ቤተ ክርስቲያን ሎሚ እምነት ብዝበለጸ ንምንባር ታሪኻ ተጽንዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ፊሊጶ ነሪ፡ ንዘመናዊ ካቶሊካዊ ስነ-ታሪክ ኣጸሓሕፋ መስራቲ ንዝኾነ ዓርኩ ቸሳረ ባሮኒዮ "ተመሃሮና ታሪኽ ይፈልጡ ስለ ዘየለዉ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እንተወሓደ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ንኽትምህሮም እዕድመካ። ታሪኽ እንተድኣ ዘይፈልጡ ኮይኖም ኣብ መወዳእታ ንእምነት እውን ኣይክፈልጥዋን እዮም” ከም ዝበሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ይሕብር።
ታሪኽ ምጽናዕን ምፍላጥን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.
ፍራንቸስኮ ኣብታ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስነ ጽሑፍ ብምጕላሕ ልዕሊ ዅሉ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ኣብ ሕንጸት ካህናት ተመስሪቶም ዝበለዎ እኳ እንተነበረ ግን ንዅሉ ሰብ ዘገድስ ሕቶ እውን እዮም ዘጒልሑ።
ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ምጽናዕ ዝኽሪ ንምዕቃብን መጻኢ ንምህናጽን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ክውንነት ኣብምቢብካ ንምትርጓም ዝበለጸ መገዲ እዩ። መንእሰያት ወለዶታት ኣብ ሕሉፍ ዕምቆት ክኣትዉ፡ ማራኺ ዝመስሉ ቀለልቲ ዝፍነዉ ጭርሖታት ከምኡውን ብሚልዮናት ዝቝጸር ናይ ሓሶት ብኸፊል ወይ ዘይተማልአ "ዜናታት " ክጻረሩ ምምሃር ንዅላትና ዘጠቓልል ተልእኾ ኢዩ። እተን ቅዱስ ፊሊፖ ኔሪ እተዛረበን ቃላት ኣብ መንጎ ክርስትያናዊ እምነትን ታሪኽን ዘሎ ምሉእ ምትእስሳር ዘጉልሓ እያተን።
ትስብእትን ሞትን ትንሳኤን ወልደ እግዚኣብሔር ንታሪኽ ወዲ ሰብ ኣብ "ቅድምን - ደሓርን ዝመቐለ ፍጻመ እዩ። ካቶሊካዊ እምነት ልዕሊ ኩሉ ስነ ሓሳብ፣ ፍልስፍና ወይ ግብረ ገብ ኣይኮነን፤ ርክብ ህይወት ጭቡጥ ታሪኽን እዩ።
ካብ ኣደን ኣቦና ናብ ውላድ፡ ካብ ኣቦ - ሓጎታትን ኣደ - ሓጎታትን ናብ ደቂ ደቂ ብዝተመሓላለፈ ምስክርነት ኢና ክርስትያን ዝኾንና። ነዚ ሰንሰለት ንድሕሪት ምስል ቢልካ ምድህሳስ ናብቶም ቀዳሞት መሰኻኽር ማለት ሃዋርያት ይመርሓና፣ ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንብምሉኡ ማሕበራዊ ህይወት ኢየሱስ ይካፈሉ።
እዚ ብናይ እምነት ኣረኣእያ ዝተሰነየ ፍቕሪ ታሪኽ’ዚ፡ ነቲ ጉድለታትን መንቅብን ዘለዎ ገጻት ቤተ ክርስቲያን እውን ክንምርምር የኽእለና።
ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ነቲ ሽዑ ምስጢራዊ - ዕቁብ ማህደር ቫቲካን ኣብ 1889 ንኹሎም ተመራመርቲ ክኽፈት ክውስኑ እንከለዉ “ብዘይ ጽልኢ ኣጽንዑ፣ ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ሓቂ ጥራይ እምበር ሓሶት ኣየድልያን እዩ” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣዘኻኺሮም፥ ታሪኽ ምጽናዕ ምስቲ ናይ ቀደም "ኣበርን ሕልኽልኻትን ከም ዘራኽበና ርዱእ እዩ።
ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም፥ "ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ነታ ሓቀይና ቤተ-ክርስትያን ንኽንርእያን ንቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ከም ዘላቶ ንኸነፍቅራን ከምኡውን ነቲ እተማህረቶን ካብ ጌጋታታን ፍሽለታታን ንኽንመሃርን ይሕግዘና ኢዩ" እንክብሉ የነጽሩ።
ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝኸፍአ እዋናት እውን ከይተረፈ ምፍላጣ ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዘሎ "መንቅብን ቍስልን" ንኽትርድኦ የኽእላ ኢዩ።
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣረኣእያ፥ ልክዕ ከምቲ ንቤተ-ክርስትያን ከም መዕቈቢ ገበርቲ እከይ ገይሩ ካብ ዝገልጻ፥ ስነ-ምግባራዊ ዝንባለታት ዝረሓቐን ምስ ዝዀነ ይኹን ንቤተ ክርስቲያን ከም ፍጹም ክውንነት ንምቕራብ ካብ ምስ ዝደሊ ተኸላኻሊ ምጒት ርክብ የብሉን፡
ብሓቂ ክርአ እንከሎ ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ንኹሉ መዳያት ሕሉፍ ህይወታ ክትገጥም እንተኽኢላ፡ ሰብኣውነት ብጎይታ እምበር ብዕዳጋ ጓሳዊ ሜላታት ወይ ብህቡብነት ዝኾነ ህሉው ውልቀሰብ ከምዘይድሕን ስለ እትፈልጥ ትሕትና ክህልዋ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።
(Andrea Tornielli)