ሓድሽ ኣወሃሃዲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ንጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ሓድሽ ኣወሃሃዲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ንጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ 

ሓድሽ ኣወሃሃዲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ንጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ

ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ነቲ ብዙሓት ዓለማውያ ምመናን ዘጠቓለለ ሓድሽ ዝተመስረተ ኣወሃሃዲ ቤት ምኽሪ ናይቲ መንበረ ጥበብ ከም ዘላለየን። እቲ ለውጢ ምስ ሕጊ እቲ መንበረ ጥበብ ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ምዕባለኡን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸዋዕታኡን ናይ ርክብን ዘተን ቦታ ንምዃንን ንምዕባይን ዝትግበር እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንመጻኢ እቲ መንበረ ጥበብ ብዝያዳ ዝቈጻጸርን ፖለቲካውን ምምሕዳራውን መምርሒ ዚህብን ቤት ምኽሪ” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ሓላፍነት ምዃኑ የኔታ ኣልፎንሶ ኣማራንተ ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ንመራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣመላኺቶም፡ እቲ ኣብ ብሕጊ ናይቲ መንበረ ጥበብ ዝቖመ ሓድሽ ኣወሃሃዲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ፡ ካብ ዕለት 1 መጋቢት 2024 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጀመረ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸደቐ መምርሒ መሰረት ብወግዒ ከም ዘላለየን። እዚ ለውጢ እዚ ነቲ ውዳበ ብቐጻልነት ምስ ሕሉፍ ንምስምማዕን ንመጻኢ ምጥማትን ንጹር ትልሚ ስራሕ ንምስራሕ ዝዓለመ እዩ።

ዕዮ እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣብ ሰለስተ መዳያት ኬተኵር እዩ

የኔታ ኣማራንቲ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ "ምእምናን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ኣዝዩ ብዙሕን ልዕሉልን ኢዩ፡ ከመይሲ ካብ ከም ስነ መጽናታውን ምሕዳራውን ጋዜጠይናነትን ከምኡውን ብሓፈሻ ካብ መራኸብያን መዳያት ዝመጹ ብምዃኖም ንተልእኾ እቲ መንበረ ጥበብ ሓያል ደገፍ ክህቡ ከም ዝኽእሉ እምንቶ ኣሎና . . .
ዕዮ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣብ ሰለስተ መዳያት ኬተኵር እዩ፣ እዚ ኸኣ ንፍሉይ ተልእኾ እቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ግምት ዜእቱ "ተልእኾ እቲ መንበረ ጥበብ ንምድንፋዕን ንምስፋሕን ዚሕግዝ ሜላታት መራኸቢ ብዙሓን ምልላይ፣ ብጀካ ካብ ኢጣልያን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ደገፍ ዝገብሩ ንምርካብ ናይ ሰለስተ ዓመት መደብ ብምቕራብ ገንዘብ ንምእካብ ዚሕግዝ ሜላታት ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፥ “ብዓይኒ ቅዱስ ኣቦና ሎሚ እቲ ቀንዲ መተሓላለፊ ዘተ ዓውዲ ባህሊ እዩ፣ ኣብዚ ናይ ዘተ ባህሊ እዚ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ዘለዋ ኮይና ትቕጽል . . . ረቡዕ ዕለት 13 ሕዳር፡ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ህየንተ፡ ንዓመተ ትምህርቲ መንበረ ጥበብ ላተንራነንሰ ብወግዒ ከም ዘበገሱ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ የዘካክር።

መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ

ጳጳሳዊ ላተራን መንበረ ጥበብ ኣብ 1773 ዓ.ም. ዝቖመ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይቲ መንበረ ጥበብ ኣገልግሎት ትምህርቲ እናሰፍሐ ከም ዝመጸን፡ ሕጂ ድማ ስነ መጽናዕቲ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን፡ ሕገ ቀኖናን፥ በርገሳዊ ሕጊ፡ ስነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተቕዋም ከምኡ’ውን መርሓ ግብሪ ኣብ ስነ ፍልጠት ሰላምን ኣህጉራዊ ምትሕብብራን ስነ - ህይወትን ከባብን ፍጥረትን - ክንክን ንሓባራዊ ቤትናን (ስነ ምህዳር) ዘጠቓልል ክፍሊ መጽናዕቲ ዘለዎ ከም ዝኾነን ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2023 – 2024 ዓ.ም.፡ 139 መምሃራን ካብ ኤውሮጳ ዝመጹ ተመሃሮ 657፡ ካብ ኣፍሪቃ 180፡ ካብ እስያ 169፡ ካብ ኣመሪካ 130 ብጠቕላላ እቲ መንበር ጥበብ 1,137 ተማሃሮ ዝሓቑፍ ኮይኑ፥ ካብኣቶም 421 ዓለማውያን ምእመናን፡ 347 ካህናት፡ 290 ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ 79 ተመሓሮ ዘርኣ ክህነት ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ላተራነንሰ ምንጪ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

11 November 2024, 15:35