ቅድስቲ መንበር መጽሓፈ ሥርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድሽ ሕታም ኣውጺኣ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ሊጡርጊያ ንሥርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብ29 ሚያዝያ 2024 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸደቐ ካልኣይ ሕታም ኣውጺኡ።
እዚ ሓድሽ ሕታም ሥርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳር ሓያሎ ሓደስቲ ነገራት ውን ተኣታትዩ ኣሎ ። እቲ ወግዓዊ ኣዋጅ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚገልጽ መርድእ ኣብ ቤት እቶም ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘይኰነስ ኣብ ቤት ጸሎት እዩ ቅዱስነቶም ክካየድ ከም ዘለዎ፣ ሬሳኦም ኸኣ ብኡንብኡ ኣብ ሳጹን ክኣቱ ከም ዘለዎ ውን የመልክት።
ምእመናን ንሬሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ውሽጢ እቲ ሳጹን እንከሎ ክበጽሕዎን ኣክብሮቶም ክገልጹን ይኽእሉ እዮም፣ ነቲ ብሰለስተ ሳጹናት ብዕጻው ኦም ቄድሮስን ዓረርን ኮቺያን ዝተሰርሐ ናይ ምጥቃም ልምዲ ድማ ተወጊዱ ኣሎ ።
እቲ ቕድሚ እዛ ሓዳስ ሕታም ዝነበረ መጽሓፍ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ እቲ ብ1998 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝጸደቐ እሞ ኣብ 2000 ዓ.ም. እተሓትመ መጽሓፈ ሥርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ሓድሽ ሕታም ኰይኑ ቐረበ፣ እዚ ድማ ብ2005 ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣገልገለ፣ ብ2023 ከኣ ብምስ ገለ ምትዕርራያት ኣብ ሥርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ መበል 16 ውን ኣገልገለ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዲየጎ ራቨሊ "ካልኣይ ሕታም ኣድላዪ ኢዩ" በሉ። ቀዳማይ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ባዕሎም ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከም ዝገለጽዎ መጽሕፈ ሥርዓተ ቀብሪ ጳጳስ ሮማ ንእምነት ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ኽገልጽ፣ ንገሊኡ ሥርዓት ቀብሪ ርዱእ ንምግባር ምትዕርራይ ኣድላዪ ምዃኑ ስለ ዝሓተተ ኢዮም።"
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ራቨሊ ከም ዝገለጽዎ "እዚ እተሓደሰ መጽሓፍ ሥርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ቀብሪ ናይ ሓደ ጓሳን ወደ መዝሙርን ክርስቶስ ደኣ እምበር ከም ቀብሪ ናይ ሓደ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሓያል ዝኾነ ሰብ ከም ዘይኰነ ብዝያዳ ንምጕላሕ ስለ ዝተደልየ ኢዩ" በሉ።