ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃይቲ ንዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ትድግፍ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ህዝቢ ሃይቲ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ዕንወትን እናተቀላጠፈ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን የሳቕያ ከም ዘሎን፡ ኣብ መላእ እታ ደሴታዊት ሃገር ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት በቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም እተመዛበሉን ዕለት 13 ሕዳር፡ ውድብ መላእ ሃገራት ኣመሪካ (OAS)፡ ባይቶ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ሃይቲ፡ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ ክህሉ ዘቕረቦ ሕቶ ንምድልዳል ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኾነ ናይ መላእ ሃገራት ኣመሪካ ውድብ፥ 35 ሃገራት ኣመሪካ ዝሓቖፈ ፈደራላዊ ማሕበር ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ትካል ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ዲሞክራስያዊ ናጽነት ንምድንፋዕን ናይ ምርጫ ናይ ምክትታል ስራሕ ንምፍጻምን ዝዓለመ ኮይኑ፥ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ውድብ የኔታ ኹዋን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ ነቲ ውሳኔ ዝድግፍ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሃይቲ ንዝካየድ ጻዕርታት ህንጸት ሰላም “ሰፊሕ ተወፋይነት” ከርኢ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካ ኣመላኺቱ፥ “ቅድስቲ መንበር ንህዝቢ ሃይቲ ዘለዋ ቅርበት ደጊምም ከም ዘረጋገጹን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃይቲ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው መበገሲኡ ካብ መዋቕራዊ ድኽነት ብሰንኪ እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ጆቨነል ሞይዝ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ነዚ ስዒቡ ዝላባዕ ዘሎ ብልሽውናን ዓፈና ተቓወምትን ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፥ ተኸታታሊ ዘይምርግጋእ ናይ መሰጋገሪ መንግስታት እዚ ኩነት እዚ ኣብ ርእሲ ከተማ ፖርት ኦ ፕራንስ ዝፈጠሮ ናይ ስልጣን ባዶነት፡ ማእከል ናይ ኣዕጡቓት ናይ ገበን ጉጅለታት ኮይና ከም ዘላን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ እንተ ወሓደ 115 ከም እተቐትሉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሃይቲ ጠቒሱ የመላኽት።
ብውሳኔ ናይ መላእ ሃገራት ኣመሪካ ውድብን ብሃይትን፥ ወግዓዊ ስርሒት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ክቐውም ዝቕርብ ዘሎ ሕቶ፥ ብዘይብቑዕ ምወላን ትሑት መሳለጥያን ዝተዓገተ ብኬንያ ዝምራሕ ተልእኾ ጸጥታ ድሕሪ ምውፋሩ ክኸውን እንከሎ፡ ስለዚ ምውፋር ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝያዳ ስርዓታዊ መስርሕን ኣህጉራዊ ቁጠባን ተጠቒሙ ዓመጽ ጉጅለታት ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ብምምልካት ኮይኑ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ዘይምርግጋእን ስእነት ሰላምን ኩነታት ብምሕሳብ ብተደጋጋሚ፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ “ንሃይቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈጺሙ ከይንርስዖም” ተማሕጺኖም እዮም። ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስን ሃገረ ስብከታት ሃይቲን ሓዊሱ ካቶሊካዊ ትካላት ረድኤት ኣብታ ደሴት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ይቕጽላ ከም ዘለዋን ካብ ዓመጽ ንዝሃድሙ ዜጋታታ መጽለሊ፣ መግብን ጽሩይ ማይን ኣብ ምቕራብ እውን ከም ዝርከባ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።