ካርዲናል ታግለ፡ ልቢ ኣብ ማእከል ኢዮቤል ምንባር ካርዲናል ታግለ፡ ልቢ ኣብ ማእከል ኢዮቤል ምንባር 

ካርዲናል ታግለ፡ ልቢ ኣብ ማእከል ኢዮቤል ምንባር

ድሕሪ ምሕታም ሓድሽ ናይ ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘Dilexit nos - ውእቱ ኣፍቀረነ’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልኽቲ ናይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ካርዲናል ታግለ፥ ልቢ ኢየሱስ ንጽሑፋትን ተግባራትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምርዳእ ኣገዳሲ መፍትሕ ምዃኑ የነጽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ልበይ እየ፡ መንፈሳዊ መንነተይ ዝቐርጽን ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ሕብረት ዘእትውን ስለ ዝኾነ፡ ኣነ ልበይ እየ ክበሃል ይከኣል።"

እዚ ሓደ ካብቲ ዕለት 24 ጥቅምቲ ዝተሓትመ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውእቱ ኣፍቀረነ ብዝብል ኣርስቲ ናይ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ሓያል ክፍልታት እዩ - እቲ ክልተ ማሕበራዊ ዓዋዲያን መልእኽቲ ማለት ‘ስቡሕ ኣንተን’፥ ‘ኣሃው ኩልነን’ ዘንበርዎ ግን ሰፊሕ ኣቓልቦ ዘይረኸበ ግን ከኣ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዝውክል ስልጣናዊ ሰነድ እዩ። ንመላእ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖምን ኣገልግሎቶምን መፍትሕ እዩ ቢሎም፥ ውእቱ ኣፍቀረነ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልኽቲ ንከም ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመን ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት ዝጅምር ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ዝኣመሰሉን ፍጻመታት ብዝበለጸ ንምርዳእ እውን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ እንክብሉ ናይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተራዳኢ ህየንተ ፊሊፒናዊ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብቲ ውእቱ ፍቀረነ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የስተብህሉ።

ር.ሊ.ጳ.ት ፍራንቸስኮ፥ “ስቡህ ኣንተ” ደሓር ድማ “ኣሃው ኩልነ” ብዝብል እራእስቲ ዝደረስዎ ናብ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርቲ ዘቕርቡ ዓዓድያን መልኽትታቶም፡ “Dilexit nos - ውእቱ ኣፍቀረነ” ብዝብል ኣርእስቲ ሓድሽ ዓዋዲ መልኽቲ ለጊሶም ነዚ ሰነድ እዚ ብኸመይ ተቐቢልክምዎ?

ፍራንቸስኮ ዘገርሙ ር.ሊ.ጳጳሳት እዮም፡ ምኽንያቱ ድሕሪ እቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ነቲ ሓድሽ ዓዋዲ መልእኽቲ ከሕትሙ ዘይተጸበኽዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጽ ኣብ ቅዱስ ልቡ እተመሰለ ዓዋዲ መልእኽቲ ከሕትሙ ግን ኣየገረመንን፡ ንዓይ ቅዱስ ኣቦና ስቡህ ኣንተን ከምኡ እውን ኣሃው ኩለነን ዘርስቱ ክልተ ዓዋዲያን መልኽቶም ዘነጽር ስነ ክርስቶሳውነት መሰረት ዝገበረ ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ . . . ፍቕሪ ኢየሱስ ክንቅበል ከሎና ካልኦት ደቂ ሰባት (Fratelli tutti - ኣሃው ኩልነ) ከም ሓውን ሓብትን ምስ እንርእዮም ሓላይን ትሑታትን ሓላፍነታውያን መጋበርያን ናይ ሓባር ቤትና (Laudato si - ስቡህ ኣንተ) ክንከውን የኽእለና። ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጽሑፋትን መደረታትን ብቐጻሊ ኣብ ስብእናን ተልእኾን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና እምነት ዝተመርኮሰ ምዃኑ ክገልጽ እደሊ። ነዘን ክልተ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዓውዲ መልእኽትታት ደጊምና ከነንብበን ድሮ ኣብአን ኣሰር ወይ ዘርኢ ኣፍቀረነ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ክንረክብ እላቦ።

ኣብ ፊሊፒንስ ውፉይነት ንቅዱስ ልቢ ኣዝዩ ተፈታዊ ኮይኑ ብቐንዱ ድማ ንመዓልታዊ ሰባት ማለት ንህዝቢ ኣምላኽ ዘሳትፍ እዩ። ኣብ ሃገርኩም ብዛዕባ እዚ ተወፋይነት እዚ እንታይ ተመክሮ ኣለኩም?

ውፉይነት ንቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ኣብ ፊሊፒንስ ሰፊሕ እዩ። ኣብ ሃገረ ስብከታት፡ ሰበኻታት፡ ኣብያተ ትምህርትን ኣባይቲ ስድራን ውፉይነት ዘስፍሕ ብዙሓት “ቅዱስ ልቢ” ዝብል ስም ዝሓዙ፡ ማሕበር ኢየሱስን ሃዋርያነት ጸሎትን ነመስግን። ብጀካ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቀዳመይቲ ዓርቢ ዝግበር ዋዜማን ጸሎትን፡ ምስሊ ናይቲ ዘውዲ ዝተደፍአ ቅዱስ ልቢ ኣብ ገዛኻ ምህላው ልሙድ እዩ። ንልቢ ኢየሱስ ብምሕረቱን ፍቕሩን ንስድራቤትናን ንህዝብናን ክገዝእን ከመሓድርን ንልምኖ። እዚ ጸሎት እዚ፡ በደል፡ ስስዐ፡ ብልሽውናን ዘይምግዳስን ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን ናይ ልቢ ቁስሊ ካብ ዘጋጠሞ ህዝቢ ዝመጸ እዩ።

እቲ ውፉይነት እውን ንኢየሱስ ልብና ከም ናቱ ንኽንቅይሮ ብቐጻሊ ክንልምኖ ከም ዘለና ዘዘኻኽር እዩ። ክሳብ ሎሚ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ማኒላ (1937 ዓ.ም.) ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዝነበሮ ወግዓዊ መዝሙር ክሳብ ሎሚ ንዝምሮ፡ ብቋንቋ ስጳይና ዝተደርሰ መዝሙር ቅዱስ ልቢ ኮይኑ፡ እቲ ህዝቢ ልቡ ንኢየሱስ ዘቕርበሉ፡ “no más Amor que el tuyo, O Corazón Divino - ካብ ናትካ ዝዓቢ ፍቕሪ ይልቦን ኦ መለኮታዊ ልቢ” ዝርስታ መዝሙር፡ ንልቢ ምጽንናዕ ካብ የዕንቲ ንብዓት ክውሕዝ እተግበር እያ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ “Dilexit nos - ኣፍቀረነ” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ሎሚ ወዲ ሰብ ልቡ ዝስእን ዘሎ ከም ዝመስል ተዓዚቦም ንዓና ንክርስትያን ልቢ ኢየሱስ ከመይ ከም ዘፍቅረና ዳግማይ ክንረኽቦ ይዕድሙ። ኩሉ ካብ ልብና ከም ዝፍልፍል ዘሎ ንቕሓት ዳግማይ ንምሕያል እንታይ ክግበር ይከኣል?

ፍራንቸስኮ ኣብ “Dilexit nos - ውእቱ ኣፍቀረነ” ነቲ ከም ባህሊ ዝዝርጋሕ ዘሎ ተርእዮን ጠንቅታትን ኣምሶልነት ይገልጽዎ፣ ምስቲ ምንጪ ፍቕርን ሓቅን ርህራሄን ዝኾነ ልቢ ንኽንራኸቡ ይዕድሙና።

ነቲ ብቅዱስ ኣቦና ዝተዋህበ መግለጺ ኣምሶልነት ከም መምርሒ ናይ ሕልና መርመራ ገይርና ከነንብቦ እላቦ። ቀስ ብቐስ ምስ ውሽጣውነተይን ሓቀይና ነብሰይን ርክብ ይስእን ከም ዘለኹ ምፍላጥ፡ ንልብና ዳግማይ ንምንቃሕ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ቅዱሳን ዝብልዎ ወይ መንፈሳዊ ዑደትን ኩሉ ብዛዕባ ልቢ ኢየሱስ ዘለዎም ዘይግመት ፍቕሮምን ንሕይወቶምን ተልእኾኦምን ብኸመይ ከም ዝቐየሮ ዝህቡና ምስክርነት እውን ደስ ይብለኒ። ነቲ ሕብረት ቅዱሳን ርኢና ኣብ ሕብረት ቅዱሳን ክንጽበር እላቦ። ንቕሓት ልቢ ብሓድሽ ከነበራብሮ እንኽእል ብኣምር ወይ ብርቀት ዘይኮነስ ነቶም ኣብቲ ፈቃር ልቢ ኢየሱስ ሓቀይና ህይወት ዝረኸቡ ልብታት ብምስማዕ እዩ።

ልቢ ነቲ ውልቀ ሰብን ዝምድናታትን ከተስተውዕል ይጽውዕ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተዛዘመ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ፣ ንስኹም እውን ዝተሳተፍክምሉ፣ ብዙሕ ዘተ ተኻይዱ - ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ እውን - ብዛዕባ ምልዋጥ ዝምድናታት ብዙሕ ተዘትይሉ እዩ። እዚ ውእቱ ኣፍቀረነ ዘርእስቱ ሓደሽ ዓዋዲ መልእኽቲ እዚ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተባብዕዎ ንጉዕዞ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ንምምራሕ ከም ቡሶላ ከገልግል ይኽእል ድዩ?

“Dilexit nos  - ውእቱ ኣፍቀረነ” ነታ ሲኖዳዊትን ልእኽትን ክትከውን እትደሊ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ዝምህራ ኣለዎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተዛዘመ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ ሲኖዶስ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ዝምድናታት ማለት ምስ ኣምላኽ፡ ምስ ኩሎም ንቤተ ክርስቲያን ዘቑሙ ዝተጠመቑ፡ ምስ ምሉእ ሰብኣውነትን ፍጥረትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ።

ምሕዳስ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ኣብ ተልእኾ ወንገል ክረጋገጽ ዝኽእል ምስቲ ፍቕሪ ዝኾነ ስሉሳዊ ኣምላኽ ብተኣማንነትን ተኣዛዝነትን ትሕትናን ምስ እንዛመድ ጥራይ እዩ። ተልእኾኣዊ ሲኖዳውነት ኣብ መንጎ ጓሶትን ምእመናንን፣ ኣብ መንጎ ዞባውያን ኣብያተ ክርስቲያን ወዘተ ልቢ ኩሉ ሰብ ካብ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ካልኦትን ካብ ቅድመ ፍርድታትን ዝጸረየሉን እዚ ኸኣ ብርህራሀ ክሰምዕ ዝኽእልን ልቢ ንልቢ ዘቀራርብ ዝምድና ይሓትት።

ብመለኮታዊ ጸጋ ዝነጸሐ ሰብኣዊ ዝምድናታት እንተዘይህሉ፡ ተልእኾ ወንጌል ሲኖዳውነት ብመንፈስ ቅዱስ፡ ሃልሃልታ መለኮታዊ ፍቕሪ ዝነድድ ልቢ ዘይብሉ፡ ናብ ቤት ጽሕፈታዊ ስነ ምሕደራ ጥራይ ክወርድ ይኽእል እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ዝኣወጅዎ ኣብ ተስፋ ዘማእከለ - ዓመተ ጸጋን ዕርቅን ሓርነትን - ዓመተ ኢዮቤል ይቐርብ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ልቢ ኢየሱስ ዚገልጽ ዓዋዲ መልእኽቲ ምስዚ ዚመጽእ ኢዮቤል ብኸመይ ይተኣሳሰር?

ኣብ መንጎ “Dilexit nos  - ውእቱ ኣፍቀረነ”ን ዝመጽእ ዓመተ ኢዮቤልን ዘሎ ምትእስሳር ኣብቲ ብተስፋ ዝግበር ንግደት ዘማእከለ ከም ዝኸውን አስተብህል፡ ኣብቲ ልኡከ ወንጌላውነት ሸነኽ ናይቲ ንቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዝግበር ውፉይነት። ንመጀመርታ ግዜ ልቢ ኢየሱስ ብናይ ሰብ ልቢ ኣቢሉ ናብ ኩሉ ሰብን ናብ ኩሉ ሰብኣዊ ኩነታትን ናብ ፍጥረትን ዝውሕዝ መለኮታዊ ፍቕሪ ዘምጽእ ልኡካነ ወንጌላውነት ልቢ እዩ።

ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ ልቢ ኢየሱስ ንሓንቲ ዝተሰብረት ዓለም ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሕይወቶም ናይ ምድሓን ተኽእሎ ዘይርእዩ ተስፋ ይህብ። ር.ሊ.ጳ. ፍቅሪ ኢየሱስ ኣብ ልብና ክንቅበልን ክውሕዝ ድማ ክንፍቅድን ፍቕሪ ኢየሱስ ናብ ካልኦት ሰባትን ናብ ሕብረተሰብን ከይውሕዝ ከይንዓግት ይዕድሙና።

Dilexit nos  - ውእቱ ኣፍቀረነ” ነዚ ኢዮቤል እዚ ነፍሲ ወከፍና ፍቕሪ ኢየሱስ ንኻልኦት ዘካፈል ነጋድያን ክንከውን ንምድላው ክቡር መንፈሳውን ናይ ተልእኾ ወንጌላውነትን ጸጋ እዩ፣ እቲ ንኹሉ ልቢ ካብ ፍርሒ፣ ትዕቢት፣ ርእሰ ፍትወት፣ ዘይምግዳስ፣ ሕነ ምፍዳይን ተስፋ ምቑራጽን ሓራ ዘውጽእ ፍቕሪ እዩ። የፍቅረና እዩ፣ ስለዚ ተስፋ ኣሎና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

06 November 2024, 16:04