ካርዲናል ፓሮሊን፡ ዓለማዊ ጸገማት ዘተ ይጠልብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ብርግጽ ናይ ሎሚ ዓበይቲ ዓለማዊ ጸገማት ክፍትሑ ዝኽእሉ፡ ሓድነት እንተሃልዩና፡ ናይ ሓባር ኣካይዳ ምስ እንኽተል ጥራይ እዩ፤ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነዚ ጕዳያት እዚ ኣብ ክንዲ ንፈትሖ፡ ንኸነጋድዶ ዝድርኽ ሓደጋ እዩ ዘጋጥመና . . . ነቲ ንኤውሮጳ ዘየረጋግእ ዘሎ ወጥሪ፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ውሽጣዊ ምፍልላይን ኣስተውዒሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ መጀመርታ ሕርየቶም ኣትሒዞም ዝጣበቕሉ፥ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዝብል መትከል ሓድነት ደጊሞም የረጋግጹ።
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ነዚ መግልጺ እዚ ዝሃቡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ጎረጎርያና መንበረ ጥበብ፥ ንኢየሱሳዊ ልኡከ ወንጌል ኣባ ማተዮ ሪቺ ዝተወፈየ “ሕድሪ ምሕዝነትን ዘተን ሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም መደረ ከም ዘስምዑን፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሕድሪ ኣባ ማተዮ ሪቺን ባህሊ ወንጌላዊ ተልእኾ ነቲ ቅድስቲ መንበር ምስ ቤጂንግ ዝገበረቶ ዘተ ብኸመይ ባይታ ከም ዝፈጠረን ይፈጥር እውን ምህላዉን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ምሻም ጳጳሳት ዝምልከት ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበር ቻይናን ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ ከም ኣብነት ጠቒሶም፡ እቲ ግዚያዊ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ከም እተሓደሰ የዘኻኽሩ።
ትምህርቲ ማትዮ ሪቺ ምስ ቻይና ንዘተ
“ማቴዮ ሪቺ ምስ ቻይና ኣብ እንገብሮ መስርሕ ዝርርብ ወትሩ መሪሕ ኣካል እዩ፡ ብግብረ ገባዊ ቁመናኡ ጥራይ ዘይኮነስ ብፍላይ ኣብ መንጎ ምዕራባውን ቻይናውን ባህልታት ድልድል ኣብ ምዃኑ ዝነበሮ ተራ ከምኡ’ውን እምነት ንምብህልታው ዝገበሮ ዘይተኣደነ ጻዕሪ ዘኪሮም፥ "ሎሚ እንጥቀመሉ ግን ከኣ ብመሰረቱ ኣብ ግዜኡ ድሮ ዝነበረ እምንቶ - ኣብ መንጎ ሓቀይና ቻይናውን ንፉዓት ዜጋታትን ክርስትያን ምዃንን ዝኾነ ዓይነት ምግርጫው ወይ ምንጽጻግ ከምዘየለ ሪቺ ኣርእዩ እዩ። ወንጌል ንባህሊ ቻይና ካብ ውሽጡ የሀብትሞ . . . እዚ ዓቢ ትምህርቲ ማትዮ ሪቺ ሎሚ እውን የነቓቕሓና ኣሎ። ትዕግስትን ትብዓትን" እቶም ክልተ መሰረታውያን መትከላት ምስ ቻይና ዘሎና ርክብ ንምቕጻል ዝድግፉ መምርሕታት ምዃኖም ድማ የብርሁ።
ኣቃሊልካ ዘይርአ ንኣሽቱ ምልክታት ምዕባለ
ንኣብነት ምስ ቻይና ዝተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ ንኣርባዕተ ዓመት ከም ዝተሓደሰን ቻይናውያን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዶስ ተረኺቦም ክሳብ እቲ ሲኖዶስ ዝዛዘም እውን ኣብ ሮማ ክም ዝጸንሑን እዚ ንዝያዳ ምርድዳእን ምትሕብባርን ዝመርሕ ባህርያት ብዙሕነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዞም ንኣሽቱ ምልክታት ኣገዳስነቶም ኣቃሊልና ክንርእዮም ከምዘይብልና የስተብህሉ . . .
ዘተ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን
ሓደ ጋዜጠይና፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ዝህሉ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ዘይከም ኢጣልያን ብፍላይ ድማ ምስ ቅድስቲ መንበርን ምስ ቻይና ዘተ ንምምስራት ፍቓደይና ዘይኮነ ይመስል ክብል ሓሳብ ምስ ኣቕረበ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን “ብዝተወሰነ መትከላት ክንምራሕን መንገድና ክንስዕብን ንጽዕር፤ ካልኦት እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ቢልካ ክትዛረብ ኣጸጋሚ’ዩ . . . ይኹን እምበር ንዓና መትከል ዘተ መሰረታዊ ኮይኑ እዩ ዝቕልጽ፡ ዕለት 14 ሕዳር ምሸት ብዛዕባ ስራሕ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ንሰላምን ዘተን ተዛሪብና ኔርና፣ ግርጭታት ንምክልኻልን ንምፍታሕን እቲ እንኮ መገዲ ቀጥታዊ ርክብ ምዃኑ ኣስሚርናሉ፡ ንዓና ግን እዚ ብዛዕባ ስልትታት ጥራይ ዘይኰነስ መሰረታዊ ነገር እውን ኢዩ . . .
ንሰላም ድልድላት ምህናጽ
ኣስዒቦም "ድልድላት ምህናጽ" ዝብል ዕላማ ደጊሞም ግጭታት ንኸይህሉን ክህልው ንዝእኽል ግጭታት መፍትሒ ንምርካብ ዝድርኽ፡ . . . ኣብዚ'ውን ዝያዳ ትሑታትን ዕጉሳት ክንከውን ኣሎና። ስሕራዊ መፍትሒ ከምዘየለ ክንርዳእ ኣሎና፤ ናብ ካልኦት ንምብጻሕ ብዙሕ ሰናይ ድሌትን ድልውነትን ይሓትት። እዚኦም እቶም መሰረታዊ ኣተሓሳስባታት እንተኾይኖም፡ ብሓቂ ድልድል እምበር መንደቕ ክንሃንጽ ኣይንኽእልን ኢና።"
ብርግጽ፡ ኣብዚ መዳይ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ግን ከኣ "ምስ ዝኾነ ካልእ መንግስቲ" ናይ ምትሕብባር ተስፋ ከምዘሎ ገሊጾም፡ "ምስ ኩሎም መንግስታት ድማረን ምትሕብባርን ክህሉ ከም ዝኽእል ተስፋ ንገብር፡ ልክዕ ናይ ሎሚ ጸገማት ዓውሎማዊ ብምዃኑን ዓውሎማዊ ምላሽ ከም ዝሓትትን ስለ ዝኣመንና። እዚ መልስታት ጸጋታት ብሓባር ምውህህድ እዩ ዝመጽእ . . .
ሕድሪ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ
ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ዕለት 14 ሕዳር ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ‘ሮማ ትረ’ መንበረ ጥበብ ኣብ “ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ: ዘተን ሰላምን ብመንጽር ሄልሲንኪ” ዘርእስታ ብቤት ማሕተም ቫቲካን (LEV) ዝተሓትመት መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ምረቓ፥ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንስራሕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ (1923 – 219 ዓ.ም.) ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ኣገዳሲ ዝኾኑ - ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ እዋን እዚ እናተኾላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም እንክብሉ ዝገልጽዎ ዝረኣየሉ ህሉው ኩነታት ዓለም ብምትእስሳር ከም ዘጒልሑን፡ “ሎሚ ከምቲ ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ዝገበርዎ ኣንጻር ተስፋ ተስፋ ክንገብር ኣሎና . . .
ምትእምማን ንምምላስ ስጉምቲ ምውሳድ
ዘተ ናይ ቅድስቲ መንበር እማመ እዩ፣ ወትሩ ድማ ክኸውን እዩ፣ እቲ እንኮ መንገዲ “ብውሑዱ ኣብ መንጎ ውድባት ዝተሓተ ምትእምማን ኣብ ዝህልወሉ እዋን” ንቕድሚት ክብል ኣበርቲዓ ትዓዪ። “እዚ ብዛዕባ ኲናት ዩክሬን ብዓይነይ ርእየዮ እየ፡ ሓድሕዳዊ ምትእምማን የለን። ኩላትና ሓደ ነገር ክንገብር ኢና ተጸዊዕና።”
ሲልቨስትሪኒ፡ ዋላ'ኳ ተመሳሳሊ ብኲናት ዝተሃስየ ተርእዮታት እንተገጠሞ፡ ወትሩ "ኣብ ሰባት ዓቢ እምነት" ከም ዝነበሮ ካርዲናል ፓሮሊን ገሊጾም፥
መበል 29 ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር: ካብ ኣህዛብ ዝዓበየ ኣበርክቶ ምትብባዕ
ኣብ ቀረባ እዋን ከም ወኪል ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ኮይኖም ዝተሳተፍዎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ባኩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገርት መበል 29 ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣመልኪቶም እውን፥ “ንምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ምፍታሕ ህጹጽ ምዃኑ ናይ ሓባር ንቕሓት ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ፍታሕ ንምትግባር ጭቡጥ ስጉምቲ ንምውሳድ ብርቱዕ ድሌት ክህሉ ይግባእ” እንክብሉ ኣብቲ ዕለት 14 ሕዳር ኣብ ሮማ ትረ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ጎኒ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝገለጹን፥ እቲ ቀንዲ ዛዕባ ናይዚ ጉባኤ፡ ነቲ ብሰንኪ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዝመጽእ ጉድኣትን ክሳራን ንምእላይ ንምንካይ ዚሕግዝ መዋሊ ትካል ንምቕራብ እዩ፡ ምሕደራ ምወላ ኣብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዱባይ ኣብ እተገብረ ዋዕላ እኳ እንተ ተመስረተ ሕጽረት ገንዘብ ግን ኣሎ። ሃገራት ዝያዳ ወፈያ ንኽገብራ ክድረኻ ኣለወን . . . ዕለት 15 ሕዳር ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና እውን፥ ቅድስቲ መንበር ኩሉ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዋዕላታት ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ከም እትሳተፍን "ከም እትፈልጥዎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ጉዳይ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣዝዮም እዮም ስገደሱ - ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዝምልከት እውን ክልተ ዓዋዲያም መልእኽቲ ደሪሶም እዮም . . . ብልሓታዊ ሸነኽ ዘይኮነ ልዕሊ ኩሉ ግብረ ገባዊ ኣረኣእያ ኣብቲ ጉዳይ ከነምጽኣ ኣሎና፡ ምኽንያቱ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ብልሓታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ስነ ምግባራውን ግብረ ገባውን ጉዳይ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ትምህርቲ ዝምልከት እማመታት ዘማእከለ እዩ፡ ምኽንያቱ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ንምፍታሕ ኣብ ምቕያር ኣነባብራ እውን ትምህርቲ ኣድላዪ እዩ፣ ፣ እዚ ድማ ኣጸጋሚ እዩ ምኽንያቱ ካባና ዋላ ሓደ መስዋእቲ ክኸፍል ስለ ዘይደሊ . . እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።