2024.11.22 ግህሰት ንምምካት ብሓባር ምስራሕን ነንሕድሕድካ ምምህሃርን 2024.11.22 ግህሰት ንምምካት ብሓባር ምስራሕን ነንሕድሕድካ ምምህሃርን 

ግህሰት ንምምካት ብሓባር ምስራሕን ነንሕድሕድካ ምምህሃርን

ብዓለም ደረጃ ንሓለዋ ህጻናት ብሓባር ምስራሕን ካብ ነንሕድሕድካ ምምሃርን ዘለዎ ኣገዳስነት ናይታ ናይ ኣገልግሎታ ዘመን ኣብቂዕ እትሰናበት ዘላ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኣውስትራሊያ ልኡከ መግንስቲ ኣብ ስጉምትታት ንሓለዋ ህጻናት ዝተወፈየ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ ከም ዘጒለሐት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ፍርያም ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ንጥፈታት ንሓለዋ ህጻናት ዓብይ ኣበርክቶ ዝገበረት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኣውስትራሊያ ልእኽቲ መንግስቲ ኮይና ዘገልገለት ኪያራ ፖሮ ናይ ኣገልግሎታ ዘመን ኣብቂዓ ናብ ሃገር ክትምለስ ከም ዝኾነትን እዛ ልእኽቲ መንግስቲ ዕለት 21 ሕዳር ምሸት ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስታትን ኣብ ዓውዲ ሓለዋ ህጻናት ኣድማዒ ናይ ምክልኻል ስጉምትታትን ምትሕብባርን ክግበር ከም ዘለዎ ተተሓሳስብ።

ብዛዕባ ካብቲ ዓመጽ ዝደሓኑ ሰባት ምምሃር

ሓለዋ ህጻናት ብደረጃ ዓለም ንምትግባር፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝካየዱ ተበግሶታት ምትብባዕ ኣገዳሲ እዩ፤ እቲ ጉዳይ ብማእከላይ ደረጃ ጥራይ ክእለ ስለ ዘይከኣል። ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተጠቕዑ ሰባት ፍሉይ ተሃዋስነት እውን ወሳኒ እዩ: . . . ንባዕላ (ልእኽቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያ) ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ዝያዳ ከም ዝተማህረት ኣጒሊሓ፡ ብተወሳኺ ኣብ ኣተሓሕዛ ግህሰት፣ ግሉጽነት፣ ምስ ክኢላታት ዓውዲ ምትሕብባርን ምድላይ ፍትሕን ዘጠቓልል ኣገዳስነት ሞያዊ ደረጃታት ኣስሚራ፥ ኣብዚ ሰሙን እዚ ጥራይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለማዊ መዓልቲ ህጻማት ዝዓለመ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምቛሞምን እዚ ድማ ንዓለማዊ መዓልት ሕጻናትን ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰልን ክብርን ሕጻናት ምኽባር ዝድርኽ ናይ ምጉስጓስ ተልእኾ ዘስፍሕ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም.  ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ሕጻናት ከም ዘቖሙን ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ ሓለዋ ህጻናት ዝምልከት ኣህጉራዊ ጉባኤ ክካየድ ከም ዝገበሩን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሓለዋ ባህሊ ንምስራጽ ብዙሕ ሕጋውን ጉስነታውን ጽገናታት ክግበር ደሪኾም እዮም።

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር፡ ዝሰፍሐ ምትሕብባር የድሊ

ነቲ ኣብ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ዝኸፈቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ምስ ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፥ እዚ ምስ በርገሳዊ ስልጣን ምትሕብባር ምሕያል እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣስሚሮም . . . ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ባዕላ ካብዚ ምትሕብባር ተማሂራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝብታትን ግዝኣታትን ብሓባር ናይ ሓልዮት ባህሊ ንምህናጽ ነቲ ጉዳይ ክፈትሕዎ ተተባብዕ። . . . እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ንህጻናት ውሑስ ሃዋህው ንምፍጣር ኣብ ዘድልየና ጽገናታት ንቕድሚት ክንስጉም ክሕግዘና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍራንክ ዞልነር ኣብ ኣውስትራልያ ርኡይ ምዕባለታት ከም ዘሎ የመልክቱ

ጀርመናዊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሃንስ ዞልነር ኣብ መጀመሪያ ቅዋመ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ኣባልን ኣብ ጳጳሳዊ ጎርጎርዮስ መንበረ ጥበብ ናይ ተቕዋም ምክልኻል ዋና ሓላፊ ንልእኽቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ፖሮ ኣብ ምክልኻል ህጻናትን ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብን ንዝገበረቶ ተወፋይነትን ምስቲ ኣብ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዘሎ ተቕዋም ምክልኻል ንዝገበረቶ ውጺታዊ ምትሕብባርን ኣመስጊኖም፡ ብፍላይ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብዚ ዓውዲ ካብ ዝነጥፉ ሃገራዊ ውክልናታት ሓደ ምዃኑ ንኢዶም፡ እታ ክኢላ ሓለዋ ኣብ ዞባ ኦቻይና ከይተረፈ ንሓለዋ ህጻናት ብንጥፈት ከም እተጸምደት ገሊጾም። ኣብ ኣውስትራልያ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ምክልኻል ህጻናት ርኡይ ምዕባለ ከምዘርኣየት ኣመልኪቶም እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ብዛዕባ ግህሰት ዝምልከት ጸብጻብ ዘቕረበ ናጻ ንጉሳዊ ሽማግለ ታሪኻዊ ስራሕ እውን ዘኪሮም ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 November 2024, 10:43