ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ምርጫ ንዝተዓወቱ ትራምፕ ሰናይ ትምኒቶም ይገልጹ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ምርጫ ንዝተዓወቱ ትራምፕ ሰናይ ትምኒቶም ይገልጹ 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ምርጫ ንዝተዓወቱ ትራምፕ ሰናይ ትምኒቶም ይገልጹ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ጳጳሳዊ ግሪጎርያና መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ወጻኢ፥ ዕለት 7 ሕዳር ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ብመስረት መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ክቡራት ዋጋታት ንመራሕቲ ስለ ዝኾነ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመርጸ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ብጥበብ ክምራሕ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ርእሰ ብሔር ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ብርግጽ [ንትራምፕ] ጽቡቕ ንምነየሉ። ኣብ መጅማር ስልጣኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዝንተዉ መራሕቲ ካብ ዝስዕብዎ ክቡራት ዋጋታት ጥበብ ክረክብ ኢና እንምነየሉ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ እቲ እተመርጸ ርእሰ ብሔር ነቲ ኣብዚ ግዜና ብዝያዳ ዝልለ ዘሎ እተፈላለየ ኣረኣእያ ንምስናፍ "ልዕሊ ዅሉ ርእሰ ብሔር ምልእቲ ሃገር ንምዃን" ገዛእ ርእሱ ከውፊ ከም ዘለዎ ገሊጾም፥ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ትራምፕ "ኣብቲ ንዓለም ደም ዘፋስስ ዘሎ ግጭታት ንምውጋድን ናይ ሰላምን " መጋበርያ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ንኲናት መወዳእታ ምግባር

ብዛዕባ’ቲ ትራምፕ ንሓያሎ ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት መወዳእታ ንምግባር ዝኣተዎ መብጽዓታት ምስ ተሓተቱ፡ ካርዲናል ፓሮሊን “ተስፋ ንግበር፥ ቢሎም፥ ሽሕራዊ በትሪ ዘለዎ ኣይመስለንን” ክብሉ ኣሚኖም፡ ኲናት ደው ምባል ትሕትናን ድልውነትን ኣብ ፍሉይ ረብሓታት ካብ ምትኳር፡ ንረብሓታት ደቂ ሰባት ብሓፈሻ ንምስዓብ ድሌት ከም ዝሓትት ኣስሚሮም፥ ኣብ ዩክሬንን ቅድስቲ መሬትን ዘሎ ግጭታት ብዝምልከት ትራምፕ ነቲ ውግኣት ንምቁራጽ ብኸመይ ከምዝሰርሕ ብጭቡጥ ከምዘይገለጸ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስተብሂሎም፥ “ብወግዒ ስልጣን ምስ ተረከበ እንታይ ሓሳብ ከም ዘቕርብ እንርእዮ ጉዳይ ይኸውን” ኢሎም።

ዛዕባ ስደተይናታት መርገጺ ቅድስቲ መንበር ንጹር እዩ

ትራምፕ “ሚልዮናት” ስደተይናታት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምስጓግ ዝኣተዎ መብጽዓ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ካርዲናል ፓሮሊን “ኣብዚ መዳይ መርገጺ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መንበርን ኣዝዩ ንጹር እዩ። ንሕና ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ናብቲ ጫፍ ዘየብል ምስጓግ ከም መፍትሒ ዘየቕርብ መምርሒ ክይህሉ ንደሊ፡”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስደት “ኣዝዩ ንጹርን ግልጽን” ምልክት ከምዝሃቡ ወሲኾም ዘዘኻኸሩ ካርዲናል ፓሮሊን “እዚ እንኮ መንገዲ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕን ብሰብኣዊ ኣገባብ ንምፍታሕን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ” እንክብሉ ይሕብሩ።

ምክልኻል ህይወት

ካርዲናል ፓሮሊን መምርሕታት ትራምፕ ምስ መርገጺ ቅድስቲ መንበር ብዝያዳ ዝሰማምዑሉ ገለ ጉዳያት ንኣብነት ከም “ምክልኻል ሕይወት” ጠቒሶም ነዚ ኣሚኖም፥ ይኹን እምበር “እዚ ናይ ሓባር መምርሒ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ምርድዳእ ክርከብ ክጽዕር እምበር ዳግማይ ናይ ውልትውናን ምፍልላይን መምርሒ ክኸውን የብሉን። . . . ንሓድሕድካ ምስማዕ ከምዘድሊ ኣጽኒዖም፡ ትራምፕ ህይወት ንምክልኻል ዝኣተዎ መብጽዓታት “በዚ መንጽር’ውን ነቲ ምርድዳእ ከስፍሖ’ውን” ተስፋ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ንሓባራዊ ረብሓ ዝግበር ዘተ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘሎ ርክብ ምስቲ ሓድሽ ምምሕዳር ዝቕየር ኣይኮነን ብምባል፥ “ምስ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዕድመ ስልጣኑ እውን እንተኾነ ዝምድናና ዓቂብና ኢና፣ ስለዚ ይውሓድ ይብዛሕ ብከምኡ ዝቕጽል እዩ።” . . . ኣብ ገለ ጉዳያት ቅርበትን ኣብ ገለ ጉዳያት ድማ ፍልልያት ከምዘሎ ብምግንዛብ ካርዲናል ፓሮሊን፡ እዚ ዘተ ንምክያድ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብሓባር ዝያዳ ናይ ምርድዳእ ረቛሒታት ንምርካብን ኩሉ ግዜ ንረብሓ ሓባራዊን ንሰላም ዓለምን ክኸውን እዩ።”

ዝምድና ምስ ቻይና

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ርክብ ቅድስቲ መንበር ምስ ቻይና ዝምልከት ንዝቐረበሎ ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ኣብ ስምምዓት ምስ ቻይና ንቕድሚት ንስጉም ኣለና . . . እቲ ዘተ ቀጻሊ እዩ፣ ብንኣሽቱ ስጉምትታት ይቕጽል ኣሎ፡ እንክብሉ ኣረጋጊጾም፥ ነዚ ርክብ እዚ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝወሃብ ግብረ መልሲ ኣፍልጦ እናሃቡ፣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ቻይና ዘለዋ ተገዳስነት “ብመሰረቱ ዓቕለሲያዊ ረብሓ ዝምራሕ እዩ . . . ነዚ ኣንፈት እዚ ዝያዳ ኣፍልጦ ምሃብ ከኣ ነቲ ካልቲኣተን ሃገራት ብዛዕባ እቲ ርክብ [ቅድስቲ መንበርን ቻይናን] ዘለወን "ግምት" ክቕይሮ ይኽእል ኢዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

08 November 2024, 15:50