ካርዲናል ፓሮሊን - 'ውግእ ዘይተርፍ ኢዩ ኢልና ክንሓድጎ ኣይንኽእልን ኢና'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ውግእ ዘይተርፍ ኢዩ ኢልና ሸለል ኢልና ክንሓልፎ ኣይንኽእልን ኢና!" ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን በቲ ሃገረ ሩስያ ብዕለት 19 ሕዳር ንዩክረይን ካብ እትወርራ መበል 1000 መዓልቲ ካብ ዘቝጽር ንነጀው ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ነዚ ነጥቢ እዚ ብጽኑዕ ኣስመሩሉ። ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ድሮ እታ ናብ ጉባኤ ናይቶም ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት G20 ኣብ ዝካየደሉ ናብ ብራዚል ዝኸደላ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እዛ እተሕዝን መዓልቲ እዚኣ "ኣብ ኵሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ነቲ ቀጻሊ ዝዀነ ህልቂት ደው ከብልዎ ዝኽእሉ ሓላፍነት ክስምዖም ይኽእል ኢዩ" ብምባል ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።
ኣብ ውርሒ ሓምለ ናይዛ ዓመት እዚኣ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ለቪፍ ኦዴሳ ከምኡውን ክየቭ ብምኻድ ናብ ዩክረይን ምብጻሕ ከም ዘካይዱ ውን ዝዝከር ኢዩ ።
ትሕዝቶ ናይቲ ዘቃየድዎ ቃለ መሕትት ነዚ ይመስል፦
ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ከመይ ዝመስል ኣተሓሳስባ እዩ ዘሎኩም ?
ካርዲናል ፓሮሊን፦ ነቲ በብመዓልቱ ዚበጽሓና ሞትን ዕንወትን እንሰምዖ ዘሎና ዜናታትን ክንለምዶ ወይ ሸለል ኢልና ክንሓልፎ ስለ ዘይንኽእል ዓሚቝ ጓሂ ጥራይ እዩ ክስምዓና ዝኽእል። ዩክረይን መጥቃዕቲ ዝወረዳ እሞ በጃ ኰይና እትሳቐ ዘላ ሃገር ኢያ፣ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ካብ ትምህርቶም ስርሖም ከምኡውን ስድራቤቶም ተሰናኺሎም ናብ ግንባራት ክለኣኹ ኸለዉ፣ ኣብ ክንዲ ምሉእ ወለዶታት በጃ ክኾኑ ኸለዉ ድማ ብዓይና ንርኢ ኣሎና። እቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ብደብዳባት ቦምብታት ወይ ብነፋሪት ኪሞቱ ኸለዉ ኸምኡውን እቶም ኣባይቶም ዝሰኣኑ ወይ ብሰንኪ እቲ ውግእ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኪነብሩ እተገደዱ ሰባት ዜሕዝን ፍጻመ የጋጥሞም ኣሎ።
ንሃገረ ዩክረይን ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል ?
ካርዲናል ፓሮሊን ፦ ቅድሚ ኩሉ ከም ክርስትያን ኣመንቲ መጠን ክንጽሊ ንኽእል ኢና፣ ክንጽሊ እውን ኣሎና ። ኣምላኽ ንልቢ እቶም "ጐይተት ውግእ" ኪቕይር ክንልምኖ ኣሎና። እተን ብፍላይ ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት ክርስቲያን ዝኾና ሃገራት ብኽብሪ ዝቕበልዋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከተማላደሎም ብቐጻሊ ክንጽሊ ኣሎና።
ካልኣይ ምትሕብባርና ነቶም ዚሳቐዩ ክንክን ዜድልዮም ቍሪ ዚጻወሩ ወይ ኵሉ ዚጐድሎም ሰባት ምእንቲ ኸይሃስስ ንርእስና ኽንውስን ንኽእል ኢና ። ኣብ ዩክረይን እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ውግእ ኣብ ዘላ ሃገር መዓልታዊ ሓልዮታ ብምልጋስ ንህዝቢ ብዙሕ እያ እትገብረሎም ዘላ።
ሳልሳይ ከም ማሕበረሰብ መጠን ንሰላም ንምጥባቕ ድምጽና ኽንሰምዕ ንኽእል ኢና ። ናይ ሰላም ተበግሶታት ክንሰምዕን ክንሓስበሉን ብምሕታት ክንጭድር ንኽእል ኢና ። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዚዅንንዎ ዘሎ ውግእን ቅድድም ዕዳጋ ኣጽዋርን ክነጸጎን ተቓውሞና ክንገልጽን ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ተስፋ ምቝራጽ እንተ ተሰምዓና ርዱእ እኳ እንተ ዀነ ከም ሓደ ሰብኣዊ ስድራ ቤት መጠን ብሓባር ኴንና ብዙሕ ክንገብር ከም እንኽእል ዝከሓድ ኣይኰነን ።
ሎሚ እንተ ወሓደ ንድምጺ ኣጽዋር ደው ንምባል እንታይ የድልየና ?
"እንተ ወሓደ ድምጺ ኣጽዋር ደው ኣብሉ" ምባል ግቡእ ኢዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሰላም ምውዕዋዕ ግዜ ዝወስድ ክኸውን ከሎ፣ እታ ነቲ ውግእ ዘለዓዓለቶ እሞ ዓመጻ ኸተቋርጽ ዘለዋ ሩስያ፣ ብቐንዱ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ጕጅለታት ዝገብራኦ ዘለዋ ውዕል ግን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ክፍጸም ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዝብልዎ ዘለዉ ንውግእ ዘይኰነስ ንሰላም ክጽዕሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት የድልዩና እዮም፣ እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ምስ ዩክረይን ጥራይ ዘይኰነስ ምስ መላእ ኣውሮጳን ዓለምን ብቐጻሊ ብምቅላስ ዓብዪ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ኣለዎም።
እዚ ውግእ እዚ ናብ ኑክልየሳዊ ውግእ ከም እንኣቱ ክገብረና ይኽእል እዩ ። ቅድስቲ መንበር ምስ ኵሉ ሰብ ዝርርብ ንምግባር ዝከኣላ ዅሉ ክትገብር ትጽዕር ኣላ፣ እንተዀነ ግን ናይ ታሪኽ ሰዓት እተመልሰ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም ዘሎ ። ስነ ሜላዊ ክልኤኣዊ ጻዕርታት ናይ ትዕግስቲ ዝርርብ ከምኡውን ሰላም ናይ ምፍጣር ውዕላት ከም ቅርስታት ዝሓለፈ ኮይኑ ጠፊኡ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ ። እቶም ግዳያት ማለት እቶም ንጹሃት ኢዮም ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ ። ውግእ ንመጻኢ ኻብ ወለዶታትን ቈልዑን መንእሰያትን ይሰርቕ፣ ምክፍፋል ይፈጥር፣ ጽልኢ ድማ የለዓዕል ኣሎ ።
ኣርሒቖም ዚርእዩ ብትብዓት ትሕትና ዜርእዩ ንጽቡቕ ህዝቦም ዚሓስቡ ሰበ ስልጣን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዜድልዩና! ኣርብዓ ዓመት ይገብር ኣብ ሮሜ ኣብ መንጎ ኣርጀንቲናን ቺለ እተገብረ ውዕል ሰላም ከም ዝተፈረመ ዝዝከር ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ብማእከልነት ቅድስቲ መንበር ነቲ ብዛዕባ መተሓላለፊ መትረባት ቢግለ ንዝነብረ ግጭት መፍትሔ ኮይኑ ኢዩ ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት እዘን ክልተ ሃገራት ናብ ውግእ ቀሪበን ነበራ፣ ሰራዊታተን ድማ ድሮ ዕጠቕ ኢለን ነበራ። ደሓር ግን ኵሉ ነገር ደው በለ፣ ንኣምላኽ የመስግኖ፣ ከመይ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ኢዩ ተናሒፉ፣ ብዙሕ ንብዓት ድማ ኣወገደ ። እዚ መንፈስ እዚ ሎሚ ኣብ ማእከል ኣውሮጳ እንደገና ኺርከብ ዘይከኣል ስለምንታይ እዩ?
ሎሚ ንምምይያጥ ቦታ ኸም ዘሎ ዶ ትኣምኑ ?
ካርዲናል ፓሮሊን ፦ እቲ ምልክታት ኣወንታዊ እኳ እንተ ዘይኰነ ንቕድስና ህይወት ደቂ ሰብ ኣኽቢሩ ዝርኢ ዝዀነ ይኹን ሰብ ውዕላት ኪግበር ይከኣል እዩ ። ምምይያጥ ምልክት ድኽመት ዘይኰነስ ትብዓት እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናብ ላክሰምበርግን በልጅዩምን ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ ኣብ እተዛረቦዎ ቃላት "ሓቀኛ ዘተ" ከምኡውን "ክቡር ምድርዳር" ዝገብሩሉ መገዲ ደድሕሪ እቶም ጽሕፍቶ ህዝብታት ኣብ ኢዶም ዝሓዙ ሰባት ክስዕብዎ ዘለዎም ቀንዲ መገዲ ኢዩ በሉ። ኣብ መንጎ እቶም ጕጅለታት እንተ ወሓደ ዝተሓተ ምትእምማን ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ ምይይጥ ክግበር ዝከኣል፣ እዚ ኸኣ ካብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እምነት ዝሓትት ኢዩ። ብእተወሰነ ደረጃ እውን እንተ ዀነ ትውክልቲ እንተ ዘይተገይሩ ኣብ ስጉምትታት ምውሳድ ድማ ቅንዕና እንተ ጐዲሉ ኵሉ ነገር ደው ከቋርጽ ይኽእል ኢዩ ።
ኣብ ዩክረይን ቅድስቲ መሬት ከምኡውን ኣብ ሓያሎ ኻልእ ክፍልታት ዓለም ውግእን ሞትን ይቕጽል ኣሎ። ውግእ ዘይተርፍ ዘይተርፍ ኢዩ ኢልና ኽንሓድጎ ኣይንኽእልን ኢና! ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ካብ ዝባራዕ ንነጀው መበል ሓደ ሽሕ መዓልቲ ዘቝጸረት እተሕዝን መዓልቲ ኣብ ኵሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ነቲ ቀጻሊ ዝዀነ ህልቂት ደው ከብልዎ ዝኽእሉ ሓላፍነት ክስምዓና ተስፋ እገብር።