ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ለውጢ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዝደኸየ ጽልዋ ዘሕድርን ዓለማዊ ምትሕብባር ዝሓትትን እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ለውጢ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዝደኸየ ጽልዋ ዘሕድርን ዓለማዊ ምትሕብባር ዝሓትትን እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ለውጢ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዝደኸየ ጽልዋ ዘሕድርን ዓለማዊ ምትሕብባር ዝሓትትን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንካርዲናላትን ክኢላታትን ዘራኸበ ኣብ ዛዕባ ለውጢ ከባቢያዊ ኵነታት ኣየርን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣብ ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣስታት 30% ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዓመት ንልዕሊ 20 መዓልታት ንዘሳቕይ ቀታሊ ማዕበል ሙቐት ከምዝተቓላዕ ቤት ጽሕፈት መርሓ ግብሪ ኵነታት ከባቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ዕለት 28 ሕዳር ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኩባ፣ ቦሊቭያን ቬንዙዌላን ዘዳለዉዎ ኣብ ሮማ ዝተኣንገደ ዛዕባ ዓውሎማዊ ጽልዋ ምዝባዕ ኩነታት ከባቢ ኣየር ዝመኸረ ሓያሎ ካርዲናላትን ወከልቲ እዘን ሃገራትን ዘረኻበ ዓውደ ጉባኤ ከም እተኻየደን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣብ ልዕሊ “ድኻታት ሃገራትን ኣህዛብን” ዘለዎ ከቢድ ጽልዋ “ክሕባእ ወይ ክሽፈን ዘይከኣል እዩ” እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ሰብኣዊ ፍጥረት መላኺ ክኸውን ኣይተፈጥረን

ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ላቲን ኣመሪካን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ንዓለም ኣጋጢምዋ ዘሎ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ምህዳር ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነዚ ቅልውላው እዚ ንምድራትን ንምእላይን “ካብ ቃል ናብ ተግባር” እንሰጋገረሉ እዋን ከምዝኾነ ኣስሚሮም፥ መልሲ ናይዚ ብድሆ ኣብ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተመስረተ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ የብርሁ።

ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝሃቦም ዕማም - “መላኺ” ኵን ዝብል ዘይኮነስ ምስ ፍጥረትን ተፈጥሮን “ናይ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ርክብ” ክህሉ ዘመላኽት እዩ ቢሎም፥ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ክህልዎ ካብ ዝኽል ሃሳዪ ሳዕቤናት ኣጠንቂቖም፥ ቅድስቲ መንበር ምህዳር ንምሕላው ዝኣተወቶ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ ኣብነት ድማ ከምቲ ኣብ ቫቲካን ዝተተኽለ ናይ ጸሓይ ገርዚ ብኤለትሪክ ዝንቀሳቐሳ ማካይን

ምጥቃምን ዝብሉ ብምጥቃስ ስለዚ ኣነባብራና ምስ ጥዕና ምህዳር ኣብ ምስምማዕ ኣበርቲዕና ክንዓዪ ኣሎና ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠት ዋና ኣመሓዳሪ ካርዲናል ፒተር ኣፒያ ቱርክሰን፡ ወዲ ሰብ ንከባቢ ንምሕብሓብ ዘለዎ ጸዋዕታ ኣስሚሮም። “ዓለም ናይ ኣጋጣሚ ውጽኢት ዘይኮነ ድላይ ኣምላኽ ይኹን ናይ ዝበሎ ተግባር እያ” ዝለዚ ኩሉ ሰብ “ኣብዚ ናይ ምፍጣር ተግባር እግዚኣብሔር ክሳተፍ” ከም ዝተጸውዐ ኣዘኻኺሮም፥ ብለውጢ ኵነታት ከባቢያዊ ኣየር ኣዝዮም ዝተሃስዩ ሰባት ዝያዳ ተቓላዕቲ ምዃኖም ኣስሚሮም። እቲ ኣከባቢ ዝተሓዘሉ ኣገባብ፡ “ዘሕዝንን ውጽኢት ናይቲ መዋቕራዊ ሓጢኣት” እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንለውጢ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዝኽሕዱ ምንቅስቓሳት ብምጥቃስ፡ ህጹጽ ኩነታት ከባቢያዊ ኣየር “ግምታዊ ውጽኢት” ዘይኮነስ ወዲ ሰብ “ኣብ ዕለታዊ ተመክሮኡ ዝርእዮ ዘሎ ጭቡጥ ኩነት” ስለዝኾነ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ሕጂ ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ምስቲ ካርዲናል ቱርክሰን ዝበልዎ ብምስምማዕ፡ ነቲ ቅልውላው ከባቢያዊ ኵነታት ኣየር ከምቲ ዘለዎን ኮይንዎን ዘሎ ብግልጺ ምሕባር የድሊ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዘይኸሓድ ኩነት” ዝገልጽዋ ቃል ጠቒሶም “ለውጢ ከባቢ ኣየር ኢክውንነት ዘይኮነ ጭቡጥ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ድኻ ይኹን ሃብታም ማዕረ ክብርን መሰልን እዩ ዘለዎ

ዋና ጸሓፊ ጳጳሳዊ ሽማግለ ላቲን ኣመሪካ ኤሚልሰ ኩዳ ኣብታ “ንምሉእ ማሕበረሰባት ዝዕለቕለቐ” ንብራዚል ዘጋጠማ ውሕጅ መብዛሕትኡ ግዜ ከምቲ ኣብ ስጳይና ዘጋጠመ ኣብ ኩለን መራኸብታት ኣብ ቀዳማይ ገጻተን ሽፋን ዝህባሉ ከም ዘይኮነ ኣመልኪተን፥ እዚ ብሓቂ እዩ ዘሕዝን እዩ ቢላ፥ በዚ መሰረት ኵለን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ከባቢ ኣብ ምክልኻል ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝሕብርዎ መርሓ ግብርታት ከተኵራ ጻውዒት ከም ዘቕረባን . . . “ድኻታት ኣህጉር ኢና፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ክንብል ከለና ግን ኩላትና ሓደ ቦታን ናጽነትን መሰል ኣሎልን ኣሎና . . .

“ዝደኸየ ምዃን ማለት ትሑት ሞያ ወይ ትሑት ብቕዓት ዘሎካ ምዃን ማለት ከም ዘይኰነ” ብሰፊሕ ከም ዘብረሀት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንመጻኢ ከመይ ጌርካ ትገጥም

ብዙሓት ትካላት ኣብዚ ቅልውላው ከባቢያዊ ኵነታት ኣየር ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ንምድጋፍ መትከላት Laudato si - ስቡሕ ኣንተ’ ዘርእታ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተለገሰት ዓዋዲት መልእኽቲ ንምትግባር ይሰርሓ ኣለዋ።

ኣብ ቬንዙዌላ፡ ሚኒስተር ህዝባዊ ሓይሊ ንምህዳራዊ ማሕበርነት ኸሱወ ኣሌሃንድሮ ሎርካ ቬጋ፡ መንእሰያት እጃሞም ንኸበርክቱ ኣብ ምክንኻን ምህዳር ንኽሕግዙ መታን ብዛዕባ ዘላቕነት ከባቢ ክህነጹ ይግባእ . . .

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዳለው ናይ ለምዘበን መበል 29 ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ገና ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን፡ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ምኽትል ዋና ዳይረክተር ጉዳያ ብዝሓ ጎናውነትን ኣህጉራዊ ሕግን ኩባ ፔድሮ ሉዊስ ፔድሮሶ ኩኤስታ፡ ንቅልውላው ከባቢያዊ ኵነታት ኣየር ዝወሃቦ ዘሎ ግብረ መልሲ ዘይእዅልን ዝተበታተነ እዩ ምኽንያቱ ነዚ ጸገም እዚ ንምብዳህ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ዘድሊ ቁጠባዊ ሓገዝ ስለ ዘይቀርብ ቢሉ . . . ብሓባር ክብዳህ ዘለዎ ዓውሎማዊ ቅልውላው እዩ፡ ካብ ሰውራውያን ኩባ ንመኸተ ለውጢ ከባቢያዊ ኵነታት ኣየር፥ “ጽባሕ ድሮ ነቲ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ክንገብሮ ዝግበኣና ዝነበረ መፍትሕታት ዝደንጎየ ክኸውን እዩ” ብምባል ዘቕርብዎ ጻውዒት ምክንኻን ከባቢያዊ ኣየር ደጊሙ ከም ዘቃለሐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 November 2024, 17:00