ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ G20፡ ጽገናታት ሰብኣዊ መሰላት ዘውሕስ ክኸውን ኣለዎ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ G20፡ ጽገናታት ሰብኣዊ መሰላት ዘውሕስ ክኸውን ኣለዎ 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ G20፡ ጽገናታት ሰብኣዊ መሰላት ዘውሕስ ክኸውን ኣለዎ

ኣብ ብራዚል ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ 20፡ ዝተሳተፉ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሃብታማት ሃገራት ንዕዳ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሕድገት ክገብራን ሕሉፍ ውሳነታተን ሓላፍነት ክወስዳን ክልተ ብድሆታት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ብራዚል ካብ ዕለት 18 – 19 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጉጅለ 20 ሃገራት፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን “ተሓድሶ ምሕደራ ዓለማዊ ትካላት” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም መደረ ከም ዘስምዑን፥ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ካብ ብሔራዊ ግዝኣታት ናብ ኣህጉራዊ ብዝሓ ጎናውነት ትካላት ዝተራእየ ናይ ስልጣን ለውጢ ከም ዘስመሩሉን፥

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝተራእየ ለውጢ

ኣብ መደረኦም፥ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ቍጽሪ እተን ናጽነተን ዝረኸባ ሃገራት ከም ዝወሰኸ ኣጕሊሖም እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፖለቲካዊ ዅነታት ከም ዝቐየሮን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣህጉራውያን ብዙሕነታዊ ትካላት “ንጠለባት መበል 21 ክፍለ ዘመን ንምምላስ ብድሆታት ዘጋጥመን ይመስል - ቢሎም - ከም መፍትሒ ድማ፡ ለውጢ ክግበር፡ “ኣድማዒ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ከመቻችኡ ዝግበኦም ማዕቀፋት ዳግማይ ምሕሳብ” ወሳኒ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ሰላምን ምርግጋእን ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም ኣብ ርእሲኡ ድማ ንሓደስቲ ብድሆታት ከመይ ጌርካ ምላሽ ከም እትህብን “ንከባብያዊ፡ ህዝባዊ ጥዕና፡ ባህላውን ማሕበራውን ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምላሽ ዝህቡ ዓውሎማዊ ኣገባባት” ምፍጣርን እውን ኣገዳስነቱ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፥ እዚ ኩሉ ምዕባለታት እዚ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማሕበራዊ መሰላትን ሓልዮት ከባቢን ኣብ ግምት ከኣቱ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምዕዳንን መደብን

ብጹዕነቶም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን "ዓለምለኻዊ ስልጣን ኣብ ሓደ ሰብ ወይ ኣብ ሓደ መጠኑ ዝሓለፈ ስልጣን ዘለዎም ልሂቃን ሰባት ከይብሓት” እንክብሉ ዘቕረብዎ መጠንቀቕታ ጠቒሶም፥ "ዝዀነ ይኹን ኣብ መጻኢ ኣብ መንግስታት ዓለም ዚግበር ጽገናታት፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ዝጸሓፍዎ፡ ውጽኢታዊ ዓለማዊ ሕግታት “ነዚ ዓለማዊ ሓለዋ ንምቕራብ ኪፈቅድ ምእንቲ” ንመትከላት ምትሕግጋዝን ማዕረ ተሳትፎን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ” ቢሎም፥

ነዚ ንምግባር ሃብታማት ሃገራት ንጽልዋ ሕሉፍ ውሳኔታቶም ኣፍልጦ ክህቡን ዕዳ ናይተን ፈጺመን ክመልሰኦ ዓቕሚ ዘይብለን ሃገራት ሕድገት ከገብራ ሓሳብ ኣቕሪቦም፥ እዚ ካብ ሕቶ ልግሲ ንላዕሊ ሕቶ ፍትሒ እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 November 2024, 15:40