2024.11.11_20218.12.22 L’ambulatorio “Madre di Misericordia”, la cura amorevole dei poveri 2024.11.11_20218.12.22 L’ambulatorio “Madre di Misericordia”, la cura amorevole dei poveri  (Vatican Media)

ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ነቶም ኣብ ገበላ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከቡ መሳኪን

ንመዓልቲ ድኻታት ንምድላው እቲ ምስቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣገልግሎት ግበረ ሠናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅ ድስቲ መንበር እተተሓሓዘ ኽንክን ጥዕና፣ ነቶም እተሸገሩ መሳኪን ሰባት ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ክሳዕ ሰዓት 5 ናይ ምሸት መዓልታዊ ብናጻ ኣገልግሎት ሕክምናን ከምኡውን ሓገዝ መድኃኒታትን ይህቦም ኣሎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ሰንበት ዕለት 17 ሕዳር እትውዕል መበል 8 ዓመት መዓልቲ ድኻታት ኣመልኪቶም ኣብ እተዛረብዎ ቃላት ነቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ጉዳያት ንኣገልግሎት ግብረ - ሰናይ እተገብረ ተበግሶታት ዘሎ መንፈስን ድራኸን እንክገልጹ "ነቶም ኣብ ከተማታትና ዚነብሩን ክፍሊ ማሕበረሰብና ዝዀኑን ድኻታት ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ይከናኸነኩምን ይቐርበኩምን እዩ እብሎም ኣለኹ" በሊ።  ከምቲ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ህየንታ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዙሕ ግዜ ከም ዘመልከትዎ እዚ ኣገልግሎት እዚ ነቶም ተነቀፍቲ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ከም "ክፍሊ ህጹጽ ኩነታት" ዀይኑ ዘገልግል ዘሎ ኢዩ።

ቅነ ግብረ - ሰናይ

ናብ መዓልቲ ድኻታት ገጽና እናቐረብና ብዝኸድና መጠን ተበግሶታትና ዛይዱ ይርከብ ኣሎ ። እቲ ብ2015 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ገበላኡ እተመስረተ "ኣደ ምሕረት" ዝተሰምየ ማእከል ክንክን ጥዕና ብዕለት 11 ሕዳር ቅነ ጽዑቕ ኣገልግሎት ጥዕና ኪጅምር እዩ። ነቶም እተሸገሩን መሳኪንን ሕክምናዊ ኽንክን ብምሃብ ካብ ሰዓት 8 ንግሆ ክሳዕ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ክፉት ክኸውን ኢዩ። እቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣብ መዓልቲ ኽልተ እብረ ዝሽፍን 46 ሓካይምን 8 ኣለይቲ ሕሙማትን 10 ወለንተኛታትን ዘሳትፍ ኣገልግሎታት ከካይድ ኢዩ ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቶም ክንክን ጥዕና ወይ ሰነድ ዘይብሎም ሰባት ሓፈሻውን ፍሉይን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክልግሰሎምን ሓገዛት ከወፈየሎምን ከም መርመራ ደም ስዋብ ክዳውንቲ ከምኡውን መድሃኒት ክዕድል ኢዩ ። ዕላማኡ ንእተሸገሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምሕጋዝ ዘተኮረ ክንዲ ዝኾነ መንነትካ ክትገልጽ ኣየድልየካን እዩ ።

ናይ ክዒላታት ምብጻሕ ኣብቶም እተሸገሩ

እዚ ማእከል ክንክን ጥዕና ብዘይ ቈጸራ ፍሉይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይህብ፣ ሳላ እቲ ኻብ 18 እተፈላለየ ዓውድታት ዝመጹ ሓካይም እንተላይ ሕማም ልብን ዓጽምን ጅማውትን፣ ሓፈሻዊ መጥባሕቲ፣ ክኢላታት ቈርበት ስንን፣ ማህጸን ሳንቡእን፣ ስርዓተ መትንታትን ውሽጣዊ መርመራታንን፣ ስነ ኣእምሮን ስነ ልቦናን፣ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ሕማም ከስዐን፣ ከምኡ ውን ሕክምና ህጻናትን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ። ነቶም እተሸገሩን መሳኪንን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኺጥቀሙሉ ንምሕባርን ንምትብባዕን ኣብ ሰበኻ ሮሜ ኣብ ዚርከብ ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን መደብ ተገይሩ አሎ።

ምስ ሕሩያት ኣምላኽ ምጽላይ

"ጸሎት ድኻታት ናብ ኣምላኽ ይዓርግ" (ሲራ 21፡ 5) ቀንዲ ኣርእስቲ እታ መዓልቲ ድኻታት እያ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም እዚ ጸሎት እዚ "ምሳታቶም እንዘራረበሉ መገዲ ምእንቲ ክኸውንን ኣብ ስቓዮም ምእንቲ ኽካፈልን ኣብ ገጾም ዛንታ ድኻታት ከነንብብ" ከም ዘሎና ጸሓፉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ሰብኣውን መለኮታውን ፍቕሪ ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝጸሓፍዋ ዓዋዲት መልእኽቶም “ውእቱ ኣፍቀረን” ከምዚ ዝኣመሰለ ምክፋል ክግበር ዝከኣል ልቢ ብትሕትና ምስ ዝትንከፍን "ብሕውነትን ምትሕብባርን" ምስ ዝዓብን ጥራይ ምዃኑ ጸሓፉ።

ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከም ዝገለጽዎ "እቶም ዘይበኽዩ ውሽጦም ደንዚዙ እዩ፣ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኣኽብሮትን ብርሕራሐን ዚመላለሱ ግና ብመንፈሳዊ መዳይ ይበሰሉ። ምስ ገዛእ ርእሶም ብዙሕ ኣይቀራረቡን ምስ ክርስቶስ እውን ኣይቀራረቡን እዮም ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብመንፈስ ድኻታት ይዀኑ ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ናብቶም ድኻታት ማለት ናብ ቶም ሕሩያት ኣምላኽ ዝቐረቡ ኮይኖም ይስምዖም።"

13 November 2024, 15:30