ቫቲካን ትሕቲ ዕድመ ዩክሬናውያንን እሱራትን ንምምላስ እተካይዶ ጻዕሪ ይቕጽል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቫቲካን እቶም ካብ ዩክሬይን ናብ ሩሲያ እተወስዱ ዩክራይናውያን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዝተማረኹ ወተሃደራዊ ኣባላትን በርገሳውያን ዜጋታት ናጻ ክልቀቑ እትገብሮ ሰብኣዊ ጻዕሪ ክትቅጽል ምዃና ኣብቲ ኣብ ካናዳ ርእሰ ከተማ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ "ሚኒስትሪያዊ ጉባኤ ሰብኣዊ ሸነኽ ንሰላም ኣብ ዩክሬን" ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣረጋጊጾም፥ “እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ውጽኢት ኣይተበጽሐን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ምናልባት እቲ ጉዳይ ከም ዝተሓሰቦ ዘይኮነስ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ስለ ዝኾነ ክኸውን ይኽእል ከም ዝበሉን እዚ ዋዕላ እዚ ብርእሰ ብሔር ዩክሬይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝቐረበ ካልኣይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዩክሬይን” ዝብል ኮይኑ፤ እቲ ቀዳማይ ዋዕላ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ስዊዘርላንድ ከም እተኻየደ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ እቲ ናይ ክልተ መዓልታት መደብ (ካብ 30-31 ጥቅምቲ) ኣብ “እማመ ቁጽሪ 4” ካብቶም ነቲ ሰብኣዊ ሸነኽ ንሰላም ዝቖሙ ዓሰርተ ነጥብታት ዘተኮረ ከም ዝነበረን፡ማለት “ምፍታሕ ኩሎም እሱራትን ዝተሰጎጉን” ዝብል ኮይኑ እቲ ግጭት ካብ እተበገሰሉ ኣትሒዙ፡ ቅድስቲ መንበር ዝወሰደቶ ተልእኾ ምዃኑ ይሕብሩ፡
ሕቶ ዘለንስኪን ተልእኾ ካርዲናሎ ጹፒን
ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ፈለማ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ብዛዕባ ምፍታሕ ልዕሊ 19 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ዩክሬናውያን ብሓይሊ ናብ ሩስያ ዝተወስዱን ምልውዋጥ እሱራትን መስርሕ ከተካይድ ሓቲቶም ከም ዝነበሩን እቲ መስርሕ ጭቡጥ ውጽኢት ከም ዘምጸአን ከም ክልተ ዩክሬናውያን ኣባላት ማሕበር ልኡካነ ወንጌልል ረደምፕቶሪስትን ሓደ ጉጅለ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝሓለፈ ዕለት 29 ሰነ ናይዚ ዓመት ናጻ ከም እተለቁ ዝዝከር ኮይኑ፡ ርእሰ ብሔር ዩክሬይን ዕለት 11 ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ንሳልሳይ ግዜኦም ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቦም እውን ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
እዚ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምልከትን እቲ ግጭት ከብቅዕ “ቀዳማይ ዕላማ ልኡኽ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ጹፒ ተልእኾ ናብ ኪየቭን ሞስኮን ምብጻሕ ዝምልከት ምንባሩ” ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ነዚ ናይ ካርዲናል ጹፒ ምብጻሕ ጠቒሶም ካርዲናል ጹፒ ኣብ ሓጋይ 2023 ዓ.ም. ኣብ ኣሜሪካን ቻይናን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ናብ “ፍትሓዊ ሰላም” ዝወስድ መንገዲ ንምርካብ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ኣስዒቦም ዕለት 14ን 15ን ጥቅምቲ ናብ ሞስኮ ከም እተመልሱን ዘኪሮም፥ “ንህጻናት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝሕግዝ ማዕቀፍ ንምፍጣርን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ስሩዕ ምልውዋጥ ሓበሬታን ንኽህሉ ኣኽኢሉ እዩ። እዚ እውን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ሊቀ ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ ኣብ ሞስኮን ሊቀ ጳጳሳት ጆቫኒ ዳኒየሊ ኣብ ኪየቭን ዝሳተፍዎ እውን ምንባሩ ይሕብሩ።
ኣብ ዩክረይንን ሩሲያን ክልተ ሓዋርያዊ ልኡኻን ሓገዝ ኣብ መስርሕ ሰላም
ሊቀ ጳጳስሳት ጋላገር “ኣብ መንጎ ውድባት ዝግበር ቀጥታዊ ርክብ ብፍላይ ኣብቲ ርክባት ክልቲኦም ሓዋርያዊ ልኡካን ምስታፍ ንዘተ ኣብ ምምችቻእ ሓጋዚ ምንባሩ እውን ኣመላኺቶም፡ ብፍላይ ሊቀ ጳጳሳት ኩልቦካስ “ነቶም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንምቕባል ድሉዋት ዝኾኑ ካቶሊካውያን ትካላት ኣብ ምርካብ ከም ዝተዋስኡን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ “ቅድስቲ መንበር ካልኣይ ጉጅለ ህጻናት ክፍትሑ ሕቶ እውን ደጊማ ከም ዘቕረበት ኣመላኺቶም፥ ብኽልቲኦም ወገናት እሱራት ናይ ምልውዋጥ መስርሕ ክትግበር ትሓትት ነቶም ናጻ ዝልቀቑ እሱራት ዘድሊ ሕክምና ክርኽቡ ዝዓዪ ሓባራዊ ሽማግለ ክንክን ጥዕና ንምቛም ዝቐረበ እማመ እውን ትድግፍ፡ ንሕቶ ስድራቤት እሱራት ዩክሬን ትድግፍ" ክብሉ ኣስሚሮም፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርበሎምን ሩስያ ድማ ነቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ዩክሬን ክትመልሶም ጻውዒት ከም ዘቕረበት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኩነታት እሱራት ሩስያ ኣብ ዩክሬን።
እቲ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ እውን “ንገለ ካብቶም ኣብ ዩክሬን ዝርክቡ እሱራት ሩስያ፡ በጺሖም ኵነታቶም ጽቡቕ ምዃኑ ከም ዝሓበርዎምን ኹነታት ኣብ ሩሲያ ዝርከቡ እሱራት ዩክሬን ብዝምልከት ግን ተመሳሳሊ መረጋገጺ ብናይ ርሩስያ ሰብኣዊ መሰላት ተሓላቂ ማሕበር ጽቡቕ ምህላዎም ዝተነገረ እንተዘይኮይኑ ቅድስቲ መንበር ብቐጥታ ኩነታቶም ከተረጋግጽ ከም ዘይከኣለት ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር የፍልጡ።
ሰብኣዊ ጉዳያት መሳርሒ ዘይምግባር
ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳስ ጋላገር “ክልቲኦም ወገናት ሰብኣዊ ጉዳያት ንዝኾነ ይኹን ጉዳይ መሳርሒ ካብ ምግባር ክቑጠቡ” ብምምሕጻን ንሰብኣዊ ህጹጽ ኵነታት ፍታሕ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ጽቡቕ ድላይን ወስታን ብምዃኑ ዳግም ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።