ድለ

2024.11.22 ሽልማት ራትዚንገር ንሕድሪ 'መምህር ተስፋ ኣብ ግዜ ጸልማት’ 2024.11.22 ሽልማት ራትዚንገር ንሕድሪ 'መምህር ተስፋ ኣብ ግዜ ጸልማት’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ሽልማት ራትዚንገር ንሕድሪ 'መምህር ተስፋ ኣብ ግዜ ጸልማት’

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ስነ - ስርዓት ምሃብ ሽልማት ራትዚንገር 2024 ዓ.ም. ኣጋይሽን ተሸለምትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት 22 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት ብእምነትን ተስፋን ክንገጥሞ ዘተባብዕ ሕድሪ በነዲክቶስ መበል 16 የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 22 ሕዳር ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ስነ ስርዓት ሽልማት ራትዚንገር 2024 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክት መበል 16 ነባሪ ውርሻ ከም ዘጒልሑን፥ ናይ 2024 ዓ.ም. ሽልማት ራትዚንገር ተዓወትቲ ኮይኖም ዝተሓርዩ ኣየርላንዳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሲሪል ኦሬጋን ጃፓናዊ ቀራጺ ስነ ጥበበይና ኤትዙሮ ሶቱ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በነዲክቶስ መበል 16፡ ድምጺ ተስፋ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ መደምደምታ እቲ ጽምብል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ትምህርትታት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ጽልእን እከይን ዜንጸባርቕ ዘመናዊ ቓልሲ ኣብ እምነትን ተስፋን ክንጸንዕ ብኸመይ ከም ዘዘኻኽረና ዘስተውዕል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “Spe Salvi - ብተስፋ ኢና ድሒንና”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ "ንሰብኣዊ ተስፋን ንክርስትያናዊ ተስፋን ምሉእ ብምሉእ እተወፈየ ኢዩ" እንክብሉ ዘኪሮም፥ እቶም ክልተ ተዓወትቲ እቲ ሽልማት ህይወቶም "ብዅሉ መልክዑ ሓቂ ንምርካብ ዘወፈዩ ጆሴፍ ራትዚንገር ዘመሓላለፍዎ ቲዮሎጊያዊ ስምዒት ዘለዓዕልን ሰብኣውን ምስ ክርስትያናዊ ምስክርነት ዘሰማምዕን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቶም ተዓወቲ ​​ሽልማት

ሲሪል ኦ’ሬጋን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መንበረ ጥበብ ኖትረደም መምህር ኣየርላንዳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ፡ ብዛዕባ ትሕትናን ብባህሊ ቤተክርስትያን ኣቢሉ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዘለዎ ተወፋይነትን በነዲክቶስ መበል 16 ዓሚቝ ኣስተንትኖ ብምግባሩ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንኢዶም፥ ጃፓናዊ ናይ ስነ ቅርጺ ሊቅን ኤትሱሮ ሶቱ፥ ባርቸሎና ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ስድራ ቤት ብዝሰርሖ ስነ ጥበባዊ ስራሕ ውሩይ ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ኣብኡ ድማ እቲ ስርሑ ናይ ፍስሓ ራእይ የንጸባርቕ፡ ስነ - ጥበብ ተጠቒሙ መንፈሳዊ ሓቅታት የመሓላልፍ . . . ንሱ ንቤተክርስትያን ከም "መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እምኒ" ይቀርጻን ይርእያን፡ እዚ ድማ ነቲ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ጽባቐን እምነትን ዘሎ ውሁድ ስኒት ዝነበሮም እምነት ዘቃልሕ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣድማሳዊ ውርሻ ራትዚንገር

ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበር ማሕበር ራትዚንገር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፡ ስራሕ በነዲክቶስ መበል 16 እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓውሎማዊ ጽልዋ ኣስሚሮም . . . እዚ ድማ እቲ ኣብ ሚነሶታ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቅድስቲ ማርያም ኣብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መናብርተ ጥበብ ዝካየዱ ተበግሶታት፡ ትምህርትን ስራሕን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መላእ ስነ - ፍልጠታትን ባህልታትን ዘለዎ ነባሪ ጽልዋ ዘርእይ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

25 November 2024, 10:39