ቅድስቲ መንበር ኣብ ማሕበርዊ መርበብ ዝረአ ዘሎ ዘርአይናነት ምውሳኽ ስክፍታኣ ትገልጽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ማሕበርዊ መርበብ ዝረአ ዘሎ ዘርአይናነት ምውሳኽ ስክፍታኣ ትገልጽ 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ማሕበርዊ መርበብ ዝረአ ዘሎ ዘርአይናነት ምውሳኽ ስክፍታኣ ትገልጽ

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብኢንተርነት ዝፍጸም ዘርአይናነት፣ ጸረ ስደተይናታት ኣድልዎን ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋርን ምምካት ከምዘድሊ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ፡ ብዛዕባ ጸረ ስደተይናታትን ኣድልዎ፡ ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋርን ብመርበባዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝፍጸም ዘርአይናነት ስክፍታ ቤተ ክርስቲያን ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕለት 7 ሕዳር ኣብ ኒውዮርክ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሳልሳይ ሽማግለ ኣብ ዘካየዶ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘርአይናነት “ረቂቕ መልክዕ” እዩ ዘለዎ

 ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካብ ኵላዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ብምጥቃስ “ኩሎም ደቂ ሰባት ነጻን ብኽብርን መሰልን ማዕረ እዮም ዝውለዱ” እንክብሉ ኣበጊሶም፥ እዚ መሰረታዊ ሓቂ ምዃኑ ብትኽክል እኳ እንተተፈለጠ፡ “ቀጻሊ ብድሆታት ዘጓንፎ ምዃኑ ታሪኽ ኣርእዩ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብፍላይ “ግሁድ ኣድልዎ ብዓሌት ወይ ዘርአይናነት ንምልላይ ቀሊልን ብግቡእ ዝኹነንን ክኸውን እንከሎ”፡ ዓሌታዊ ጽልኢ - ዘርአይናነት መብዛሕትኡ ግዜ “ዝያዳ ረቂቕ መልክዕ ይሕዝ” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ኣፍሊጡ።

ጸረ ስደተይናታት ኣድልዎን ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋርን

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሊቀ ጳጳሳት ካቻይ፥ ንቅድስቲ መንበር ብፍሉይ ዘገድሱ ሰለስተ መዳያት እንከመላኽቱ፥

እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ዝግበር ኣድልዎ ምዃኑ ሓቢሮም፥ “ስደት ናይ ፍርሕን ጭንቀትን ስምዒት ክፈጥር ይኽእል እዩ . . . እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንፖለቲካዊ ጕዳያት ተባሂሉ እዩ ዚጋደድን ዚምዝመዝን፡” ይኹን እምበር "ስደተይናታት ወትሩ ከምቶም ዝዀነ ይኹን ሰብ ብኑባሬ ዝተዓደሎ ኽብሪ ዘለዎም ሰባት ጌርካ ኺርኣዩ ኣለዎም” እንክብሉ ኣጉሊሖም፥

ኣስዒቦም እቲ ካልኣይ ድማ፥ ጸገም ሃይማኖታዊ ዘይምጽውዋር ምዃኑ ብምምልካት፥ . . . “ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን እምነቶም ብምግላጾም ገደብን ስደትን የጋጥሞም” ኣንክብሉ ብኣጽንዖት ሓቢሮም፥ ከምዚ ዝኣመሰለ ገደብ ነቲ መሰረታዊ መትከል ናጽነት ሃይማኖት ወይ እምነት የዳኽም፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ዘርአይናነት

ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ነቲ ቅድስቲ መንበር ብማሕበራዊ መርበብ ዝሰፍሕ ዘሎ ብዛዕባ ዘርአይናነትን ጽልኢ መጻእተናታትን ዘለዎም ሻቕሎት ኣጕሊሖም፥
"ምስዚ መዓት እዚ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ትምህርቲ ከም ሜላዊ ምላሽ ኰነ ከም ነባሪ ናይ ምክልኻል ስጕምቲ መጠን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ" ቢሎም፥ ማዕረ ክብሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ "ንዘርአይናነት ወይ ንሕራጎትን ኣዒንትና ኽንዕምት ከም ዘይብልናን ከምኡ እውን ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ናይ ነፍሲ ወከፍ ህዝብን ሃብታም ተውህቦን ፍሉይነትን ኣፍልጦ ብምሃብ ነቲ ካልእነት ብግልጺ ኽንቅበሎ ኣሎና " እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 November 2024, 16:49