ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ኣፍሪቃ - ቅድስቲ መንበር ስምምዓት "ኣገልግሎት ንሰብኣውነት" ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ኣፍሪቃ - ቅድስቲ መንበር ስምምዓት "ኣገልግሎት ንሰብኣውነት" 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ኣፍሪቃ - ቅድስቲ መንበር ስምምዓት "ኣገልግሎት ንሰብኣውነት"

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ርክባት ዋና ጸሓፊ ካብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ያውንደ ካሜሩን ናይ ሊቕነት ክብሪ ማዕርግ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተገብረ ስምምዓት፥ "ቤተ ክርስቲያናዊ ናጽነትን - ናይ ሓባር ሰናይን" ዘተባብዕ ምዃኑ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ምስ እዋናዊ ሃገራት ኣፍሪቃ እትገብሮ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት፥ "ንሰብኣውነት ኣገልግሎት" ዘማእከለ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕቃብ "ቤተ ክርስቲያናዊ ናጽነት"፡ ዋላ ኣብ ሞንጎ "ፖለቲካዊ ለውጢ" ከምኡ’ውን ኣብ ምዕቃብ "ናይ ሓባር ሰናይ" ዘተኮረ ምዃኑ . . . ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ካሜሩን ርእሰ ከተማ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ሊቕነት ክብሪ ማዕርግ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣህጉራዊ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር እቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ካሜሩን ካብ ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ክብሪ ማዕርገ ሊቕነት ተረኪቦም ብዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙን ኣብ መድረኦም ብቅድስቲ መንበር ዝተኸተሙ ስምምዓት መሰረታዊ መዳይ ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ትውፊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ቤተ ክርስቲያን "ዓሚቕ መንፈሳዊ ኣካል" ኮይና ክትቅጽል እንኮላ፡ "ዳርጋ ምስ ኩለን ሃገራት ዓለም" ከምኡ'ውን ምስ "ከም ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ትካላት . . . ኣብ ብዝሓ ጎናውነት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት" እውን ትርጉም ዘለዋ ተዋሳኢት ምዃኑ ገሊጾም፥ ዕለት 8 ጥሪ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጠንት ዘለዎም 180 ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ በቢ ዓመቱ ዝግበር ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮት ከም እተለዋወጡን እዚ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ርክብ እዚ ቅዱሰቶም ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ዝድህስስ መደረ እውን ከም ዘቕርቡ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ እዋን እዚ 91 ሃገራት ኣብ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ መንበር ናይ ዘለወን ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ብግዜ ር.ሊ.ጳ. ማርቲን ሓምሻይ (1417-1431) እተመስረተ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሃገረ ቫቲካን “ር.ሊ.ጳ. ማእከል ዝገብር ስነ ሜላዊ” እንክብ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ነዊሕን ሃብታምን ምትሕብባር" ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ስለ ኣቲ ብመንበረ ጥበብ ካሜሩን ዝተዋህቦም ናይ ሊቕነት ክብሪ ማዕርግ ኣመስጊኖም ዝተሰምዖም ብሓጎስ ገሊጾም፡ ኣገዳስነት ናይቲ ዕለ 13 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ኣብ ያውንደ ዝጸደቐ "ማዕቀፍ ስምምዕ" ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ካሜሩንን ኣጉሊሖም፥ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ቫቲካንን ዝነበረ ዝምድና ቅድሚ ዘመናት ዝጀመረ ምዃኑን፡ ምስ ቱኒዝያን ቤልጅየም ኮንጎን ዝተፈረሙ ቀዳሞት ስምምዓት "ነዊሕን ሃብታምን ምትሕብባር" ከም ዘበገሰ ኣመልኪቶም። እዚ ዝምድናታት ኣብ ህሞት መግዛእታዊ ዘመን እዩ ነይሩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ "ዳርጋ ኩላ ኣፍሪቃ - ብጀካ ኢትዮጵያን ላይበርያን - ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሓይልታት ኤውሮጳ” ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዝጀመረ ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣዘኻኺሮም ኣብዚ ግዜ እዚ ቅድስቲ መንበር ንምእመናንን ናይቲ ከባቢ ውሉደ ክህነትን ድምጺ ኮይና ትሰርሕ ከም ዝነበረትን በብቑሩብ ድማ ኣብ ግዝኣታት ዝምልከት ዓበይቲ ኣኼባታት ትሳተፍ ከም ዝነነበረት እውን ኣተሓሒዞም ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ኮንጎ ዝተገብረ ስምምዓት

ንኣብነት ኣብ ቤልጅየም ኮንጎ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዝተበጽሑ ክልተ ስምምዓት ጠቒሶም: እቲ ሓደ ዕለት 26 ግንቦት 1906 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ 10: እቲ ካልኣይ ድማ ዕለት 8 ታሕሳስ 1953 ዓ.ም.  ኣብ ትሕቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝተበጽሐ ምዃኑ ገሊጾም፥ እቲ ቀዳማይ ስምምዕ "ቤት ትምህርትን ማእከላት ሞያዊ ስልጠና ብምቛም ንመንግስቲ ዝገብሮ ትምህርታዊ ጻዕርታት እናደገፍካ እምነት ካቶሊክነት ንምስፋሕን ንምድንፋዕን" ዝዓለመ ከም ዝነበረን፡ እቲ ካልኣይ ድማ "ንውዳበ ቤተክርስትያን ኣብ ኮንጎ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ካቶሊካዊ ህዝብን ከባብያዊ ውሉደ ክህነትን ዝልለ ሓድሽ ኩነታት ንምትዕርራይ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ጎኒ ጎኒ ቀስ ብቐስ ንናጽነት ዝጽዕር ዘመናዊት መንግስቲ ምምጻእ" ዝዓለመ ምዃኑ እውን የብርሁ።

ቀዳሞት ተልእኾታት ኣብታ ኣህጉር

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ምስ ምዝዛም ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ "ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ንጥፈታት ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣፍሪቃ እናተቀላጠፈን እናሰፈሐን ከም ዝኸደ ኣስተብሂሎም፡ ካብ 1960 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ከም በዓል ሌጎስ (ናይጀርያ)፡ ናይሮቢ (ኬንያ)፡ ኣንታናናሪቮ (ማዳጋስካር) ዝኣመሰላ ከተማታት ሓደስቲ ሓዋርያዊ ልኡኻት ክምስረቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ተልእኾታት ድማ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽነት መንበር ተሰጋጊሮም እዮም። ናይ መጀመርታ ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ ተጠቀምቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዳካር (ሰኔጋል) ኣብ 1961 ዓ.ም. ዝተኸፍተ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ኣብ ካይሮ (ግብጺ)፡ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጵያ)፡ ሞንሮቭያ (ላይቤርያ) ኣብ ኣፍሪቃ ስዒቡ ዝቖመ ራብዓይ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ መንበር ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ካሜሩን ኣብ ያውንደ ዝርከብ ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣውራጃታት ናይዛ ሕጂ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትበሃል ሃገር ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ሓዋርያዊ ልኡኽ ዕለት 3 ሚያዝያ 1965 ዓ.ም. ከም ዝቖመን፡ እንተኾነ ቅድስቲ መንበር ምስ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክሌኣዊ "ማዕቀፍ ስምምዕ" ዘጽደቐት ኣብ 1997 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ምስ ጋቦን ምዃኑ ይሕብሩ።

ሃይማኖታዊ ናጽነትን ናይ ሓባር ረብሓን

ሎሚ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 51 ምስ ቅድስቲ መንበር ርጉእ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ከም ዘለወን እዚ ዝምድናታት እዚ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዝመጸ መትከላት ዝምራሕ ኮይኑ፡ "ብዘይ ኣፈላላይ" ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምድጋፍን "ናይ ሓባር ሰናይ" ንምዕቃብን ዝዓለመ እዩ። ጉስነታዊ ቅዋም Gaudium et Spes - ፍስሓን ተስፋን  ነዚ "እቲ ጉጅለታትን ውልቀ ኣባላቶምን ብዝበለጸን ብቐሊሉን ኣብ ፍጽምናኦም ንኽበጽሑ ዘኽእሎም እኵብ ማሕበራዊ ኩነታት" እንክብሉ ብምግላጽ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 November 2024, 15:43