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆ ምግጣም ኣገዳስን ህጹጽን ምዃኑ የስተብህላ። “ስሳን ሓሙሽተን ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ዓለም ብተደጋጋሚ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ መጋበርያ ይጥቀም . . . “ኣካላዊ ድኽነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ይርከብ” ቢለን፥ ሲኖዶስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ኣብያተ ጽሕፈት ይቐውም ከምዘሎ፡ ምስ ልኡካነ ወንጌልን ብዛዕባ ተመኩሮ ተልኾ ወንጌል ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዓለም ዛዕባ ዘሎ ተመክሮ ንምምይያጥ ብዙሕ ዓውደ ርክባት ዝውደብ ምዃኑ ገሊጸን፥ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ልኡካነ እቶም “ኣብ ጎደናታት መርበብ ሓበሬታ ነቶም ብዝኾነ ሓቂ ዝደልዩን ኣብ ዓለም ቆሲሎም ዝኸዱን ርሒቖም በቲ ንሶም ዝጥቀምሉ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዓለም ኣቢሉ ቀረባኦም ንምዃን ዝፍትኑ እዮም፡

“ሳምራዊነት”

እዚ ስራሕ እዚ ንምምስራቕ ዝግበር ዕዩ ክመርሓ ድማ ብር.ሊ.ጳ ሓላፍነት ከም እተዋህበን ኣዘኻኺረን፥ “ናይ ወንጌል ክብርታት ዳግማይ ክረኽቡ ንዝደልዩ” ከምኡ’ውን እቶም “ስም የሱስ ሰሚዖም ዘይፈልጡ” ንኽትራኸቦም ዘኽእል፥ ብሓጺሩ ሳምራዊነት ቢልካ ክትገልጾ ዝከኣል ኣገልግሎት እዩ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክርከብ ዝኽእል ውልትውና መርዛም ዝምድናታትን ኣብ ግምት ብምእታው ሲኖዳውነት ዓቢ ተስፋ እዩ ይብላ።

ጽገማት ምፍታሕ

ካርዲናል ሎፔዝ ሮሜሮ እውን ብዛዕባ ሃብታም መደብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ይዛረቡ፥ “እዚ ሲኖዶስ እዚ ኣዝዩ ዘሀብትም እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ሕጂ ውን ኣዝያ ኤውሮጳዊት፣ ምዕራባዊት እያ እዚ ድማ ነቲ ኵላውነት ዝብል መግለጺ በተክርስቲያን ዝጻረር እዩ፡ ስለዚ እዚ ጉዕዞ ንሓድሕድና እናተሓጋገዝና ክንነብሮ ኣሎና፣ በዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ካቶሊካዊት፣ ኵላዊት ኮይና ክትወጽእ እያ።”

ምስዚ ብዝምልከት ኣብነት ናይ ሓደ ካብ ሃገረ ስብከት ዝመጸ ኣፍሪቃዊ ጳጳስ ብዙሕ ጸዋዕታታትን ብዙሕ ምስጢረ ጥምቀት ዝስርዓሉን ብምጥቃስ “ንሓደ ኤውሮጳዊ ጳጳስ ኣብያተ ክርስቲያናቱ ባዶ ዝኾነኦ ትምህርቲ ክምህረ ስለ ዝደለየ ተገሪሙ እንታይ ክትምህረኒ ኢኻ እሞ ቤተ ክርስቲያንካ ባዶ ዝኾና ክነሰን።”

ብርግጽ “ንሕና ኤውሮጳውያን ትሕትና ክንመሃር ኣለና፡ እንተኾነ ግን ኣፍሪቃውያን’ውን ክንምካሕ የብልናን ምኽንያቱ ዓወት ኣብ ቁጽሪ ስለዘይምርኮስ። ነንሕድሕድና ወንጌል ክንነብር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ።

“ስጉምትታት ንቕድሚት፣ ስጉምትታት ንድሕሪት፣ ርክባት፣ ጎንጽታት ክህልዉ እዮም፣ እንተኾነ ግን ትዕግስቲ ንኽህልወና ብስለት ከነርኢ ኣለና፣ እቶም ዝቐልጠፉ . . . ቁልጡፋት ተጓዓዝቲ ነቶም ቀስ ኢሎም ዝኸዱ ክጽበይዎም ኣለዎም . . .  ጸገማት ምህላዎም ጽቡቕ እዩ፣ ግን ክእለዩ ኣለዎም ከምኡ እውን . . . ኣብ ትሕቲ ምንጻፍ ክትሓብኦ የብልካ።”

ግብረ መልሲ ንፊዱስያ ንስዒል ተኣምኖ

ብዛዕባ ግብረ መልሲ ናይቲ Fiducia supplicans- ስኢል ተኣምኖ ዝብል ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝውጸኦ ሰነድ፡ ኣብ “ዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ ወይ ዝምድና ሓደዊ ጾታ” ንዘለዉ ሰባት ናይ ምብራኽ ተኽእሎ ዘተኣታተወ - እዚ ኣዋጅ እዚ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃዊት ቤተክርስትያን ባዕላ ከይተረፈ ተጻራሪ ግብረ መልሲ ዘበገሰ እዩ።

እቶም ሞሮካዊ ካርዲናል እዚ ሰነድ እዚ ይብሉ “ብመንገዲ ሲኖዶስ ክሓልፍ ዝነበሮ” ሰነድ ምዃኑ ኣስተብሂሎም። እቲ ሰነድ ካብ ሲኖዶስ ዘይኮነስ ካብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ ምዃኑ የዘካኽሩ፡

ብፁዕ ካርዲናል ሎፔዝ ሮሜሮ ጉባኤ ጳጳሳቶም ካብ ናይ ካልኦት ኣፍሪቃውያን መንበረ ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ዝተፈልየ መደምደምታ ከምዝበጽሐ ኣስተብሂሎም። ካልኦት ሃገራት ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝዛረቡ “ንኹላ ኣፍሪቃ ከየማኸሩ” ውሳኔ ከም ዝወሰዱ እውን ኣስተብሂሎም። ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ኣቦ መንበር “ብሓቂ ይቕሬታ ​​ድማ ሓቲቶምና” እዮም።

እዚ እውን ሲኖዳውነት ምዃኑ ኣስሚሮም፤ ምምሃር ምምሃርን ድማ “ቀሊል ኣይኰነን” ከምዝ በሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 October 2024, 14:00