ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንነጋድያንን ንበጻሕትን ብዛዕባ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓሸ ተመክሮ የወፊ

ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ትካል ማይክሮሶፍትን ዘሎ ሽርክነት ንባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ ንምቕራብን ተመክሮ ነጋድያንን በጻሕትን ንምምሕያሽን ዚሕግዝ ሓድሽ ኤለክትሮኒካዊ ኣፍደገ ይኸፍት።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቤተ-ክርስትያን ብ2025 ዓ.ም. ዓመት ኢዮቤል ንኽባር ኣብ እትዳለወሉ ዘላ ትማሊ ሰኑይ ምስቶም ማይክሮሶፍትን ኢኮነምን እተሰምዩ ትካላት ብምትሕብባር ውርሻታታ ኣብ ኤለክርቶኒካዊ ዓለም ንመታው "ዝሓሸ ተመኵሮ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት" ዘርእስቱ ውጥን ተካይድ ኣላ።

ኣብቲ ኣብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተዋህበ ሃበሬታታት ከም ዘመልክቶ ቅዳሕ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብምምዕባል ነቲ ፈጠራታት ዘመነ ተሃድሶ ንኸድንቑን ናይ ስነ-ጥበብ ዑደት ንምክያድን ዕምቆት ዘለዎ ናይ ኤለክትሮኒካዊ ምርኢት ንኺግበር ኣኽኢሉ ኣሎ።

እቶም ሊቀ ኻህናት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምብቲ ነቲ ዝረኸብዎ ተመክሮ ምስቲ "ኣብ ክረምታዊ ምሸት ብኸዋኽብቲ እተሰለመ ሰማይ" ምጥማት ብዝብል ምሳሌ ብምንጽጻር ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም ኣብ መደረኦም "እዚ ሓድሽ መሳርሒታት እዚ ዝሓሸ ገጽታ ንምርኣይ ከም ናይ ርሑቕ መነጽር ወይ መራኸቢ ኰይኑ ኢዩ ዝዓዪ" በሉ።

ኣብ መንጎ ጥንታውነትን ዘመናውነትን ዘሎ ሽርክነት

ኣቦ መንበር ትካል ማይክሮሶፍት ብራንድ ስሚዝ ኣብቲ ናይ ምርቓ ዋዕላ ኣብ ዘቕረቦ መደረ እቲ ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ትካል ማይክሮስፕፍትን ዘሎ ምሕዝነት ህርፋን ጥራይ ዘይኰነስ ንእምነትን ውርሻን ንምግልጋል ንቴክኖሎጅያዊ ኣጠቓቕማኡ እውን ዘጐልሕ ምዃኑ ገለጸ ።

ስሚዝ ምስ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንድ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ኤለክትሮኒካዊ ተክኖሎጂ ንሕሉፍን ሕጅን ኣብ ምፍታሕ ብዛዕባ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ሓሳባቱ ኣካፈለ።

ከምዚ ድማ ይብል - "ትማሊ ባዕለይ ነዚ ብምርኣየይ ብዛዕባ ተዘክሮታት ቅዱስ ጴጥሮስን ታሪኽ ህይወቱን እንታይ ከም ዝመስል ዝያዳ ንኸስተውዕል ጌሩኒ ኢዩ ። ነዚ ታሪኽ እዚ ውን ህያው ዝገብሮ ኢዩ።"

ስሚዝ ከም ዝገለጾ እዚ ተመክሮ እዚ ንነጋድያንን በጻሕትን "ነቲ ሓደ ሰብ ኪርእዮ ዘይክእል ክፋል እዚ ብዚሊካ ንኽዕዘቢ" ዜኽእሎምን ሓድሽ ኣረኣእያ ኸም ዚህቦምን በቲ ኤለክትሮኒካዊ ምርኢት ኣቢሎም ከኣ በጻሕቲ ኸምቲ ኣብ ራሕተዋይ ክፍል እቲ ባዚሊካ ዝርከብ መቓብር ሮማውያንን ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጕልላትን እቲ ብዚሊካ ዚርከብ እተሓላለኸ ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ማለት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኺበጽሕዎ ዘይክእሉ ክፋላት ንኽዕዘቡ ከኽእሎም ኢዩ።

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምናባዊ ዑደት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ

ንመንፈሳዊ ውርሻ ብቐሊሉ ኽትረኽቦ ዘኽእል

ነዚ ተበግሶ እዚ ብምቕራብ እዚ ምናባዊ ቅዳሕ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ገጻት ናይቲ ባዚሊካ ንምርኣይ ብዜደንቕ ዘምባይት ብካሜራን ከምኡውን ብናይ ጨርታዊ ዳህሳስ ተክኖሎጂ ኸም ዳግም ከም እተመስርሐን፣ ስዒቡ ድማ ነቲ ሓበሬታ ንምጥቕላል ዜኽእል ብምዕቡል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከም ከም እተሰርሐን ገሊጹ። እዚ ዕላማ እዚ ናይ ዘመና ሓድሽ ወለዶ ምስቲ ኣብዚ ባዚሊካ ዘሎ ዜደንቕ ፈጠራታት ከም ዚራኸብ ንምግባር እዩ።

ስሚዝ ከምዚ ክብል ይገልጽ - "ንቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ ናብቲ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ብቐሊሉ ኽንረኽቦ እንኽእል ሓድሽ ወለዶ ኢና እነቕርቢ ዘሎና። እዚ ብቐሊሉ ኽርከብ ዝከኣል ምዃኑ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ደቂ ሰባት ዋላ እውን ብኣካላዊ መዳይ ናብ ከተማ ሮማ ኽበጽሑ እንተ ዘይከኣሉ መንፈሳውን ባህላውን ታሪኻውን ኣገዳስነት ከም ዝፈጥረሎም ኣጕልሐ።

ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ንምህናጽ

ስሚዝ ኣስዒቡ "ሰባት ካብ እተፈላለየ ኣተሓሳስባን ካብ እተፈላለየ ገጻት ተመኵሮን ናብ ሓደ ሓባራዊ ጸገም ክመጹ ኸለዉ" እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ከም መርኣያ ገይሮም ብምርኣይ ዝሰፍሐ ኣገዳስነት ናይዚ ምሕዝነት ዘጕልሕ ውን ኢዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ከም ሃገእ ቫቲካን ዝኣመሰላ ጥንታውያን ትካልን ዘመናውያን ትካላት ተክኖሎጅን ዘሎ ምትሕብባር እንክገልጽ ውን ከምዚ በለ - "ሰባት ኣብ ብርታዐ ሓድሕዶም ክሃንጹን ካብ ንሓድሕዶም ዝበለጸ ነገር ከውጽኡን ከለዉ ብሓባር እንታይ ክዓምሙ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ዛንታ ኣብዚ ኣሎ" ይብል።

እዚ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ዘለዉ ፍልልያት ዓሚቝ ምርዳእ ኣብ ዘድልዩሉ እዋናት ናይ ምትሕብባር ሓይሊ ንኽሓስበሉ ዘነቓቕሕ ተስፋ ከም ዘለዎ ገለጸ ።

እምነትን ተክኖሎጅን

ስሚዝ ኣብ መግለጺኡ እዚ ውጥን ንሃገረ ቫቲካንን ንእምነታን ንምድንፋዕ መዛግባታን ቕድሚ ሕጂ ኽትግምቶ ብዘይከኣል መገዲ ንምቕራብን ሓድሽ ተክኖሎጂ ኽትቅበል ፍቓደኛ ምዃና ኸም ዜጕልሕ ውን ኣስፊሑ ገለጸ።

ከም ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝኣመሰለ ሓድሽ ተክኖሎጂ ምስ እምነት ክጋጮ ይኽእል ኢዩ ኣብ ዝብል ሻቕሎት እንክገልጽ "መብዛሕትኡ ግዜ ሓድሽ ተክኖሎጂ ምስ ሃይማኖት ወይ ምስ እምነት ውጥረት ኣለዎ ኢልካ ብምሕሳብ ክጅምር ይኽእል ኢዩ" በለ፣ እንተዀነ ግን እዚ ውጥን እዚ ነዚ ውጥረት እዚ ዘዐርየሉ መገዲ ከም ዘሎ ደምደመ ። ነቲ ውጥረት ብዜወግድ መገዲ ኸምኡውን "ሰባት ካብቲ ዝሓሰብዎ ዚዓቢ ነገር ንኺገብሩ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተሎም" ብዚገብር መገዲ እዩ ዝፈትሖ ድማ ክብል መግለጺኡ ዛዘመ።

13 November 2024, 15:26