ሊቀ-ጳጳሳት ጉድዥያክ፦ ድልድል ምህናጽን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ደድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና እተገብረ ምርኻብ ምስቶም ኣባል ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾብኑን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝገልግሉ ዝለዉ ናይ ዩክረይን ግሪክ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቦሪስ ጉድዥያክ ምስ ዜና ቫቲካን ቃል መሕትት ኣካይዶም።
ሊቀ-ጳጳሳት ጉድዥያክ ኣብቲ ምስ ጋዜጠይና ክሪስቶፈር ዌልስ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ከምዚ በሉ - "ቅዱስ ኣቦና ንዅላትና ኣብ ዓለም ዘሎና ብፍላይ ከኣ ነዚ ብዛዕባ ጉዳያት መራኻቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እዚ ብስራት ከነጋውሕ ይዕድመና ከም ዝነበሩ ይመስለኒ።”
ሊቀ-ጳጳሳት ጉድዥያክ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ምክፍፋል ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ ቤተ-ክርስትያን ንሰባት ከተሕብሮም ከም እተጸውዐት ውን ግለጹ። "ህይወት ቅድስቲ ስላሴ ኽንነብር ተጸዊዕና ኣለና፣ እዚ ኸኣ ኣርኣያና እዩ፣ ኣምላኽ ከአ ነዚ ኢዩ ዝጽውዓና፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ፍቕሪ እዩ።"
ኣብ ግዜ ምክፍፋል ድልድል ምህናጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ምስ ኣባላት ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽህፈት ተራኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ድልድል ኣብ ምህናጽን ማሕበረሰብ ኣብ ምድንፋዕን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ። "ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት መናድቕ ዚሃንጹሉ ዝለዉ እዋን ድልድል ንምህናጽ ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ነቲ ብዙሕ ምክፍፋል ዝረኣየሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ንምሕባሩ፣ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዘይተገዳስነት ኣብ ዝመርጹሉ ዘለዉ ግዜና ኣብቲ ዘሕዝን ፍጻመታት ንምክፍል ኢዩ ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጉድዢያክ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ቅድስቲ ስላሴ ብምንጽብራቕ ኣብ ደቅሰባት ሓድነት ምፍጣር ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ደጊሞም መስከርዎ። "ህይወት ቅድስቲ ሥላሴ ኽንነብር ኢና ተጸዊዕና ዘሎና" ድማ በሉ። "እታ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዘላ ፍቕሪ ኣርኣያና እያ፣ ኣምላኽ እውን ነዚ ክንከውን እዩ ዝጸውዓና።"
ሓቅን ምትሕብባርን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን
ሊቀ-ጳጳሳት ጉድዢያክ ብፍላይ ኣብቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ንሓቂ ምምስካር ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ። "ካቶሊካዊ መራኸቢታት ንሰባት ኣብ ዙርያ ሓቂ ኣብ ዙርያ እቲ ተነቢሩሎም ዘሎ ተስፋን ከምኡውን ኣብ ከባቢ እቲ ብኣምላኽ ከም እንፍቀርና ዝገልጽ ዓቢ ዜና ከሕብሮም ኣለዎ" በሉ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ዓለምለኻዊ ሰማዕቲ ንምብጻሕ ብእተፈላለየ መልክዕን ቋንቋን ክመሓላለፍ ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ።
ብፁዕነቶም ነቲ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ብምጕዳል ፍትሒ ዝሳቐዩ ዝለዉ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ዩክረይን ዝኣመሰላ ብውግእ ዝዓነዋ ዞባታት ሓልዮትን ምትሕብባርን ኣብ ምልጋስ ዘለዋ ግደ ገለጹ። እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ዘስዓቦ ኣዕናዊ ጽልዋ ብምጥቃስ "መዓልቲ መዓልቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ይቕተሉ ኣለዉ" ከምኡውን ኣድላዪ ዝዀነ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረዶ ገለጹ።
ሰገር ፖለቲካዊ ምክፍፋል ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን
ሊቀ-ጳጳሳት ጉድዢያክ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዝካየድ ምርጫ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ቤተ-ክርስትያን ንዩክረይን ዓለምለኻዊ ሓድነትን ደገፍን ክትልግስ ከም ዘለዋ ኣጕልሑ። "እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣመሪካ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ካቶሊካውያንን ኵሎም ጳጳሳትን ብዘይ ገለ ገደብ ምስ ዩክረይን ደው ክብሉ ኢዩ" በሉ። እቲ ዝምረጽ ርእሰ ብሔር ኣብዚ ጕዳያት እዚ ውን ትንቢታዊ ኣቕዋም ክሕዝ ዝለዎም ተስፋ ውን ገለጹ ።
ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ራእይ
ሊቀ-ጳጳሳት ጉድዢያክ ንመጻኢ ብምጥማት ዘመናዊ ተክኖሎጂ ተጠቒሙ ካቶሊካዊ መራኸቢኡ ብዙሓን ብዝያዳ ኸም ዚመሓየሽ ሓሳባቶም ኣካፈሉ። ሓቅን ኣወንታዊ ዜናን ንምግዋሕ ብቤተ-ክርስትያን ብእተዳለወ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝምራሕ ካቶሊካዊ መድረኽ ክምዕብል ውን ሓሳብ ኣቕረቡ። "1.3 ቢልዮን ካቶሊካውያን ኣለዉና - ካብዚኣቶም 20 ዝኾኑ ፍሉይ ውህበት ዘለዎም ክኢላታት ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ኣብ ናይ ኮምፕዩተር መተግበሪታት፣ ኣብ ምምሕዳር ማሕበራዊ መራኸብን ሓፈሻዊ መራኸቢታትን ክንረክብ ኣሎና " ዝብል ርእይቶ ኣቕረቡ ።
እዚ ራእይ እዚ ዘለዎም ሃረርታ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ መደምደምታ ቃለ መሕትቶም፣ ይኹን እምበር ዓለምለኻዊ ዝርግሐ ከም ማእከላይ ስልጣነ ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ-ክርስትያን ነዚ ኽትፍጽሞ ከም ዘለዋ ኣረጋገጹ። "ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እታ ናይ መጀመርታ ሓቀይና ዓለምለኻዊት ውድብ እያ። መልእኽታ ጸዋዕታኣብ ብብዙሕ ቋንቋታትን ባህልታትን ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ማሕበር ንላዕሊ እተመሓላልፍ ከም ምዃና ተዘሪቡሉ ኢዩ " በሉ ። “እዚ ድማ እቲ ክትገብሮ ዘለዋ ኢዩ" በሉ።
እዚ ቃለ-መሕትት እዚ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብዛ ምክፍፋልን ግጉይ ሓበሬታን ዝመልኣ ዓለም ሓቅን ሓድነትን ኣብ ምድንፋዕ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ውን ዜጕልሑ።