VATICAN-RELIGION-POPE-SYNOD VATICAN-RELIGION-POPE-SYNOD  (AFP or licensors)

ሲኖዶስ ፦ ኣባ ራድክሊፍ ብዛዕባ ካልኣይ ክፍል ናይ ዕዮ ሰነድ የስተንትኑ

ክቡር ኣባ ቲሞቲ ራድክሊፍ ብዛዕባ ካልኣይ ክፍል መዛተዪ ሰነድ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ "መገድታት" ብምስትንትናን "ብሓባርና ንፍቓድ ኣምላኽ ክንምርምር ንኽእል ኢና" በሉ ።

3ይ ዓንቀጽ ፦ መዛተዪ ሰነድ ሲኖዶስ / 2ይ ክፍል - “መንገድታት”


ኣስተንትኖ ብክቡር ኣባ ቲሞቲ ራድክሊፍ ኣባል ማሕበር ዶኒካን


ሓሙስ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2024

ሎሚ ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን እትሕደሰሉ መስርሕ ማለት፣ ብዛዕባ እቲ  ኽንወስዶ ዘሎና ስጉምትታት ከነስተንትን ንጅምር ኣሎና ። እዚ ዝስዕብ ፍልይ ዝበለ ጽሑፍ እዚ ብኸመይ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ንኽንርዳእ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ - "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ካብታ ቦታ እቲኣ ወጺኡ ናብ ከባቢታት ጢሮስን ሲዶንን ከደ። ሽዑ ሓንቲ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብቲ ኸባቢ መጺኣ 'ጐይታይ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ፣ ጓለይ ብኣጋንንቲ ትሳቐ ኣላ’ በለቶ። ንሱ ግና ፈጺሙ ኣይመለሰላን ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም 'ደድሕሬና እናኸደት ትጭድር እያ ዘላ እሞ ኣፋንዋ' ክብሉ ለመንዎ። ንሱ ኸኣ 'ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ጥራይ እየ እተለኣኽኩ' ኢሉ መለሰላ። ንሳ ግና መጺኣ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢላ ሰጊዳ 'ጐይታይ ርድኣኒ' በለቶ። ንሱ ኸኣ "እንጀራ ቈልዑ ኣልዒልካ ነኽላባት ኣይወሃብን ኢዩ" ክብል መለሰላ።  ንሳ ኸኣ 'እወ ጐይታይ ኣኽላባት ውን እኳ ነቲ ኻብ መኣዲ ጐይትኦም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ ኢዮም' በለቶ። ኢየሱስ ከኣ 'ኣንቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓባይ እያ! ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ ። ጓላ ድማ ብቕጽበት ሓወየት" (ማቴ. 15፡ 21– 8)።

ኣብ ፈለማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከልቢ ኢሉ ኺጽውዓ ኸሎ ዘይእሩም ኣዘራርባ ዝተጠቕመ እዩ ዚመስል ዝነበረ። ንጓላ ድማ ብምኽንያት ብሕታዊ እምነታ ጥራይ እዩ ዝፈወሰላ ። "ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ እስራኤል ጥራይ እየ መጺአ ።  ሕራይ ጽቡቕ . . . ንስኻትኩም ከ።”

እዚ ፍጻመ እዚ ግን ኣብ መንጎ እቲ ንኣይሁድ እተዋህበ ተልእኾ ዜመልክት ንሓሙሽተ ሽሕ ሕዝቢ ዘጽገበ ተኣምራትን፣ ነቲ ንኣሕዛብ እተዋህበ ተልእኾ ዘመልክት ንኣርባዕተ ሽሕ ዘጽገበ ተኣምራት እዩ ዘጋጠመ። ኢየሱስ ነታ ሰበይቲ ንደቂ እታ ስድራቤት ቤት ጥራይ ዝኣክል እንጌራ ከም ዘሎ ነገራ፣ ድሕሪ ሒደት ቍጽርታት ግና ንነፍሲ ንኹሉ ዚኣክል እንጌራ ማለት ሸውዓተ ዘንቢል ዝኸውን ተረፍ ከም ዝተረኽበ ነገራ። ዓሚቝ ናይ ምስግጋር ህሞት ኢዩ ዝነበረ ።

እዚ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ? ኣብ ማእከል እዚ ኹነታ እዚ ስቕታ ኢየሱስ እዩ ዘሎ ። "ፈጺሙ ኣይመለሰን።" እዚ ስቕታ እዚ መልሲ ዘይብሉ ስቕታ ኣይኮነን ዝነበረ ። ክብርቲ እናሬ ማሪያ ግራዝያ ኣብ ሱባኤና ጽቡቕ ገይራ ዘስተንተነቶ ስቕታ እዩ ። "ሱር ናይ ኵሉ ጸሎት፣ ናይ ኵሉ ዕዮ ኣምላኽ እቲ ስቕ ኢሉ ዘንቀሳቕስ እስትንፋስ ኣምላኽ እዩ ዘሎ" በለት። [1]

በዚ ስቕታ እዚ ጐይታና ነታ ሰበይቲ ይሰምዓ ነቦ ውን ይሰምዖ። ቤተ-ክርስትያን ቅልጡፍ መልሲ ብዘይብልና ዓሚቝ ሕቶታት ኣቢላ ብምሕታት ናብ ምስጢር መለኮታዊ ፍቕሪ ኣዕሚቓ ትኣቱ። ኣብ ጉባኤ ኢየሩሳሌም - ኣህዛብ ናብ ቤተ-ክርስትያን ክኣትዉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም? ኣብ ኒቅያ ኢየሱስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ምንባሩ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል ? ኣብ ኬልቄዶን ኣምላኽ ብሓቂ ሰለስተን ሓደን ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ?

ኣብ ሲኖዶስ ዘሎና ዕማም ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ ካብዞም ሕቶታት እዚኣቶም ንምምላጥ ዘይኰነስ ምስ ከበድቲ ሕቶታት ንምንባር ኢዩ ። ኣብዚ ናትና ሕቶታት እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ? እታ ሰበይቲ ምእንቲ እታ እትሳቐ ዘላ ጓላ ክትሓትት መጸት። ንዅሉ ኣውያት ኣዴታትን ኣቦታትን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ውግእን ድኽነትን እተዋሕጡ ንኣሽቱ ኣዋልድን ኣወዳትን ምላሽ ክንህበሉ ኸም ዘሎና እተረጋገጸ ኢዩ። ከምቶም ሽዑ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኣእዛንና ኽንዓጽዎ የብልናን ።

ንመብዛሕትኡ ምይይጥና ዜደልድሎ ዓሚቝ ሕቶታት እውን ኣሎ ። እቶም ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰብኡትን ኣንስትን ማዕረ ግን ከኣ እተፈልዩ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም? ከም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ማዕርነት ወይ ፍልልይ ብምኽሓድ ካብ ሕቶ ኽንርሕቕ የብልናን ። ቤተ-ክርስትያን እተፈላለየ ግደን ስልጣንን ዘለዎ ማሕበረሰብ እቶም እተጠምቁ ማዕረ ግን ከኣ ኣካል ክርስቶስ ክትከውን እትኽእልከ ብኸመይ እያ? እዚ ዓሚቝ ሕቶታት እዩ ።

ምስዚ ሕቶታት እዚ ብምንባር ብዛዕባኡ ብምጽላይ ንሓድሕድና ብምስማዕ ለይትን መዓልትን ብምስትንታን ናብ ምስጢር መለኮታዊ ፍቕሪ ኢና እንኣቱ ። ከምቲ መዝሙር ዳዊት ዝብሎ "…እግዚአብሔር ነቶም ዘፍቅሮም ደቂሶም ከለዉ ይህቦም ኢዩ" (መዝ. 127፡2)። እቲ ዓራቶም እንተ ዘይተሰብረ!

ኣብዚ ዛንታ እዚ "እንጀራ ቘልዑ ኣልዒልካ ነኽላባት ኣይወሃብን ኢዩ" ብዝብል ፍልይ ዝበለ ሓረግ ኢዩ እቲ ምስጋር እተረኽበ። "እወ ጐይታይ ኣኽላባት እኳ ነቲ ኻብ መኣዲ ጐይትኦም ዚወድቕ ርፍራፍ ይምገቡ ኢዮም።" እዚ ዜፈንፍን ኣዘራርባ እዩ ዚመስል ። ጐይታና ኢየሱስ ነዛ ሰበይቲ እዚኣን ንጓላን ከም ኣኽላባት ገይሩ ኺጠቕሰን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ ? ወንጌላዊ ማቴዎስ ግና ነዚ ዛንታ እዚ ኻብቲ እዛ ሰበይቲ ሲሮፎኒካዊት ከም ዝኾነት ዝነግረን ወንጌል ማርቆስ እዩ ወሲድዎ። ኣብ ኣሽቃሎን 700 ኣኽላባት ዝተቐብሩሉ መቓብር ተረኺቡ ኢዩ ። ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ጠንቂ ዝሞቱ ንኣሽቱ ኣኽላባት እዮም ዝነበሩ [2]። ንኣሽቱ ሓወልትታት ኣኽላባት ውን ኣባኡ ተረኺቦም ኢዮም ። ኣኽላባት ናይ ቀረባ ኣዕሩኾምን ኣኽቢሮም ዚርእይዎም ኣባላት ስድራ ቤቶምን ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ኣነ ውን ዶመኒካዊ ከም ምዃነይ መጠን እዚ ኣጸብቁ ኢዩ ዝርድኣኒ ። ንሕና ዶመኒካውያን ውን "ኣኽላባት ጐይታ፣" Domini canes!  ተባሂልና ኢና እንጽዋዕ!

ስለዚ ጐይታና ኣኽላባት ኣብ ስድራቤቶም ክቡር ቦታ ብዛዕባ ምህላዎም ዘለዋ ኣተሓሳስባ ብምጥቃስ ኣዝዩ መሃዚ መሓዚ ብዝኾነ ኣቐራርባ ኢዩ መሊሱላ። ንኣይሁድ ኣኽላባት ኣብ ቤት ኪኣትዉ ዘይፍቀደሎም ርኹሳት እንስሳታት እዮም ነይሮም ። ልክዕ ከምቶም ንቝስሊ ኣልኣዛር ዝለሓሱ ኣብ ደገ ዝነበሩ እንስሳታት እዮም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ንምግባር ሚካናዊ ተመክሮን ቋንቋን ተጠቕመ። ንባህላዊ ድሩትነት ህዝቡ ሰጊሩ ክኸውይድ ንረኽቦ። "ከም ዝደለኻዮ ይኹነልኪ" ውን በላ። በዓልቲ ሲና ዝኾነት ቅድስቲ ካተሪና ነዚ ኸም ዓብዪ መብጽዓ ናጽነት ገይራ እያ እትርእዮ ። ከምዚ ክትብል ድማ ጸሓፈት - "እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሠናይ ዝኾነ ኣምላኽ ነቲ ንነፍስና ዝሃበና መዝገብ ማለት መዝገብ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ኣብዚ እዩ ዝገልጸልና።[3]

ብዙሓት ሰባት እዚ ሲኖዶስ እዚ ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት ብኡንብኡ 'እወ' ወይ 'ኣይፋል' ዝብል መልሲ  ክህብ ኢዮም ዝጽበዩ ዘለዉ! ቤተ-ክርስትያን ግን  በዚ ኸምዚ ኣይኰነትን ናብ ዓሚቝ ምስጢር መለኮታዊ ፍቕሪ እትኣቱ ። ከምቶም ኣፋንዋ ዝብሉ ደቀ መዛሙርቲ ካብቲ ከበድቲ ሕቶታት ክንሃድም የብልናን! ነዚ ሕቶታት እዚ ብጸሎትን ጽን ብምባልን ኢና እነስተንትነሉ ። ከምቲ ሓደ ካባና ዝበሎ ኽንምልስ ዘይኰነስ ክንመሃር ኢና ጽን ኢልና እንሰምዕ ። ንዅሉ ሰብ ቦታ ዘለዎ ቤት ኣምላኽ ንምዃን ናይምስትንታን ክእለትና ኽንከፍተሉ ንኽእል ኢና ። እንተ ዘይኰይኑ ከምቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንብሎ ነቲ ኣብ ታይታኒክ ዘሎ መናብርን ሰደቓታትን እንደገና ኸነተዓራርዮ ኢና።  

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብጽልኢ እኳ እንተ ተቐበልዋ እታ ሰበይቲ ግን ኣብኡ ጸንዓት። ተስፋ ኣይቈረጸትን ኣይከደትን ።  ኣብ ቤተ-ክርስትያን ወላ እኳ ዘበሳጭወካ ነገራት ይሃሉ ብዘየገድስ በጃኻ ኣብኣ ጽናዕ። ሕቶታት ንሕተት! ብሓባር ኴንና ፍቓድ ጐይታ ክንምርምር ከአ ንኽእል ኢና።

ምንጥጭታት

[1] ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ጸሎት መዝሙር ዳዊት ዝተለገሰ ኣስተንትኖ ።

[2] Rebekah Liu. “A Dog under the Table at the Messianic Banquet: A study of Mark 7. 24 – 30”, Andrew’s University Seminary Studies, Vol. 48, No. 2, 2010, pp. 251-255.

[3] Le Lettere, 1.262, Quoted by Paul Murray OP, St Catherine of Siena: Mystic of Fire, Preacher of Freedom, Word on Fire Institute, Park Ridge, 2020, p. 30

11 October 2024, 16:51