ቅድስቲ መንበር ኣብ ጠፈር ምትእኽኻብ ኣጽዋር ስክፍታኣ ትገልጽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ጠፈር ምትእኽኻብ ኣጽዋር ስክፍታኣ ትገልጽ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ኣብ ጠፈር ምትእኽኻብ ኣጽዋር ስክፍታኣ ትገልጽ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤል ካቺያ ኣባል ሃገራት ኣብ ንጥፈታት ጠፈር ዓለምለኸ ምትሕብባር ቀዳምነት ክህባ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ 1968 ዓ.ም. ብዛዕባ ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ጠፈር እተገብረ ዋዕላ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ንሃገራውን ንግዳውን ተዋሳእቲ ንሓባር ምዕባለ ኣብ ዳህሳስ ጠፈር ኬተኵሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ቅድስቲ መንበር ንእደ ጥበባዊ ህዋ ዝምልከት ዝያዳ ውሁድ ኣህጉራዊ ስርዓታት ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ብምዝኽኻር ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ንናይ ኩሉ ረብሓ ዝኣመተ እውን ክኸውን ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ከም እትርከብ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 30 ጥቅምቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤል ካቺያ ኣብ ኒውዮርክ ብዛዕባ ድሕነት ህዋ ኣብ ዝምልከት ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ቀዳማይን ራብዓይን ሽማግለ ምፍታሕ ኣጽዋርን ፍሉይ ፖለቲካዊ ተልእኾን ብቕደም ተኸተል ኣብ ዝተካየደ ዋዕላ መግለጺ ከም ዝሃቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

“ሰፊሕ ዓቕሚ ጠፈር ኣብ እንምርምርሉ ዘለና እዋን፡ ሃገራት ከም ናይ ሓባር ረብሓ ሰላማዊ ኣጠቓቕማኡ ከስፍሓ ኣገዳሲ” ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ኣብ መደረኦም ኣስተብሂሎም፥ ኣባላት ሃገራት ንህዋ ከወተህድርኦ፡ ማለት ብመንገዲ ጸረ ሳተላይት ኣጽዋር (ASATs) ዘካይድኦ ዕዮ ዘስዕቦ ስግኣት ገሊጾም። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ኣብ ዝሑል ኩናት ዝተኻየደ ቅድምም ጸረ ሳታላይት ኣጽዋር ኣብ ህዋ ዘንቀሎ ውጥናት ኣብ ምድሪቤት ንዝርከባ ሳተላይታት ከጥፍኣ ዝኽል ከም ዝኾነን ኣሜሪካ ኣብ 2022 ዓ.ም. ንፈተነ ጸረ ሳታላይት ኣጽዋር ህዋ ደው ኣቢላቶ እኳ እንተነበረት ቻይናን ሩስያን ግን ኣብ ቀረባ እዋን ክሳብ ግንቦት 2024 ዓ.ም. ተመሳሳሊ ናይ ጸረ ሳታላይት ኣጽዋር ምርኢት ከም ዘካየዳ የመላኽት።

ሊቀ ጳጳስ ካቺያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጠፈር ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ንምእጋድ ኣብ ስምምዕ ምርድዳእ ዘይምብጻሑ ዘሕዝን’ዩ” ከም ዝበሉን ጉባኤ ምፍታሕ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት፡ ስጉምትታት ዘይምስፋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብዛዕባ ምትእኽኻብ ኣጽዋር ጠፈር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ከንጸባርቕ ዝግበኦ ህሉው ማዕቀፍ ምዃኑ ኣጉሊሖም። ናይ ሎሚ ዓመት ዛዕባ ምፍታሕ ኣጽዋርን ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያ ዝእንገድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ሊቀ ጳጳስ ካቺያ፡ ክሳብ ሽዑ ኣባል ሃገራት ነቲ “ወርሕን ካልእ ሰማያዊ ኣካላትን ንሰላማዊ ዕላማ ጥራይ ክውዕል” ዝብል ናይ 1967 ዓ.ም. ውዕል ግዳማዊ ህዋ ክስዕባን ከኽብራን እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 November 2024, 14:28